ዩወሪ ሙሴቬኒ፡ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ሓለዋ ንሻውዓይ ግዜኡ ቃለማሕላ ፈጺሙ

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ወዲ 81 ዓመት ፕረዚደንት ኡጓንዳ ዩወሪ ሙሴቬኒ፡ ኣብ ጥሪ ኣብ ዝተኻየደ ኣካታዒ መረጻ ገፊሕ ዓወት ድሕሪ ምምዝጋቡ፡ ንሻውዓይ ተኸታታሊ እዋን ቃለማሕላ ፈጺሙ።

እዚ ድማ ሓደ ካብቶም ኣብ ኣፍሪቃ ዝነውሐ ኣብ ስልጣን ዝጸንሑ መራሕቲ ክኸውን በቒዑ ኣሎ።

ቅድሚ እቲ ስነስርዓት ምጅማሩ፡ ፖሊስ ኡጓንዳ ሰላምን ጸጥታን ንምሕላው ብዝብል ምኽንያት፡ ታንክታት ዝዓጠቑ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ርእሰ-ከተማ ካምፓላ ኣዋፊሮም ነይሮም።

ዩወሪ ሙሴቬኒ ኣብቲ ስነስርዓት ንዝተረኽበ ህዝቢ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ እዚ ሓድሽ ዘመን ስልጣኑ ንዅሎም ኡጓንዳውያን "ድቃስ ዘይብሉ ናይ ስራሕ ግዜ" ክኸውን ከም ዝግባእ ገሊጹ።

ህዝቢ ኣብ ምፍጣር ሃብትን ዕድላት ስራሕን ከትኵር ከም ዘለዎ ብምሕባር፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ 40 ዓመታት ዝተመዝገበ ሰላምን መሰረተ-ልምዓትን ክቕጽል ከም ዝግባእ ኣስሚርሉ።

ሙሴቬኒ ብ70% ድምጺ ከም ዝሰዓረ እዩ ተገሊጹ፤ ስልጣኑ ድማ ክሳዕ 2031 ክቕጽል ትጽቢት ይግበር።

ይዅን'ምበር፡ እቲ ድምጻዊ ዝነበረ ቀንዲ መነሓንሕቱ ቦቢ ዋይን፡ ነቲ ምርጫ "ስርቂ ድምጽን ምጭብርባርን" ነይሩዎ ብምባል ኣይተቐበሎን።

እዚ ወዲ 44 ዓመት መራሒ ተቓወምቲ፡ "እቲ ስርዓት ከሕቅቐኒ ይደሊ ኣሎ" ብዝብል ስግኣት ድሕሪ መረጻ ካብ ሃገሩ ሃዲሙ እዩ።

ዩወሪ ሙሴቬኒ ንፈለማ እዋን ኣብ 1986 ብረታዊ ቃልሲ መሪሑ እዩ ናብ ስልጣን መጺኡ።

ካብኡ ንነጀው ድማ ኣብ ሸውዓተ ምርጫታት ተዓዊቱ ኣሎ።

ንሱ ምስቶም ልዕሊ 40 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሑ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ከም መራሕቲ ኮንጎ-ብራዛቪል፡ ኢኳቶሪያል ጊኒን ካሜሩንን ዝስራዕ እዩ።

ኣብቲ ኣብ ቀጽሪ ናጽነት ኮሎሎ ዝተኻየደ ስነስርዓት፡ መራሕቲ ሃገራት ታንዛንያ፡ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ደቡብ ሱዳንን ሶማልያን ተረኺቦም ነይሮም።

ኡጓንዳ ሓንቲ ካብተን ብዙሕ ካብ ህዝበን መንእሰያት ዝዀኑ ሃገራት ዓለም ኰይና፡ መብዛሕትኡ ህዝባ ካብ ሙሴቬኒ ወጻኢ ካልእ ፕረዚደንት ርእዩ ኣይፈልጥን።

ተንተንቲ ፖለቲካ፡ እዚ ናይ መወዳእታ ዘመን ስልጣን ዩወሪ ሙሴቬኒ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግምቱ።

ወዲ 51 ዓመት ወዱን መራሒ ሰራዊትን ዝዀነ ጀነራል ሙሁዚ ካይነሩጋባ ድማ ከም ወራሲ ስልጣን ተገይሩ ይርአ ኣሎ። እንተዀነ፡ ሙሁዚ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት (X) ንተቓወምቲ ብምፍርራሑ ይንቀፍ እዩ።

መንግስቲ ዩወሪ ሙሴቬኒ ካብ ኣህጉራውያን ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ከቢድ ነቐፌታ ይስዕበሉ ኣሎ።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ኣብ ጥሪ ብሰንኪ ሓይልታት ጸጥታ ኡጓንዳ እንተ ወሓደ 16 ንጹሃን ሰባት ከም ዝተቐትሉ ይገልጽ።

ብተወሳኺ፡ ካልእ ላዕለዋይ ተቓዋሚ ፖለቲከኛ ኪዛ በሲጀ ካብ ኬንያ ተጨውዩ ናብ ኡጓንዳ ድሕሪ ምምላሱ፡ ብገበን ዋንነት ኣጽዋር ተኸሲሱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይርከብ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ድማ፡ መንግስቲ ዩወሪ ሙሴቬኒ "ልኡላውነት ሃገር ንምሕላው" ብዝብል፡ ንረብሓ ወጻኢ ሃገራት ይሰርሑ እዮም ንዝበሎም ወገናት ዘቕጽዕን ካብ ወጻኢ ሓገዝ ዝረኽቡ ትካላት ከም "ወከልቲ ወጻኢ" ዝፈርጅ ሓድሽ ሕጊ ኣጽዲቑ ኣሎ።