ንመላእ ሃገር ዘሰንበደ ፍጻመ፡ ኣንጸርጺሩ ኣስከሬን ሓብቱ ናብ ባንኪ ዝወሰደ ህንዳዊ

ምንጪ ስእሊ, BBC Hindi
መጠንቀቕታ፡ እዚ ዛንታ ንገለ ኣንበብቲ ከስካሕክሕ ዝኽእል ትሕዝቶ ኣለዎ።
ሓደ ኣብ ምብራቓዊ ህንዲ ዝነብር ሰብኣይ፡ ገንዘብ ናይ ዝሞተት ሓብቱ ካብ ባንኪ ከውጽእ ብዘይምኽኣሉ ንመላእ እታ ሃገር ዘሰንበደ ስጉምቲ ወሲዱ'ሎ።
ጂቱ ሙንዳ፡ ኣብዚ ሰሙን ኣስከሬን ሓብቱ ሒዙ ናብ ባንኪ እናኸደ እንከሎ ዘርኢ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ድሕሪ ምዝርግሑ ቍጥዐ ፈጢሩ ቀንዩ።
እቲ ወዲ 52 ዓመት፡ ኣብ ናይ ሓብቱ ሕሳብ ባንኪ ዝተዓቖረ ገንዘብ ንምውጻእ ወግዓዊ ምስክር ቀረቐት ሞት ስለ ዘይነበሮ፡ ናብቲ ባንኪ ተመላሊሱ'ውን ክቐንዖ ስለ ዘይክኣለ፡ ኣንጸርጺሩ ኣስከሬና ክወስዶ ከም ዝተገደደ'ዩ ዝዛረብ።
ፖሊስ እቲ ከባቢ ከም ዝበሎ፡ ነቲ ኣስከሬን ካብ መቓብሩ ፍሒሩ ብምውጻእ'ዩ ናብቲ ባንኪ ወሲድዎ።
ሕጋዊ ሰነድ ጥራይ ከም ዝሓተተ ዝምጕት እቲ ባንኪ ብወገኑ፡ ሬሳ ወይ ኣስከሬን ከምጽኣሎም ከም ዘይሓተትዎ የመልክት። ቅጥዕታት ካብ ዘይምፍላጥ ዝተበገሰ ምዃኑ ብምጥቃስ'ውን 'ሕጋውያን ወረስታ ኢና' ዝብሉ ካልኦት ቤተሰብ እቲ ገንዘብ ክወሃቦም ሓቲቶም ከም ዘለዉ ኣፍሊጡ'ሎ።
እቲ ባንኪ ነቲ ብወገን ኣቶ ሙንዳ ዝተዋህበ ካልእ ርእይቶታት'ውን ነጺግዎ ኣሎ።
እቲ ኣብ ክፍለሃገር ኦዲሻ ዝተፈጸመ ዜና ድሕሪ ምስምዑ ኣብ መላእ ህንዲ ቍጥዐን ስንባደን'ዩ ፈጢሩ። ብዙሓት ድማ ነቲ ሰብ ብምድጋፍ ኣብ ልዕሊ ሰብመዚ እቲ ከባቢን እቲ ባንኪን ዘለዎም ነቐፌታ ከስምዑ ጀሚሮም።
ሓላፊ ኣታዊታት መንግስቲ እቲ ዞባ ዝኾነ ምኒስተር ሱረሽ ፑጃሪ፡ እቲ ጉዳይ ክጻረ ምዃኑ ብምግላጽ ኣብ ልዕሊ ሓላፊ እቲ ጨንፈር ባንኪ ስጉምቲ ከም ዝውሰድ ቃል ኣትዩ'ሎ።
ምምሕዳር ናይቲ ወረዳ (ንኡስ ዞባ) ብወገኑ፡ መሰልን ክብሪን ሰባት ክሕሎ ኣለዎ ብምባል፡ ዝተሰምዖ ስክፍታ ካብ ምግላጽ ዓዲ ኣይወዓለን።
ሙንዳ ንቢቢሲ ቋንቋ ሂንዲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ካላራ ዝተባህለት ጓል 56 ዓመት ሓብቱ ኣብ ፈለማ ናይዚ ዓመት ከም ዝዓረፈት ይገልጽ። እታ ኣብ መዓልታዊ ሽቕለት ተዋፊራ ስድራኣ ኣብ ምእላይ ዝነበረት ነፍሲሄር፡ ብዓልቤታን ወዳን ምስ ሞቱ ናብ ዓዲ ወላዲታ ከይዳ።
ቅድሚ ምዕራፋ ኣብ ዝነበረ ኣዋርሕ፡ ዝነበራ ጥሪት ሸይጣ፡ ነቲ ዝረኸበቶ 19,300 ሩፒ (203 ዶላር) ኣብ ባንኪ ኣእትያቶ።
ድሕሪ ሞታ ናብቲ ባንኪ ከም ዝተመላለሰ ዝዛረብ ሓዋ ግን ነቲ ገንዘብ ከውጽኦ ኣይክኣለን።
"ኣካያዲ ናይቲ ባንኪ ምስማዕ ምስ ኣበየኒን መርትዖ ኣምጽእ ምስ በለኒን፡ ኣንጸርጺረ።
"ከም ዝሞተት ንምርኣይ ነቲ ኣስከሬን ኣምጺአዮ፡" ክብል'ዩ ዘዘንቱ።
ኣብቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ ኣብ ሳንጣ ዝተቘጸረ ኣስከሬን ሒዙ ናብቲ ባንኪ ብምኻድ፡ ኣብ ኣፍደገ እቲ ህንጻ ኣንቢሩዎ። እቲ ቪድዮ ብመን ከም ዝተቐድሐ ግን ንጹር ኣይኮነን።
እቲ ማዕበላዊ ቍጥዐ ዝፈጠረ ፍጻመ፡ ኣብ ገጠራት ህንዲ ንዘሎ ናይ ቢሮክራሲ ኣሰራርሓታት ትካላት መንግስቲ፡ ከምኡ'ውን ምስ ሞት ተተሓሒዙ ዘጋጥም ማሕለኻታት ኣቓልቦ ክረክብ ገይሩዎ ኣሎ።
ብፍላይ ሰነዳት ኑዛዘን ምስክር ሞትን ኣብ ዘይህልወሉ ዓቢ ብድሆታት ከም ዘጋጥም ብዙሓት ምስክርነቶም ክህቡ ተሰሚዖም። ኣብ ገጠራት ዝርከብ ኣገልግሎት ባንኪ'ውን ንብዙሓት ርእሱ ዝኸኣለ ዓቐብ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Hindustan Times via Getty Images
ወናኒ ናይቲ ጨንፈር ባንኪ ዝኾነ 'ኢንዲያን ኦቨርሲስ ባንኪ' ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ሰራሕተኛታቱ ሬሳ ኣምጽእ ኢሎሞ ዝብል ዘረባ "ቅኑዕ ኣይኮነን" ኢሉ ኣሎ።
እቲ ዘድሊ ቅጥዕታት ነቲ ሰብ ከም ዝተነግሮን፡ ከማልኦ ከም ዘይክኣለን'ዩ እቲ ባንኪ ዝምጉት።
ፈለማ ናብቲ ባንኪ ክመጽእ እንከሎ፡ ዝሰኸረ ይመስል ምንባሩን ዕግርግር ከምዝፈጠረን ዝኸስስ እቲ ባንኪ፡ ጸኒሑ ኣስከሬን ሒዙ ምምጽኡ ነቶም ሰራሕተኛታት "ኣሰንባዲ" ምንባሩ ይገልጽ።
ሓላፊ ናይቲ ጨንፈር ዝኾነ ሱሻንት ኩማር ሰቲ ብወገኑ ንቢቢሲ ሂንዲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ፈለማ ሓብቱ ለሚሳ ናብ ባንኪ ክትመጽእ ከም ዘይትኽእል ከም ዝነገሮም ይዛረብ። ሰራሕተኛታት ናይቲ ባንኪ ናብ ገዝኣ ብምኻድ ከጻርዩ ከም ዝኽእሉ ምስ ነገሩዎ፡ መሊሱ ከም ዝሞተት ተዛሪቡ ይብል እቲ ሓላፊ።
ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ናብቲ ጨንፈር ከም ዘይከደ ብምግላጽ'ውን ካልኦት ሕጋውያን ወረስቲ ነቲ ገንዘብ ንኽወስዱ ምስ መጽኡ፡ ዘድሊ መርትዖታት ከም ዝሓተቱ የመልክት።
ኣብ መወዳእታ፡ ፖሊስ ንሙንዳ ጉዳዩ ከም ዝረአ ቃል ብምእታው ኣደዓዒሶም ነቲ ኣስከሬን ናብቲ ዝመጸሉ መቓብር ክመልሶ ኣእሚኖሞ። ሰብመዚ ብወገኖም ንምሕጋዙ 30,000 (300 ዶላር) ሂቦሞ።
ብረቡዕ ድማ ሰብመዚ ምስክር ወረቐት ሞት፡ ከምኡ'ውን ሰነድ ሕጋዊ ወራሲ ሂቦም። እቲ ባንኪ ብወገኑ፡ እቲ ገንዘብ ንቤተሰብ ናይታ ነፍሲሄር ከም ዝሃቦም ኣፍሊጡ'ሎ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


