ካርሎ ኮንቲ ሮሲኒ፡ ኣካታዓይ ተመራመሪ ታሪኽ ስነ-ቛንቋን ስነ-ሰብን ዞባና

ካርሎ ኮንቲ ሮሲኒ:
መግለጺ ስእሊ, ካርሎ ኮንቲ ሮሲኒ: "ህዝቢ ሓበሻ ከም ሓተታ ዘርአ ያዕቆብ ዘኣመሰለ ዓሚቝ ጽሑፍ ንከቕርቡ ዓቕሚ ኰነ ኣፍልጦ የብሎምን" (1920)
Published
ንባብ: 5 ደቓይቕ

ካርሎ ኮንቲ ሮሲኒ፡ ብዛዕባ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝምልከት ሰፊሕ ማሕድሮ ትምህርቲ ኣብ ምፍጣር ዝነበሮ ዓቢ ተራ'ዩ።

ንሱ ከም ፈላሚ ጸሓፍ-ታሪኽ፡ ክኢላ ቋንቋን ስነ-ህዝብን ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝዝከር ኰይኑ፡ እቶም ዘበርከቶም ምርምራት ክሳብ ሕጂ ኣብ ቅድመ-ግንባር መጽናዕትታት ዞባና - ኣብ ውሽጢ እቲ ሰፊሕ ታሪኽ መግዛእቲ ኤውሮጳውያን ኣብ ኣፍሪቃ - ቦታ ብምሓዝ ይቕጽሉ ኣለዉ።

ኮንቲ ሮሲኒ፡ በቶም ኣብ ዞባና ጠሊቑ ብምእታው ዘካየዶምን ዘፍረዮምን መጽናዕትታት፡ ስዒቡ ክንዝርዝሮ ኢና፤ ከም መእተዊ ግን ነቲ ዝያዳ ዝፍለጠሉ ዛዕባ ንርአ።

እወ፡ ኮንቲ ሮሲኒ ሓደ ድሒሩ ዘርከቦ ጕዳይ እንተሎ፡ ብኦሬንታሊስት ማእምራን ኣብ ልዕሊኡ ዝተሰንዘረ ክሲ ማለት'ዩ - ብሓደ ዝወሰዶ ግጉይ መርገጺኡ ነበረ። እቲ ክሲ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ሓተታ ዘርአ ያዕቆብ ብዘንበሮ ፍርዲ ነበረ።

ቅድሚ ሕጂ ከም ዝተዘንተወ፡ "ሓደ ንኣፍሪቃውያን ከሐብን ዝግብኦ ዛንታ እንተሎ ሓተታ ዘርአ-ያዕቆብ ከይኰነ ኣይተርፍን" ዝብል ዝቐረበ ምጕት ብምዝካር፡ ነዚ መጐተ ብዛንታ ኮንቲ ሮሲኒ ኣቢልና ክንርእዮ።

"ህዝቢ ሓበሻ ከም ሓተታ ዘርአ ያዕቆብ ዘኣመሰለ ዓሚቝ ጽሑፍ ንከቕርቡ ዓቕሚ ኰነ ኣፍልጦ የብሎምን" ኢሉ ዝመጐተ ባዕሉ እዚ ናይ ሎሚ ቀንዲ ዛዕባ ሓተታና - ኮንቲ ሮሲኒ - ነበረ።

ኣብ 1920 ኮንቲ ሮሲኒ፡ እቲ ሓተታ ብሓደ ኣብ መበል ዓሰርተው ሸውዓተ ክፍለዘመን ዝነበረ ኢትዮጵያዊ ፈላሲ ክጸሓፍ ከምዘይክእል ብምምጓት፡ እቲ ሓተታ ብሓደ ፈረንጂ ምስዮናዊ - ጁስቶ ዳ-ኡርቢኖ - እዩ ቀሪቡ ክብል ሓሳብ ኣቕረበ።

እቲ ዘቕረቦ ምኽንያት ድማ ባህሊ ሓበሻ ን"ርትዓዊ" ፍልስፍና ዘሰላስል ዓቕምን ኵነታትን ኣይነበሮን ካብ ዝብል እምነት ዝነቐለ ነበረ። ትዕዝብቲ ኮንቲ ሮሲኒ በቃ ናብ ንዕቐትን ዘለፋን ገጹ ከደ ክበሃል ይከኣል።

ዝዀነ ኰይኑ፡ ዘመናውያን ምሁራን ንመርገጺ ኮንቲ ሮሲኒ 1) ዕላማዊ መርትዖ ዘይብሉ 2) ኣንጻር ዓቕሚ ምሁራን ኣፍሪቃውያን ወገን ዝሓዘን ኤውሮጳዊ ርእይቶ ዘንጸባርቕን'ዩ ክብሉ ኣትሪሮም ነቒፎሞ'ዮም።

ብዓቢኡ ኸኣ ኣብ ቀረባ እዋን ዝቐረቡ ፊሎሎጅያዊ (philological) መጽናዕትታት ንሓተታ ዘርአ ያዕቆብ ብርግጽ በቶም ኢትዮጵያዊ ፈላሲ'ዩ ተጻሒፉ ክብሉ ምስክሮም ብዕሊ ገሊጾም'ዮም።

ዛንታ ኮንቲ ሮሲኒ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኮንቲ ሮሲኒ (1872–1948)፡ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ 1889 ከም ሓላፊ ሲቪላዊ ጉዳያት ግዝኣት-ጣልያን ኰይኑ ናብ ኤርትራ ዝመጸ በዓል መዚ ነበረ። ኣብ ኤርትራ ድማ ክሳብ 1903 ኣገልገለ።

ናብ ዓዲ ጣልያን ምስ ተመልሰ ኣብ ቤት-ግምጃ ድሕሪ ምግልጋል ከኣ ብ1921 ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሮማ ከም ፕሮፌሰር መጽናዕቲ ኢትዮጵያ ኰይኑ ብምግልጋሉ ይዝከር'ዩ።

ኣብ ሮማ ዩኒቨርሲቲ እንከሎ ካብ ግእዝ ብርክት ዝበሉ ኢደ-ጽሑፋት ተርጒሙን ኣሕቲሙን'ዩ። ካብቶም ተርጒሙ ዘሕተሞም ናይ መሬት ቻርተር (ናይ ቀንዲ ገዳማት ኤርትራ) ከምኡ'ውን ታሪኻት ናይ ቀንዲ ቅዱሳን ዞባና ይርከቡዎም።

ኣብ ርእሲ ሕግታት እንዳባ፡ ናይ ክልቲኡ ህዝብታት ትግረን ተዛረብቲ-ትግርኛን - ካብ ኣፋዊ ልምድታት ዝተረኸቡ ብርክት ዝበሉ ምስ ደቀባት ምሁራትና ተሓባቢሩ ዝኣከቦም ናይ ከባቢና ታሪኻት ተርጒሙ ዘቕረበ እዩ።

በዚ መዳይ፡ ኮንቲ ሮሲኒ ዝያዳ'ዩ ኣበርኪቱ። ናይ ጥንታውን ማእከላይ ዘመንን ታሪኽ ኤርትራ ካብ ሃብታም ምንጭታት ኣዋጺኡ ግሩም ሓተታታት ከቕርብ ክኢሉ'ዩ። ስርሑ ዋላ'ኳ ብዳግመ-ክለሳ ከም ዝመሓየሽ እንተ ተገብረ ብመሰረቱ ናይቲ ዘመን'ቲ ቀንዲ ጽሑፋዊ እምነ-ሰረት ምዃኖም ኣይተረፎምን።

ካብቶም ብዙሓት ጽሑፋቱ፡ Principi di diritto consuetudinario dell'Eritrea (መበገሲ ሕጊ እንዳባ ኤርትራ) ከምኡ'ውን Storia d'Etiopia (ታሪኽ ኢትዮጵያ) እተን ኣገደስቲ መጻሕፍቱ'የን።

ንሕጂ ኣብቲ ንሱ ዝነበሮ ኵነታት ኤርትራ ንስገር።

ኮንቲ ሮሲኒ ኣብ ኤውሮጳ ከም መምህር ዩኒቨርሲቲ ኰይኑ ቅድሚ ምስርሑ ኣብ ኤርትራ መሰረታዊ ለውጥታት ይትኣታቶ ከም ዝነበረ ምጥቃስ የድሊ።

ብ1907 እቶም ቀዳሞት ኣሃዱታት ኤርትራ ኣብ ሶማልያ ንኽዋግኡ ክለኣኹ፡ ብ1909 ቆላታት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር መንግስቲ ጣልያን ከም ዝኣትዉ ተገብረ። ሽዑ መንገዲ ባቡር ኣስመራ-ባጽዕ ተዛዚሙ ልዕሊ 60 ሽሕ ዝኣኽሉ ኤርትራውያን ዓሰክር ጣልያን ኣብ ሊብያ የገልግሉ ነበሩ (ብ1911-1932)።

ኮንቲ ሮሲኒ ኣብ ስእሊ ኤርትራ ኣእቲና ክንርእዮ እንከለና፡ ኣብ ልዕሊ ፋሺስታውያን ዝነበሮ ጽልዋታቱ ምርኣይ የድሊ።

ንመዘኻኸሪ፡ ኮንቲ ሮሲኒ ካብ 1900 ክሳብ 1903 ኣብ እዋን መግዛእቲ ጥልያን ከም ዳይረክተር ሲቪላዊ ጉዳያት ኰይኑ ኣብ ኤርትር ኣገልጊሉ'ዩ።

ኣብቲ እዋን'ቲ ብዛዕባ ሕብረተሰባት ኤርትራ፡ ሕጊ እንዳባ፡ ቋንቋታት፡ ፖለቲካዊ ቅርጻታት ሰፊሕ ሓበሬታ ክእክብ ከኣለ። እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሕለፎ ናብራ ንመብዛሕትኡ ናይቲ ድሒሩ ዝበጽሖ ደረጃ ትምህርቲ መሰረት ኰይኑዎ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

ኣብታ 'ኣል-ረጋሊ' (Al Rágali ) ዘርእስታ መጽሓፉ ብዛዕባ ብሄረ ሳሆ ዘስፈሮ መስተንክር ሓበሬታ ከም ኣብነት ክውሰድ ይከኣል።

ኮንቲ ሮሲኒ ኣብ ዘመነ ፋሽሽቲ (ድሕሪ 1922) ዋላ'ኳ ኣብ ኤርትራ ብቐጥታ ኣይስራሕ፡ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ግን ተራ ነይሩዎ ይበሃል'ዩ።

ኣብ ኢጣልያ ኣብ ልዑል ጽፍሒ ሓላፍነት ይሰርሕ ስለ ዝነበረ ጽልዋ ከም ዝነበሮ ርዱእ'ዩ - ኣብ ምኒስትሪ ግዝኣት-ጣልያን ከም ዋና ዳይረክተር፡ ጸኒሑ ድማ ከም ኣባል ቤት ምኽሪ ኰይኑ ይሰርሕ ነይሩ'ዩ።

ንኣብነት ብ1914 ኮንቲ ሮሲኒ ኣብ ሊብያ (ግዝኣት ጥልያን ዝነበረ) ከም ዋና ጸሓፊ ኰይኑ ተመዚዙ ከም ዝነበረ ህይወት ታሪኹ ይዝከር።

ዝዀነ ኰይኑ፡ በቶም ዝነበርዎ ሓላፍነታት ኣቢሉ ኣብ ልዕሊ ፖሊሲታት ፋሺሽታዊት ኢጣልያ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ጽልዋ ከሕድር ክኢሉ ይበሃል'ዩ።

ዘመናውያን ጸሓፍቲ ታሪኽን ባህልን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ዘረከቦም ፈላሚ ምርምራት ሓንጎፋይ ኢሎም'ኳ እንተ ተቐበሉዎን ነቲ ፍልጠት ድማ እንተተጠቕምሉን ነቲ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ሃዋሁው፡ ነቲ ትምህርታዊ ኣበርክቶኡ ሰገጥ እናበሉ'ዮም ዝምውሉዎ።

ንኣብነት ሚሸላ ሮንግ ዝተባህለት ጸሓፊት ንተራ ኮንቲ ሮሲኒ ብዓይኒ ጽምበላ ጥራይ ዘይኰነትስ፡ ንኮንቲ ሮሲኒ ኣብ ውሽጢ ሰፊሕ ኵነታት መግዛእቲ ጥልያን ኣብ ኤርትራ ኣቐሚጣ'ያ ትርእዮ።

ኣመሓደርቲ ባዕዳውያን ገዛእቲ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ከማኡ ዝኣመሰሉ ምሁራት ብዝብልዎ ተጸጊዖም'ዮም ህዝብታት ንምምዳብ፡ ልምድታት ንምስናድ ኰነ ንመግዛእቲ ንምምሕዳር ዝጠቅም ፍልጠት ዝድልቡ እናበለት ኣብቲ ብዛዕባ ኤርትራ ዝጸሓፈቶ መጽሓፋ ትምጕት።

"ግምገማ መጽናዕትታት ኢትዮጵያ"

ሓደ ካብቶም ኮንቲ ሮሲኒ ዘበርከቶ ቍምነገር ሓደ "Rassegna di Studi Etiopici" "ግምገማ መጽናዕትታት ኢትዮጵያ" ("Review of Ethiopian Studies") ዘርእስቱ ካብ 1941 ዝጀመረ፡ ዓመተ-ዓመት ዝሕተም ኣገዳሲ መጽሔት ኣሎ።

እቲ መጽሔት ምሉእ ብምሉእ ኣብ መጽናዕቲ ኢትዮጵያን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዘተኮረ ፍሉጥ ናይ ጣልያን ኣካዳምያዊ መጽሔት እዩ።

ብዝተፈላለዩ ዓውድታት ምርምር - ስነጥንቲ፡ ስነቛንቋ፡ ስነሰብ፡ ከምኡ'ውን ኢደጽሑፋት - ምስ ዓሌታውን ባህላውን ውርሻታት ናይቲ ዞባ ዝተኣሳሰሩ ዛዕባታት'ዩ ዘሕትም።

ኣብ መጀመርታ፡ ነቲ ኣብቲ እዋን ዝነበረ መግዛእታዊ ሃዋሁው 'ውን የንጸባርቕ እንተነበረ፡ ነቲ ዞባ ንምርዳእ ከም ወሳኒ ሳይንሳዊ መሳርሒ ኰይኑ ዘገልገለ መጽሔት እዩ።

ሎሚ'ውን እንተዀነ ንቕርስታት ኢትዮ-ኤርትራ ንምዕቃብን ንምምዕባልን ኣገዳሲ ናይ ትምህርቲ ጸጋ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።

ክልተ መልክዕ ዘለዎ ተመራማሪ

እዚ ብ1872 ኣብ ሳለርኖ (ኢጣልያ) ዝተወልደ ተመራማሪ፡ ብኻልእ ሸነኹ ድማ ኣካታዓይ ዝነበረ ውልቀሰብ፡ መንገድታት ትምህርትን ምርምርን ዞባና ኣኪቡ ንብድሕሪኡ ዝበቘሉ ምሁራን ዘረከበ ሰብ እዩ።

ብድሕሪኡ ከምኡ ካልእ ተመርማሪ ዳግም ኣይተፈጥረን ዝብሉ መዘናታቱ ኣለዉ።

ኮንቲ ሮሲኒ ኣብ ዩኒቨርስቲ ሮማ ካብ 1920 ክሳብ ዕለተ-ስንብታኡ (1949) ምሂሩ'ዩ።

ብኻልእ መዳይ ዝንቀፈሉ ሸነኻት ምስ እንርኢ ድማ፡ ዘመናውያን ምሁራት ኮንቲ ሮሲኒ ኣብ ውሽጢ ገዛእቲ ጣልያን ብዘሰላሰሎ ስርሓት ይነቕፉዎ እዮም።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ኣተራጕማ ታሪኽ ዝሰሓቶም ጕዳያት ኣለዉ ዝብሉ ኣለዉ። ሓደ ካብቶም ስሕተታቱ፡ መሰረታት ጥንታዊ ስልጣነ ኢትዮጵያ ብዓቢኡ ካብ ናይ ሕጂ የመን (ስግር ቀይሕ ባሕሪ) ብጽልዋታት ደቡብ ዓረብ (ብፍላይ ሳባውያን) ከም ዝተቐረጹ መጒቱ'ዩ፣ ብዙሓት ከኣ ነቲ መጐተ'ቲ በዲሆሞ'ዮም።

ብተወሳኺ፡ ብ1935 በኒቶ ሙሶሊኒ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘካየዶ ወራር ብግልጺ ይድግፍ ነይሩ ኢሎም ዝኸስዎ ተመራመርቲ ታሪኽ ኣለዉ።

ኰይኑ ድማ፡ እቲ ዘካየዶ መጽናዕትታት ስንብራት ገዛእቲ ነይሩዎ'ዩ ኢሎም ዝነቕፉዎ ኣለዉ።

ወራር ጣልያን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ደጊፉ ጥራይ ዘይኰነስ ... ብዙሕ ግዜ ንመግዛእታዊ ምሕደራ ዝጠቅም ኣብ ታሪኻዊ፡ ቋንቋኣውን ኤትኖግራፍያውን ፍልጠት ዘበርክቱ መርበባት ምሁራን ብምስታፍ ንምምሕዳር ባዕዳውያን ገዛእቲ የስንቕ ነይሩ ዝብሉ ኣለዉ።

ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ዘካየዶም ምርምራት ኣብ ዓውዲ ኣካደምያ ውዒሎም ጥራይ ዘይኰነስ ገዛእቲ ንጥቕሞም ክብ ከብሉ ተጠቒሞምሉ'ዮም።

ኣብ ብሄራውን ቋንቋውን ጕጅለታት ኤርትራ ኣብ ምምዳብ ተጠቒሞምሉ'ዮም፤ ኣብ ሕግታት ባህሊ ኣብ ምድንጋግ ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ብዝተፈላለዩ ሕጋዊ ቅርጻታት ንከመሓድሩ ጠቒሙዎም'ዩ፤ ከምኡ'ውን፡ መግዛእቲ ጥልያን ከም ገባርን ሓዳግን ኰይኑ ምእንቲ ክርአ ኣብ ኣካይዳ ከባብያዊ ብዙሕነት ኢዶም ንኸእትዉ ሓጊዙዎም'ዩ።

ኣብ ትሕቲ ፋሽሽትነት፡ ሰበስልጣን መግዛእቲ ኢጣልያ ንዓሌታውን ብሄራውን ፍልልያት ዝያዳ የጉልሑ ነበሩ። ከም በዓል ኮንቲ ሮሲኒ ዝኣመሰሉ ምሁራት፡ መብዛሕትኡ ፖሊሲታት ንምሕንጻጽ ዘድልዩ ኤትኖግራፊካውን ቋንቋውን ፍልጠት ንሰበስልጣን ኣቕሪቦም'ዮም።

ብዛዕባ ህዝብታት ኤርትራን ልምዳዊ ትካላትን ዘቕረቦ መጽናዕትታት ድማ ከም ኣካል ናይቲ ንመግዛእታዊ ምሕደራን (ድሒሩ ድማ ንፖሊሲታት ዓሌታዊ ምፍልላይን) ኣመኻንዮም ኣብ ግብሪ ንምውዓል ተጠቒሞምሉ'ዮም ይበሃል።

ስለዚ ተመራመርቲ ታሪኽ ንካርሎ ኮንቲ ሮሲኒ ብክልተ ሸነኻት'ዮም ዝርእይዎ። እቂ ቀዳማይ ዘበርከቶም መጽናዕታት፣ ካልኣይ ድማ ኣብ ሕቝፊ ፋሺሽታውያን ኰይኑ ዘፍረዮም ምርምራት ስምብራታት መግዛእቲ ከም ዘለዎም ይጠቕሱ።