ብ'ስርቂ ሓሳብ' ከዛርብ ዝቐነየ ጸሊም ፕሮፌሰር ካምብሪጅ ሞይቱ ተረኺቡ

ኣርደይ

ምንጪ ስእሊ, ITV/Shutterstock

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ብኽሲ ስርቂ ሓሳብ ካልኦት ሰባት (ፕላጅያሪዝም) ክንቀፍ ዝጸንሐ ፕሮፌሰር ዩኒቨርሲቲ ካምብሪጅ ዝነበረ ጀይሰን ኣርደይ ሞይቱ ተረኺቡ።

ኣገልግሎት ህጹጽ ረድኤት ለንደን፡ ዓርቢ ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ደቡባዊ ለንደን (ባተርሲ) ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዛ፡ ሓደ ሰብ ህይወት ኣብ ዘይብሉ ኵነታት ከም ዝረኸበ ኣፍሊጡ።

ፖሊስ ከተማ ለንደን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኣብዚ እዋን እዚ ሞቱ ሃንደበታዊ ጌርና ኢና እንወስዶ ዘለና፡ ዝጥርጠር ገበናዊ ተግባር ግን የብሉን" ኢሉ።

ወዲ 41 ዓመት ኣርደይ፡ ብዛዕባ ጽሑፋቱን ኣካዳምያዊ ዓወቱን ኣመልኪቱ ድሕሪ ዝቐረበሉ ክስታት ስርቂ-ሓሳባት (ብዘይ ኣፍልጦ ናይ ካልኦት ጽሑፍ ምጥቃስ ወይ ፕላጅያሪዝም)፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብቲ ኣብ ካምብሪጅ ዝነበሮ ናይ ፕሮፌሰርነት መዓርግ ብፍቓዱ ስራሕ ለቒቑ ነይሩ።

ስድራቤት ኣርደይ ኣብ ዘውጽኡዎ መግለጺ፡ "በዚ ዘገርም ኣቦ፡ መጻምድቲ፡ ሓው፡ ኣኮን ውላድን ምስኣንና ኣብ ከቢድ ስንባደ ንርከብ" ኢሎም።

ብተወሳኺ፡ "እቲ ዝተኻየደ ወፈራ ናይ ሓሶት ሓበሬታ፡ ነቲ ንዅሉ ሰብ ብጽቡቕ ክርኢ ዝደሊ ለዋህ ጀይሰን ልዕሊ ዓቕሙ እዩ ነይሩ" ክብሉ ነቲ ክወርዶ ዝጸንሐ ነቐፌታታት ነቒፎም።

ጠንቂ ክሲታት

እዚ ዝቐነየ ጫውጫው ዝጀመረ፡ ኣብ 2024 ካብ ዩኒቨርሲቲ ካምብሪጅ ብዝተሰናበተን "ናይ ዓሌት ክውንነታዊ (race realist)" እየ ብዝብልን ናታን ኮፍናስ ዝተባህለ ካልእ ምሁር፡ ኣብ ጽሑፋት ኣርደይ ሓያሎ ስርቂ-ሓሳባት ከም ዝረኸበ ድሕሪ ምግላጹ እዩ።

ኣርደይ ንገሊኡ ጌጋታት ብምእማን ንኽስታት ስርቂ ግን ክነጽጎ እዩ ጸኒሑ። ኣብ መጀመርታ ስርሓቱ ዝተራእየ ጌጋታት፡ ብሰንኪ ዘለዎ ናይ ኦቲዝም ጸገምን ንሓበሬታ ብምቕዳሕ (mimicry) ናይ ምርዳእ ኵነታትን ዝመጸ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ካልኦት ኣካዳምያውያን እውን ተመሳሳሊ መርመራ እንተ ዝግበረሎም ተመሳሳሊ ጌጋ ምተረኽበ ክብል ተማጒቱ ነይሩ።

ኣብዚ ወርሒ ንጋዜጣ ታይምስ ክዛረብ ከሎ፡ "ኣብዚ ብዛዕባ ኣካዳምያ ኢና ንዛረብ ዘለና፣ ኣነ ሰብ ኣይቀተልኩን፣ እቲ ዝወረደኒ ጭካነን ከም ሓሳውን መሃዝን ጌርካ ምቕራበይን ግን ፈጺሙ ተቐባልነት የብሉን" ኢሉ ኣምሪሩ ነይሩ።

ካብ ስራሑ ክለቅቕ ከሎ እውን፡ እቲ ኣብ ልዕሊኡን ስድራቤቱን ዝወርድ ዝነበረ ተኸታታሊ መጥቃዕትን ክስታትን ልዕሊ ዓቕሙ ከም ዝዀነን "ካብ ኣካዳምያዊ ዘይምስምማዕ ኣዝዩ ዝሓለፈ" ምዃኑን ብምግላጽ፡ ስንብታኡ ግን ከም ኣፍልጦ ናይቲ ክስታት ጌርካ ክውሰድ ከም ዘይብሉ ኣተሓሳሲቡ ነይሩ።

ዩኒቨርሲቲ ካምብሪጅ ኣብ ፈለማ፡ እቲ ኣብ ናይ መመረቕታ ጽሑፍ (thesis) ኣርደይ ዝቐረበ ክስታት፡ በታ ኣብ 2015 ዶክትሬት ዝሃበቶ ዩኒቨርሲቲ ጆን ሙርስ ሊቨርፑል (LJMU) ተመርሚሩ፡ ጽሑፋት ከም ዘይሰረቐ ከም ዝተረጋገጸ ሓቢሩ ነይሩ።

ይዅን እምበር፡ ኣብዚ ሰሙን ዩኒቨርሲቲ ካምብሪጅ ብዛዕባ ሽመት ፕሮፌሰርነት ኣርደይ ብላዕለዎት ኣካዳምያውያን ዝምራሕ ናጻ ምርመራ ከም ዝገብር ኣፍሊጡ ነይሩ።

ካልእ ኣቐዲሙ ዝሰርሓላ ዩኒቨርሲቲ ግላስጎው እውን ብተመሳሳሊ ኣብ ጽሑፋቱ ዳግመ-ግምገማ ከም እትገብር ኣፍሊጣ ነይራ።

ኣርደይ ሽግ ኦሎምፒክ ዓቲሩ

ምንጪ ስእሊ, PA Media

መግለጺ ስእሊ, ኣርደይ ኣብ 2012፡ ኣብ ለንደን ኣብ መንጎ ከባቢታት ሳተንን ሜርተንን ኣብ ዝተኻየደ ጕዕዞ፡ ሽግ ኦሎምፒክ ዓቲሩ ነይሩ።

ምላሽ መሓዙትን ማሕበረሰብን

ኣርደይ ኣብ 2023 ወዲ 37 ዓመት ኰይኑ ናብ ካምብሪጅ ክጽንበር ከሎ፡ ኣብ ታሪኽ እቲ ዩኒቨርሲቲ እቲ ዝነኣሰ ጸሊም ፕሮፌሰር ብምዃኑ ከም ዓቢይ ስጕምቲ ተወሲዱ ነይሩ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ብሪጣንያ 1% ጥራይ ጸለምቲ ፕሮፌሰራት ብምህላዎም ሽመቱ ዓቢይ ትርጕም ዘለዎ ኰይኑ እዩ ጸኒሑ ነይሩ።

ዓርኩ ዝዀነ ፕሮፌሰር መጽናዕትታት ጸለምቲ (ብላክ ስታዲስ) ከሂንደ ኣንድሩ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣርደይ ድሕሪ ስንብታኡ ኣዝዩ ጕህዩን ተስፋ ቈሪጹን ከም ዝነበረ፡ ካብ ገዛ ይወጽእ ከም ዘይነበረን ብዙሕ ክብደት ኣካላት ነክዩ ከም ዝነበረን ገሊጹ፤ እዚ ኵነታት ንጸለምቲ ኣካዳምያውያን ዓቢይ ናይ መጠንቀቕታ ደወል እዩ ድማ ኢሉ።

ጆልዮን ሞገም ካብ 'ጉድ ሎው ፕሮጀክት' ዝተባህለ ጕጅለ ብወገኑ፡ እዚ ሞት "ትራጀዲ" ምዃኑ ብምግላጽ፡ ንሓደ ፕሮፌሰር ካብ ስርሑ ድሕሪ ምልቃቑ እውን ማዕከናት ዜና ደድሕሪኡ ክስዕባኦ ምድላየን ሚዛኑ ዝሓለወ ከም ዘይኰነ ነቒፉ።

ኣባል ባይቶ ብሪጣንያ ቤል ሪበይሮ-ኣዲ ብወገና፡ ሓደ ኣካዳምያዊ ኣብ ማዕከናት ዜና ክሳብ ክንድዚ ዝበጽሕ መጥቃዕቲ ክወርዶ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ከም ዘይፈልጥ ብምግላጽ ነቲ ጸቕጢ ኾኒናቶ።

ዛንታኡን መጽሓፉን

ታሪኽ ህይወት ጀይሰን ኣርደይ ንብዙሓት ዘገርም እዩ። ንሱ ክሳብ 11 ዓመቱ ምዝራብ ዘይክእል፣ ክሳብ 18 ዓመቱ ድማ ምንባብን ምጽሓፍን ዘይክእል ዝነበረ ሰብ እዩ።

ካብ መምህር ስፖርት ተበጊሱ፡ ድሒሩ ትምህርቲ ዶክትሬት ብምውዳእ ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ዳርሃምን ግላስጎውን ብምምሃር፡ ኣብ መወዳእታ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካምብሪጅ ክበጽሕ ክኢሉ።

ቅድሚ ሞቱ፡ 'Great And Unfortunate Things' ዝተሰምየት ነዚ ኣዝዩ ኣገራሚ ዛንታ ህይወቱ እተዘንቱ ሓዳስ መጽሓፉ ንምልላይ መደባት ሒዙ እኳ እንተነበረ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን መደባቱ ሰሪዙዎ። እታ መጽሓፍ ኣብ ኣመሪካ ኣብዚ ሰሙን ዝወጸት ኰይና፡ ኣብ ብሪጣንያ ድማ ብ27 ነሓሰ ክትዝርጋሕ ትጽቢት ይግበር።

ዩኒቨርሲቲታት ካምብሪጅ፡ ግላስጎውን ዳርሃምን፡ ብሞት ኣርደይ ዝተሰምዐን ዓሚቝ ጓሂ ብምግላጽ መግለጺታት ኣውጺአን ኣለዋ።