ድሕሪ መጥቃዕቲ ኣርሲ፡ ንዝቘሰሉ ዘልዓሉን ዝቐበሩን ይእሰሩ ኣለዉ

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ኣርሲ ወረዳ ሽርካ ብ24 ጥቅምቲ 2026 መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ፡ ጻውዒት ርድኡና ሰሚዖም ናብቲ ስፍራ ዝኸዱ ልዕሊ 20 ሰባት ብሓይልታት ጸጥታ እቲ ከባቢ ከም ዝተኣስሩ ነበርትን ምንጭታትን ንቢቢሲ ገሊጾም።

ብሓድሽ ኣወዳድባ ኣብ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ኦሮምያ ኣብ ዝርከብ ርእሰ ከተማ ወረዳ ሽርካ ኣርሲ ኣብ ዝዀነት ጎቤሳ፡ እቲ መጥቃዕቲ ካብ ዝተፈጸመሉ ምሸት ቀዳም ኣትሒዙ ቈልዑ ዝሓዛ ደቀንስትዮ ሓዊሱ 27 ነበርቲ ብሓይልታት ጸጥታ ከም ዝተኣስሩን ሓያሎ ሰባት እውን ይድለዩ ምህላዎምን ተሓቢሩ።

ምንጭታት ቤተክርስትያን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ስዒቡ ደቀንስትዮ ዝርከብኦም ኣስታት 24 ሰባት ተኣሲሮም ከም ዝነበሩን፡ ገሊኦም ድሕሪ ናይ ሒደት መዓልታት ማእሰርቲ ክፍትሑ እንከለዉ፡ ዛጊት 13 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዘለዉ ገሊጾም።

ቢቢሲ ካብ ምምሕዳር እቲ ወረዳን ዞባን ምኽንያት ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ማእሰርቲ ርእይቶ ንምርካብ ብስልክን ብሓጺር መልእኽትን ዝገበሮ ጻዕሪ፡ ስልኪ ናይቶም ሰበስልጣን ስለ ዘይተላዕለ ምላሽ ክረክብ ኣይከኣለን።

'ክቐብሩ መጺኦም ተኣሲሮም'

ነዚ ዝካየድ ዘሎ ነበርቲ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ናይ ምውዓል ስጕምቲ ብዝምልከት ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሰባት፡ "ንእሰር ኢና" ዝብል ስግኣት ስለ ዘለዎም ኣስማቶም ከይግለጽ ሓቲቶም።

እቲ ማእሰርቲ ኣብቶም ካብቲ መጥቃዕቲ ዝደሓኑ፡ ዝቘሰሉን ዝሞቱን ንምልዓል ኣብቲ ቦታ ዝተረኽቡን ሓዘን ንምብጻሕ ኣብ ዝመጽኡን ሰባት ይፈጸም ምህላዉ እቶም ነበርቲ ተዛሪቦም።

ሓደ ነባሪ ብዛዕባ መንነት እቶም እሱራት ንቢቢሲ ክገልጽ እንከሎ፡ "እቶም [ዝተኣስሩ] ዝተቐትሉ ኣደኦምን ኣቦኦምን ክቐብሩ፡ ሬሳ ኣልዕሉልና፡ ሓግዙና ዝበልናዮም ኣሕዋትና እዮም። ኣቦአን፡ ኣደአን፡ ሓወን ክቐብራ ዝመጽኣ ደቀንስትዮ እየን ተኣሲረን ዘለዋ፡" ኢሉ።

እቲ ነባሪ ወሲኹ፡ ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ፡ "ካብ ምሸት 24 ጥቅምቲ [ቀዳም] ካብ ዝምለሱ ኣትሒዙ ኣባይቶም ተኸቢቡ፤ ብለይቲ ዝተረኽበ እውን ተኣሲሩ እዩ ሓዲሩ። ሰንበት 25 ጥቅምቲ ከኣ ኵሎም ኣኻኺቦም እዮም ኣእትዮሞም፡" ኢሉ።

ካልእ ነባሪ'ውን በታ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመላ ዕለት ምድሪ ጮሌ ዝረገጸ፡ ንምሕጋዝ ዝተሓባበረ ወይ ክቐብር ዝመጽአ ኵሉ ሰብ ኣኻኺቦም ከም ዘኣሰርዎ ተዛሪቡ።

ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝቘሰለ ካልእ ነባሪ ድማ፡ "ስለ ዘድሓኑና ዝድለዩ ሰባት እውን ኣለዉ፡" ብምባል ነዚ ሓሳብ ኣረጋጊጽዎ።

ካብቶም እሱራት ስድራ ቤታ ዝተቐትልዋን ምስ ክልተ ደቃ ተኣሲራ ዝነበረት ኣባል ስድራ ቤቶም ድሕሪ ናይ ሓንቲ መዓልቲ ማእሰርቲ ከም ዝተፈትሐት ተሓቢሩ።

ሓፍቱ ሓዊሱ ሓሙሽተ ኣባላት ስድራ ቤቱ ዝተቐትልዎ ካልእ ነባሪ ድማ ብሓይልታት ጸጥታ ይድለ ስለ ዘሎ፡ ኮፍ ኢሉ ክሓዝን ከም ዘይከኣለ ንቢቢሲ ገሊጹ።

"ትድለ ኣለኻ ምስ በሉኒ ሕጂ ተሓቢአ እየ ዘለኹ፤ ጋሻ [ሓዘን ዝበጽሕ ሰብ] እኳ ንምቕባል ተጸጊመ ኣለኹ፡" ብምባል እቲ ነባሪ ሓዘኑ ብመሰረት ባህሉ ክገብር ከም ዘይከኣለ ተዛሪቡ።

'ዘይመስል ክሲ'

ሓደ ምንጪ ቤተክርስትያን እቶም ነበርቲ ዝተኣስሩ፡ "ነቶም ዕጡቓት ሓበሬታ ሂብኩም" ብዝብል ምዃኑ ብምሕባር፡ ነቲ ክሲ "ሓሶት እዩ፡ ዘይመስል እዩ፡ ብዋላ ሓደ ዘራኽቦም የሎን፡" ክብል ገሊጽዎ።

ካልኦት ነበርቲ'ውን ብተመሳሳሊ፡ "እቲ ዝተቐትለ ህዝቢ ፋኖ እዩ፤ ንስኻትኩም ድማ ደገፍቲ ፋኖ፡ ወደብቲ ኢኹም፡" ብዝብል ንማእሰርቲ ከም ዝተቓልዑ ተዛሪቦም።

ይዅን'ምበር ቢቢሲ ዘዘራረቦም ኵሎም ነበርትን ምንጭታት ቤተክርስትያንን በዚ ኣይሰማምዑን።

እቶም እሱራት ብምኽንያት ስራሕን መነባብሮን ናብ ከተማ ዝኣተዉ ተወለድቲ እቲ ከባብን ስድራቤቶም ክቐብሩ ዝመጽኡን ንጹሃት ሰላማውያን ሰባት ምዃኖም ገሊጾም።

"ሰላማውያን ሰባት እዮም፤ ፍርቁ ስራሕ ሕርሻ ሰሪሑ ድኳን ንምኽፋት ናብ ከተማ ዝኸደ እዩ፡" ብምባል ሓደ ነባሪ ምስክርነቱ ሂቡ።

እቶም እሱራት ክሳብ ሕጂ ኣብ ቤትፍርዲ ከም ዘይቀረቡ እውን ተገሊጹ።

'ሓመድ-ኣዳም ዘልብሰና ስኢንና'

በቲ ናይ 24 ጥቅምቲ መጥቃዕቲ ከቢድ ጕዳት ኣብ ዝወረዶ ቀበሌ ጮሌ፡ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ብዘይካ'ቲ መጥቃዕቲ፡ ብማእሰርቲ ነበርቲ ጎቤሳ ብርቱዕ ሓዘንን ስቓይን ይወርዶም ምህላዉ ተዛሪቦም።

ሓደ ነባሪ እቲ ማሕበረሰብ ዝወረዶ ከቢድ ሓዘን ክገልጽ እንከሎ፡ "ከምዚ ኢልና ጠጠው ኢልና ንኸይድ ኣለና እምበር ሰብ ኣዝዩ ጕህዩ ኣሎ'" ኢሉ።

ካልእ ነባሪ ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ዝወረደ ስግኣት ክገልጽ እንከሎ፡ "ጽባሕ ንሕና እንታይ እዩ መወዳእታና? ኣብ ካልእ ቦታ ዘለዉ ስድራ ቤትና መጺኦም ኣብ ቀብርና እኳ ከይርከቡ፡ ኣብ ዘለናዮ ቦታ ሓመድ-ኣዳም ዘልብሰና ሰብ ከይበጽሓና ይግበር ኣሎ፡" ብምባል፡ ምንባሩ ከም ዘጽልኦን ንብዓት ቍጽርጽር እናበሎ ስምዒቱ ክገልጽ ከም ዘጸገሞን ተዛሪቡ።

ኣብ ኣርሲ ኣብ ዝርከባ ከባቢታት ሽርካን መርቲን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዝተፈጸሙ መጥቃዕትታት፡ ቈልዑን ደቂ ኣንስትዮን ሓዊሱ 60 ዝበጽሑ ሰባት ከም ዝተቐትሉ ነበርትን ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኢትዮጵያን ምግላጾም ይዝከር።