መረጻ ኢትዮጵያ፡ ምስልታት መስርሕ ምድማጽ ዜጋታት

ባህላዊ መራሒ ብሄረ ጌዴኦ 'አባ ገዳ' ቢፎም ዋቆ

ምንጪ ስእሊ, EBC

መግለጺ ስእሊ, ባህላዊ መራሒ ብሄረ ጌዴኦ 'አባ ገዳ' ቢፎም ዋቆ እውን ካብቶም ድምጾም ንምሃብ ብኣጋኡ ዝገስገሱ እዩ
Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ትግራይን ሰፋሕቲ ከባቢታት ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን ዘይተሳተፍዎ መበል 7ይ ሃገራዊ መረጻ ኢትዮጵያ ሎሚ ክካየድ ውዒሉ'ሎ።

ኣብ ገለ ምርጫ ክካየደሉ ተመዲቡ ዝነበረ ቦታታት'ውን ብሰንኪ ጸጥታዊ ኲነታት መስርሕ ምድማጽ ተቛሪጹ ወይ ተደናጒዩ እዩ።

ተቓወምቲ ውድባት፡ መንግስቲ ፌደራል ንመራሕቶም ብምእሳርን ኣብ ፖለቲካዊ ንጥፈታቶም ሕጋውን ምምሕዳራውን ዕንቅፋት ብምፍጣርን ከምዘዳኽሞም ይኸሱ። መንግስቲ ግን ነቲ ክስታት ከነጽጎ'ዩ ዝስማዕ።

እቲ ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና ብገፊሕ ከምዝዕወተሉ ዝንገረሉ ዘሎ መረጻ፡ ኣብ ዝተረፈ ክፋላት እታ ሃገር ክካየድ ውዒሉ። ኣድመጽቲ በቢከባቢኦም ንዝቐረብሎም ተወዳደርቲ ክመርጹ ውዒሎም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ'ውን ኣብቲ ዝወከሎ ከባቢ በሻሻ ድምጹ ሂቡ'ሎ፣ ነቲ መስርሕ ምድማጽ ዝገልጹ ገለ ስእልታት ቀሪብናልኩም ኣለና፡

ኣብ ገለ ቦታታት ኣድመጽቲ መሬት ከይበርሀ'ዮም ናብ ነቚጣታት ምርጫ ክግስግሱ ጀሚሮም

ምንጪ ስእሊ, EBC

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ገለ ቦታታት ኣድመጽቲ መሬት ከይበርሀ'ዮም ናብ ነቚጣታት ምርጫ ክግስግሱ ጀሚሮም
ለውጢ ዝብህጉ ዜጋታት እታ ሃገር ምርጫኦም ንምግላጽ ኣብ ነዊሕ መስርዕ እናተጸበዩ

ምንጪ ስእሊ, EBC

መግለጺ ስእሊ, ለውጢ ዝብህጉ ዜጋታት እታ ሃገር ምርጫኦም ንምግላጽ ኣብ ነዊሕ መስርዕ እናተጸበዩ
ዲኣንስሰትዮ ክልል ዓፋር ብወገነን፡ ማዕረ ደቂተባዕትዮ ብጾተን ተሰሪዐን ድምጸን ክህባ ውዒለን

ምንጪ ስእሊ, EBC

መግለጺ ስእሊ, ዲኣንስሰትዮ ክልል ዓፋር ብወገነን፡ ማዕረ ደቂተባዕትዮ ብጾተን ተሰሪዐን ድምጸን ክህባ ውዒለን
ድምጾም ንምሃብ ተሰሪዖም ደው ዝበሉ ነበርቲ ክልል ዓፋር

ምንጪ ስእሊ, EBC

መግለጺ ስእሊ, ክልል ዓፋር ምስ ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራ፡ ኦሮሚያን ሶማሊን ትዳወብ ስትራተጂካዊት ግዝኣት ምዃና ይፍለጥ
ባህላዊ መራሒ ብሄረ ጌዴኦ 'አባ ገዳ' ቢፎም ዋቆ እውን ካብቶም ድምጾም ንምሃብ ብኣጋኡ ዝገስገሱ እዩ

ምንጪ ስእሊ, EBC

መግለጺ ስእሊ, አባ ገዳ' ቢፎም ዋቆ ዘሰነዮም ኣባላት ብሄረ ጌዴኦ
ኣብ ጐማ (ክልል ኦሮሚያ) ድምጹ ዝሃበ ንካልኣይ እብረስልጣን ዝወዳደር ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ክዕወት ትጽቢት ይግበር

ምንጪ ስእሊ, EBC

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ኣብ በሻሻ ድምጹ ዝሃበ ንካልኣይ እብረስልጣን ዝወዳደር ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ክዕወት ትጽቢት ይግበር
ካብ ግጭትን ድኽነትን ተናጊጾም ዝሓሸ መጻኢ ክርእዩ ዝብህጉ ብዙሓት መንእሰያት ምዕራብ ወለጋ'ውን ድምጾም ሂቦም ኣለዉ

ምንጪ ስእሊ, EBC

መግለጺ ስእሊ, ካብ ግጭትን ድኽነትን ተናጊጾም ዝሓሸ መጻኢ ክርእዩ ዝብህጉ ብዙሓት መንእሰያት ምዕራብ ወለጋ'ውን ድምጾም ሂቦም ኣለዉ
ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታ ንሕብረት ኣፍሪቃ ብምውካል ንመስርሕ መረጻ ንምዕዛብ ናብ ሓደ ነቚጣ ኣዲስ ኣበባ ከይዱ ነይሩ

ምንጪ ስእሊ, EBC

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታ ንሕብረት ኣፍሪቃ ብምውካል ንመስርሕ መረጻ ንምዕዛብ ናብ ሓደ ነቚጣ ኣዲስ ኣበባ ከይዱ ነይሩ
ብዙሓት ነበርቲ ጒራጌ ዞን ኣብ መስርእ መረጻ

ምንጪ ስእሊ, EBC

መግለጺ ስእሊ, ብዙሓት ነበርቲ ጒራጌ ዞን'ውን ካብቲ መረጻ ኣይበኾሩን
ጓል 85 ዓመት ነባሪት ፍሉይ ክልል ሃረሪ ን7ይ ግዜ ድምጸን ከምዝሃባ ንመግንስታዊ ማዕከን ዜና ሓቢረን

ምንጪ ስእሊ, EBC

መግለጺ ስእሊ, ጓል 85 ዓመት ነባሪት ፍሉይ ክልል ሃረሪ ን7ይ ግዜ ድምጸን ከምዝሃባ ንመግንስታዊ ማዕከን ዜና ሓቢረን
ዳምጠው ተሰማ

ምንጪ ስእሊ, Debre Birhan City

መግለጺ ስእሊ, ምስ ምምሕዳር ኣቢይ ኣሕመድ ኢድን ጓንትን ኮይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ ተቓዋሚ ሰልፊ ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ (ኣብን) ተቓወምቲ ሰልፍታት ንውጽኢት መረጻ ብጸጋ ክቕበሉ ጸዊዑ'ሎ
ነበርቲ ፍሉይ ወረዳ ኣርጐባ ድምጾም ንምሃብ ናብ ጣብያታት ምርጫ ክውሕዙ ውዒሎም

ምንጪ ስእሊ, EBC

መግለጺ ስእሊ, ነበርቲ ፍሉይ ወረዳ ኣርጐባ ድምጾም ንምሃብ ናብ ጣብያታት ምርጫ ክውሕዙ ውዒሎም
ብመሰረት መንግስታዊ ማዕከን ዜና ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሬሳ ቤተሰቦም ኣብ ገዛ ገዲፎም ድምጾ ዝሃቡ ነበርቲ ሰሜን ሽዋ

ምንጪ ስእሊ, EBC

መግለጺ ስእሊ, ብመሰረት መንግስታዊ ማዕከን ዜና ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሬሳ ቤተሰቦም ኣብ ገዛ ገዲፎም ድምጾ ዝሃቡ ሸውዓተ ነበርቲ ሰሜን ሽዋ
ተሰሪዖም ዝጽበዩ ኣድመጽቲ

ምንጪ ስእሊ, EBC

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ገለ ከባቢታት ብዙሓት ድምጾም ከይሃቡ ምዱብ ግዜ ስለዝተዛዘመ፡ ቦርድ መረጻ መስርሕ ምድማጽ ክሳብ ፍርቂ-ለይቲ ክናዋሕ ወሲኑ ኣሎ