ኤርትራ ብወገና ምስ ኢትዮጵያ ዝጸንሓ ፕሎማስያዊ ዝምድና ምሉእ ብምሉእ ከምዝበተኸት ኣፍሊጣ

ምንጪ ስእሊ, MOI Eritrea
ኤርትራ ነቲ ኢትዮጵያ ዝወሰደቶ ዲፕሎማሰኛታት ናይ ምስጓግ ስጉምቲ ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ ምስ ኣዲስ ኣበባ ዝጸንሓ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ምሉእ ብምሉእ ክትበትኮ ከምዝወሰነት ኣፍሊጣ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ብሓሙስ 01 ጥቀምቲ 2026 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብሰንኪ "ተግባራት ተጻብኦ ኤርትራ" ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ዘሎ ኤምባሲኡ ከምዝዕጾ ብምግላጽ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ 10 ዲፕሎማሰኛታት ኤርትራ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓት ክወጹ ከምዝኣዘዘ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ኣስመራ ብወገና፡ ኣማስያኣ ኣብ ዝሃበቶ ግብረመልሲ፡ ነቲ "ተጻባኢ" ዝበለቶ ውሳነ ኢትዮጵያ ብምቃፍ፡ ኣዲስ ኣበባ ንዕጡቓት ኤርትራውያን ተቓወምቲ ብምዕጣቕ ኣብ ኤርትራ "ውሽጣዊ ግጭት ብምስዋር ናይ ስርዓት ለውጢ" ክትፈጥር ትፍትን ከምዘላ ከሲሳ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ፈጻሚ ጉዳያት (ቢንያም በርሀ) በቲ ውሳነ ዲፕሎማስያዊ ኣፍልጦን ሓለዋን ከምዝተነፍጐ የመልክት።
"ኣብ ከምዚ ዝበለ ኲነታት፡ ኤርትራ ዓጸፋ ምላሽ ካብ ምሃብን ምስ ኢትዮጵያ ዝህልዋ ርክብ ምሉእ ብምሉእ ካብ ምብታኽን ካልእ ኣማራጺ የብላን" ክትብል ኣስመራ ኣፍሊጣ።
"ኣብ ኲሉ እዚ ፈታኒ እዋን፡ ኤርትራ ነቲ ሓደገኛ ምዕራግ ናይቲ [ወጥሪ] ንምውጋድ ትዕግስትን ምሕያብን ከተርእይ ጸኒሓ ኣላ" ዝበለ እቲ ካብ ኣስመራ ዝወጸ መግለጺ፡ ኢትዮጵያ "ንዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት 'ብምስምስ ኣገዳስነት ልኡላዊ ኣፍደገ ባሕሪ' ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ወግዓዊ ኣዋጅ ኲናት" ክትቅስቅስ ምጽንሓ ይኸስስ።
ብወገን ኣዲስ ኣበባ ኣቐዲሙ ዝወጸ መግለጺ "ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ዓሰርተ ዲፕሎማሰኛታት ኤርትራ 'ፐርሶና ናን ግራታ' [ኣፍልጦን ሓለዋን ዝተነፍጐም ውልቀሰባት] ምዃኖም" ከምዝኣወጀ'ዩ ኣነጺሩ።
እቶም ብስም ዘይተጠቕሱ ዲፕሎማሰኛታት "ውዕል ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ቬና ብምጥሓስ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ቀጥታዊ ሓደጋ ኣብ ዘስዕብ ንጥፈታት ብምስታፎም" ክወጹ ከምዝተወሰነ'ዩ እቲ መግለጺ ይጠቅስ።
"ዲፕሎማሰኛታት ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ካብ ኢትዮጵያ ክወጹ ተኣዚዞም ኣለዉ" ይብል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ብኣቶ ቢንያም በርሀ ዝምርሑ ዲፕሎማሰኛታት ኤርትራ ወከልቲ ሃገሮም ኣብ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣፍሪቃን ምዃኖም ይፍለጥ። እቲ ውሳነ ኤርትራ ኣብቲ ሕብረት ብዘይውክልና ክትተርፍ ዝገብር ከይኮነ ኣይተርፍን።
እቲ ኣብ 2018 ድሕሪ 20 ዓመታት ናብ ንቡር ተመሊሱ ዝነበረ ዝምድናታት ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን፡ ድሕሪ ኲናት ትግራይ ቀልጢፉ እናሓርፈፈ ክመጽእ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ናብ ዝኸፍአ ወጥሪ ዓሪጉ ናብ ቀጥታዊ ረጽሚ ከየምርሕ ተሰጊኡ ይርከብ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂን ኣብ ሓምለ 2018 ኣብ ኣስመራ ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ድሕሪ ምፍራሞም ኣብ ርእሰከተማታቶም ኤምባሲታት ብምኽፋት ዝምድናታቶም ናብ ደረጃ ኣምባሳደራት ክብ ኢሉ ነይሩ።
እንተኾነ ኲናት ክልተ ዓመት ትግራይ ብስምምዕ ፕሪቶሪያ ደው ምስ በለ፡ እቲ ብዙሕ ዝተዘመረሉ ጥቡቕ ርክብ ክልቲኦም መራሕቲ ከንቆልቊልን ውክልናታቶም ናብ ደረጃ ፈጻሚ ጉዳያት (ቻርጅ ዲ ኣፌርስን) ክወርድ ግዜ ኣይወሰደሉን።
እቲ ብሰንኪ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዝቐጸለ ኵነተ-ኲናት ንዓመታት ተዓጽዩ ዝነበረ ኤምባሲ ኤርትራ ብ16 ሓምለ 2018 እዩ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዝተረኽብሉ ብወግዒ ተኸፊቱ።
ኣዲስ ኣበባ፡ ኤርትራ ነቶም ኣንጻራ ዝዋግኡ ዘለዉ ዕጡቓት ተቓውምቲ ትድግፍ ኣላ ብምባል ክትከስስ እያ ትኸስስ።



















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
