ናይ መንእሰይ ቆርበት ንኽህልወና ክንምገቦም ዘለና ምግብታት

Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ቆርበት ኣብ ኩሉ ዘመን ህይወትና ምሳና ዝፀንሕ እቲ ዝዓበየ ክፋል ሰብነትና እዩ።

ንቖርበትና ፅቡቕ ምሕብሓብ እንተገይርና ንጥዕንና ካብ ዝህልዎ ረብሓ ብዝዘለለ፡ ናይ ንእስነት (መንእሰይነት) ገፅታ ንኽህልወና የኽእለና።

ኣብ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕክምና ከባቢ ሌይብኒዝ ፕሮፌሰር ስነ ቆርበት ዝኾነ ጂን ክሩትማን ከም ዝብሎ፡ ኣብ መንጎ ሰብነትናን ደጋዊ ዓለምን ብሰንኪ ዘሎ ኣፈላላይ ክሳብ ዘመን ህይወትና ምሳና ዝፀንሕ ቆርበትና ንጉድኣት ይቃላዕ።

ኣብ ከባቢና ዘጋጥሙ ዝተፈላለዩ ክስተታት ቆርበት ብቕልጡፍ ንኽኣርግ ምኽንያት ክኾኑ ይኽእሉ። ብኽለት ኣየር፣ ለውጢ ኩነታት ኣየርን ኦዞንን ኣብነት ክኾኑ ከም ዝኽእሉ እቲ ፕሮፌሰር ይዛረብ።

ፕሮፌሰር ክሩትማን፡ "ንኣስታት ዓሰርተ ዓመታት ብሰንኪ ከባብያዊ ኩነታት ዘጋጥም እርጋን ቆርበት ቀንዲ ምኽንያት ጨርር ኣልትራቫዮሌት ከም ዝኾነ ንሓስብ ነይርና። ሕዚ ግና እዚ ትኽክል ከም ዘይኰነ ተረዲእና" ይብል።

ግደ ሓቂ "ብተፈጥሮ ኣብ ብርሃን ፀሓይ ዘሎ ንውሓት ማዕበላት ጨረር ንእርጋን ቆርበት ኣስተዋፅኦ ክህልዎ ይኽእል" ብምባል የረድእ። ምውሳኽ መጠን ዋዒ'ውን ነዚ ከይዲ ኣበርክቶ ክህልዎ ከም ዝኽእል የመልክት።

ምውሳኽ ዕድመ'ውን፡ ኣብ ቆርበትና ፅዕንቶ ዝፈጥር ካልእ ምኽንያት እዩ። ዕድመና እናደፍአ ክኸይድ ከሎ፡ ንቖርበትና ቅርፂ ዝህብን ቆርበትና ተሪር ኰይኑ ንኽፀንሕን ዝሕግዝ ኮላጂን ዝበሃል ፕሮቲን እናሰኣንና ንኸይድ።

ቆርበትና ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ንምፅናሕ ዝሕግዘና ግና ትኹረት ዘይተውሃቦ ሓደ መፍትሒ ኣሎ። እንምገቦም ዓይነታት ምግቢ።

ጥዕና ካብ ዘለዎ ስብሒ ክሳብ ዝበሰሉ ምግብታት ቆርበትና ጥዕና ዘለዎ ንክኸውን ዕዙዝ ግደ እዩ ዘለዎም።

1. ሕብርታት ዘለዎም ፍረምረን ኣሕምልትን

ተኽልታት መሰረት ዝገበረ ኣመጋግባ፡ ቆርበትና ጥዑይ ኰይኑ ንክቕፅል ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ዘርእዩ ብዙሓት ውፅኢታት ምርምር ኣለዉ።

ዝተፈላለየ ሕብሪ ዘለዎም ፍረምረን ኣሕምልትን ምምጋብ ኣገዳሲ እዩ። ናይዚ ምኽንያት ድማ እቶም ፍረምረን ኣሕምልትን፡ ንሴላት ብፀሓይ ብርሃንን ብኽለትን ካብ ዝመፅእ ጉድኣት ዝከላኸሉ-ኣንቲ ኦክሲዳንት ዝሓዙ ስለ ዝኾኑ እዩ።

ከም ካሮት፣ ጉዕን ኮሚደረን ምምጋብ፡ ሉቴን፣ ላይኮፒንን ቤታ-ካሮቲንን ሓዊሱ ካሮቲኖይድስ ዝሓዙ ስለዝኾኑ፡ ንጥዕና ቆርበት ኣገደስቲ እዮም።

እዞም ምግብታት ቆርበትና ኣልትራቫዮሌት ካብ ዝተብሃለ ከቢድ ጨረር ፀሓይ ይከላኸሉ ይብል፡ ኣብ ጄና ዩኒቨርሲቲ ፍሬድሪክ ሺለር ኬምስትሪ ፕሮፌሰር ስነ-ምግቢ ዝኾነ ቮልከር ቦም።

ብዘላቕነት ብካሮቲኖይድ (carotenoid) ዝማዕበሉ ምግብታት ምምጋብ፡ "ዓመት ሙሉእ ናብ ክልተ ወይ ሰለስተ ዝፅጋዕ ዘላቕነት ዘለዎ መሰረታዊ ዓቕሚ ምክልኻል ጨረር ፀሓይ ከም ዝህብ" ቦም ይገልፅ።

ክሬም መከላኸሊ ጨርር ብርሃን ፀሓይ (ሰን ስክሪን) ምጥቃም ኣድላይ'ኳ እንተኾነ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት ነዚ ክሬም መዓልታዊ ኣብ ክንዲ ምጥቃም ንፀሓይ ብርሃን ኣብ ዝቃልዕሉ እዋን ጥራሕ ከም ዝልከይዎ ፕሮፌሰር ቦም ይዛረብ።

ኣብ ኮሚደረ ወይ ካሮት፡ ከም ዘይቲ ኣውሊዕ ዝኣመሰሉ ንእሽቶ ጥዕና ዘለዎ ስብሒ ብምውሳኽ ንጥዕና ሴላትና ወይ ህዋሳትና ኣገዳሲ ዝኾነ ኣንቲኦክሲዳንት ምርካብ ይከኣል።

ብተወሳኺ፡ ንዕብየት ህዋሳት ቆርበትን ቆርበት ካብ ረኽሲ ንምሕላውን ይጠቕም።

ካብ ኣሕምልትን ፍረምረን ቀይሕ፣ ቢጫን ሕብሪ ኣራንሺን ክሕዙ ዝገብር ካሮቲኖይድ ህዋሳት ቆርበት ሃያሉሮኒክ ኣሲድ ከመንጭው ይሕግዝ። እዚ ድማ ትረት ቆርበትን ናይ ምልጣጥ ዓቕሚ ንምሕላውን ይሕግዝ።

ኣብ ጥዕና ቆርበት ዝተኻየደ ሓደ ንእሽቶ መፅናዕቲ፡ ንዓሰርተ ኣዋርሕ መዓልታዊ ካሮቲኖይድ ዝወሰዳ ደቂኣንስትዮ፡ ኣብ ቆርበተን ዝርከብ ኮላጅንን ኤላስቲንን ምምሕያሽ ከም ዝተርኣየ ተረጋጊፁ። ብቐፃሊ ሕብሪ ዘለዎም ፍረምረን ኣሕምልትን ምምጋብ'ውን፡ ጥዕናን ወዝን ዘለዎ ቆርበት ከም ዝፈጥር ተረጋጊፁ'ዩ።

ማንጎ ዕድመና እናደፍአ ኣብ ዝመፅአሉ፡ ጥዕና ቆርበት ኣብ ምሕላው ክሕግዝ ይኽእል።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርኒያ ብቪቪየን ፋም ዝተመርሐ ሓደ መፅናዕቲ፡ ኣብ ድሕረ ብትከተ ፅግያት ዝርከባ ደቂኣንስትዮ፡ ንኣስታት 16 ሰሙናት ኣብ ሰሙን ኣርባዕተ ግዘ 85 ግራም ማንጎ ክምገባ ብምግባር መፅናዕቲ ተኻይዱ።

ተመራመርቲ ኣብዘን ደቂኣንስትዮ ዝነበረ ምጭምዳድ ቆርበት ከም ዝነከየን ንእሽቶ ሓድሽ ናይ ምጭምዳድ ምልክታት ከም ዝተርኣየን ኣረጋጊፆም።

ተወሳኺ መፅናዕቲ ምክያድ ከም ዘድልይ ዝገለፁ እቶም ተመራመርቲ፡ እንተኾነ ኣብ ማንጎ ዝርከቡ ተፈጥርኣዊ ውሁዳት ካሮቲኖይዳት (carotenoids)፣ ፍላቮኖይዳት (flavonoids) ከምኡ'ውን ማንጊፌሪን (mangiferin) ዝተብሃሉ ኣንቲኦክሲዳንት፡ ምጭምዳድ ቆርበት ኣብ ምትራፍ ወይ ኣብ ምውጋድ ኣበርክቶ ከም ዝገበሩ ይዛረቡ።

ማንጎ ብቫይታሚን ሲ ዝማዕበለ ስለ ዝኾነ እዚ ቫይታሚን ኮላጂን ንምፍራይ ይሕግዝ፣ ከም ኣንቲኦክሲደንት ብምስራሕ ድማ ቆርበትና ብፀሓይ ከይጉዳእ ክከላኸል ይኽእል።

መፅናዕቲታት ከም ዝሕብርዎ፡ ቫይታሚን ሲ ራሕሲ ቆርበት ንምምሕያሽን ምልውዋጥ ሕብሪ ቆርበት ንምንካይን ይሕግዝ። በዚ ድማ ቫይታሚን ሲ ኣብ ፍርያታት መሐብሐቢ ቆርበት ከምኡ'ውን ከም ተወሳኺ ምግቢ፡ ብስፍሓት ኣብ ረብሓ ይውዕል ይብሉ እቶም ተመራመርቲ።

2. ጥዕና ዘለዎም ስብሒታት

ከም ኦቾሎኒ ዝኣመሰሉ ምምጋብ ንቖርበትና ዕዙዝ ረብሓ ኣለዎ።

ኦቾሎኒ፡ ን16 ሰሙናት ንቑርሲ ወይ ጠዓሞት ዝተመገቡ ሰባት፡ ካልእ ዓይነት ምግቢ ምስ ዝምገቡ ሰባት ክነፃፀሩ ከለዉ ቆርበቶም ዝጨማደደሉ መጠን ውሑድ ኰይኑ ከም ዝተረኸበ ተረጋጊፁ እዩ።

ኣብ ፍረ ኦቾሎኒ ብብዝሒ ዝርከብ ቪታሚን ኢ፡ ንህዋሳትና ብምሕላው ቆርበትና ቶሎ ከይኣርግ ይገብር።

ብኣንፃሩ ሕፅረት እዚ ቪታሚን ኣብ ጥዕና ቆርበት ፅልዋ ዘሕድር ክኸውን ከሎ፡ እዚ ድማ ቁስሊ ብቝልጡፍ ከይሓውይ ይገብር።

ካብ ኦቾሎኒንን ካልኦት ዓይነታት ዝራእትን ዝዳለዉ ዘይቲታትን ፅቡቕ ቪታሚን ኢ ምርካብ ይከኣል።

ካብዚ ብተወሳኺ ኦቾሎኒ ቆርበትና ከይደርቕ "ኦሜጋ 6" ፋቲ ኣሲድ ዝሓዘ እዩ። እቲ ካልእ ንጥዕና ቆርበትና ዝጠቅም ጥዕና ዘለዎ ስብሒ ድማ ቅብኣት ኣብ ዘለዎም ዓሳታትን ኣልጌን ዝርከብ "ኦሜጋ 3" እዩ።

ከም ሳልመን፡ ሰርዲንን ማኬሬልን ዝበሉ ብኦሜጋ-3 ዝማዕበሉ ዓይነታት ዓሳ፡ ቆርበትና ልዑል ብርሃን ፀሓይ ናይ ምፅዋር ዓቕሙ ከም ዘዕብይዎ ብመፅናዕቲ ዝተረጋገፀ እዩ። ብተወሳኺ ኣብ ቆርበት ንዘጋጥም ሕበጥ ንምክልኻል የኽእሉ።

3. ንመዓናጡና ዝጠቕሙ ምግብታት

ዘይቐነዩ ፍርምረታትን ኣሕምልትን፣ ፉልን ዝኣመሰሉ ዘጠቓለለ ምግቢ ምስ ንምገብ፡ ንጥዕና መዓናጡናን ቆርበትናን ዝህልዎ ረብሓ ዕዙዝ እዩ።

ናይዚ ምኽንያት ድማ ጥዕና መዓናጡናን ቆርበትናን ኣዝዮም ዝተትሓሓዙ ስለ ዝኾኑ እዩ።

ጥዑይ መዓንጣ "ማይክሮባዮም" ስርዓት ምክልኻል ሕማማት ሰብነትና ብምጥንካር፡ ንኹነታት ቆርበትና ከመሓይሽ ይኽእል።

ካብ ዝተፈላለዩ ኣሕምልቲ ዝተዳለዉ ዝተቓመሙ ምግብታት ምብላዕ፡ እዞም ጥቕምታት ንምርካብ ይሕግዙና።

ፍረምረን ጥረምረን ብቐፃሊ ምምጋብ'ውን ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ጥዕና ቆርበት መፅናዕቲ ዘካየዱ ምሁራት፡ ስርዓት ኣመጋግባና ምምሕያሽ ንነዊሕ እዋን ጥዕናና ካብ ምሕላው ብተወሳኺ፡ ቆርበትና ከይጨማደድ ከም ዝሕግዝ ኣረጋጊፆም።

ካብዚ ብተወሳኺ መከላኸሊ ጨርር ፀሓይ (sunscreen) ምጥቃም ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።