ቅትለት ቻርሊ ኪርክ፡ ተኸሳሲ ክሒዱ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ድማ የንጸላልዎ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እቲ ንቻርሊ ኪርክ ብምቕታል ዝተኸሰሰ ወዲ 23 ዓመት መንእሰይ ታይለር ሮቢንሰን፡ ንዝቐረበሉ ክሲ ቅትለት "በደለኛ ኣይኰንኩን" ክብል ክሒዱ።
ዳኛ እቲ ጉዳይ፡ ዓቃቢ ሕጊ ኣብቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝካየድ መስርሕ ፍርዲ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ክሓትት ከም ዝተፈቐደሉ ተገሊጹ።
መስራቲ 'ተርኒንግ ፖይንት ዩኤስኤ' ዝዀነ ወዲ 31 ዓመት ቻርሊ ኪርክ፡ ብ10 መስከረም 2025 ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዩታ ቫሊ መደረ እናሃበ እንከሎ እዩ ብተዅሲ ክሳዱ ተወቒዑ ተቐቲሉ።
ጠበቓታት ተኸሳሲ፡ እቲ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ካብቲ ክሲ ክእለ እኳ እንተ ሓተቱ፡ ዓቃቢ ሕጊ ግን እቲ ተኸሳሲ ቈልዑ ኣብ ዝነበርሉን ህዝቢ ኣብ ዝተኣከበሉን ቦታ ብምትኳሱ፡ እቲ ገበን ከቢድን ናይ ሞት መቕጻዕቲ ዘውህብን ምዃኑ ተኻቲዑ ኣሎ።
ዓቃቢ ሕጊ ቻድ ግሩናንደር፡ "ታይለር ሮቢንሰን ንቻርሊ ኪርክ ካብ ዝቐትሎ 356 መዓልታት ኰይኑ ኣሎ፡" ብምባል ፍርዲ ክወሃብ ጸዊዑ።
ኣብቲ ጉዳይ ቀሪቦም ዘለዉ መርትዖታት ከም ዘመልክትዎ፡ እቲ ተኸሳሲ ቅድሚቲ መጥቃዕቲ ምፍጻሙ ነቲ ዩኒቨርሲቲ ተደጋጋሚ ግዜ ይከታተሎ ከም ዝነበረን፡ ነቲ ጠመንጃ ንምሕባእ ክዳውንቱ ቀይሩ ብምምጻእ ነቲ ገበን ከም ዝፈጸሞን ተገሊጹ።
ብተወሳኺ፡ ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝወዓለ ጠመንጃ ዲኤንኤ እቲ ተኸሳሲ ከም ዝተረኽቦን ንመዳቕስቱ "ገበን ፈጺመ" ኢሉ ከም ዝተናዘዘሉን ተሓቢሩ።
እዚ ጉዳይ ብ23 ጥቅምቲ ዳግማይ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝርአ ኰይኑ፡ ኣብኡ ድማ እቲ ቀጥታዊ ናይ መጋባእያ ዕለት ክውሰን ትጽቢት ይግበር።

ምንጪ ስእሊ, EPA/Shutterstock





























