ሱዳን፡ ሓካይም ብዘይዶብ ሰራሕተኛታቱ ግብረ-ወሲብ ብመግቢ ከም ዝተላወጡ ተኣሚኑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሕክምናዊ ሓገዝ ዝህብ ትካል ግብረ-ሰናይ "ሓካይም ብዘይዶብ" (MSF)፡ ሰራሕተኛታቱ ሱዳናውያን ኣብ ሃገሮም ካብ ዘሎ ውግእ ሓድሕድ ሃዲሞም ዕቝባ ኣብ ዝሓተትሉ ብውሑዱ ኣብ ልዕሊ 59 ስደተኛታት ጾታዊ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሙ ንዝቐረበሎም ክሲ ተኣሚኑ።
ኣብ ገሊኡ ኵነታት ንኣሽቱ ኣዋልድ ንመዝመዛ ከም ዝተቓልዓን መብዛሕትኡ ግዜ ድማ መግቢ ወይ ስራሕ ኣብ ክንዲ ጾታዊ ርክብ ይዕደል ከም ዝነበረ ተፈሊጡ።
እቲ ገበን ኣብ ምብራቓዊ ጫድ ዝተፈጸመ ኰይኑ፡ ምስቲ ኣብ 2024 ዝነበረ ኵነታት ዝተኣሳሰር እዩ - እዚ ድማ ድሕሪ ሓደ ዓመት ካብ ምጅማር እቲ ክሳዕ ሕጂ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ሱዳን እዩ።
ሓካይም ብዘይዶብ ን18 ገበነኛታት ካብ ስራሕ ንምስጓግ ዝወሰዶ ስጕምቲ እኳ እንተሃለወ፡ ገሊኦም ክሲ ዝቐረበሎም ተጠርጠርቲ መንነቶም ንምፍላጥ ግን ከም ዘይከኣለ ንኣገልግሎት ዜና ኤፒ ሓቢሩ።
እቲ ትካል ረድኤት ኣብ ሓምለ ኣብ ዘውጽኦ ውሽጣዊ ጸብጻብ፡ እቲ ዝተራእየ ናይ ምዝመዛ ኣገባብ ናብ "ጾታዊ ምስግጋር ሰባት" ክጽጋዕ ከም ዝኽእል ጠቒሱ ነይሩ።
ገሊኦም ግዳያት፡ እቲ ንህይወቶም ወሳኒ ዝዀነ ረድኤት ከይቋረጸሎም ብምስጋእ ነቲ ዘጋጠሞም መጥቃዕቲ ክዛረብሉ ከም ዘይመረጹ ይንገር።
ነቲ መጥቃዕቲ ዝሓበሩ ሰባት'ውን ሓድሓደ ግዜ ዝዀነ ምላሽ ወይ ደገፍ ኣይረኸቡን፣ ብዘይካ'ዚ እቲ ወግዓዊ ስርዓታት ጥርዓን መብዛሕትኡ ግዜ ውጽኢታዊ ኣይነበረን።
"እዚ ስነ-ምግባራዊ ብዅረት እዚ፡ ነቲ ሓካይም ብዘይዶብ ዘለዎ ክብርታትንን ሓላፍነታትን ብኸቢድ ዝጥሕስ እዩ፤ ብሰንኪ እዚ ዝበጽሐ ጉድኣት ድማ ዓሚቝ ጓሂ ይስምዓና፡" ክብል እቲ ትካል ነቶም ነዚ ጉዳይ ፈለማ ዝመርመሩ ጋዜጠኛታት ኤፒ ምላሽ ሂቡ።
ሱዳን ቅድሚ ሰለስተ ዓመት፡ ኣብ መንጎ ሰራዊት እታ ሃገርን ዕጡቕ ምልሻ ዳዕመ-ሰሪዕን ብዝተላዕለ ናይ ስልጣን ቍርቍስ ናብ ኲናት ሓድሕድ ከም ዝወደቐት ይፍለጥ።
እዚ ግጭት ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣብ ዓለም ዝውሰድ ኰይኑ፡ ልዕሊ 11 ሚልዮን ሰባት ካብ መረበቶም ክመዛበሉ ከለዉ፡ 28 ሚልዮን ሰባት ድማ ንኸቢድ ጥሜት ተቓሊዖም።
ልክዕ ቍጽሪ ሞት እኳ እንተ ዘየሎ፡ ብውሑዱ 150,000 ሰባት ከም ዝሞቱ ይእመን፣ እዚ ቍጽሪ እዚ ክሳብ 400,000 ክበጽሕ ከም ዝኽእል ይግመት።
ኣብዚ ግጭት'ዚ ጾታዊ ዓመጽ ከም መሳርሒ ውግእ ከም ዝተጠቕምሉ ብስፍሓት ተሰኒዱ ኣሎ፤ ሰብኡት፡ ኣንስትን ቈልዑን (እንተላይ ሓደ ዓመት ዝዕድመኦም ህጻናት) ዒላማ ኰይኖም ኣለዉ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ረድኤት ብጾታዊ መዝመዛ ክኽሰሱ ጸኒሖም እዮም።









![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
