እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
እስራኤልን ሊባኖስን ድሕሪ 1993 ንፈለማ እዋን ቀጥታዊ ዘተ ኣካይደን
ሊባኖስን እስራኤልን ድሕሪ 30 ዓመታት ንፈለማ እዋን ዝለዓለ ደረጃ ዲፕሎማስያዊ ዘተ ኣካይደን።
እዚ ሳሕቲ ዝርአ ፍጻመ'ዚ፡ ነቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ብኢራን ዝድገፍ ጕጅለ ሕዝቦላህን ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ግጭት ንምዕራፍ ዝዓለመ ታሪኻዊ ስጕምቲ እዩ።
ነቲ ዘተ ዘወሃሃደ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩብዮ፡ እዚ ኣጋጣሚ እዚ ጽልዋ ሕዝቦላህ ንምውጋድ ዘኽእል "ታሪኻዊ ዕድል" ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ነቲ መስርሕ ከም ዓቢ ዲፕሎማስያዊ ዓወት ገሊጹዎ።
ቀንዲ ነጥብታት እቲ ስምምዕ
ካብ ኣመሪካ ዝወጽአ ወግዓዊ መግለጺ ከም ዘመልክቶ፡ ብኽልተኦም ወገናት ኣብ ዝውሰን ግዜን ቦታን ቀጥታዊ ዘተ ንምቕጻል ተሰማሚዖም ኣለዉ።
እስራኤል ኣብቲ ዘተ፡ ኵሎም መንግስታውያን ዘይኰኑ ዕጥቃውያን ጕጅለታት - ብፍላይ ድማ ሕዝቦላህ - ዕጥቆም ክፈትሑ ከም እትደሊ ገሊጻ ኣላ። ሊባኖስ ብወገና፡ ተዅሲ ብህጹጽ ደው ክብልን ሰብኣዊ ቅልውላው መፍትሒ ክግበረሉን ጸዊዓ።
እዘን ክልተ ጐረባብቲ ሃገራት ወግዓዊ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ዘይብለን ኰይነን፡ ናይ መወዳእታ ቀጥታዊ ርክብ ዝገበራሉ ቅድሚ 33 ዓመት (ኣብ 1993) ነይሩ።
ኣብ ባይታ ዘሎ ኲናትን ሰብኣዊ ክሳራን
እቲ ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪ ኣብ ዋሽንግተን ይካየድ እኳ እንተ ሃለወ፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ግጭት ግና ገና ኣይዘሓለን።
ካብቲ እስራኤል ኣብ ሊባኖስ ወተሃደራዊ ስርሒታት ዝጀመረትሉ መጋቢት 2 ጀሚሩ፡ ልዕሊ 2,000 ሰባት ተቐቲሎም ኣለዉ።
እቲ ዘተ ኣብ ዝተኻየደሉ ዕለት'ውን ከይተረፈ፡ ሕዝቦላህ ኣብ ልዕሊ እስራኤልን ኣብ ውሽጢ ሊባኖስ ዝርከቡ ሰራዊት እስራኤልን 24 መጥቃዕትታት ከም ዝፈጸመ ገሊጹ።
እዚ ኲናት፡ ኣብ ርእሲ እቲ ኣብ ህይወት ሰባት ዘውረዶ መቕዘፍቲ፡ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ዝዀኑ ዜጋታት ሊባኖስ ካብ መረበቶም ክመዛበሉ ገይሩ እዩ።
ብድሆታት ማእከላይ መንግስቲ ሊባኖስ
ፕረዚደንት ሊባኖስ ጆሴፍ ዓውን፡ እቲ ዘተ "ንመከራ ህዝቢ ሊባኖስ መኸተምታ ክኸውን" ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ። ዓውን፡ ንጸጥታ እቲ ዞባ ሓላፍነት ዝወስድ እንኮ ኣካል "ሰራዊት ሊባኖስ" ክኸውን ከም ዝግባእ ኣስሚሩሉ።
እንተዀነ፡ መንግስቲ ሊባኖስ ንሕዝቦላህ ንምግጣም ዘለዎ ዓቕሚ ኣዝዩ ድሩት እዩ።
ሕዝቦላህ ካብ 1982 ጀሚሩ ኣብ ደቡብ ሊባኖስን ኣብ ርእሰ-ከተማ በይሩትን ዓቢ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ጽልዋ ዘለዎ ጕጅለ ምዃኑ ይፍለጥ።
ሓደ ካብ ላዕለዎት ኣባላት እቲ ውድብ ዋፊቕ ሳፋ ንኤፒ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ኣብ ዋሽንግተን ብዝግበር ዝዀነ ስምምዕ ኣይንቕየድን ኢና፡" ብምባል ነቲ ዘተ ነጺጉዎ።
ዞባዊ ርክባትን መጻኢ እቲ ዘተን
ወሃቢ-ቓል ወጻኢ ጉዳይ ኣመሪካ ቶሚ ፒጎት፡ ክልተኦም ወገናት ጽልዋ ሕዝቦላህ ንምንካይ ሓቢሮም ክሰርሑ ከም ዝተሰማምዑ ኣረጋጊጹ።
እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ፡ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ፓኪስታን ዝተኻየደ ካልእ ዘተ እውን፡ ጉዳይ ሊባኖስ ኣካቲቱ ከም ዝነበረ ተፈሊጡ ኣሎ።
ማርኮ ሩብዮ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ መስርሕ ግዜ ከም ዝወስድ ሓቢሩ፤ "እዚ ታሪኻዊ ኣኼባ እዩ፣ ንሕና ድማ ኣብ ልዕሊኡ ክንሃንጽ ተስፋ ንገብር፡" ክብል ርእይቶኡ ሂቡ።
እዚ ቀጥታዊ ዘተ'ዚ ንሰላም ዞባ ማእከላይ ምብራቕ ሓድሽ ተስፋ ዝህብ እኳ እንተዀነ፡ እቲ ንመንግስቲ ሊባኖስ ተኣዛዚ ዘይኰነ ሕዝቦላህ ነቲ ስምምዕ ከም ዘይቅበሎ ምግላጹ ግና፡ እቲ ኲናት ንኸብቅዕ ዓቢ ዕንቅፋት ኰይኑ ይርከብ።