'ስፐርም ሲስተርስ' ካብ ሓደ ብዝተለገሰ ዘርኢ ዝተወለዳ ኣብ 20ታት ዕድሚን ኣሕዋት ምዃነን ዝፈለጣ ኣሕዋት

ኣብ መፋርቕ 30ታት ዝርከባ ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ፡ ለስቲኤን ነዊሕ እጅግኡ ክዳን'የን ተኸዲንን ዘለዋ

ምንጪ ስእሊ, Sperm Sisters

መግለጺ ስእሊ, ናታሻ፡ ጋማን ሄለንን ኣሕዋት ምኻነን ምስ ፈለጣ ሕጂ ፈጺመን ክፈላለያ ዘይክእላ'የን ኰይነን ዘለዋ
Published
ንባብ: 6 ደቓይቕ

ናተሻ፡ ጋማን ሄለንን 'ኣቦይ እከለ'ዩ' እናበላን ነፍሲ ወከፈን ኣቡአን ከም ዝፈልጣን ኣሚነን'የን ዓብየን።

ድሕሪ ዓሰርተታት ዓመታት ናይ ዲኤንኤ መርመራ ምስ ገበራ ግን ሰለስቲአን ሓደ ሰብ ብዝልገሶ ዘርኢ ከም ዝተወለዳን 'ብኣቦ' ኣሕዋት ምዃነንን ፈሊጠን።

ሰለስቲኤን ንልግሲ ዘርኢ ዝምልከት 1991 ሕግታት ቅድሚ ምውጽኡ'የን ተወሊደን።

ንሓድሕደን ከኣ 'ስፐርም ሲስተርስ' ተሃሂለን'የን ዝጸዋወዓ።

ብዘርኢ ኣሕዋት ምዃነን ምስ ፈለጣ ከኣ ብኣካል ክራኸባ ወሲነን፡ እቲ እዋን ርክበን "ዘደንጹን ብንብዓት ዝተሰነይ' እዩ ነይሩ።

ጋማን ሄለንን ኣብ ከባቢ በርሻየር'የን ዓብየን፡ ክልቲአን ከኣ እቲ ዘዕብየን ዝነበረ ወላዲ ናይ ብሓቂ ወላዲአን'ዩ ዝመስለን ነይሩ።

ዕድሚአን ኣብ 20ታት ምስ በጸሐ'የን ካብ ካልእ ወዲ ተባዕታይ ብዝተለገሰ ዘርኢ ከም ዝተወለዳ ክፈልጣ ክኢለን።

ኣብቲ እዋን፡ እቲ መስርሕ ብግቡእ ይስነድ ስለ ዘይነበረ ግን ካብ ሓደ ወዲ ተባዕታይ ብዝተለገሰ ዘርኢ ድየን ተወሊደን ዋላ ካብ ዝተፈላለዩ ክፈልጣ ኣይከኣለን።

ኣብ ሱረይ ትነብርን ሕጂ ጓል 36 ዓመት ኮይና ዘላን ጋማ "ኣብቲ እዋን ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ምልጋስ ኣዝዩ ግኑን'ዩ ነይሩ፣ እቶም ብልግሲ ዘርኢ ንዝተወለዱ ቈልዑ ዘዕብዩ ስድራቤታት'ውን ነቶም ቈልዑ ከም ናቶም ገይሮም ከዕብይዎምን ከይነግርዎምን ቅድመ ኵነት ተቐሚጥሎም ነይሩ'ዩ" ትብል።

 ሄለንን ጋማን ዕድሜኤን ኣብ መወዳእታ 20ታት ኣብ ዝበጽሓሉ'የን ካብ ሓደ ብዝተለገሰ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ከምዝተወለዳ ፈሊጠን፡ ብዘርኢ ከኣ ክልቲኤን ካብ ሓደ ሰብ ብዝተለገሰ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ'የን ተወሊደን

ምንጪ ስእሊ, Gemma Hicks

መግለጺ ስእሊ, ሄለንን ጋማን ዕድሚአን ኣብ መወዳእታ 20ታት ኣብ ዝበጽሓሉ'የን ካብ ሓደ ብዝተለገሰ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ከም ዝተወለዳ ፈሊጠን፡ ብዘርኢ ከኣ ክልቲአን ካብ ሓደ ሰብ ብዝተለገሰ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ'የን ተወሊደን

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ነሓሰ 1991 ብኽፍሊ Human Fertilisation and Embryology Authority (HEFA) ነዚ ዝምልከት ሓዲሽ ሕጊ ተኣታትዩ።

ናተሻ፡ ጋማን ሄለንን በብመንገደን ናይ ድኤንኤ መርመራ ምስ ገበራ ወላዲአን [ዘርኢ ብምልጋስ] ሓደ ምዃኑ ጥራይ ኣይኮናን ፈሊጠን ኣሕዋት ከም ዘለውአን እውን'የን ፈሊጠን።

ጋማ ነቲ እዋን ከተረድእ እንከላ "ዋላ ብኣካል'የ ዝተፈለኹ ሰብ ኰይነ፣ ኣነ መን ምዃነይ ዘይፈልጥ ሰብ ኰይነ'ዩ ክስምዓኒ ጀሚሩ። ኣነ መን'የ ካብ ምባል ሓሊፈ ዋላ ንንኣሽቱ ነገራት'ውን ክሓተሎም ጀሚረ" ትብል።

ሕጂ ጓል 35 ዓመት ኮይና ዘላን ኣብ ሃምፕሻይር እትንበር ዘላን ሄለን ከኣ ኣብ መጀመርታ ኩሉ ነገር ድንግርግር ከም ዝበላ ምስ ግዜ ግን እናበርሃላ ከም ዝመጽአ'ያ ትሕብር።

"ናይ ብሓቂ ዝገርም ልዕሊ ዓቕመይ ዝኾነ ናይ ህድኣት ስምዒት'ዩ ነይሩኒ። ኣብ ህይወተይ ንዝተወሰኑ ነጥብታት ንድሕሪት ተመሊሰ ክጥምት ከለኹ ሃንደበት ነገራት ብዙሕ ትርጉም ፈጢሮምለይ፡" ትብል።

ናታሻ ዕድሚኣ ዕስራታት ክሳብ ዝበጽሕ ብዝተለገሰ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ከምዝተወለደት ኣይትፈልጥን'ያ ነይራ

ምንጪ ስእሊ, Natasha Goldstein-Opasiak

መግለጺ ስእሊ, ናታሻ ዕድሚኣ ዕስራታት ክሳብ ዝበጽሕ ብዝተለገሰ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ከም ዝተወለደት ኣይትፈልጥን'ያ ነይራ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሄለንን ጋማን ምስ ግዜ ካብ ሓደ ወዲ ተባዕታይ ብዝተለገሰ ዘርኢ ዝተወለዳ ካልኦት ክልተ ኣሕዋት ከም ዘለዋአን'ውን ፈሊጠን። ሓንቲ ካብአን ኣብ ኢሴክስ እትነብር ጓል 36 ዓመት ኮይና ዘላ ናታሻ ጎልድስተይን'ያ።

ናታሻ ጓል 21 ምስ መለአት ብዘተለገሰ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ከምዝተወለደት ተሓቢርዋ፡ ጓል 31 ዓመት ክሳብ ትኸውን ግን ናይ ዲኤንኤ መርመራ ኣይገበረትን።

"ዲኤንኤ ክገብር ዝቐሰበኒ እቲ ፍርቂ መበቈለይ ካበይ'ዩ ንምፍላጥ'ምበር ፈጺመ ኣሕዋት ክረክብ'የ ዝብል ሓሳብ ኣይነበረንን" ትብል።

"ብኢመይል መልእኽቲ መጺኡኒ፡ ምስ ከፈትክዎ ኣዝማድ ከምዘለዉኒ ዝገልጽ'ዩ" ትብል።

ሄለን ጋማን ንናታሻ ብተለፎን ተላልየናኣ፡ ድሕሪ ውሑዳት ኣዋርሕ ከኣ ብኣካል ክራኸባ ተሰማሚዐን።

ጋማ ነቲ ምርኻበን ከተረድእ እንከላ፡ "ኩሉ ግዜ ልክዕ ከም ማግኔት ኢና ንሓድሕድና ተሰሓሒብና ተራኺብና ንብል" ብምባል'ያ ገሊጻቶ።

ቀጺላ "ንናታሻ ረኺብናያ ብሓደ ኮፍ ምስ በልና ኣብ ውሽጢ ደቂቕ ኣዘራርባና ሓደ፡ ኣብ ነገራት ዘለና ኣረኣእያ ሓደ ዓይነት ምዃኑ ክንርዳእ ክኢልና፣ ኣዝዩ ዘደንጹ ነገር'ዩ" ትብል።

ብዘይካ'ዚ ኣብ ዝሓለፈ መዋእለን'ውን ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ተራኺበን ነይረን'የን።

ጋማን ናታሻን ቅድሚ 15 ዓመታት ኣብ ሊድስ ዩኒቨርስቲ ኣብ ሓደ ኣደራሽ'የን ዝነብራ ነይረን።

"ብሓደ ክንነብረሉ እንኽእል ኣጋጣሚታት ነይሩ'ዩ፡ እዚ ዕድል እዚ ግን ኣይተወሃበናን፡ ኣሕዋት ምዃንና እንተ ንፈልጥ ነይርና ብሓደ ምተዘናጋዕና፣ ዕለተ ልደትና ብሓባር መሕለፍናዮ፡ ብዙሕ ነገራት ምኽሳርና የሕዝን'ዩ" ትብል ጋማ።

ሰለስቲአን ዝቀራረብ ሞያ'ዩ ዘለወን፡ ፈጠራውነት።

ጋማ ብኣርት'ያ ተመሪቓ፡ ሄለን ብሙዚቃ ናታሻ ከኣ ብሳዕስዒት፣ ሰለስቲኤን'ውን መምህር ኮይነን ሰሪሐን'የን።

ጋማን ሄለንን ንዌልስ ጋንታ ራግቢ እናደገፋ'የን ዓብየን

ምንጪ ስእሊ, Gemma Hicks

መግለጺ ስእሊ, ጋማን ሄለንን ንዌልስ ጋንታ ራግቢ እናደገፋ'የን ዓብየን

ሰለስቲአን ኣሕዋት ወለዶኻ ምፍላጥ ንመንነትካ ብኸመይ ከም ዝጸልዎ ኣዕሚቐን'የን ዝገልጽኦ።

ንሄለንን ጋማን ካብ ዌልስ ዝውለዱ ወለዲ'ዮም ኣዕብዮመን። ክልቲአን ከኣ ናብ ዌልስ ይበጽሓን ንናይ ዌልስ ናይ ራግቢ ጋንታ እናደገፋን'የን ዓብየን።

ጋማ "ዌልስ ምዃንና ፈሊጥና ምዕባይና ኣካል ናይቲ ኣተዓባብያና'ዩ፣ ነዚ ከኣ ብዓቢ ሓበን ኢና ዓቢናሉ" ትብል።

ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ከኣ እቲ ናይ ዘርኢ ወላዲአን'ውን ናይ ዲኤንኤ መርመራ ወለድኡ ካብ ዌልስ ምዃኑ ፈሊጠን።

"ኣጋጣሚ ኮይኑ ኣባና ፍልልይ ኣይፈጠረን [ዘዕበየንን ናይ ዘርኢ ወላዲአንን ክልቲኦም ካብ ዌልስ ምዃኖም]፡ እቲ ናይ ዘርኢ ወላዲና ካብ ፈረንሳ ወይ ካብ ካልእ ነይሩ እንተ ዝኸውን እንታይ ምተፈጠረ ክርድኦ ኣይክእልን'የ። እቲ ርግጽ ኮይንና ክንዛረበሉ ንኽእል ግን እቲ ብሓበን ዝዓበናሉ ዌልስ ዘርኢ ኣካልና ከምዘይኮነ ወይ ኣካሉ ከምዘይኮንና ምስ ፈለጥና ኣዝዩ ሕማቕ ምተሰማዓና" ትብል ጋማ።

ናታሻ ዌልስ'የ ኢላ ኣይዓበየትን፡ ምስ ዌልስ ግን ዘራኽባ መስመራት ጸኒሕዋ'ዩ።

"ኣብ እዋን ቍልዕነተን ኣብ ሰሜን ዌልስ ኣብ ካባቢ ባንጎር ነዊሕ እዋን ኣሕሊፈ'የ፣ ስለዚ ምስ ዌልስ ርክብ ጸኒሑኒ'ዩ። እቲ ናይ ዘርኢ ኣቦይ ካብ ዌልስ ምዃኑ ምስ ፈለጥኩ ከኣ ኣዝየ'የ ተሓጒሰ" ትብል።

ሄለን ኣስዒባ፡ "መን ምዃንካ ምስ ፈለጥካ፡ ኣጋጣሚ ኮይኑ እቲ ኣቐዲምካ እትነብሮ ዝነበርካ ካብቲ ሓቀኛ መበቈልካ ዘይተፈለየ ነገር ኰይኑ ክጸንሕ እንከሎ ዕድለኛታት ዘብለና'ዩ።"

እዘን ብዘርኢ ኣሕዋት ዝዀና ሄለን፡ ጋማን ናታሻን ቀንዲ ወላዲአን መን ምዃኑ ምስ ፈለጣ ክረኽብኦ ወሲአን።

ንሱ'ውን ፍቓደኛ ኮይኑ፡ እቲ ርክብ "ምቕሉልን እወታውን'ዩ ነይሩ" ብምባል ከኣ ይገልጽኦ።

ኣብ ዩናይትድ ኪንግደም ጥራይ ካብ 1991 ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 85,000 ሰባት ብልግሲ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ወይ እንቋቝሖ ጓል ኣንስተይቲ ከም ዝተወለዱ እቲ ነዚ ከምዚ ጉዳያት ዝከታተል ቤት ጽሐፈት HEFA ይገልጽ።

ኣብ 2005 ብዝወጽአ ሓዲሽ ሕጊ ከኣ ሽምካ ዓቂብካ ዘርኢ ምሃብ ከም ዘይፍቀድ ዝድንግግ'ዩ።

በዚ ኣብ 2005 ዝወጽአ ሕጊ፡ ሓደ ብልግሲ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ፡ ልግሲ እንቋቝሖ ጓል ኣንስተይቲ ወይ ማህጸን ዝተወለደ፡ ወዲ 18 ዓመት ምስ ኰነ ብዛዕና እቲ ናይ ዘርኢ ወላዲኡ ክፈልጥን ክረኽቦን ከም ዝኽእሉ ዝሕበር ኮይኑ፡ ክረኽብዎምን ዘይክረኽብዎምን ኣብ ገዛእ ፍቓድ ናይቲ ዝተወለደ ከም ዝምርኮስ ከም ሕጊ ሰፊሩ'ሎ።

 እዘን ብዘርኢ ኣሕዋት ናታሻ፡ ሄለንን ጋማን ታሪኽ ህይወተን ንኸዘንትዋ 'ስፐርም ሲስተርስ' ዝብሃል ፖድካስ ብምምስራት ብቀጻሊ መደባት የቕርባ

ምንጪ ስእሊ, Sperm Sisters

መግለጺ ስእሊ, እዘን ብዘርኢ ኣሕዋት ናታሻ፡ ሄለንን ጋማን ታሪኽ ህይወተን ንኸዘንትዋ 'ስፐርም ሲስተርስ' ዝብሃል ፖድካስ ብምምስራት ብቐጻሊ መደባት የቕርባ

ሄለን ናታሻን ጋማን ንነብሰን 'ስፐርም ሲስተርስ' ኢልን ብምጽዋዕ፡ ሰለስቲአን ብሓባር ዘዳልወኦ 'ስፐርም ሲስተርስ' ዝተሰመየ ፖድካስት ኣለወን።

ናታሻ "ከም ዝመስለኒ ሰለስቴና ጽምዋ ጸኒሕና'ዩ። ብዛዕባ እቲ ዝሓለፍናዮን ዘለናዮን ነገራት ምዝራብ ከኣ ንሓድሕድና ንኽንፋለጥን ንገለ ሕቶታትን መልሲ ክንረኽበሉን ክሕግዘና'ዩ" ትብል።

ጋማ ብወገና፡ "ኣሕዋት ኴንና ክንነብሮ ዝግብኣና 30 ዓመታት ሓሊፍና'ዩ" ብምባል እቲ ፖድካስ ብፍላይ ምስ ሄለን ኣጸቢቐን ክፋለጣ ከም ዝሓገዘን'ያ ትገልጽ።

እዘን ሰለስተ ኣሕዋት፡ ሰብ ብዛዕባ ልግሲ ዘርኢ ርድኢቱ ክውስኽ ይሰርሓ ኣለዋ። ናታሻ እዚ ኣርእስቲ እዚ ብዙሕ ሰብ ከምዘይዛረበሉ'ያ ትገልጽ።

ከም ኣብነት ከተረድእ እንከላ፡ ብልግሲ ዝተወለደት ከም ዝዀነት ንሰብ ኣብ እትገልጸሉ ሰባት ነቲ ኣመር ክርድኦም ከም ዝሽገሩ ትሕብር።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ብልግሲ ዘርኢ ንዝተወለዱ ዝምልከት ዝሓሸ ሕጊ'ኳ እንተ ሃለወ፡ ገና ግን ኣብቲ ዝበለጸ ዝብሃል ደረጃ ከም ዘይበጸሐ'የን እዘን ሰለስተ ኣሕዋት ዝሕብራ።

ሄለን፡ ናታሻን ጋማን ካልኦት ክንደይ ዝኾኑ ኣሕዋትን ኣሓትን ከም ዘለዉወን ኣይፈልጣን'የን።

ኣብዚ እዋን ሓደ ለጋሲ ዘርኢ ንልዕሊ 10 ስድራቤታት ዘርኡ ክልግስ ኣይፍቀዶን'ዩ። ቀደም ግን ንኽንደይ ኢኻ ክትልግስ ትኽእል ደረት ኣይነበሮን።

ቢቢሲ ዌልስ ኣብ ቀረባ እዋን ዝገበሮ ምርምራዊ ጽሑፍ ከም ዘረድኦ፡ ኣብዚ እዋን'ውን ብመንገዲ ማሕበራዊ ሚድያ ንዘይተማእከ ልግሲ ዘርኢ ዝምልከት ብዙሕ ጎስጓሳት ይግበር'ዩ፡ እዚ ከኣ እቲ ኣብ 2005 ዝወጽአ ሕጊ ንኽጥሓስ ዘተባብዕ ምዃኑ'ያ ጋማ ትሕብር።

ጋማ "እቲ ሕጊ ብዙሕ ተመሓይሹ'ዩ፡ ቤት ጽሐፈት HEFA እውን ኩሉ ዝግበር ልግሲ ናይ ዘርኢ፡ ሕጊ ዝተኸተለን እቶም ዝተወለዱ ነቲ ናይ ዘርኢ ኣቦኦም ወይ ኣዲኦም ንኽፈልጡ ዘገድድን ንኽከውን ይሰርሕ ኣሎ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን ብሰንኪ እቲ ፍኑው ብመንገዲ ፈይስኩን ካልኦት ማሕበራዊ ሚድያን ዝግበር ጎስጓሳት ኩሉ እቲ ድኻም ብላሽ ከይከውን የፍርሕ'ዩ" ትብል።

"ንሕና ሕጊ ኣብ ዘይነበረሉ ኢና ብልግሲ ዘርኢ ተወሊድና። ሕጂ'ውን ካብኡ ዝፍለ ኣይኮነን። ንሕና ነቶም ብልግሲ ዘርኢ ዝተወለዱን ዝውለዱን ድምጺ ክንከውን ኢና ንጽዕር ዘለና። እዚ ከኣ ንብዙሓት ስድራቤታት ብዛዕባ እዚ ርድኢቶም ክዓብን ክድርኾም'ዩ ኢልና ኢና ንሓስብ።"

ሄለን ብወገና፡ እቶም ብልግሲ ዘርኢ ዝተወለዱ ህጻናት "ኣብዚ እዋን ድምጺ ኣልቦ'ዮም ኮይኖም ዘለዉ" ብምባል ንሳን ኣሕዋታን ድምጺ ኮይነንኦም ከም ዘለዋ ትኣምን።