እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ካብ ስደት ናብ ጥርሑ ቤት፡ ሚልዮናት ሱዳናውያን ዝጽበዮም ዘሎ እንታይ እዩ?
ንዓመታት ድሕሪ ዝቐጸለ ዘስካሕክሕን ንመሰረተ-ልምዓት እታ ሃገር ዘባደመን ደማዊ ውግእ፡ ኣስታት 4 ሚልዮን ሱዳናውያን ካብ ዘለዉዎ ናይ ስደት መዕቈቢታትን ጐረባብቲ ሃገራትን ተበጊሶም ናብቲ ዝዓነወ ቤቶም ዳግማይ ንምምላስ ወሲኖም ኣለዉ።
ይዅን እምበር፡ እዚ ምስጋም'ዚ ብሰንኪ መሰረታውያን ኣገልግሎታት ምዕናዎምን ሕጽረት ቀረብን፡ "ዘየተኣማምን" ክኸውን ከም ዝኽእል ኣህጉራዊ ትካል ስደተኛታት (IOM) ኣጠንቂቑ።
እዚ ምስጋም'ዚ ንቡር ህይወት ንምጅማር ዝተወስደ ተባዕ ስጕምቲ ይዅን'ምበር፡ ብሰንኪ እቲ ዝጸንሖም ዕንወት መሰረታዊ ኣገልግሎታት፡ ሕጽረት ቀረብ መግብን ቀጻሊ ስግኣት ጸጥታን እቲ ምምላስ 'ዘየተኣማምን' ክኸውን ከም ዝኽእል ኣህጉራዊ ትካል ስደተኛታት (IOM) ሓያል መጠንቀቕታ ሂቡ ኣሎ።
እዚ ስግኣት እዚ ዝያዳ ዝዓዝዝ ድማ ሱዳን ንሳልሳይ ተኸታታሊ ዓመት ኣብቲ ዓለምለኻዊ ኮሚቴ ረድኤት (IRC) ዘውጽኦ 'ኣብ ዝለዓለ ሓደጋ ዘለዋ ሃገራት' ዝብል ዝርዝር ቀዳመይቲ ኰይና ኣብ ዝተሰርዓትሉ፡ ነቲ ዘንጠጢ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝያዳ የገድዶ።
እዚ ነታ ሃገር፡ ኣብቲ ብዂናት ዝተጐድአ ቅስማን ብጥሜትን ሕማምን ዝተሃሰየ ህዝባን ዝያዳ ጸቕጢ ብምፍጣር፡ ነቲ ንዓመታት ዝተደቀና ሰብኣዊ ቅልውላው ናብ ዘይተፈልጠ መጻኢ ይደፍኦ ኣሎ።
ጥርሑ መኣዲ፡ ኣብ መንጎ ፍርስራስን ጥሜትን
መብዛሕትኦም ተመለስቲ ናብታ ቀንዲ ማእከል ሕርሻ ዝዀነት ኣል-ጃዚራን ርእሰ ከተማ ካርቱምን ገጾም እዮም ኣቕኒዖም።
እዞም ስደተኛታት ብሰንኪ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ዘጋጥሞም ዘሎ ቍጠባዊ ጸቕጥን ኣብ መዕቆቢታት ዘሎ ሕጽረት ኣገልግሎታትን እዮም ናብ ቤቶም ክምለሱ ተገዲዶም።
እቲ ኣብ ዓዶም ዝጸንሖም ኵነታት ግን ካብቲ ዝሃደምሉ ሓደጋ ዝሓሸ ኣይኰነን።
ኣብ ካርቱም፡ መሰረተ-ልምዓታት ኤለክትሪክ፡ ማይን ሆስፒታላትን ዓንዮም ኣብ ዝጸንሕሉ እዋን፡ ዳግማይ ናብ ንቡር ህይወት ንምምላሱ ዘይሕሰብ ኰይኑ ኣሎ።
ምክትል ዳይረክተር ኣህጉራዊ ትካል ስደተኛታት ሱንግኣ ሊ፡ "ንሓያሎ ሰባት ናብ ቤትካ ምምላስ ማለት ናይ ሕውየት ጅማሮ ክኸውን ነይሩዎ፣ ኣብ ክንድኡ ግን ዝዓነወ ኣገልግሎታትን ሓድሽ ዘይተረጋገጸ መጻእን እዩ ጸኒሖምዎም፡" ክትብል ስግኣታ ገሊጻ።
ሱዳን ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየን ዝቕልጠፈን ቅልውላው ምዝንባል ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ኰይና ኣላ።
ካብ ምያዝያ 2023 ጀሚሩ ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ዳዕመ-ሰሪዕን ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ኣስታት 14 ሚልዮን ሰባት ካብ ቤቶም ተመዛቢሎም ኣለዉ።
እቲ ዝኸፍአ ድማ ካብ ጠቕላላ ህዝቢ እታ ሃገር ክልተ-ሲሶ ዝበጽሑ ሰባት ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ የድልዮም ምህላዉ እዩ።
እታ ሃገር ናብ ጫፍ ጥሜት ኣብ ትጽግዓሉ ዘላ እዋን፡ ሚልዮናት ስድራቤታት ኣብ መዓልቲ ሓንሳብ ጥራይ መግቢ እናረኸባ ይነብራ ኣለዋ።
ኣልቦ ፈውሲ፡ ኣብ ትሕቲ ዝዓነወ ናሕሲ
እቲ ኲናት ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮን ህጻናትን ዘውርዶ ዘሎ ወጽዓ ኣዝዩ መሪር እዩ።
ጾታዊ ዓመጽን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን እናሰፍሐ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ልዕሊ 70% ሆስፒታላት ሱዳን ስራሕ ደው ኣቢለን ኣለዋ።
ንነብሰ-ጾራትን ሕዱር ሕማም ዘለዎም ሰባትን ከኣ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ወዲቖም ይርከቡ።
ትካላት ረድኤት ከም ዓለምለኻዊ ኮሚቴ ረድኤትን ኣህጉራዊ ትካል ስደተኛታትን ኣብ ውሽጢ ሱዳን ኮነ ጐረባብቲ ሃገራት ሓገዝ ንምብጻሕ ይጋደሉ እኳ እንተ ሃለዉ፡ እቲ ንዓመተ 2026 ተባሂሉ ዝተመደበ ባጀት ግን 97 ሚልዮን ዶላር ሕጽረት ኣጋጢሙዎ ኣሎ።
ሱዳን ካብዚ ዓዘቕቲ ንኽትወጽእ፡ ሓያል ዲፕሎማስያዊ ጸቕጥን ዓለምለኻዊ ፋይናንሳዊ ደገፍን ከም ዘድልያ ጻውዒት ይቐርብ ኣሎ።
እንተዘይኰይኑ፡ እቶም ብተስፋ ናብ ቤቶም ዝተመልሱ ሚልዮናት ሱዳናውያን፡ ዳግማይ ናብ ስደት ክምለሱ ወይ ድማ ብጥሜትን ሕማምን ክጠፍኡ ከም ዝኽእሉ ዘሻቕል እዩ።