ኣስታት 20 ኢትዮጵያውያን ኣባላት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኣብ ሽወደን ደሃዮም ጠፊኡ

ምንጪ ስእሊ, SM
ኣስታት 20 ኢትዮጵያውያን መናእሰይ፡ ኣብ ሽወደን ከተማ ዮተቦሪ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ድሕሪ ምስታፎም፡ ደሃዮም ከምዝጠፍአ ተገሊፁ።
ብመሰረት ሓበሬታ ፖሊስ፡ እቶም ካብ 14 ክሳብ 17 ዓመት ዝዕድመኦም ደቂ ተባዕትዮ፡ ምስ ሓደ ወይ ልዕሊኡ መራሕቶም እዮም ደሃዮም ጠፊኡ ዘሎ።
ኣብ መወዳእታ መዓልቲ ናይቲ ብ 'ዋንጫ ጐትያ' ዝፍለጥ ውድድር፡ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ክሓድሩ ዝቐነዩ ኣባላት ጋንታ ኢትዮጵያ፡ ብዘይ ዝዀነ ነገር ከምዝተሰወሩ፡ ጋዜጣ ጎተቦርግስ-ፖስተን ንኣመሓዳሪ እቲ ቤት ትምህርቲ ጠቒሳ ኣስፊራ።
እታ ጋዜጣ፡ ሓላፊ ርክባት ህዝቢ ጐትያ ካፕ ዝዀነ ፍረድሪክ ቤክማን፡ "ምስ ኣባላት እዛ ጋንታ ኣዝዩ ፅቡቕ ዝበሃል ርክብ እዩ ነይሩና፤ እንታይ ከምዝተፈጥረ ክረድአና ኣይከኣለን" ክብል ምዝራቡ እውን ጠቒሳ ኣላ።
ጎትያ ካፕ፡ ነቲ ተጓንፎ ምስ ፖሊስ ተራኺቦም ዝተዛረብሉ ምዃኖም ዝተገልፀ ኰይኑ፡ ፖሊስ ብወገኑ፡ ነቶም ዝተሰወሩ ኣባላት እታ ጋንታ ኣብ መዝገብ "ፀብፃብ ደሃዮም ዝጠፍኡ ሰባት" ኣስፊሩዎም ከምዘሎ ተፈሊጡ።
ፖሊስ፡ እቶም መናእሰይ ናብ ኢትዮጵያ ከምዘይተመለሱን፡ ኣብታ ዓዲ 'ብፍቓዶም ጠፊኦም ኣለዉ' ኣብ ዝብል መደምደምታ ከምዝበፅሐ ድማ ይገልጽ።
ብድሕሪ እዚ ተጓንፎ፡ ከምዚ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ዓይነት ወይ ካልእ ተመሳሳሊ ዘይሕጋዊ ነገር ከምዘሎ ዘርኢ ዝዀነ ምልክት ከምዘይተረኽበ'ውን፡ ኣብ ዞባ ምዕራብ ንዝጠፍኡ ሰባት ዝከታተል ኣሃዱ ፖሊስ ኤሊኖር ሃልዲን ነታ ጋዜጣ ኣፍሊጡ።
ዋንጫ ጐትያ እንታይ እዩ
ዋንጫ ጎትያ፡ ዓመታዊ ኣብ ሽወደን ከተማ ዮተቦሪ ዝካየድ፡ ዝዓበየ ዓለማዊ ውድድር ኩዕሶ እግሪ መንእሰያት እዩ።
እዚ ውድድር፡ ካብ መላእ ዓለም ዝመጻ ጋንታታት ኣወዳትን ኣዋልድን ዘራኽብ ኰይኑ፡ ፍሉይ ሕውነታዊ ስፖርት፡ ባህላዊ ምልውዋጥን ዓለማዊ ምሕዝነትን ይፈጥር።
ዋንጫ ጎትያ ኣብ 1975 ብሓሙሽተ ሃገራት 275 ጋንታታት ተጀሚሩ።
እቶም መስረትቲ፡ ኩዕሶ እግሪ ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ህዝብታት፣ ባህልን ሃይማኖትን ዝመጹ መንእሰያት ድልድል ንምፍጣር ዝጥቀሙሉ መድረኽ ውድድር ክፈጥሩ ይህቅኑ ከምዝነበሩ እዩ ዝግለፅ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ድማ፡ ካብ ዞባዊ ውድድር ስካንዲናቭያ ሰጊሩ፡ ናብ ናይ ዓለማዊ ውድድር ዓብዩ ይርከብ።
እቲ መድረኽ ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ፡ ካብ ልዕሊ 150 ሃገራት ዝመጹ ልዕሊ 1.3 ሚልዮን መንእሰያት ተጻወትቲ ዝተሳተፉ ዀይኖም፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለምና ጸለውቲ ስፖርታዊ ውድድራት መንእሰያት ኰይኑ ኣሎ።
ኣብ ቀዳሞት ዓመታት ናጽነት ኤርትራ እውን፡ ሓያለ ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኤርትራን ገዛውትን - ማይተመናይ፡ ሓዝሓዝ፡ መንደፈራ፡ ከረን... ኣብዚ ውድድራት ይሳተፋን፡ ድሙቕ ዓወታት የምጽኣ ምንባረን ይዝከር።













![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
