ሑቲ ንቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት የመን ብሚሳይል ሃሪሙ ሓሙሽተ ሰባት ተቐቲሎም

ምንጪ ስእሊ, UGC
ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ከተማ ዓደን ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት መጥቃዕቲ ሚሳይል ብምፍጻም ሓሙሽተ ሰባት ክቐትሉ እንከለዉ 16 ሰባት ከምዝቘሰሉ ሰብ መዚ እቲ ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ዘለዎ መንግስቲ የመን ኣፍሊጦም።
ምኒስተር ዜና መንግስቲ የመን ሙዓመር ኣል ኣርያኒ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሑቲ ነቲ ኣል ማሻቕ ፓላስ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ብሓሙሽተ ባላስቲክ ሚሳይል ኣብ ዝሃረምሉ ቀዳማይ ምኒስተር ይዅን ካልኦት ምኒስተራት ኣብቲ ቦታ ከምይነበሩ ገሊጹ።
ወሃቢ ቃል ዕጡቓት ሑቲ ያሕያ ሳረ ነቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ መጥቃዕቲ "ኣብ ዓደን ዝርከብ ናይታ ጸላኢትና ዝዀነት ስዑድያ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ወተሃደራዊ ስርሒታት" ከም ዝሃረመ'ዩ ሓቢሩ።
እቲ ብመንግሰቲ ስዑድያ ዝምራሕ ጥምረት፡ መንግስቲ የመን ኣንጻር እቶም ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ዝገብሮ ውግኣት ናይ ነፈርቲ ደገፋት ከምዝገብረሉ'ዩ ዝፍለጥ።
ምኒስተር ዜና መንግስቲ የመን ሙዓመር ኣል ኣርያኒ ነቲ መጥቃዕትን ዝሰዓበ ሞትን ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ካብቶም ዝሞቱ "ሓለዋ ናይቲ ቤት ጽሕፈትን ሲቪል ሰራሕተኛታትን" ከም ዝርከብዎም ገሊጹ።
ቀዳማይ ምኒስተር የመን ሻያ ዚንዳኒ ነቲ ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ከተማ ዓደን ዝፈጸምዎ ናይ ሚሳይል መጥቃዕቲ ብምዅናን "ናይ ፈራሓትን መቐጸልታ ገበናዊ ባህርያቶምን" ብምባል ገሊጽዎ።
ንሱ፡ እቲ ዝመርሖ መንግስቲ ግቡኡ ይፍጽም ምህላዉ ብምግላጽ፡ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ የመንን ካልኦት ግንባራትን ኣንጻር ሑቲ ዝካየድ ስርሒታት ንምቕጻል ቃል ኣትዩ።
እቲ ብስዑድያ ዝምራሕ ጥምረት፡ ሑቲ ናብ ዞባ መዲና ዝወንጨፎ ክሩዝ ሚሳይል ከምዘበርዓነ'ኳ እንተሓበረ፡ ሑቲ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ነቲ ናብ ስዑድያ ተወንጪፉ ዝተባሃለ ክሩዝ ሚሳይል ንሶም ከምዘይተኰስዎ ኣፍሊጦም።
ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ልዕሊ መዓርፎ ነፈርቲ፡ ማእከላት ነዳድን ወተሃደራውያን መዓስከራትን ስዑድያ ተደጋጋሚ ናይ ሚሳይል መጥቃዕትታት ክፍጽሙ ምጽንሖም ይፍለጥ።
ንሶም ናይቲ ስዑድያ ኣብቲ ንሶም ዝቈጻጸርዎ ርእሰ ከተማ ሰንዓ ትርከቦም ዝተፈላለየ ቦታታት እትገብሮ መጥቃዕትታት ሕነ ንምፍዳይ ኢሎም ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸምዎ'ዮም ዝሕብሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ሑቲ ኣብ ሪያድ ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ብዝፈጸምዎ ናይ ሚሳይል መጥቃዕቲ 13 ሰባት ምቅታሎም ዝዝከር ኰይኑ፡ እዚ ስዑድያ ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ካብ ዝርኣየቶ እቲ ዝኸፈአ መጥቃዕቲ ኰይኑ ተመዝጊቡ'ሎ።
ምክትል ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑድያ ራየድ ክሪምሊ፡ ሑቲ ኣብ ልዕሊ ስዑድ ዓረብ መጥቃዕትታት ንኽፍጽሙ ኢራን ተተባብዖም ምህላዋ'ዩ ከሲሱ።
እቲ ምክትል ምኒስተር "ኢራን ንሑቲ ምዕጣቕ፡ ምዕላምን ምሕጋዝን ትቕጽሎ ኣላ፤ እዚ ከኣ ንሕጋጋት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝጥሕስ'ዩ" ኢሉ ንጋዜጠኛታት ከምዝተዛረበ ኤኤፍፒ ኣቃሊሑ።
ኢራን ነዚ ምክትል ምኒስተር ስዑድያ ዘቕረቦ ክሲ ኣመልኪታ ዝሃበቶ ቅጽበታዊ መልሲ የለን፤ እንተዀነ ኣቐዲማ ንሑቲ እንትርፎ ፖለቲካዊ ደገፋት ብኣጽዋር ከምዘይትሕግዞ ብተደጋጋሚ ገሊጻ ነይራ'ያ።
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን'ውን ኣብ መንጐ ሑቲን ስዑድያን ዝርርብ ንምክያድን ንምምእካልን ሃገሩ ኵሉ ዓይነት ደገፋት ከምትገብር ቃል ኣትዩ ነይሩ'ዩ።
ዕጡቓት ሑቲ ነቲ ዓለምለኻዊ ተቐባልነት ዘለዎ መንግስቲ የመን ኣብ 2014 ካብ ሰንዓ ምስ ደፍእዎ ዝተጀመረ ኲናት ሓድሕድ ንየመን ንዝሓለፈ 12 ዓመታት ሓሚስዋ ይርከብ።
ኣብ 2015 ብስዑድያ ዝምራሕ ጥምረት ንመንግስቲ የመን ናብ ግቡእ ስልጣኑ ንምምላስ ኢዱ ምስ ሓወሰ እቲ ኲናት መሊሱ ብኢሱ።
ኣብ መንጐ ዕጡቓት ሑቲን እቲ ብስዑድያ ዝምራሕ ጥምረትን ንዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ዝቐጸለ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ተበጺሑ'ኳ እንተነበረ፡ ሑቲ ካብ ዝሓለፈ ሓምለ ጀሚሮም ኣብ ልዕሊ ብቐይሕ ባሕሪ ዝንቀሳቀሳ መራኽብ ስዑድያ እገዳ ኣንቢሮም ናብ መዓርፎ ነፈርቲ፡ ማእከላት መዐደሊ ነዳድን ካልእን ስዑድያ ናይ ሚሳይልን ድሮንን መጥቃዕትታት ምስ ጀመሩ እቲ ውዕል ፈሪሱ።
ሑቲ ስዑድያ ኣብ ልዕሊ መዓርፎ ነፈርቲ ሰንዓን ካልኦት ሑቲ ኣብ ዝቈጻጸርዎ ቦታታትን ደብዳብ ምስ ኣካየደት ሕነ ንምፍዳይ ኢሎም ነቲ መጥቃዕትታት ከምዘካየድዎ'ዮም ዝገልጹ።
ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ንሓንቲ ኣብ ጥቃ መጻብቦ ባብ ኤልመንደብ እትርከብ ወደባዊት ከተማ የመን ምስ ሓዝዋ'ዩ እቲ ኣብ የመን ዝነበረ ኲናት ብዝያዳ ክገድድ ጀሚሩ።
ሑቲ ንመጻብቦ ባብ ኤልመንደብ ምስ ተቘጻጸርዎ ምስቲ ድሮ ኣመሪካን እስራኤልን ቅድሚ ሽዱሽተ ወርሒ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝጀመረኦ ኲናት ተታሓሒዙ ዋጋ ነዳዲ ብቕጽበት'ዩ ወሲኹ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰራዊት መንግስቲ የመንን ምስኦም ዝተሓጋገዙ ምሊሻታትን ብሓገዝ ነፈርቲ ውግእ ስዑድያ ዳግመ መጥቃዕቲ ብምግባር ንመጻብቦ ባብ ኤልመንደብ ዳግማይ ከምዝተቘጻጸርዎ ኣፍሊጦም።
ካብ 6 ነሓሰ ክሳብ ሕጂ በቲ ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ ኲናት 1282 ሰባት ከምዝተቐተሉን 5890 ሰባት ከምዝቘሰሉን ምኒስትሪ ጥዕና የመን ይሕብር።
ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ በዚ ሓድሽ ዝጕሃረ ኲናት ኣብ የመን ተወሰኽቲ 201 ሽሕ ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ከምዝተፈናቐሉን ኣብ ገለ መዕቖቢ ተፈናቐልቲ ምልክታት ሕማም ሸሮኽ ምርኣዩ ከምዘሻቐሎን ሓቢሩ።




















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
