ብመንሽሮ ማህጸን ናይ ምሟት ሓደጋ ናብ ኣስታት ዜሮ ዘጕደለ ክታበት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ 12–13 ዓመት ዕድመ ዝርከባ ህጻናት፡ ኣንጻር ኤችፒቪ (ሂዩማን ፖፒሎማቫይረስ) እንተ ተኸቲበን፡ ቅድሚ 30 ዓመት ዕድመአን ብመንሽሮ ማህጸን ናይ ምሟት ሓደጋአን ኣስታት ዜሮ ከምዝዀነ ፍሉይ ሓድሽ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ።
እቲ መጽናዕቲ ብዓይነቱ ናይ መጀመርታ ኰይኑ፡ እቲ ክታበት ኣብ ዕድመ ትምህርቲ ንዝርከባ ኣዋልድ ኣብ 2008 ክቐርብ ካብ ዝጅምር ንደሓር ቍጽሪ ሞት ኣዝዩ ከምዝነከየ የመልክት።
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ጥራይ ሳላ እቲ ክታበት ኣስታት 200 ህይወት ከምዝደሓነ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።
ኣብ መንጎ 2020ን 2024ን፡ ካብ 20 ክሳብ 24 ዓመት ዝዕድመአን ደቂ ኣንስትዮ፡ መንሽሮ ማህጸን ከም ጠንቂ ሞት ኣይተመዝገበን። እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት ንፈለማ ግዜ እዩ ዘጋጥም ዘሎ።
እቲ ክታበት እንተዘይወሃብ ነይሩ ኣስታት 23 ሞት ከጋጥም ትጽቢት ምተገብረ ነይሩ።
ብሓፈሻ መንሽሮ ማህጸን ክሳብ ሕጂ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ብኣብዛሓ ካብ ዘጋጥሙ ዓይነት መንሽሮ መበል 14 ይስራዕ፤ ኣብ ዓመት 3300 ደቀንስትዮ እዚ ሕማም ይርከበን።
ቫይረስ ኤችፒቪ፡ ኣብ 99 ሚእታዊት ኣጋጣሚታት ቆርበት ምስ ቆርበት ብምትንኻፍ ዝዝርጋሕ እዩ።
መብዛሕትኦም ረኽሲታት ኤችፒቪ ብዘይ ዝዀነ ጸገም ይሓውዩ፣ ገሊኦም ግን ዘይንቡር ለውጢ ዋህዮታት ዘስዕቡ ኰይኖም ድሕሪ ዓመታት ናብ መንሽሮ ክምዕብሉ ተኽእሎ ኣሎ።
ጸሓፍቲ እቲ ሓድሽ መጽናዕቲ፡ መብዛሕትአን ክታበት ኤችፒቪ ስለዝወሃበን፡ ቍጽሪ ብሰንኪ እዚ ሕማም ዝሞታ ብቐጻሊ ከንቈልቍል ትጽቢት ኣለዎም።
'ኣነ ናይ ብሓቂ መስካሪት እቲ ክታበት እየ'
ኣሌክሳንድራ ሌግ ክታበት ኤችፒቪ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ቅድሚ ምትእትታዉ እያ ካብ ቤት ትምህርቲ ወጺኣ።
ኣብ 2021 ክትምርዖ ኣብ እትሓስበሉ ዝነበረት እዋን፡ ኣብ 30 ዓመት ዕድመኣ መንሽሮ ማህጸን ከም ዘለዋ ተረጋጊጹ።
"ኣዝየ ተረቢሸ - ኣዝዩ ከቢድ'ዩ ነይሩ" ትብል።
ሕክምናኣ ኣብ ከብዳ ዝነበረ ጽክታት 'ሊምፍ' ምእላይ ዘጠቓልል እኳ እንተነበረ፡ ሓካይም መጥባሕቲ ንእሽቶ ክፋል ማህጸና ክዕቅቡ ስለዝኸኣሉ፡ ንኽትጠንስ ዕድል ሂብዋ።

ምንጪ ስእሊ, Other
ድሕሪ ዓመት ኣይቪ ተወሊዳ። ማእከላይ ስማ ማርቬላ (ተኣምር) ማለት እዩ።
"እተን ትሽዓተ ኣዋርሕ ጥንሲ ኣዝየን ዘፍርሓ እየን ነይረን፣ ምኽንያቱ ኣብ ዝዀነ እዋን ንኽስእና ኣብ ከቢድ ሓደጋ ስለዝነበርኩ" ትብል።
ኣሌክሳንድራ፡ ክታበት ኤችፒቪ እንተ ትረክብን ህይወታ ኣዝዩ ምቐለለ ነይሩ፤ እቶም ነዚ ክረኽባ ዝኽእላ ደቀንስትዮ ድማ ክወስዳኦ ትምሕጸን።
"ኣነ ናይ ብሓቂ መስካሪት እዚ ክታበት እየ፤ ኣይቪ ድማ ዕድመ ምስ ኣኸለት፡ ኣብ ሪጋ [ክታበት] ቀዳመይቲ ክትከውን እያ" ብምባል ትውስኽ።
ምንካይ ሞት ገና 'ጫፍ ናይቲ ውጽኢት' እዩ
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኲን ሜሪ ለንደን ብፍሉይ ሞያ ለበዳ መንሽሮ ዝነጥፍ ፕሮፌሰር ሳሲኒ፡ እቲ ክታበት ካብ ዝጅምር ንደሓር ዝረአ ዘሎ ምንካይ ሞት "ጫፍ ናይቲ ውጽኢት" ክብል ይገልጾ።
"ዝተኸተባ ወለዶ እናወሰኻ ምስ ከዳ፡ ብዙሓት ካብ መንሽሮ ማህጸን ክድሕና ክንርኢ ኢና።"
"ሓድሽ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ጥዕና ዝያዳ ንኽሕሎ፡ መጠን ክታበት ኤችፒቪ ልዑል ምዃኑ ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ'ዩ" ይብል።
መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ መንሽሮ ማህጸን ከም ጸገም ህዝባዊ ጥዕና ክሳብ 2040 ከወግድ ቃል ኣትዩ።
እቲ ዳሕረዋይ መረዳእታ ግን ኣብ መላእ ሃገር መጠን ክታበት ካብቲ ዝምከር ደረጃ ከም ዝወረደ ይሕብር።
ካብ ኤጀንሲ ድሕነት ጥዕና ዓባይ ብሪጣንያ ዝተረኽበ መረዳእታ፡ ኣብ 2024-25 ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ 76 ሚእታዊት ኣዋልድ ኣብ 15 ዓመት ዕድመ ከምዝተኸተባ የመልክት። እዚ ድማ ካብቲ ውድብ ጥዕና ዓለም መንሽሮ ማህጸን ንምውጋድ ኣገዳሲ ዝበሎ 90 ሚእታዊት ኣዝዩ ዝተሓተ እዩ።
ኣወዳት እውን ካብ 2019 ጀሚሩ ክታበት ኤችፒቪ ይወሃቦም ኣሎ፤ እዚ ድማ መንሽሮ መሃንቱስ፡ ብልዕቲ፡ ጎሮሮን ኣፍን ንምክልኻል ዝሕግዝ ኰይኑ፣ እቲ ቫይረስ ናብ ኣዋልድ ናይ ምትሕልላፍ ዕድሉ እውን ዘጕድል እዩ።
ኤችፒቪ እንታይ እዩ?
ኤችፒቪ (ህዩማን ፓፒሎማቫይረስ)፡ ልሙዳት ጕጅለ ቫይረስ ዝጽውዑሉ ሽም እዩ።
ልዕሊ 100 ዝተፈላለዩ ዓይነታት ኤችፒቪ ኣለዉ፤ ውሑዳት ጡብ ኣድጊ ዝመስል ምልክት ዘርእዩ እኳ እንተዀኑ መብዛሕትኦም ግን ምልክት ኣየርእዩን።
እዚኦም ኣብ ኢድ፡ እግሪ፡ መራብሒ ኣካላት ወይ ውሽጢ ኣፍ ክረኣዩ ይኽእሉ።
መብዛሕትኦም ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉ ዘይፈልጡ ኰይኖም፡ ሰብነቶም ብዘይ ሕክምና ነቶም ቫይረሳት የጥፍኦም።
ልዑል ሓደጋ ዘስዕብ ኤችፒቪ ግን ዘይንቡር ዕብየት ዋህዮታት ብምፍጣር ካንሰር ከስዕብ ይኽእል።
ኤችፒቪ ንመን የጥቅዕ? ብጾታዊ ርክብ ከ ይመሓላለፍዶ?
እዚ ቫይረስ ኣዝዩ ተመሓላላፊ ብምዃኑ፡ ብቐሊሉ ዝርከብን ብምትንኻፍ ቆርበት ብቐሊሉ ዝላባዕን እዩ።
ክሳብ 80 ሚእታዊት ሰባት ኣብ 25 ዓመቶም ብኤችፒቪ ይልከፉ።
መብዛሕትኡ እዋን ካብ 18 ኣዋርሕ ክሳብ 2 ዓመት ይጸንሕ።
እቲ ቫይረስ ብፈሳሲ ዝመሓላለፍ ብዘይምዃኑ ብጾታዊ ርክብ ኣብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ዝምደብ ኣይኰነን።
እንተዀነ መብዛሕትኡ ግዜ ብምትንኻፍ፡ ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ክመሓላለፍ ይኽእል።
ዝርግሐ ክታበት ኤችፒቪ ኣብ መላእ ዓለም እንታይ ይመስል?
ውድብ ጥዕና ዓለም ከምዝሕብሮ 90 ሚእታዊት ሞት መንሽሮ ክሳድ ማህጸን ኣብ ትሑትን ማእከላይን ኣታዊ ዘለወን ሃገራት እዩ ዘጋጥም።
ኣብዘን ሃገራት እቲ ሕማም ምልክታት ክሳብ ዘርኢን ኣብ ዝኸፍአ ደረጃ ክሳብ ዝበጽሕን ኣይፍለጥን።
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ 2020 ዝርግሐ ክታበት 90 ሚእታዊት ብምብጻሕ፡ ነቲ ቫይረስ ኣብ ዝቕጽል ሚእቲ ዓመት ከጥፍኦ ከምዝዓለመ ቅድም ክብል ገሊጹ ነይሩ።
ኣብዚ እዋን 140 ሃገራት ክታበት ኤችፒቪ የተኣታትዋ ከምዘለዋ እውን ጠቒሱ።
ዝለዓለ ኤችፒቪ ክሳድ ማህጸን ኣብ ትሕቲ ሳህራ ኣፍሪቃ ኣብ ዝርከባ ሃገራት (24 ሚእታዊት) ዝረአ ኰይኑ፡ ኣብ ላቲን ኣሜሪካን ካሪብያንን (16 ሚእታዊት)፡ ምብራቕ ኣውሮጳ (14 ሚእታዊት) ከምኡ ድማ ደቡብ ምብራቕ እስያ (14 ሚእታዊት) ብብዝሒ ከምዝርአ ውድብ ጥዕና ዓለም የረድእ።
እኹል መደባት ምመያ ዘይምህላው፤ ውሱን ቀረብ ኣገልግሎትን ክታበት ኣብ ምውሳድ ዘሎ ጥርጣረን ነቲ ጸገም ኣበርክቶ ዝገብሩ እዮም።
ርዋንዳ ኣብ ኣፍሪቃ ወፍሪ ክታበት ካብ ዝጀመራ ቀዳሞት ሃገራት ሓንቲ እያ። ኣብ 2011፡ ኣዋልድ ክኽተባን ደቀንስትዮ ክምርመራን ዘኽእል ትልሚ ጀሚራ።
ኣብ ቀዳማይ ዓመት ናይቲ ወፍሪ ካብ 10 ኣዋልድ ነተን 9 ተበጻሒ ብምዃን ድማ ብሰብ ሞያ ኣብ ኣፍሪቃ ከም መርኣያ ትውሰድ።
ዋላ'ኳ ክታበት መንሽሮ ክሳድ ማህጸን ብዘደንቕ ደረጃ ዝከላኸል እንተዀነ፡ ንዅሎም ዓይነታት ኤችፒቪ ግን ኣይከላኸልን።
ደቀንስትዮ ድማ ካብ 25 ዓመተን ጀሚሩ ስሩዕ ምርመራ ክገብራ ኣድላዪ እዩ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
