ዋንጫ ዓለም 2026፡ ግብጺ ድሕሪ 92 ዓመታት ትጽቢት ዓወት ኣመዝጊባ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እታ ሸውዓት ግዜ ንዋንጫ ኣፍሪቃ ብምዕዋት ክብረ ወሰን ሒዛ ዘላ ግብጺ፡ 'ኣብ ዋንጫ ዓለም ኣርባዕተ ግዜ ተሳቲፋ ዓወት ዝብሃል ኣመዝጊባ ኣይትፈልጥን'ያ' ክትብል ንግብጻውያን ጥራይ ዘይኰነ ንብቕዓት እታ ሃገራዊት ጋንታ ንዝዕዘብ'ውን ዝእመን ኣይመስልን'ዩ።
እዛ ንፈለማ ኣብ 1934 ኣብ ዋንጫ ዓለም ዝተሳተፈት ግብጺ፡ ድሕሪ ናይ 92 ዓመታት ትጽቢት ኣብ ዋንጫ ዓለም ቀዳማይቲ ዓወታ ክትጽንብል በቒዓ ኣላ።
ኣብ ምድብ ሸውዓት ዝርከባ ግብጽን ኒውዝላንድ ኣብ ዝገበራኦ ካልኣይ ናይ ምድብ ጸወታ ግብጺ ካብ ድሕሪት ተበጊሳ ብምዕዋት ኣብ ታሪኽ ዋንጫ ዓለም ድሕሪ 92 ዓመታት ፈላሚ ዓወት ኣመዝጊባ።
ግብጺ በዚ ሎሚ ወጋሕታ ኣብ ልዕሊ ኒውዝላንድ ዘመዝገበቶ ናይ ሰለስተ ንሓደ ዓወት ተሓጊዛ ኣብ ታሪኽ ንመጀመርታ ግዜ ካብ ምድባ ከምዝሓለፈት ዳርጋ ኣረጋጊጻ ኣላ።
እቶም ኪዊስ ተባሂሎም ዝጽውዑ ሃገራዊት ጋንታ ኒውዚላንድ ኣብ መበል 15 ደቂቕ ብመንገዲ ፊን ሱርማን ብዝረኸብዋ ሸቶ ክመርሑ ክኢሎም ነይሮም፣ እንተዀነ እዛ ሸቶ ናብ ዓወት ኣየብጽሓቶምን።
ምስ ኢራን ኣብ ዝካየድዎ ቀዳማይ ናይ ምድብ ጸወታ'ውን ብተመሳሳሊ ኒውዚላንድ'ዮም ኣቐዲሞም ኣእትዮም ነይሮም፤ ኢራን ካብ ድሕሪት ብምብጋስ ግን እቲ ጸወታ ማዕረ ክልተ ብ ክልተ'ያ ከም ዝዛዘም ገይራ።
ናብ ጸወታ ግብጽን ኒውዝላንድ ምስ እንምለስ ኒውዝላንድ 1 ግብጺ 0 እየን ናብ ዕረፍቲ ኣምሪሐን።
ካልኣይ እብረ ጸወታ ምስ ተጀመረ እታ ኣብ ናይ ቀዳማይ ናይ ምድብ ጸወታኣ ምስ ቤልጂም ማዕረ 1 ብ 1 ዝተፈላለየት ግብጺ ንጸወታ ምሉእ ብ ምሉእ'ያ ዓብሊላቶ።
ኣብ ውሽጢ 24 ደቃይቕ ከኣ ሰለስተ ሸቶታት ኣመዝጊባ።
ኣብ መበል 58 ደቂቕ ብመንገዲ ሙስጣፋ ዜኮ፡ ኣብ መበል 67 ደቂቕ ካብ መሓመድ ሳላሕ ኣብ መበል 82 ደቂቕ ብመንገዲ ትረዚገት ሰለስተ ሸቶታት ብምምዝጋብ ንኒውዚላንድ ኣቕዚዛታ።
ፈላሚ ተሳትፎ ግብጺ ኣብ ዋንጫ ዓለም ኣብ 1934 እዩ ነይሩ፤ ብሓፈሻ ኸኣ ኣብ ዋንጫ ዓለም ንራብዓይ ግዜኣ'ያ ትሳተፍ ዘላ።
እዛ ሎሚ ኣብ ልዕሊ ኒውዚላንድ ዘመዝገበታ ዓወት ከኣ እታ ኣብ ዋንጫ ዓለም ዘመዝገበታ ናይ ፈለማ ዓወታ ኰይና፡ ድሕሪ 92 ዓመታት ዝተረኸበት ተባሂላ ተመዝጊባትላ ኣላ።
ቀዳም ኣንጻር ኢራን ኣብ ዝህልዋ ናይ መወዳእታ ናይ ምድብ ጸወታ እንተ ተዓዊታ ኸኣ ንምድብ ሸውዓት መሪሓ ናብ ዙር 32 ክትሰግር'ያ፣ እዚ'ውን ኣብ ታሪኻ ናይ ፈለማ'ዩ ክዀነላ።
እታ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዋንጫ ዓለም ዓወት ኣመዝጊባ ዘይትፈልጥ ኒው ዚላንድ ከኣ ንቤልጂም ምስ እትስዕራ ጥራይ'ያ ካብ ምድባ ናይ ምሕላፍ ዕድል ክህልዋ።
ኣብዚ ናይ ግብጽን ኒውዚላንድ ጸወታ መሓመድ ሳላሕ እቲ ዝበልጸ ተጻዋታይ ናይቲ ግጥም ተባሂሉ ተሸሊሙ።








![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
