ክሳብ ኣሕዋት ምዃነን ዝፈልጣ ንዓሰርታተት ዓመታት ትኽ ትንፋስ መሓዙት'የን ነይረን

ሚናን ሚናልን ኣብ ብናይ ዲኤንኤ መርመራ ኣሕዋት ምዃነን ድሕሪ ምፍላጠን ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ'የን ዳግማይ ብሓባር ተራኺበን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ሚናን ሚናልን ኣብ ብናይ ዲኤንኤ መርመራ ኣሕዋት ምዃነን ድሕሪ ምፍላጠን ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ'የን ዳግማይ ብሓባር ተራኺበን
Published
ንባብ: 5 ደቓይቕ

እዚ ዛንተአን ልክዕ ካብ ፊልም ሆሊዉድ ዝወጸ ዛንታ'ዩ ዝመስል።

ክልተ ኣብ ህንዲ ዝተወልዳ ኣብ 40ታት ዕድመ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ፡ ብዝተፈላለዩ ስድራቤታት ርዒመን ብዕሸላተን ናብ ሆላንድ ከይደን ኣብ ሓደ ከባቢ'የን ዓብየን።

ሕጂ ደሕሪ ክንደይ ዓመታት ናይ ስጋ ኣሕዋት ምዃነን ክፈልጣ ክኢለን ኣለዋ።

ኣብ መጀመርታ 1980ታት ዝተወልዳ ሚና ጌልቲንክን ሚናል ቲጅሰንን፡ ምስ ተወለዳ ገና ናይ ኣዋርሕ ናጽላታት እንከለዋ'የን ኣብ ክልተ ዝተፈላለያ መዕቆቢ ዘኽታማት ምዕራባዊ ህንዲ ከተማ ሙምባይ ተጠርኒፈን።

ናብ ሆላንድ ኣመሪሐን ዕድመኤን ኣብ መጀመርታ ናይ ኩትትና ኣብ ዝነበረሉ ኣብ ዝተዳለወ ሓደ ድግስ ምስ ተራኸባ'የን ኣብ መልክዐን ብዘሎ ምምስሳል ክልቲኤን ክግረማ ክኢለን።

ሕጂ ጓል 43 ዓመት ኮይና ዘላ ሚና ነታ መዓልቲ ክሳብ ሕጂ'ያ ትዝክራ።

"እቲ ምትእኽኻብ በቶም ንዓና ንምርዓም ዝሰርሑ ኤጀንሲ ዝተዳለወ'ዩ ነይሩ፡ ኩልና እቶም በዚ ኤጀንሲ ዝርዓምና ቆልዑ ድማ ኢና ተኣኪብና፡ ብሓባር ከኣ ተደሪርና" ትብል።

ሚናን ሚናልን ምምስሳል መልክዕአን ንዓአን ጥራይ ዘይኰነ ነቶም ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝተኣኻኸቡ ሰባት'ውን ኣገሪምዎም'ዩ።

"ክልቴኽን እታ ሓንቲ ናይታ ሓንቲ መስትያት'ያ ትመስል ኢሎሙና"

ሚና ኣብቲ ኣብ ሆላንድ ዘሎ ገዛኣ ኮይና ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕተት "ኣነ ከኣ ኣፍንጫኣ ናተይ ይመስል፡ ኣሰሓሕቓና ሓደ ዓይነት'ዩ ብምባል ኣዝየ'የ ተገሪመ፡ ክንድረር እንከለና ካብ መጀመርታ ክሳብ መወዳእታ ዓይኒ ዓይና'የ ዝጥማታ ነይረ" ኢላ።

ንጽብሓይቱ ሚናን ሚናልን ንሓድሕደን ቁጽሪ ቴለፎን ተወሃሂበን ዳግማይ ክራኸባ ቃል ተኣታትየን ተፈላልየን።

ዋላ ድኣ ኣብቲ እዋን የሕዋት ምዃነን ዝዀነ ምልክት ኣይንበር፤ እቲ ቅጽበታዊ ርከበን ግን ብውሽጠን ሓደ ነገር ዝደፍአን ዝነበረ'ዩ ዝመስል።

ንዓመታት ከኣ ብኣካል እናተራኸባን ብደብዳበ እናተጸሓሓፋን ምሕዝነተን ኣደልዲለንኦ።

ኣብ ደብዳቤአን ከኣ 'ሚና ሓፍተይ' 'ሚናል ሓፍተይ' እናበላ'የን ዝጸሓሓፋ ነይረን።

ኣብ ደብዳኤን ሓፍተይ ሓፍተይ ምብህሃለን ሚና ከተረድእ እንከላ "ክልቴና ኣሕዋት ምዃንና'ዩ ዝርድኣና ነይሩ" ትብል።

ኣብ ደብዳቤአን ብዛዕባ ትምህርቲ፡ መሓዙተን፡ ኣዕሩኽተን፡ ብዛዕባ ዘለወን ዝንባለን ኣዕሙቐን'የን ዝጸሓሓፋ ነይረን።

ክልቲኤን ብዛዕባ ዘለወን ዝንባለ ናይ ስፖርትን ዝፈትወኦ ዓይነት ሙዚቋን ሳዕስዒትን ኣብ ዘዕልላሉ ክልቲኤን ንባክ ስትሪት ቦይስ ዝብሃሉ ጉጅለ ደረፍቲ ዝፈትዋ ምዃነን ክርድኣ ክኣላ።

ቅድሚ 15 ዓመታት ከኣ ሚናል ናብ ፈረንሳ ስለዝግዓዘት ን15 ዓመታት ተጣፊአን፡ ሚና'ውን ቆልዑ ስለዝወለደት ኣብ ጉዳይ ምዕባይ ቆልዓኣ ተጸምደት።

 ሚናልን ሚናን ኣሕዋት ምዃነን ከይፈለጣ ንመጀመርታ ግዜ ብኣካል ኣብ ዝተራኸባሉ ዝተሳኣለኦ ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, Meena Geltink

መግለጺ ስእሊ, ሚናልን ሚናን ኣሕዋት ምዃነን ከይፈለጣ ንመጀመርታ ግዜ ብኣካል ኣብ ዝተራኸባሉ ዝተሳኣለኦ ስእሊ

ኣብ 2017 ሚና ኣብ ካልእ እቲ ንዐአንን ካልኦት ካብ ህንዲ ናብ ካልኦት ስድራቤታት ኣብ ምርዓም ዝሰርሐ ኤጄንሲ ኣብ ዘዳለዎ ኣኼባ ክትሳተፍ ዕድል ረኸበት።

ኣብቲ ኣኼባ ብዛዕባ መርመራ ዲኤንኤ ከም ዛዕባ ስለዝተለዓለ፡ ንሳ'ውን ብወለንታኣ መርመራ ዲኤንኤ ክትገብር ወሰነት።

ኣብቲ እዋን ዝኾነ ምስ ናታ ዝመሳሰል ውጽኢት ኣይረኸበትን፡ ነቲ ዝተውሃባ ውጸኢትን መተግበርን ከኣ ሞባይላ ስለዝመልኣታ ደምሲሳቶ።

ድሕሪ ክንደይ ዓመታት ኣብ ዝሓለፈ 20 ግንቦት ሚና ብመንገዲ ፌስቡክ ካብ ሚናል መልእኽቲ በጽሓ።

"ትዝክርኒዶ" ዝብል ሕቶ'ዩ።

ሚናል ኣብ ሚያዝያ ንስድራኣ ክትበጽሖም ናብ ሆላንድ ምስ ከደት ንእግረ መንገዳ ናይ ዲኤንኤ መርመራ ብምግባር ነቲ ዝተረኸበ ውጽኢት'ያ ንሚና ሰዲዳትላ።

ሚና እቲ መልእኽቲ ምስ በጽሓ "ነቲ መተግብሪ ከም ብሓድሽ ኣብ ሞባይለይ ጽዒነዮ፡ ስንባደ ስለዝነበረኒ ፓስዎርድ ከእቱ እንከለኹ ሓያለ ግዜ ይጋገ ነይረ፡ ኣብ መወዳእታ ግን 'ሎግ ኢን' ገይረ"

እቲ ዝተረኸበ ውጽኢት ክልቲኤን [ሚናን ሚናልን] 100 ሚኢታዊት ኣሕዋት ምዃነን ዘረጋግጽ ኮይኑ'ዩ ጸኒሑ።

"እዚ ውጽኢት ናይ ክልቴና ኣቦን ኣደን ሓደ ምዃኖም'ዩ ዝሕብር" ትብል ሚና።

ብምስዓብ "ብታሕጓስ ጫጭ ኢለ ክበኪ ጀሚረ፡ ሚናል እታ ኣብ ሂወተይ ንዝጎደለኒ እትምልኣለይ ሓፍተይ ምዃና'የ ፈሊጠ፡ ኣሕዋት ምዃንና ከይተፋለጥና ኢና ሓፍተይ ሓፍተይ ንብሃሃል ነይርና"

እዘን ኣሕዋት ምዃነን ከይተፋለጣ መሓዙት ኮይነን ሓፍተይ ሓፍተይ እናተበሃሃላ ዝዓበያ ኣሕዋት፡ ኣሕዋት ምዃነን ድሕሪ ምፍላጠን ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ኣብ ሓደ ሰንበት ብኣካል ዳግማይ ተራኺበን።

ኣደ ሰለስተ ቆልዑ ኮይና ዘላ ሚና ነቲ ኣጋጣሚ ክትዝክር እንከላ "ኣዝዩ ዘገርም'ዩ፡ ልክዕ ከምዚ ናብ ናይ ብሓቂ ገዛይ ዝኣቱ ዘለኹ ኮይኑ'ዩ ተሰሚዑኒ፡ ንዓመታት ኣነን ሚናልን ኣብ ልብና ገለ ነገር ጎዲሉና ከምዘሎ እናተዘራብናን እናተሰማዓናን ኢና ዓቢና፡ ሕጂ ግን ኩሉ ዝጎደለና ዝመልኣልና ኮይኑ'ዩ ዝስምዓና ዘሎ"

ብዛዕባ እቲ ርክበን ሮይተርስ ኣብ ዝጽሓፎ "ንብዓት ደደጋጊምካ ምትሕቁቋፍን ስሓቅን ዝዓበለሎ ርክብ'ዩ ነይሩ፡ ንመጀመርታ ከኣ ብሓንቲ ሞባይል ብሓባር ተሳኢለን" ይብል።

ሚናን ሚናልን ነቲ ኣብ እዋን ቁልዕነተን ዝተሰኣለኦ ስእሊ ተመሊሰን እናርኣየኦ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ሚናን ሚናልን ነቲ ኣብ እዋን ቁልዕነተን ዝተሰኣለኦ ስእሊ ተመሊሰን እናርኣየኦ

ጓል 44 ዓመት ኰይና ዘላ ሚናል ምስ ስደራኣን ክልተ ደቃን ኣብ ፈረንሳ'ያ ትነብር ዘላ።

መርመራ ዲኤንኤ ድሕሪ ምግባራ፡ እታ ካብ ቅድሚ 30 ዓመታት ኣትሒዛ መሓዘኣ ዝነበረት ሚና ሓፍታ ምዃና እቲ ብስራት ብመንገዲ እቲ ናብ ሆላንድ ዘምጸአን ኤጀንሲ'ዩ ተሓቢርዋ።

ኣብ ፌስቡክ ንሚና ረኺባ ከኣ "ሚና ሓፍተይ፡ ክኣምን ኣይክኣልኩን፡ ቅድሚ ኣሕዋት ምዃንና መሓዙት ኢና ነይርና፡ ግን ከኣ ኣይፈለጥናን እምበር እዚ ኩሉ ዓመታት ኣሕዋት ኢና ነይርና" ዝብል መልእኽቲ'ያ ሰዲዳትላ።

ሚናን ሚናልን ብክልተ ዝተፈላለዩ ሆላንዳውያን ስድራ ቤታት'የን ርዒመን ናብ ሆላንድ ገና ብህጻነን ግዒዘን።

ሚና ኣብ ሆላንድ ኣብ ሓንቲ ንእሽተይ ገጠር ምስ ዝነበሩን ኣብ ናይ ግሊ ቤት ትምህርቲ ምስ ዘምሃርዋን ስድራ'ያ ዓብያ።

"ወለደይ ናይ ህይወተይ መምሃራነይ'ዮም፡ ኣዝዮም ፈቃራትን እሙናትን ስደራ'ዮም" ትብል።

እቲ ሆላንዳዊ ኣቡኣ ቅድሚ ቅሩብ ዓመታት'ዩ ሞይቱ፡ ኣዲኣ ግን ሕጂ'ውን ኣብታ ሚና ዝዓበየትላ ንእሽተይ ገጠር'ያ ትነብር ዘላ።

"ኩሉ ግዜ እና ንደዋወልን ነዕልን፡ ነቲ ቦታ ኣዝያ'ያ ትፈትዎ"

ኣብ 2003 ሚና ጓል 19 ዓመት ኣብ ዝነበረትሉ ምስቶም ሆላንዳውያን ስድራኣን ካልእ ካብ ጎዋ ዘርዓምዎን ብምዃን ነቲ ኣብ ሞምባይ ዝርከብ መዕበዩ ዘኽታማት በጺሓቶ ነይራ።

ብዛዕባ ናይ ሚና ቀንዲ ወለዳ ሓበሬታ ንምርካብ ከኣ ንኣስታት ክልተ ሰሙን ኣብቲ ቦታ ጸኒሖም።

"ምኽንያቱ ንዓይ ካበይ'የ መጺአ ምፍላጥ ኣዝዩ መሰረታዊ ሕቶ'ዩ ነይሩ፡ እቲ መዕበዩ ዘኽታማት ግን ብዛዕባ ቀንዲ ወለደይ ዝምልከት ዝዀነ ሓበሬታ ክህበና ኣይክኣለን" ትብል።

ሚናልን ሚናን ኣብ 190ታት ዝተሰኣለኦ ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, Meena Geltink

መግለጺ ስእሊ, ሚናልን ሚናን ኣብ 190ታት ዝተሰኣለኦ ስእሊ

ካብታ ኣሕዋት ምዃነን ዝተፋለጣላ ሚናን ሚናልን መዓልታዊ'የን ብቴለፎን ዝደዋወላ።

ንሰብኡተን፡ ደቀንን ነቶም ዘዕበይወን ወለድን ንሓድሕዶም ከምዝፋለጡ ገይረን ኣለዋ።

"ንሓደ ምሉእ ሓሳብ ብኣዝዩ ምምስሳል ዘለዎ ኣተዓጻጽዋ ከም እንውድኦ፡ ርእስና ከመይ ከም እንቀሳቕሶን ኣካይዳና ክሳብ ክንደይ ምምስሳል ከምዘለዎን ኩሉ ሰብ ሰብ'ዩ ዘስተብህለሉ" ትብል ሚና።

"ሓደ ሓደ ግዜ ንክልተ ሰዓታት ብዘይ ምቁራጽ ነዕልል፡ ግዜ ከኣ ከይተረድኣና ውንጭፍ ይብል፡ ሽዑ ደቅና ካብ ቤት ትምህርቲ ከነምጽእ ከምዘለና ዘኪርና ኢና ዕላልና ነቋርጾ"

ሚና፡ ሓደ ካብቲ ንሳን ሓፍታን ክገብረኦ ደስ ዝብለን ናብቲ ቀንዲ መበቆለን ዝኾነ ቦታ ምምላስ'ዩ።

"ክልቴና ብሓባር ናብ ህንዲ ክንከይድ ኢና ንደሊ፡ ኣብ ጎደናታት ሞምባይ ብሓባር ፍስህ ኢልና ክንንቀሳቀስ፡ ክልቴና ዘሕለፍናዮ ጽምዋ ንፈልጦ ኢና፡ ንኣብነት ኣነ ኣቦይ ምስ ሞተ ኣዝዩ ሕማቕ ዝዀነ ሓዘንን ጽምዋ'ዩ ተሰሚዑኒ ነይሩ" ትብል።

"ኣብ እዋን ጸገማትና ክልቴና ኣሕዋት ምዃንና ፈሊጥና ብሓባር ዘይምንባርና ኣዝዩ'ዩ ዘጣዕሰኒ፡ ሓጎስና ብሓባር ምተሓጎስናሉ ነቲ ከቢድ እዋን ከኣ ብሓባር ምተጸናናዕናሉ ነይርና"