ስርሒት ሓርነት፡ ብዛዕባ ፈተነ ምስባር ዕጽዋ መጻብቦ ሆርሙዝ እንታይ ንፈልጥ?

መራኽብ ኣብ ባሕሪ እናኣንሳፈፋ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ንባብ: 2 ደቓይቕ

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ብምኽንያት ዕጽዋ ኢራን ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ተዓጊተን ንዘለዋ መራኽብ ኣመሪካ ንኽወጽኣ "መምርሒ" ክትህብ ምዃና ኣፍሊጡ።

እቲ መጻብቦ፡ ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ካብ ዝፍጽማሉ ግዜ ጀሚሩ ብምሉእ ተዓጽዩ እዩ ጸኒሑ።

ኢራን ነዚ ስትራተጅያዊ መስመር ማይ ዝዓጸወቶ፡ ኣመሪካን እስራኤልን ንዝፈጸማኦ መጥቃዕቲ ከም ግብረ-መልሲ እዩ።

በዚ መጻብቦ'ዚ፡ 20% ናይ ዓለም ነዳድን ፈሳሲ ተፈጥሮኣዊ ጋዝን ብናጽነት ክሓልፍ ዝግበኦ እዩ።

እዚ ኣዋጅ ኣብ ዝወጽኣሉ ንጽባሒቱ፡ ኣመሪካን ገለ ንኣሽቱ መራኽብ ኢራን ምስ ኣጥቅዐት፡ ኢራን እውን ብወገና ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመት ተሓቢሩ።

ትራምፕ እንታይ ኢሉ?

ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ካብ "ኵሉ ኵርናዓት ዓለም" ዝመጽኣ ሃገራት፡ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ "ተዓጽየን" ዘለዋ መራኽበን ንኽወጽኣ ሓገዝ ከም ዝሓተታ ገሊጹ።

እዘን መራኽብ እዚአን ዝዀነ በደል ዘይብለን "ናይ ኣጋጣሚ ግዳያት" ምዃነን ወሲኹ ጠቒሱ።

ኣብቲ 'ትሩዝ ሶሻል' ዘውጽኦ ጽሑፍ፡ እዚ ስጕምቲ እዚ ብስም ኣመሪካ፡ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ፡ ብፍላይ ድማ ብስም ኢራን ዝተገብረ "ሰብኣዊ ሓገዝ" ምዃኑ ገሊጹ።

እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ድማ ኣብተን መራኽብ ዘሎ ስንቂ፡ መግቢ፡ ከምኡ'ውን ንጥዕናን ንጽህናን ሰራሕተኛታት ዘድሊ ነገራት እናጸለወ ብምምጽኡ እዩ።

ግብረ-መልሲ ኢራን

እቲ ብትራምፕ ዝቐረበ ኣበሃህላ፡ ኢራን እውን ናይዚ ስርሒት ተጠቃሚት ከም ዝዀነት ዘመልክት እዩ።

ይዅን'ምበር፡ ኢራን ብኸምኡ መንገዲ ኣይርኣየቶን።

ሓለቃ ማእከላይ እዚ ኢራን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ናብቲ መጻብቦ ክቐርብ ንዝፍትን "ዝዀነ ይዅን ናይ ግዳም ዕጡቕ ሓይሊ"፡ ብፍላይ ድማ ኣብቲ ከባቢ ሰፊሩ ንዘሎ ሰራዊት ኣመሪካ ከጥቅዕ ምዃኑ ኣጠንቒቑ።

ሜጀር ጀነራል ዓሊ ዓብደላሂ፡ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ዝግበር ዝዀነ ጕዕዞ ብዅሉ መንገድታት ምስ ኢራን ክተሓባበር ከም ዘለዎ ኣገንዚቡ።

ስርሒት ሰራዊት ኣመሪካ

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝገለጾ፡ ካብ ዝጅምር እቲ ዅናት ኣትሒዙ፡ ኣስታት 20,000 ባሕረኛታትን 2,000 መራኽብን ኣብቲ ወሽመጥ ተዓጊቶም ይርከቡ።

ማእከላይ እዚ ኣመሪካ፡ ነዚ ስርሒት ንምድጋፍ "መርሓ-ሚሳይል ዘለወን መራኽብ ውግእ (Destroyers)፡ ልዕሊ 100 ናይ ምድሪ ነፈርቲ፡ ከምኡ'ውን 15,000 ኣባላት ሰራዊት ክዋፈሩ ምዃኖም ኣፍሊጡ።

ኣድሚራል ብራድ ኩፐር ከም ዝገለጾ፡ እቲ ስርሒት ኣብቲ መጻብቦ ብኽልተ ወገን መስመር ንምኽፋት ዝዓለመ እዩ።

ኣመሪካ ነዘን መራኽብ ወተሃደራዊ ሓለዋ እንተ ገይራትለን፡ እዚ ድማ ምስ ኢራን ናብ ቀጥታዊ ወተሃደራዊ ግጭት ክመርሕ ከም ዝኽእል ስግኣት ኣሎ።

መራኽብ ይሓልፋዶ ኣለዋ?

ማእከላይ እዚ ኣመሪካ፡ ክልተ ባንዴራ ኣመሪካ ዘንበልበላ መራኽብ ንግዲ ብዓወት ነቲ መጻብቦ ከም ዝሰገራ ኣፍሊጡ።

ይዅን'ምበር፡ ሓይሊ ስለያ ኢራን ዝዀነት ትዅን መርከብ ከም ዘይሓለፈት ብምግላጽ፡ እቲ ናይ ኣመሪካ ጸብጻብ "መሰረት ዘይብሉን ምሉእ ብምሉእ ሓሶትን፡" እዩ ኢሉዎ።

ኢራን ብወገና፡ ናብቲ መጻብቦ ክኣትዋ ንዝፈተና መራኽብ ውግእ ኣመሪካን እስራኤልን ብትሪ ከም ዘጠንቐቐትን ዝመለሰትን ገሊጻ።

ብኣንጻሩ፡ ማእከላይ እዚ ኣመሪካ፡ ኢራን ኣብ ልዕሊ መራኽብ ውግእን መራኽብ ንግድን ኣመሪካ ሚሳይላት ከም ዝተኰሰት ሓቢሩ።

ካርታ መጻብቦ ሆርሙዝ