ኣብ ሓንጎል ሃመማ ዝተገብረ መጽናዕቲ ብዛዕባ ጥዕና ኣእምሮ ደቂ ሰባት እንታይ ይነግር?

ምንጪ ስእሊ, MRC
ሓንጎል ሃመማ ምስ ጥዕና ኣእምሮ እንታይ የራኽቦ?
ተመራመርቲ ኣብ ሓንጎል ተባዕታይ ሃመማ ዝርከቡ ኵሎም 124 ሚልዮን ምትእስሳር ዋህዮታት መትኒ ብመልክዕ ካርታ ድሕሪ ምንዳፎም፡ ብዛዕባ ጥዕና ኣእምሮ ዝሓሸ ርድኢት ክረኽቡ ተስፋ ይገብሩ ኣለዉ።
እቶም ተመራመርቲ ምስቲ ናይ ጓል ኣንስተይቲ ሃመማ ናይ ሓንጎል ካርታ ብምንጽጻር፡ ኣብ መትኒታት ዘሎ ፍልልያት ኣለልዮም።
እዚ ድማ ምስ ኣብ ተባዕትዮ ዝርአ ዓመጽ፡ ምኩሻም፡ ምድራፍ ዜማታት ፍቕርን ዝተኣሳሰር ፍልልይ ከምዘሎ ዘመልክት እዩ።
ባህርያትና ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ስለዝዀነ፡ እቲ መጽናዕቲ ኣብ መንጎ ደቂ ተባዕትዮን ደቀንስትዮን ዘሎ ፍልልይ ከምዘይገልጽ እቲ ጕጅለ ይኣምን።
እንተዀነ፡ ተመራመርቲ ንባህርያት ደቂ ሰባትን ከም ኦቲዝምን ስኪዞፍረኒያን ንሓንጎል ዝጸልዉ ኵነታትን ብዝበለጸ ንምርዳእ ክሕግዞም ይኽእል እዩ።
እዚ ስርሒት "ኣብ ኒውሮሳይንስ ናይ ብሓቂ ኣገዳሲ ሓድሽ መንገዲ" ከም ዝኸውን ነቲ መጽናዕቲ ዝመርሐ ካብ ካምብሪጅ ዝርከብ ላቦራቶሪ ሞለኪዩላዊ ስነ ህይወት ቤት ምኽሪ ሕክምናዊ ምርምር ዝዀነ ፕሮፌሰር ግሪጎሪ ጀፈሪስ ንቢቢሲ ኒውስ ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, Gwyndaf Hughes
ሓንጎል ሃመማ ንምእማኑ ዘጸግምን ዘገርምን እዩ። ክንዲ ጫፍ መርፍእ ዝዓቐኑ'ኳ እንተዀነ፡ ካብ ሱፐርኮምፕዩተር ዝያዳ ውጽኢታዊን ነቲ ዝበሃግ ኪነታዊ ብልሒ ክብድህ ይኽእል እዩ።
ጕጅለ ዶክተር ጀፈሪስን ተሓባበርቱን ኣብ ሓደ ተባዕታይ ሃመማ ፍረታት፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዋህዮ መትኒ፡ ነፍሲ ወከፍ መስመር ዘሎ ነፍሲ ወከፍ ምትእስሳርን ብትሪ ተንቲኖምዎ። ኣብ 3D ካርታ ድማ ኣጣሚሮምዎም።
ቅድሚ ክልተ ዓመት፡ ከም ኣካል ናይቲ ኣብ መወዳእታ ዕላማኦም፡ ሓንቲ ጋንታ ንሓንጎል ኣንስተይቲ ሃመማ ብምንጽጻርን ብምውድዳርን፡ ንዓውዲ ሳይንስ ሓንጎል ዓቢ ዝላ ንቕድሚት ክስጕም ሓጊዛ።
እቲ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ሓንጎል ሃመማ ተባዕታይን ኣንስተይትን ኣስታት 95 ሚእታዊት ካብቶም ዋህዮታት ይካፈሉ። እቶም ዝተረፉ 5 ሚእታዊት ግን ኣዝዩ ፍሉይ ባህርያት ንምምራሕ እኹላት እዮም ትብል ሓባራዊት ቀዳመይቲ ደራሲት ናይቲ ሎሚ ኣብ ጆርናል ሴል ዝተሓትመ ሳይንሳዊ መጽናዕታዊ ዶክተር ኢዛቤላ ቤኬት።
"ፍልልያት ክንረክብ ኢና ንጽበ ነይርና፡ ረኺብና ድማ፡ በቲ ዝረኸብናዮ ድማ ተሓጒስና ኣለና" ኢላ።
ንመጀመርታ ግዜ ክርአ እንከሎ፡ ሓንጎል ተባዕታይን ኣንስተይትን ሃመማ ብደገ ሓደ ይመስል። ብዕምቈት ክርአ እንከሎ ግን ኣብ ባህሪ ዓቢ ለውጢ ዘምጽኡ ንኣሽቱ ፍልልያት ከምዘለዉ ምስትብሃል ይከኣል።
ንኣብነት ኣብ ምኵሻም፡ እቲ ተባዕታይ ነታ ኣንስተይቲ ክትንቀሳቐስ ከላ ይከታተላ። እቶም ተመራመርቲ ምስቲ ባህሪ ዝተኣሳሰር ዑደት ሓንጎል ኣለልዮም፡ ኣብቶም መስመራት መትኒ ቁልፊ ፍልልያት ረኺቦም። እቶም ተባዕትዮ ንስርዓተ ርእየት ዘበርኹ ተወሳኺ ነጥብታት ኣለዎም።
ምስ ዓመጽ ኣብ ዝራኸቡ ዑደት ምትእስሳራት መትኒ ድማ ካብዚ ዝዓቢ ፍልልይ ኣሎ። ደቂ ተባዕትዮ ብብዝሒ ይበኣሱ ስለዚ ምስቲ ባህሪ ዝተኣሳሰር መስመር መትኒ ካብቲ ደቂ ኣንስትዮ ዘለወን ኣዝዩ ዝበዝሐ እዩ።
ብድሐሪ እዚ ድማ፡ እቲ ምትእስሳር ናይ ዜማታት ፍቕሪ ዑደት ምትእስሳር ኣሎ።
ተባዕትዮ ድምጺ ብምፍራይ ንደቂ ኣንስትዮ ይስሕቡ። ነቲ ድምጺ ንምፍራይ ፍሉይ ዝኾነ መስመር መትኒ ኣለዎም። ብመሰረት ሓባራዊ ደራሲ ናይቲ መጽናዕቲ፡ ዶክተር ፊሊፕ ሽለገል፡ እቲ ዑደት ልክዕ ክኸውን ኣለዎ፡ እንተዘይኰይኑ እቲ ሳዕቤን ነቲ ምስኪን ተባዕታይ ኣዝዩ ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ።
"እቲ ምኵሻም፡ እቲ ተባዕታይ ኣብ ቅድሚ እታ ኣንስተይቲ ምስዕሳዕ'ውን የጠቓልል፡ ይደርፈላ'ውን" ይብል። "ኣኽናፍ ብምንቅጥቃጥ ኣዝዩ ፍሉይ ደርፊ የፍርይ።"
"እታ ኣንስተይቲ እንተፈቲያቶ ክቐርባ ክትፈቅደሉ እያ፡ እንተዘይፈቲያቶ ድማ፡ ትሰጎዮ።"
እዞም ኣብ መንጎ ተባዕታይን ኣንስተይትን ሃመማ ዘለዉ ሰለስተ ፍልልያት ብኽልተ ቁልፊ ሰረታት ዝድረኹ እዮም። ተመራመርቲ ብዛዕባ እቶም ሰረታትን ምስ ነፍሲ ወከፍ ካብዞም ባህርያት ብኸመይ ከም ዝተኣሳሰሩን ንዓመታት ይፈልጡ ነይሮም። እቲ ክርእይዎ ዘይከኣሉ ኣብ ማእከል ዘሎ ነጥቢ እዩ። ሕጂ፡ ንመጀመርታ ግዜ፡ እቶም ስረታት ዘፍርይዎ ጭቡጥ መስመር ክርእዩ ይኽእሉ እዮም።

ምንጪ ስእሊ, MRC
እዚ ፍልልያት እዚ ንተመራመርቲ ሓደ ካብቲ ኣብ ስነ-ህይወት ዝዓበየ ሕቶታት ንምርዳእ ዓቢ ስጕምቲ ንቕድሚት ይወስዶም፡ እዚ ድማ ሰረታት ንባህርያት ብኸመይ ይጸልዉዎ ዝብል እዩ።
እቶም ሰረታት ንመስመር ሓንጎል ብኸመይ ከምዝቐርጽዎን እቲ መስመር ንባህርያት ብኸመይ ከም ዝጸልዎን ዘመልክት እዩ።
"እቲ ናይ ፍላይ ሓንጎል ምውድዳር ኣብዚ ናይ ብሓቂ ጽቡቕ ኣተሓሕዛ ይህበና" ክብል ንቢቢሲ ኒውስ ተዛሪቡ።
"ኣብ ደቂ ሰባት ድልዱል ሰረታዊ፡ መሰረት ዘለዎም ዝመስሉ ቅዲ ባህርያት ኣለዉ። ስለዚ፡ ንኣብነት፡ ስኪዞፍረኒያ እንተወሲድና፡ ሕጂ ብሓቂ ዘይንርድኦም ምስ ኦቲዝምን ኦቲዝም ስፔክትረም ዲስኦርደርን ዝተኣሳሰሩ ብዙሓት ፍልልያት ሰረታት ኣለዉ" ይብል ዶክተር ቤኬት።
ኣብ ምምሕያሽ ኪነታዊ ብልሒን ምዕባይ ስርዓታት ኮምፕዩተርን እውን ተኽእሎታት ከምዘሎ ወሲኹ ይገልጽ።
"ከም ሓንጎልና ውጽኢታዊ ዝዀነ ኪነታዊ ብልሒ ምህላው፡ ምናልባት ዝያዳ ስነ-ህይወታዊ ምትብባዕ ከድልዮ'ዩ። እቲ ኣገዳሲ ክኸውን ዝኽእል ምትብባዕ ናይ ብሓቂ ስእላዊ ስነ-ህይወታዊ መስመር'ዩ።"
"ንሓንጎል ሃመማ ኣብ ማእከል ኪነታዊ መርበባት ብምጥባቕ፡ ኪነታዊ ስርዓታት ንምሕጋዝ፡ ንምምሃርን ንምቍጽጻርን ጠቓሚ እንተዀይኑ ክርእዩ ዝፍትኑ ሰባት ኣለዉ" ይብል።




















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
