ስዑድያ ካብ ኲናት ኣመሪካን ኢራንን ንምርሓቕ ኣብ እትፍትነሉ ዘጋጥማ ዘሎ ፈተነ

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
እስራኤልን ኣመሪካን ብሓባር ብ28 ለካቲት 2026 ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ካብ ዝጅምራ፡ ስዑድያ ዋላ ደኣ ኣብቲ ኲናት ኢዳ ንዘይምሕዋስ እንተ ተጋደለት፡ ሕጂ ብሰለስተ ኣንፈታት መጥቃዕቲ ካብ ዝፍጸማ ግን ይኣኽለኒ ዝበለት ትመስል።
ኣብዚ ሰሙን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ዒራቕ ዝዓስከሩን፡ ኣብ ልዕለይ ብድሮን መጥቃዕቲ ፈጺሞም ኢላ እትኣምነሎምን መሻርኽቲ ኢራን ዝዀኑ ንኡስ ወተሃደራዊ ጕጅለ ምስ ኣመሪካ ብምዃን መጥቃዕቲ ፈጺማ ኣላ።
ንስዑዲ ዓረብ ሕጂ ኣብ መዋጥር ኣእትይዋ ዘሎ፡ ነብሳ ንምክልኻል መጥቃዕቲ ምቕጻል ድዩ ወይስ ነገራት ንምትህድዳእ ውሽጡ ሕሩር ኰይና ኢዳን እግራን ምእካብ ዝብል ክልተ ምርጫታትት'ዩ።
ስለዚ መን'ዩ ንመን ዘጥቕዕ ዘሎን ንምንታይን'ዩ ዘጥቅዕ ዘሎን?
መጀመርታ ቅሩብ ስእሊ ንምሃብ፡ ኣብዚ ንወሽመጥ ዓረብን ካልእ ክፋላት ማእከላይ ምብራቕን ካብ ዝልብልብ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣቝጺሩ ዘሎ ግጭት ብሰፊሑ ክልተ ተጻረርቲ ወገናት ኣለዉ።
ብሓደ ወገን ኢራንን እስላማዊ ሓለዋ ሰውራኣን ኣለዉ፤ ምስኦም ዝሻረኹ ድማ ኣብ የመን ዝርከቡ ሑቲ ዝበሃሉ ኣብ 2014 ንመብዛሕትኡ ክፋል እታ ሃገር ዝሓዙ ቀቢላዊ ጕጅለ እዮም።
ብዘይካ'ዚ ብኢራን ዝድገፉ ኣብ ዒራቕ ዝመደበሮም ንኡስ ወተሃደራዊ ጕጅለ፡ ኣብ ልዕሊ ስዑዲ ዓረብ 30 መጥቃዕቲ ድሮን ፈጺሞም ዝበሃልን ስዑድ ዓረብ ምስ ኣመሪካ ብምዃን ከም መልሰ ግብሪ ኣብ ልዕሊኦም መጥቃዕቲ ዝፈጸመትን እዮም።
እቶም ካልእ ብኢራን ዝድገፉ ኣብ ሊባኖስ ዝርከቡ ሕዝቦላህ ዝብሃሉ ዕጡቕ ጕጅለ ኰይኖም፡ ኣብዚ እዋን ትሑት ደረጃ ዝሕዙ'ዮም።
ኣብቲ ኣንጻር ወገን ከኣ ኣመሪካ ኰይና እቲ ማእከላይ እዚ ኢላ እትጽውዖ ኣደልዲሉ ዝዓጠቐ ሰራዊታን ምስተን ምስኣ ተላፊነን ዘለዋ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ዮርዳኖስን'የን።
እስራኤል'ውን ኣብ ምጅማር እቲ ኲናት'ኳ ምስ ኣመሪካ እንተነበረት፡ ኣብዚ እዋን ግን ምስ ኣመሪካ ዘለዋ ጥቡቕ ርክብ ኣብ ቦታኡ ኰይኑ፡ ኣብቲ ኲናት ግን ንጥፍቲ ተሳታፊት የላን።
ኣብዚ እዋን ኢራን ኣብ ልዕሊ ዮርዳኖስ፡ ኩወይትን ባሕረይንን ከምኡ ከኣ ኣብ ልዕሊ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ዝሓልፋ መራኽብ'ያ ናይ ድሮንን ሚሳይልን መጥቃዕትታት ትፍጽም ዘላ።
ነቲ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣቝጺሩ ዘሎ ኲናት ኣብ ዒራቕ ዝርከቡ ምሊሻታትን ኣብ የመን ዝርከቡ ዕጡቓት ሑቲን ኢዶም ክሕውስሉ ምርኣይ ብተዛማዲ ሓድሽ ተርእዮ'ዩ። እዚ ኸኣ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ነባሪ ሰላም እንተዘይተገይሩ እቲ ዞባ ኣብ ዝሰፍሐ ግጭት ክጽመድ ከምዝኽል ዘርኢ'ዩ።
ስዑድያ ናብቲ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣቝጺሩ ዘሎ ኲናት ብምሉእ ዓቕማ ክትሽመም ዘይደለየትሉ ዝተፈላለየ ምኽንያታት ኣለዋ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ልዑል መሓመድ ቢን ሳልማን 'ራኢ 2030' ኢሉ ዝሰመዮ ንስዑድያ ክቕይር ዝኽእል ውጥን ኣውጺኡ ኣብ ምስራሕ'ዩ ዝርከብ።
እዚ ብተዛማዲ መንእሰይ ዝዀነ መራሒ፡ ስዑድ ዓረብ ካብቲ ኣብ እቶት ነዳዲ ዘለዋ ጽግዕተኛነት ርሒቓ ብዙሕነት ዘለዎ ኣማራጺታት ብምፍጣር ነቶም ዓመት ዓመት ዝምረቑ ኣማኢት ኣሽሓት ተምሃሮኣ ትርጕም ዘለዎ ስራሕ ዝህቡ ንጡፋት፡ ዘመናውያን፡ ውሽጣዊ ኢንዱስትሪታት ምፍጣር እዩ።
ሓደ ክፋል ራእይ 2030 ፡ ወፍሪ ወጻኢ ምስሓብ ዘጠቓልል እዩ።
እዚ ዓቢ ውጥን እታ ሃገር ብደቡብ ካብቶም ኣብ የመን ዝርከቡ ዕጡቓት ሑቲ ብሰሜን ካብቶም ብኢራን ዝድገፉ ምሊሻታት ድሮንን ሚሳይልን እናተወንጨፋ ክትግበር ከምዘይክእል ኣጸቢቓ ትፈልጥ'ያ።
ስዑድያ ኣብ መስከረም 2019 ዝጋጠማ መጥቃዕቲ ዓቢ መንጸሮር ፈጢሩላ ነይሩ'ዩ።
እዛ ምስ ኢራን ልሕሉሕ ርክብ ዘለዋ ሃገር ኣብቲ እዋን ኣብ ልዕሊ እተን ክልተ ቀንዲ መዐደኒ ነዳዲኣ ዝዀና ኣብቃቕን ኩራይስን በቶም ኣብ ዒራቕ ዝዓስከሩ ብኢራን ዝድገፉ ምሊሻታታት ሓያለ መጥቃዕቲ ድሮን ተፈጺሙወን።
ኣብቲ እዋን፡ እቲ ደብዳብ ብዕጡቓት ሑቲ'ዩ ተፈጺሙተባሂሉ ነይሩ፤ እንተዀነ እቲ ደብዳብ ካብ ሰሜን ዝመጽአ ምዃኑ'ዩ ዘርኢ ነይሩ።
ብሰንኪ እቲ ደብዳብ ሰዑድያ ንሓያለ መዓልታት ፍርቂ ካብቲ ንወጻኢ ትሰዶ ዝነበረት ነዳዲ ደው ከተብሎ ተገዲዳ።
ካብዚ ብምብጋስ እታ ሃገር እቲ ቀንዲ ምንጪ ኣታዊኣ ዝዀነ ነዳዲ ክሳብ ክንደይ ንመጥቃዕቲ ዝተቓልዐ ምዃኑ ክትግንዘብ ግዜ ኣይወሰደላን።
ብሰኑይ'ውን ካብ ሳታላይት ዝተረኸበ ኣሳእል ፋብሪካ መዐደኒ ነዳዲ ኣብቃቕ በቶም ኣብ ዒራቕ ዝመደበሮም ብኢራን ዝድገፉ ምሊሻታት ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸሞ'ዩ ዘርኢ።
ሕጂ'ውን እንተዀነ ቀንዲ ቍጠባዊ መትኒ ስዑድያ ነዳዲ'ዩ።
ኢራን ኣብ መወዳእታ ሰሙን ለካቲት ነቲ እስራኤልን ኣመሪካን ብምልፋን ኣብ ልዕሊኣ ዝፈጸማኦ መጥቃዕቲ ሕነ ንምፍዳይ ነቲ 20 ሚእታዊት ካብ ጠለብ ባህርያዊ ጋዝን ነዳዲን ዓለም ዝሓልፈሉ መጻብቦ ሆርሙዝ'ያ ብቕጽበት ዓጽያቶ።
ምዕጻው እዚ መጻብቦ ከኣ ንመብሕትአን ሃገራት መሽመጥ ዓረብ ብጎረሮ ከም ምሓዝ'ዩ ዝቝጸር።
እዚ ግን ንስዑድያ ጉልቡብ ምርቓ ኢልካ ክግለጽ ዝከኣል'ዩ።
መጻብቦ ሆርሙዝ ምስ ተዓጸወ፡ ስዑድያ በቲ ኣቐዲማ ዘዳለወቶ ካብ ምብራቓዊ ገማግማ ናብ ምዕራብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝዝርጋሕ ትቦታት ተጠቒማ፡ ብገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኣብ መዓልቲ ኣስታት ሓሙሽተ ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ክትሸይጥ ጀሚራ።
ካብቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ ናይ ስዑድያ ወደብ ያንቡዕ ተበጊሰን ከኣ መራኽብ ነዳድን ባህርያዊ ጋዝን ጽዒነን ነናብ መዓልቦአን ይኸዳ ነይረን።
ክሳብ ሕጂ ኸኣ ብኸምኡ ይቕጽል ኣሎ።
ኣብ 13 ሓምለ ግን ስዑድያ ኣብ ልዕሊ እቲ ካብ ርእሰ ከተማ ሰንዓ ውጽእ ኢሉ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ሰንዓ ደብዳብ ፈጺማ፡ እቲ ዕላማ ከኣ ነፋሪት ኢራን ኣብቲ ቦታ ንኸይትዓለብ ዝተገብረ ምዃኑ እቲ ብስዑድያ ዝድገፍ መንግስቲ የመን ኣፍሊጡ።
ዕጡቓት ሑቲ ከኣ ሕነ ንምፍዳይ ኣብ ልዕሊ ኣብ ኣብሓን ጂዛንን ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ስዑድያ ደብዳብ ፈጺሞም።

ምንጪ ስእሊ, AP
እቲ ካልእ ንስዑድያ ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ዝሸመማ፡ ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ልዕሊ ብቀይሕ ባሕሪ ዝሓልፋ መራኽብ ስዑድያ መጥቓዕቲ ክፍጽሙ ምጅማሮም'ዩ።
እዚ ከኣ ነቲ ንህንዳዊ ውቅያኖስን ንቀይሕ ባሕርን ዘራኸብ ባብ ኣልመንደብ ሓደገኛ መስመር ገይርዎ ይርከብ።
ምዕጻው ባብ ኣልመንደብ ከኣ ንሰደድ ነዳዲ ስዑድያ ብጎረሮኡ ከም ምሕናቕ ክውሰድ ዝከኣል'ዩ።
ስዑድያ ንሑቲ ንምድኻምን ፈጺማ ንምጥፋእን ንሸውዓት ዓመታት'ኳ እንተፈተነት ፈጺሙ ክሰልጣ ኣይከኣለን።
እቲ ኣብ የመን ዘጋጠመ ቅልውላው፡ ዓለም ካብ ዝርኣየቶ ሓደ ካብ ዝኸፈኡ ሰብኣዊ ቅልውላዋት'ዩ፤ በሰላኡ ከኣ ክሳብ ሕጂ ኣይሓወየን ዘሎ።
ኣብ 2022 ስዑድያ ምስ ሑቲ ምቍራጽ ተጻብኦታት ንምግባር ተሰማሚዓ ነይራ'ያ፤ እዚ ከኣ ንኽልቲኦም ወገናት ርግኣት ፈጢሩሎም ነይሩ'ዩ።
ሕጂ ግን እታ ብነዳዲ ሃብታም ዝዀነት ስዑድያ ብደቡብ ካብ ሑቲ ብሰሜን ከኣ ካብቶም ብኢራን ዝድገፉ ኣብ ዒራቕ ዝዓስከሩ ምሊሻታት ደብዳባት ድሮንን ሚሳይልን ይዘንባ ኣሎ።
መሓመድ ቢን ሳልማን ከኣ ንውጥን ራኢ 2030 ክሕንጽጽ እንከሎ ነዚ ፈጺሙ ከም እንተ ዘቐመጦን ዝተዳለወሉን ኣይመስልን።










![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
