ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ደ/ሪ/ኮንጎ ብሰንኪ ኢቦላ ህጹጽ እዋን ኣዊጁ

Published
ንባብ: 5 ደቓይቕ

ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ኢቦላ ከምዝኣተወ ብምሕባር ኣብታ ሃገር ዓለምለኻዊ ኣተኵሮ ዝጠልብ ህጹጽ እዋን ኣዊጁ።

እቲ ውድብ፡ ኣብታ ኣብ ምብራቕ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ እትርከብ ዞባ ኢቱሪ፡ 246 መልከፍትን 80 ሞትን ከምዝተመዝገበ ብምሕባር እዚ ኣብታ ሃገር ለበዳ ኢቦላ ኣትዩ ኢልካ ንምእዋጅ እኹል ከምዘይኮነ ገሊጹ።

እንተዀነ እዚ ተረኺቡ ዘሎ ቍጽሪ መልከፍቲ ካልኦት ኣዝዮም ብዙሓት ተለኺፎም ክህልዉ ከምዝኽእሉ ዘርኢ ብምዃኑን ኣብታ ሃገርን ኣብ ከባቢኣ ዝርከባ ሃገራትን ንኸስፋሕፍሕ ተኽእሎ ከምዘሎ ኣጠንቂቑ።

ኢቦላ ተራእዩላ ዘሎ ኣብ ምብራቕ ደሞክራስያዊት ኮንጎ እትርከብ ዞባ ኢቱሪ ምስ ምዕራብ ዩጋንዳን ብገለ ጸቢብ ሸነኻ ከኣ ምስ ደቡባዊ ሸነኽ ደቡብ ሱዳን ትዳወብ'ያ።

እዚ ሕጂ ተራእዩ ዘሎ ኢቦላ እቲ ቡንዲቡግዮ ዝብሃል ዓሌት ኢቦላ ምዃኑ'ውን ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ።

ኢቦላ ክሳብ ሕጂ መድሃኒት ይኹን መከላኸሊ ክታበት ዘይብሉ ሕማም'ዩ።

ሕማም ኢቦላ ብቐጥታዊ ኣካላዊ ምትንካፍ ብዝሓለፍ ከም ርሃጽ ዝኣመሰለ ፈሳሲ፡ ብቝስሊ መሳሊ ዝተበስዐ ቈርበት ዝመሓላለፍ ኰይኑ፡ ብርቱዕ መድመይትን ውሽጣዊ ኣካላት ብምጥቃዕን ናብ ሞት ዘቃልዕ ቀታሊ ሕማም'ዩ።

ኣብ መጀመርታ ብርቱዕ ረስኒ፡ ቃንዛ ጭዋዳታት፡ ረሸሽታ፡ ሕማም ርእሲን ምሕርሓር ጐረሮን ዝኣመሰሉ ምልክታት ብምርኣይ ጀሚሩ ተምላስ፡ ውጽኣትን መድመይትን የኸትል።

ውድብ ጥዕና ዓለም በዚ ሕማም ዝተለኸፈ ሰብ ናይ ምማት ዕድሉ 50 ሚእታዊት ምዃኑ'ዩ ዝገልጽ።

ክሳብ ሕጂ ኣብ ሸሞንተ ላባራቶሪታት ብዝተገበረ ቅምሶ፡ ኣብ ኵለን ላባራቶሪታት እቲ ቫይረስ ዘለዎ ቅምሶታት ክርከብ ተኻኢሉ'ሎ።

ብተወሳኺ ኣብ ቡንያ ርእሰ ከተማ ኢቱሪ፡ ከምኡ ኸኣ ኣብ ሞንግዋሉን ረዋመፓራን ዝብሃል ወርቂ ዝዕደነለን ከተማታት'ውን ሞት ግዳያት ተራእዮም ኣለዉ።

ሰብመዚ ዩጋንዳ'ውን ብዓርቢ፡ ሓደ ወዲ 59 ዓመት ካብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ናብ ዩጋንዳ ዝኣተወ ውልቀሰብ ተመርሚሩ ብኢቦላ ምልካፉ ከም ዘረጋገጹ ገሊጾም።

እቲ ወዲ 59 ዓመት ተወላዲ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝዀነ ሰብኣይ ኣብ ካምፓላ ኣብ ሆስፒታል ምስ ኣተወ ከም ዝዓረፈ'ውን ተገሊጹ።

ብተወሳኺ ካልእ በዚ ሕማም ዝተለኸፈ ሰብ ኣብ ዩጋንዳ ከምዝተረኸበ'ውን ተረጋጊጹ ኣሎ።

ሰብ መዚ ኡጋንዳ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ሬሳ ናይቲ ኣብ ካምፓላ ብኢቢላ ዝሞተ ሰብኣይ ናብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ከምዝመለስዎ ኣፍሊጦም።

ኣብታ ዕጡቓት ኤም23 ተቘጻጺሮማ ዝርከቡ ኣብ ምብራቕ ኮንጎ ምስ ሩዋንዳ ኣብ ዘዳውብ ኣብ እትርከብ ከተማ ጎማ ሓደ ብኢቦላ ዝተለኸፈ ሰብ ከም ዝተረኸበ ኤኤፍፒ ሓቢሩ።

ካብቶም ኣብ ኮንጎ ብኢቦላ ዝተለኸፉ ሽዱሽተ ኣመሪካውያን ከም ዝርከበዎምን ሓደ ካብኦም ጥራይ ምልክታት እቲ ሕማም ከምዝተራኣዮ ማዕከን ዜና ሲቢኤስ ምንጭታት ብምጥቃስ ኣቓሊሑ።

መንግስቲ ኣመሪካ ነቶም ግዳያት ካብታ ሃገር ኣውጺኡ ናብቲ ኣብ ጀርመን ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከሩ ከግዕዞም ይፍትን ምህላው'ውን ማዕከን ዜና ስታት ኣፍሊጡ።

ማእከል ምክልኻልን ምቍጽጻርን ሕማማት ኣመሪካ [ሲዲሲ]፡ ናብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ናብ ዩጋንዳን ሰብ ሞያ ክሰድድ መደብ ሓንጺጹ ምህላዉ ከፍልጥ እንከሎ፡ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ብወገኑ ዜጋታቱ ናብ ዞባ ኢቱሪ ከይገሹ መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፉ።

ቢቢሲ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ንማእከል ምክልኻልን ምቍጽጻርን ሕማማት ኣመሪካ [ሲዲሲ] ተወኪሱ ኣሎ።

ወድብ ጥዕና ዓለም እቲ ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዘሎ ህሉው ናይ ጸጥታ ኵነታት፡ ብዝሒ ህዝቢ፡ እቲ ንመጓዓዝያ ዘይጥዑም መልከፍቲ ተራእይዎ ዘሎ ከባቢታትን እኹል ማእከላት ጥዕና ዘይምህላውን ነቲ ሕማም ዝያዳ ከየላብዖ ስግኣት ከምዘሎ ኣጠንቂቑ።

እተን ምስ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝዳወባ ከም ኡጋንዳ፡ ሩዋንዳን ደቡብ ሱዳንን ዝኣመሰላ ሃገራት'ውን ምስታ ሃገር ብዘለወን ንግዳዊ ምትእስሳራት ዝልዓላ ተቓላዕቲ ክገብረን ይኽእል'ዩ።

ሩዋንዳ ኣብ ዶባት ክልቲኤን ሃገራት ናይ መርመራ ማእከላት ብምኽፋት እኹል ምክትታል ክትገብር ምዃና ኣፍሊጣ ኣላ።

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ዩጋንዳን ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ንምክትታልን ንምልላይን ግዳያት ዝዓለመ ኣብ ዶባተን ህጹጽ ናይ ጥዕና ማእከላት ክኸፍታ ተማሕጺኑ'ሎ።

ምስፍሕፋሕ እቲ ሕማም ንምግታእ፡ በቲ ቡንዲብግዮ ዝብሃል ዓሌት ኢቦላ ዝተለኸፉ ሰባት ብቕልጡፍ ክውሸቡን ክሳብ ኣብ ናይ 48 ሰዓታት ፍልልይ ዝግበር መርመራ ክልቲኡ ኣሉታዊ ውጽኢት ዝህብ ከኣ ተወሽቦም ክጸንሑን ተላብዩ።

ምስታ መልከፍቲ ተራእይላ ዘሎ ዞባ ዝዳወባ ዞባታታን ሃገራትን መንግስታተንን ምክትታሎም ከሐይሉን ጥዕናዊ ጸብጻባቶም ከጽፉፉን'ውን ጻውዒት ቀሪብሎም።

ውድብ ጥዕና ዓለም ወሲኹ፡ ካብቲ መልከፍቲ ዝተረኣየሉ ዞባ ወጻኢ ዝኾና ሃገራት ዶባተን ክዓጽዋ ወይ መገሻን ንግድን ክድርታ ከምዘይብለንን፡ "ከምዚ ዓይነት ስጕምትታት መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ፍርሒ ዝተላዕለ'ምበር ኣብ ሳይንስ መሰረት ዘይብሉ" ምዃኑ ገሊጹ።

ዋና ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብዚ እዋን "ኣብ ሓቀኛ ቍጽሪ ዝተለኸፉ ሰባትን ኣብ ጂኦግራፍያዊ ዝርገሐ" እቲ ሕማምን ዘይርጉጽነት ከምዘሎ ኣጠንቂቑ።

ኢቦላ እንታይ'ዩ ብኸመይከ ይመሓላለፍ?

  • ጠንቂ ናይዚ ለበዳ እንታይ እዩ? ኢቦላ ብቫይረስ ዝመሓለፍ ሕማም'ዩ፣ ሳሕቲ ዘጋጥም ኰይኑ ከቢድን መብዛሕትኡ ግዜ ከኣ ናብ ሞት ዘብጽሕን'ዩ። ክሳብ ሕጂ ሰለስተ ዓይነታት ኢቦላ'ዮም ዘለዉ፡ እዚ ሕጂ ተራእዩ ዘሎ ከኣ ቡንዲቡግዮ ዝበሃል ዓሌት'ዩ
  • ኢቦላ ብኸመይ'ዩ ዝመሓላለፍ? ሕማም ኢቦላ ብቐጥታዊ ኣካላዊ ምትንኻፍ ዝሓለፍ፣ ከም ርሃጽ ዝኣመሰለ ፈሳሲ፡ ብቝስሊ መሳሊ ዝተበስዐ ቈርበት ደምን ተምላስን ይመሓለለፍ
  • ክሳብ ክንደይ'ዩ ቐታሊ? ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝተኸሰተ ተመሳሳሊ ዓሌት ኢቦላ ካብ ዝተለኸፉ ሰባት እቶም ኣስታት 30 ሚእታዎት ሞይቶም'ዮም
  • ናይ ጽፍዩ እዋን እዚ ቫይረስ ክንደይ'ዩ? ምስ ተለኸፍካ ካብ ክልተ ክሳብ 21 መዓልታት ኣብ ዘሎ ግዜ ምልክታት ክርኣየካ ይጅምር
  • ምልክታት እዚ ሕማም እንታይ'ዩ? ኣብ መጀመርታ ብርቱዕ ረስኒ፡ ቃንዛ ጭዋዳታት፡ ረሸሽታ፡ ሕማም ርእሲን ምሕርሓር ጐረሮን ዝኣመሰሉ ምልክታት ብምርኣይ ጀሚሩ ተምላስ፡ ውጽኣትን መድመይትን የኸትል። ኣብ ገለ ሕሙማት'ውን ንውሽጣዊ ኣካላቶም ብምጥቓዕ ውሽጣውን ግዳማውን መድመይቲ የስዕበሎም
  • ኢቦላ ብኸመይ'ዩ ጀሚሩ? እቲ ናይ መጀመርታ መልከፍቲ ካብ ከም መንካዕ ዝኣመለሰ ቫይረስ ኢቦላ ዘለወን እንስሳታት'ዩ ናብ ሰብ ሓሊፉ
  • ነዚ ሕማም ክታበት ኣለዎ ድዩ? ነቲ ዛየር ዝብሃል ዓሌት ኢቦላ ክታበት ተረኺብዎ'ዩ ንዓሌት ቡንዲቡግዮ ግን ክሳብ ሕጂ ክታበት የብሉን

ኢቦላ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ 1976'ዩ ኣብ ኮንጎ ተረኺቡ፡ እቲ ሕማም ብመንካዕ ከም ዝመሓላለፍ'ዩ ዝግለጽ።

ኣብታ ሃገር ቅድሚ ሕጂ'ውን ተመሳሳሊ ለበዳ ይረአ ነይሩ'ዩ እዚ ከኣ መበል 17 ኰይኑ ተመዝጊቡ'ሎ።

ኣብ ዝሓለፈ 50 ዓመታት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ በዚ ሕማም ኣስታት 15,000 ሰባት ከም ዝሞቱ'ዩ ዝግለጽ።

ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ኣብ 2018 ከምኡ ከኣ ኣብ 2020 ዘጋጠመ ለበዳ ኢቦላ ህይወት ልዕሊ 2300 ሰባት'ዩ ቀዚፉ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዘጋጠመ ተመሳሳሊ ለበዳ'ውን 45 ሰባት ኣብታ ሃገር ከም ዝሞቱ መዛግብቲ ይሕብሩ።