ፈረንሳ፡ ህጻናት ቀንጸልትን ነጋዶ ዕጸፋርስን ዝምልምሉ ዘለዉ ጕጅለታት ማፍያ

ኣባላት ዲዚ ማፍያ መሸፈኒ ገጽ ገይሮም ቪድዮ እናተቐረጹ
መግለጺ ስእሊ, ካብ ሓደ ካብቲ ዕሉል ናይ ቪድዮ መግለጺታት ዲዚ ማፍያ ዝተረኽበ ምስሊ
Published
ንባብ: 7 ደቓይቕ

መጠንቀቕታ፡ እዚ ዛንታ ሓያል ቃላትን መግለጺታትን ጾታዊ ዓመጽ ዝሓዘ እዩ።

ካብ ሓደ ነጋዳይ ዕጸፋርስ ሓሺሽ ድሕሪ ምግዛኣ ናብ ፖሊስ ክትድውል ወሰነት።

እዚ ዝወሰነትሉ ምኽንያት ኣብ 2022 ኣብ ማርሰይ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ኣባይቲ ኣብ ዝገበርዎ ሓጺር ርክብ፡ ዘይሕጋዊ ዕጸፋርስ ጥራይ ዘይኰነስ ገለ ዝተጸሓፎ ወረቐት እውን እዩ ኣቐቢልዋ።

"ጅሆ ተታሒዝና ኣለና፡ ሓገዝ ድማ የድልየና፣ ደቂ 15 ዓመት ኢና" ይብል እቲ ዝተቐበለቶ ወረቐት።

እቲ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ኣብ ቤት ፍርዲ ፈረንሳ ቀሪቡ ቃሉ ዘስምዐ መንእሰይ ነጋዳይ፡ ካልኣዩ ነይርዎ። ክልቲኦም ኣብ መጀመርታ ዘይሕጋዊ እንተዀነ ዝዀነ ገንዘብ ክረኽቡሉ ዝኽእሉ ስራሕ ክድልዩ ብዝቐረብዎም ጕጅለ እዮም ተታሒዞም።

እቲ ሓደ ወዲ ገንዘብ ናይ ምዕቃብ ሓላፍነት ተዋሂብዎ። እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ ዙርያ ፍራይስ-ቫሎን ስቴት ኣብ ጎደናታት እናዞረ ይሰርሕ ነበረ። ነዊሕ ከይጸንሑ ግን፡ ኣስራሕቶም ክንድቲ ትጽቢት ዝተገብረሎም ዝኣክል ገንዘብ ብዘይምምጻእ ከሲሶምዎም።

እቲ ስዒቡ ዝመጸ ድማ ስሩዕ መግረፍቲ ከም ዝነበረን ኣብ ቅድሚ ካሜራ ዕርቃን ወጺኦም ክስዕስዑ ምግዳድን ምዃኑ ንቤት ፍርዲ ተነጊሩ። ሓደ ካብቶም ኣወዳት ድማ ተዓሚጹ።

እታ ሰበይቲ ነታ ወረቐት ምስተቐበለት ድሕሪ ሒደት ሰዓታት፡ እቶም ክልተ መንእሰያት ካብ ካልኣይ ደርቢ መስኮት ክሃድሙ ፈቲኖም ነይሮም። እንተዀነ ኣብ መስርሕ ተጎዲኦም። እቲ ሓደ ክሃድም ክኢሉ፡ እቲ ካልኣይ ግን ተታሒዙ፡ ተሃሪሙን ብኻራ ተወጊኡ፤ ግን ድሒኑ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዋትስኣፕ ቻነል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ብድሕሪኡ ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም። ኣብ ተሌፎን ናይ ሓደ ካብቶም ኣወዳት፡ ካልኦት ሓያሎ መንእሰያት ብተመሳሳሊ ኣብ ጭንቀት ኵነታት ከምዘለዉ ዘርእዩ ኣሳእል ነይሮም። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ሽዱሽተ ደቂ ተባዕትዮ በቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ክልተ መንእሰያት ዘጋጠመ ከቢድ ፍርዲ ተዋሂብዎም ኣሎ።

ዛንታ እቶም ኣወዳት፡ ጕጅለታት ሓሽሽ ኣብ ልዕሊ ገለ ክፋል ከተማ ማርሰይ ዘለዎም ምትእስሳር ዘጕልሕ እዩ።

ባህሊ ማእከላይ ባሕሪ፡ ስነ-ጥበብ ጎደናታትን ትርኢት ሂፕ-ሆፕን ንማርሰይ ህቡብቲ መዕረፊ በጻሕቲ ክትከውን ገይርዋ እዩ። ክንዮ ማእከል ከተማ ዘሎ ዛንታ ግን ካልእ እዩ።

ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ፈተነ፡ ሓደ ጕጅለ ቢቢሲ ናብዚ ፖሊስ ብቐሊሉ ዘይኣትውዎ ሓደገኛ ዓለም ክኣቱ ክኢሉ።

ርህራሀ ዘይብሎም ጕጅለታት ንተቓላዕቲ መንእሰያት ብቐሊል መብጽዓታት ገንዘብ ዝስሕብሉን፡ ኣብ መወዳእታ ግን ኣብ ዓለም ንግዲ ሓሽሽ፡ ጭካነን ምዝመዛን ዝኣትውሉን ሃዋህው ተዓዚብና።

ጕጅለታት ብኸመይ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተጠቒሞም ቀንጸልቲ ከም ዝምልምሉ ርኢና፤ ኣብቲ ዓመጽ ዝተሸኽሉ ሓያሎ መንእሰያት ድማ ኣዘራሪብና። ኣብ ቤት ማእሰርቲ፡ ሓደ ኣብ ሓያሎ ቅትለታት ተሳቲፉ ዝተኸሰሰ ኣባል ጕጅለ፡ "ጭካነ" ብኸመይ ኣብ መሳርዕ ሓላፍነት ንኽድይብ ከም ዝሓገዞ ገሊጹልና።

ኣብታ ከተማ ዝርከብ ሓያል ጕጅለ ዲዚ ማፍያ ብዝብል ይፍለጥ። እዚ ጕጅለ ካብ ደማዊ ከባብያዊ ኲናት ጕጅለታት ተዓዋቲ ኰይኑ ዝወጸ እዩ። ሕጂ ድማ ሓደ ካብቶም ኣብ ፈረንሳ ኣዝዮም ዝፍርሑ ገበነኛታት ትካላት ኰይኑ ኣሎ።

ዲዚ (DZ) ወግዓዊ ናይ ኢንተርነት ሃገራዊ ኮድ ኣልጀርያ እዩ። ሓደ ካብ መስረትቲ ናይቲ ጕጅለ፡ መህዲ ላሪቢ ዝተባህለ ፈረንሳዊ-ኣልጀርያዊ፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ብናይ ፈረንሳ ትእዛዝ ማእሰርቲ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።

እዚ ገበነኛ ጕጅለ ኣብ 2023 ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዝዝርግሖም ቪድዮታት ተፈላጥነት ከምዝረኸበ ሓላፊ ኣሃዱ ጸረ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸ-ፋርስ እታ ሃገር ዲሚትሪ ዞላስ ይዛረብ።

ኣብ ቀረባ እዋን ዝዘርግሖ ቪድዮ ኣብ ሓምለ እዩ ነይሩ። ከንቲባ ናይ ሓንቲ ኣብ ጥቓኣ እትርከብ ከተማ፡ በቲ ጕጅለ ዒላማ ክኸውን ኣብ ሓደጋ ከምዘሎ ድሕሪ ምግላጹ፡ እቲ ከንቲባ ኣብ ሓለዋ ፖሊስ ክኣቱ ተገዲዱ።

ኣብ ኢንተርነት ኣብ ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ ሽዱሽተ ጸሊም ክዳን፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዝለበሱ ሰባት ብድሕሪ ሓደ ጠረጴዛ ደው ኢሎም - ሓደ ካብኣቶም ዲዚ ማፍያ ኢድ ከምዘይብሉ ክገልጽ ይርአ።

ኣብ ፈረንሳ እናሰፍሐ ዝኸይድ ዘሎ ዕዳጋ ዘይሕጋዊ ዕጸፋርስ፡ እቲ ጕጅለ ብቕልጡፍ ንኽዓቢ ሓጊዙ እዩ።

ብዙሓት ካብቶም ነቲ ዕጸፋርስ ዝዕድሉ ህጻናት ኰይኖም፡ ቍጽሪ ናይቶም ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዝተታሕዙ ትሕቲ ዕድመ ቈልዑ ይውስኽ ከምዘሎ ሰብመዚ ይገልጹ። ኣብ ውሽጢ 2025 ልዕሊ 10 ሽሕ ህጻናት ብገለ መንገዲ ከምዝተሳተፉ ወግዓዊ ኣሃዛት ይሕብሩ።

ዲዚ ማፍያ ቀንዲ ኣብነት እዩ። ንዝያዳ ዓማዊል ንምብጻሕ፡ ዝያዳ ኣባላት ጕጅለታት - ዝያዳ ቈልዑ - የድልይዎ።

ካብ መላእ ፈረንሳ መንእሰያት ይምልምል ከምዘሎ ድማ ረኺብና - እዚኦም ሓሽሽ ንምሻጥ ጥራይ ዘይኮነ፡ ጭውያ፡ ስቅያትን ቅትለትን ንምፍጻምን እውን ዘገልግሉ እዮም።

እዞም መንእሰያት ብቐሊሉ ናብ ብልሽውና ክኣትዉን ብቐሊሉ ድማ ብኻልኦት ክትክኡን ዝኽእሉ ወለዶ እዮም።

ከምቲ ፖሊስን ዳያኑን ዘጠንቅቕዎ፡ እዞም ቈልዑ ናብ ሕቡእ ዓለም ማርሰይ ምስ ኣተዉ፡ ከተውጽኦም ኣዝዩ ከቢድ እዩ።

ካሪን ኣብ ጎኒ ስእሊ ወዳ
መግለጺ ስእሊ, ካሪን ብዛዕባ ወዳ ሁጎ ኣመልኪቱ ካብ ሓኪም ተደዊሉላ: "ወድኺ ትማሊ ምሸት ተቐቢልናዮ። ርእሱ ብጥይት ተሃሪሙ" ኢሎምዋ

እቲ ጕጅለ ዘስዕቦ ዘሎ ሰብኣዊ ክሳራታት ዝርድኡ ሒደት እዮም።

ሓንቲ ካብዚኦም ኣብ ካልእ ጫፍ ፈረንሳ እትነብር፡ ካሪን ብሮይላርድ እያ።

ወዳ ሁጎ፡ ፈለማ ወዲ 15 ዓመት እንከሎ፡ ምስ ስድራኡ ድሕሪ ምብኣሱ ካብቲ ኣብ ክፍሊ ኖርድ ኣብ እትርከብ ቁሸት ዝርከብ ገዛኡ ሃዲሙ። ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ፡ ዳርጋ 1000 ኪ.ሜ ርሒቑ ኣብ ማርሰይ፡ ገንዘብን ካናቢስን ሒዙ ብፖሊስ ተታሒዙ ናብ ገዛኡ ተወሲዱ።

ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት ግን፡ ኣብ 2023፡ ሁጎ ናብ ደቡብ ክምለስ መደብ ኣውጺኡ፡ ኣብ ጥቓ ማርሰይ ኣብ ዝርከብ ቤት መግቢ ስራሕ ከም ዝረኸበ ንወለዱ ነገሮም።

ካሪን "ስሩዕ ሓድሽ ሓበሬታ ይህብ ነይሩ" ትብል። "ደዊሉለይ፡ ኵሉ ጽቡቕ ኣሎ ኢሉኒ።"

ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን ሓደ ሓኪም ደዊሉላ። "ወድኺ ትማሊ ምሸት ተቐቢልናዮ። ርእሱ ብጥይት ተሃሪሙ" ዝብል ቃላቱ ካሪን ፈጺማ ከምዘይትርስዖ ትዛረብ።

ፖሊስ፡ ሁጎ ካብ ብጕጅለታት ዝቈጻጸርዎ ከባቢ ንሕክምናዊ ሓገዝ ከም ዝመጸ ይኣምኑ፡ ምስ ሓደ ጕጅለ ምትእስሳር ከምዝነበሮ ይጥርጥሩ።

እቲ ከባቢ ኳርቲየር ኖርድ እዩ ነይሩ።

ከፊላዊ ገጽታ ኳርቲየር ኖርድ ማርሴ
መግለጺ ስእሊ, ዲዚ ማፍያ ኣብ ኳርቲየር ኖርድ ማርሴ ሓያል ጽልዋ ኣለዎ

ናብቲ ዲዚ ማፍያ ዝጸልወሉ ኳርቲየር ኖርድ ንምብጻሕ እቲ ዝበለጸ መንገዲ ብሓገዝ ናይታ ነባሪት ፋዴላ ኦይደፍ ዝተባህለት ጓል 41 ዓመትን ኣደ ኣርባዕተ ቈልዑትን እዩ።

ኣብ ሓደ መንበሪ ኣባይቲ ምስ ኣተና ድሕሪ ሰላሳን ሸውዓተን ካልኢት ንነብስና ኣብ ሓደጋ ረኺብናያ።

ናይ ፋዴላ ፒዦ መኪና ንሓደ መፈተሺ ነቑጣ ኣብ ዝሓለፈትሉ ህሞት፡ ጥሩምባ መካይን ይስማዕ ነይሩ። እቶም ኣብቲ ነቑጣ ዝሰርሑ መንእሰያት ብኡንብኡ ካሜራና ይርእዩ። "ጽናሕ፡ ቀረጻ ኣቋርጽ" ፋዴላ ተጠንቅቕ፤ ሓንቲ ግራጭ 4x4 መኪና ናብ ጐድኒ ጽርግያ ክንጽጋዕ ኣገደደትና።

ፋዴላ፡ "ንማሕበር ኣባይተይ ጸብጻብ እሰርሕ ኣለኹ" ትብሎ ነቲ ሓታቲ መራሒ መኪና። ኣብ መወዳእታ ድማ ፊልም ምውሳድ እንተ ኣቋሪጽና ክንከይድ ይሰማማዕ።

ፖሊስ ዘይኮኑ ሰባት ብድፍረት ከምዚ ክገብሩ ምርኣይ ዘጨንቕ እዩ፤ እታ መኪና ክትከይድ ምርኣይ ድማ ዕረፍቲ ይፈጥር።

ፋዴላ ኣብ መንጎ ስድራቤታት እቲ ከባቢ ዝዓቢ ዘሎ ፍርሒ ትገልጽ፡ ደቆም ብብዙሕ ገንዘብ ተሳሒቦም ንጽህናኦም ዝምንዝዕ ገበናዊ መንገዲ ይኽተሉ ከምዘለዉ ትዛረብ።

ካሚል ገጹ ተሸፊኑ ምስ ሓደ ሰብ ኣብ ጃልባ ኮፍ ኢሉ ይርአ
መግለጺ ስእሊ, ካብ ዲዚ ማፍያ ከምዝወጸ ዝገልጽ ካሚል፡ ካብታ ከተማ ርሒቑ ጥራይ - ኣብ ጃልባ - ምስ ቢቢሲ ክዛረብ ተሰማሚዑ

ካሚል፡ ዕድመ ንእስነቱ ምስ ዲዚ ማፍያ ከሕልፎ ዝደረኾ ገንዘብ እዩ።

እቶም ቃለ መሕትት ዝገበርናሎም ሰባት ብናጽነት ንኽዛረቡ፡ ወይ ብሰንኪ ስክፍታታት ድሕነት፡ መንነቶም ክንሕሉ ተሰማሚዕና ኢና።

ካሚል፡ ኣብ ሓደ ዝቈጻጸሮ ከባቢ፡ ኣብ መሳርዕ ናይቲ ጕጅለ ክብ ብምባል ክሳብ "ጸጥታ ምሕላው" ከም ዝሰርሐ ነጊሩና።

እዚ ሕጂ ወዲ 20 ዓመት ዝዀነ መንእሰይ ካብቲ ጕጅለ ከምዝወጸ ይዛረብ። ብህላወና ኣዝዩ ተጠራጢሩ'ኳ እንተነበረ፡ እቲ ጕጅለ ከመይ ገይሩ መንእሰያት ኣባላት ከም ዝምልመል ክነግረና ግን ተሰማሚዑ።

"ብኸመይ ከምዘእምኑኻ ይፈልጡ እዮም። ዝደለኻዮ ይህቡኻ" ይብል። እዚ ካብ ጽቡቓት መካይንን ገፊሕ ኣፓርታማታትን፡ ክሳብ ሓሽሽን ፋይቶታትን ክኸውን ከም ዝኽእል ይገልጽ።

"ብሰንኪ እቲ ዝህቡኻ ተኣማንነት ይስምዓካ። ክሳብ መወዳእታ፡ ክሳብ ሞት ወይ ማእሰርቲ ድማ ትጸንሕ።"

እቶም ጕጅለ ኣብ ሓደ ዝተመልመለ ሰብ ድኽመት እንተ ኣለልዮም እንታይ ከም ዝገብሩ እውን ካሚል ወሲኹ ይገልጽ። "[ድኽመትካ ይምዝምዝዎ። ተወዲኡ፡ ናቶም መጻወቲ ትኸውን።"

ኣባል ዲዚ ማፍያ፡ ኣዳም (ስሙ ዝተቐየረ) ብስናፕቻት ክንዛረቦ ከለና፡ ኣካል ናይ ዲዚ ማፍያ ቀንጻሊ ጉጅለ ምንባሩ ነጊሩና።

ኣብዚ እዋን'ዚ ምስ ሓያሎ ቅትለታት ብዝተኣሳሰር፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ፍርዲ ይጽበ'ሎ።

"ሰባት ቈራጽነተይ፡ ጭካነይ ኣስተብሂሎም፡ ከይደለኹ ድማ ኣብ መሳልል ናይቲ ጕጅለ ደይበ" ይብል ኣዳም።

ኣብ ዕላልና፡ እቲ ዝተኸሰሰሉ ቅትለት "ኣዝዩ ዘሰንብድ" ምንባሩ ይነግረና።

"ኣብ ቀትሪ፡ ኣብ ጽቕጥቕጥ ትራፊክ ዝግበር ፈተነታት... ንሓደ ወዲ ክትሃርሞ ምኻድ፡ ኣብ ቅድሚ ኣደኡ ምጽፋዕ፡ ይኽእል። ጽቡቕ ርግኣት ዘለኒ ይመስለኒ፡ ብመጠኑ ጽቡቕ ጌረ ኣካይደዮ'የ።"

ጎኒ ጎኒ ዝርዝር ዋጋታት ኮኬይን፡ ሃሺሽን ማሪዋናን "የቐንየልና፡ ኣብ ቀረባ እዋን የራኽበና" ዝብል ጽሑፍ ኣብ መንደቕ ይንበብ
መግለጺ ስእሊ, ጎኒ ጎኒ ዝርዝር ዋጋታት ኮኬይን፡ ሃሺሽን ማሪዋናን "የቐንየልና፡ ኣብ ቀረባ እዋን የራኽበና" ዝብል ጽሑፍ ኣብ መንደቕ ይንበብ

ንኣዳም ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ጭካነ ተግባራት ብምፍጻሙ ጣዕሳ ዝስምዖ እንተዀይኑ ሓቲትናዮ።

"ብኸፊል ገበነኛ ዝዀንኩ ይስምዓኒ" ይብል፡ እንተኾነ ጣዕሳ ከምዘይስምዖ ይዛረብ።

"እዚ ዅሉ እንተዘይገብሮ ነይረ፡ ከምኡ ዝገብሩ ካልኦት ክንደይ ሰባት ኣለዉ" ይብል።

ከም ብዙሓት ካብ ማርሰይ ዝመጹ መንእሰያት፡ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸፋርስ ቀልጢፉ ብዙሕ ገንዘብ ክረክብ ከም ዝኽእል ይፈልጥ ነይሩ። ሕጂ ኣብ ዕስራታት ዕድመኡ፡ እቲ ዝኣተዎ ሃዋህው "መጻወድያ" ምንባሩ ይኣምን።

ኣብ ሓደ ማሕበራዊ ኣባይቲ ኣብ ዝርከብ መቀባበሊ ቦታ - ዲዚ ማፍያ ዝቈጻጸሮን ዝተዓሸገን - ዝርዝር ዋጋታት ኮኬይን፡ ሃሺሽን ማሪዋናን ኣብ መንደቕ ተጻሒፉ ይርአ።

እቲ ቦታ ንነጋዶ ዕጸፋርስ ከም ተፈጥሮኣዊ ዕርዲ ኰይኑ የገልግል። ናብኡ ዝወስድ ሓደ ዓቢ መንገዲ ጥራይ ስለዝዀነ፡ ዋሕዚ ዓማዊል ክቈጻጸሩን ፖሊስ ምምጽኦምን ዘይምምጽኦምን ብቐሊሉ ክከታተሉ ይኽእሉ።

ኣብዞም ከባቢታት እዚኣቶም፡ ድምጺ ኣውቶማቲክ ተዅሲ ለይቲ ክስማዕ ልሙድ ኣይኰነን።

ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ምዝርራብ፡ ሓደ ካብ ተቐናቓኒ ጕጅለ ዝመጸ ኣካያዲ መቀባበሊ ቦታ ኣብቲ ዝሰርሓሉ ቦታ ክረኽበና ይሰማማዕ።

ጆ ገጹ ተሸፊኑ ይርአ
መግለጺ ስእሊ, ኣባል ጕጅለ ዝዀነ "ጆ"፡ ኣብ 13 ዓመት ዕድመኡ ኣብ ወርሒ 3000 ዩሮ ይረክብ ከም ዝነበረ ይዛረብ

ብኣጋኡ ንግሆ ናብቲ ቦታ ኣቲና። ኣብዚ ብኢንዱስትርያዊ ደረጃ ዝካየድ ገበናዊ ስርሒት ይፍጸም።

"ጆ" ወዲ 13 ዓመት ከሎ ኣብ ወርሒ 3000 ዩሮ ይረክብ ከምዝነበረ ይዛረብ። ሕጂ ድማ ኣብ ወርሒ ካብ 5000 ክሳብ 10 ሽሕ ዩሮ ይረክብ ኣሎ።

መንገዲ ህይወቱ ዋላ'ኳ ኣታዊ ዘለዎ እንተኾነ ኣቐዲሙ ዝተወሰነ ኰይኑ ይስምዖ።

ጆ፡ ብዛዕባ እቲ ብሰንኪ እቲ ብጕጅለኡ ዝፍጸም ዓመጽ ዝጠፍአ ህይወት ይሓስብ እንተዀይኑ ሓቲትናዮ። እንተኾነ እቲ ወዲ 23 ዓመት መንእሰይ፡ ምስቲ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸፋርስ ከስዕቦ ዝኽእል ቃንዛን ዕንወትን እውን ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ተሰማሚዑ እዩ ዝነብር ዘሎ።

"ሰባት የጥፍእ'ዩ፣ ኵላትና ግን ናይ ገዛእ ርእስና ምርጫ ኢና ንወስድ" ይብል ዋላ ሓንቲ ከይመሰሎ።

ናይ ጆ ጕጅለን ዲዚ ማፍያን ዝሰርሕዎ ዘለዉ ስራሕ፡ ንሃገራዊ ድሕነት ሓደጋ ዝውክል እዩ ይብል ዞላስ፡ ካብ ኣሃዱ ጸረ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸፋርስ።

ኣብ ዓመት ሓደጋታት ጽርግያ፡ ከምኡ'ውን ዓመጽ ስድራቤት፡ ጭንቀት፡ ነብሰ ቅትለትን ልዕሊ 700 ልዕሊ ዓቐን መድሃኒት ምውሳድን ከምዘጋጥም ብምግላጽ፡ "ንቁጠባ ድማ ይጸሉ'ዩ" ይብል።

"ምናልባት ናብ ስርዓታዊ ምብትታን ስርዓት ገበናዊ ፍትሒ ኢና ንኸይድ ዘለና።"

ኣባላት ዲዚ ማፍያ ኣብ ማርሴ ኣብ ሓደ በረንዳ ኰይኖም ጠበንጃታት ክተኩሱ ዘርኢ ምስሊ
መግለጺ ስእሊ, ኣባላት ዲዚ ማፍያ ኣብ ማርሰይ ኣብ ሓደ በረንዳ ኰይኖም ጠበንጃታት ክተኩሱ ብቪድዮ ተቐሪጾም - ድሕሪኡ እቲ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሑ

ፖሊስ ኣብ ማርሴን ካልኦት ከተማታትን ኣንጻር ጕጅለታት ዕጸፋርስ ዓወት የመዝግብ ኣሎ።

ገበናዊ ስርሒታት ይፈሽል፣ ዝያዳ መራሕቲ ጕጅለ ይእሰሩን ሓሽሽ ይተሓዝን ኣሎ።

ካብ 2024 ጀሚሩ ምስ ዲዚ ማፍያ ዝተኣሳሰሩ ኣስታት 1000 ውልቀሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉን፡ 600 ድማ ከምዝተኣስሩን ፖሊስ ይሕብር።

ብሓፈሻ ግን ዝቐለለ ዘይኮነስ ዝያዳ እናኸበደ ዝኸይድ ዘሎ ውግእ እዩ።

ጕጅለታት ስርሒታቶም ከስፍሑ፡ ወይ ንዝተኣስሩ ወይ ዝተቐትሉ ኣባላት ንምትካእ ኣብ ዝጽዕሩሉ ዘለዉ እዋን፡ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሓያል መሳርሒ ምልመላ ኰይኖም ኣለዉ። ብፍላይ ድሕሪ ለበዳ ኮቪድ፡ ብዙሓት ኣብ ጎደናታት ዝሽየጡ ዝነበሩ ዕጸፋርስ ብኢንተርነት እዮም ዝካየዱ ዘለዉ።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ኣብ ማርሰይ ንዝተሃንጠዩ መራሕቲ መካይን፡ መልእኽተኛታትን ቀተልትን ስራሕ ዘወዓውዑ ማእለያ ዘይብሎም ጽሑፋት ረኺብና፣ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ብኪነታዊ ብልሒ ዝተዳለዉ ጽባቐ ዘለዎም ምስልታት እዮም።

መርበብ ሓበሬታ እውን እናሰፍሐ ይኸይድ ኣሎ፣ ምኽንያቱ ኣብ ከባቢኻ ዝርከቡ መንእሰያት እንታይ ከጋጥሞም ከም ዝኽእል ዝያዳ ስለ ዝፈልጡ፡ እቲ ንምስሓብ ዝግበር ፈተነ እናኸበደ ይኸይድ ኣሎ።

እዚ መወዓውዒታት ኣብ መብዛሕትኡ ኵርናዓት ፈረንሳ ንዝርከቡ መንእሰያት ክበጽሕ ከምዝኽእልን ናብ ማርሰይ፡ ከምኡ'ውን ኳርቲየር ኖርድ ከም ሓያል ስሕበት ኰይኑ ከምዘገልግል ፖሊስ ይገልጽ።

"እዞም ሰባት ስነ-ምግባር ብዘይብሎም መወልቲ እዮም ዝምልመሉ፡ ሽዑ ናብ ጉድጓድ ኣንበሳ ይሰድዎም" ይብል ሓላፊ ኣሃዱ ጸረ ዝተወደበ ገበን ፈረንሳ ቲባውት ፎንታይን።

ካሪን ክሳብ ሕጂ ወዳ ሁጎ ንምንታይ ብጥይት ከምዝተቐትለ ትፈልጦ ነገር የብላን።

ኣብ ማርሰይ ንህጻናትን መንእሰያትን ዝመልምሉ መራሕቲ ጕጅለታት እንታይ ክትብሎም ትደሊ ንዝብል ሕቶ፡ "ስድራቤታት የዕንዉ ኣለዉ። ንኣሽቱ ኣሓት፡ ንኣሽቱ ኣሕዋት፡ ኣያታት። ግን ድማ፡ እቶም ሰባት ልቢ ዘለዎም ኣይመስለንን፡ ብሓቂ" ትብል።

ወዳ ክሰርሓሉ እየ ዝበላ ቤት መግቢ ብርግጽ ነይሩ፡ ኣብኡ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ግን ሁጎ ዝበሃል ሰብ መልሚሎም ከምዘይፈልጡ እዮም ንካሪን ነጊሮምዋ።

ጠንቂ ሞቱ ዳርጋ ኣብ ውሽጢ ማርሴ ኳርቲየር ኖርድ ምዃኑ ግን ርግጽ እዩ።