ፊፋ ተጻወትተን ናብ ዋንጫ ዓለም ንዘሳትፋ ክለባት ንምንታይ 335 ሚልዮን ዶላር ክኸፍል እዩ?

ፕረዚደንት ፊፋ ምስ ዋንጫ ዓለም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ፊፋ ተጻወትቲ ኣብ ዋንጫ ዓለም 2026 ንምስታፍን ኣብ መጻረዪ ግጥማት ክጻወቱ ንምፍቃድን፡ ንክለባት 355 ሚልዮን ዶላር ክኸፍል ቃል ኣትዩ።

ኣብ ሃገራት ኣመሪካ፡ ሜክሲኮን ካናዳን ኣብ ዝካየድ ውድድር ዝሳተፉ ተጻወትቲ ዘለዉወን ክለባት፡ ኣብ እዋን እቲ ውድድር ሚልዮናት ናይ ምርካብ ዕድል ኣለወን።

እዚ ግንዖ'ዚ፡ እተን ክለባት ተጻወትተን ንሰሙናት ካብኣተን ተፈልዮም ናብ ሃገራውያን ጋንታታቶም ስለ ዝኸዱ ንምኽሓሰን ዝተዳለወ ፍሉይ መደብ እዩ።

ካብ ዋንጫ ዓለም 2010 ጀሚሩ ክለባት ተጻወትተን ንኽሰዳ ክፍሊት ይግበረለን ነይሩ እዩ።

ኣብ ዋንጫ ዓለም 2022 ካብ 51 ዝተፈላለያ ሃገራት ንዝመጽኣ 440 ክለባት ዝተመቕለ 209 ሚልዮን ዶላር ክፍሊት በጺሑ ነይሩ።

ክፍሊታት ዝፍጸሙ ብመሰረት ነፍሲወከፍ ተጻዋታይን መዓልትን እዩ። ብመሰረቱ፡ ሓንቲ ክለብ ኣብ ሓደ ውድድር ዝያዳ ተጻወትቲ እንተ ኣልዮማን ንነዊሕ እዋን ምስ ዝጸንሑን፡ ዝያዳ ገንዘብ ትረክብ።

ካብቲ 355 ሚልዮን ዶላር ጠቕላላ መኽሓሲ ባጀት ክለባት፡ እቲ 250 ሚልዮን ዶላር ንባዕሉ ነቲ ውድድር ዝተመደበ እዩ።

እቲ ካልእ 100 ሚልዮን ዶላር ንናይ ዙር መጻረዪ ጸወታታት ክኸውን ከሎ፡ እቲ ዝተረፈ 5 ሚልዮን ዶላር ድማ ምስ ትግባረ እቲ መደብ ዝተኣሳሰር ናይ ምምሕዳር ወጻኢታት ምስ ተቐነሰ፡ ኣብ መንጎ ፊፋን ኤውሮጳውያን ክለባትን ብዝተገብረ ስምምዕ መሰረት ንረብሓ ክለባት ክውዕል እዩ።

ተጻወትቲ ኣብቲ ውድድር ንምስታፍ ካብ ዝተፋነውሉ መዓልቲ ጀሚሩ፡ ጋንታኦም ጽባሕ ዝገበረቶ ናይ መወዳእታ ጸወታ ንክለባቶም ኣብ መዓልቲ 5,000 ዶላር ክፍሊት የምጽኡላ።

ኣብ መጻረዪ ዙርያታት ድማ ተጻወትተን ናብ ሜዳ ኣብ ዝወረድለን መዓልታት ካብ ነፍስወከፍ ዝተሰለፈ ተጻዋታየን 2,362 ዶላር ይረኽባ።

ኣብቲ ቀንዲ ውድድር ንዘሎ ዕለታዊ መጠን፡ ካብ ኣብ 2022 ኣብ ቀጠር ዝተኻየደ ብልዕሊ ርብዒ ጐዲሉ ኣሎ።

እንተዀነ፡ ናይዚ ዓመት ዋንጫ ዓለም 16 ተወሰኽቲ ጋንታታት ስለ ዝሓዘ (ካብ 32 ናብ 48 ስለ ዝወሰኸ) ዝነውሐ ክኸውን እዩ።

ኣብ 2022 ዋንጫ ዓለም፡ ፊፋ ብጠቕላላ 209 ሚልዮን ዶላር ንክለባት ሂቡ ነይሩ። እዚ ድማ ኣብ ሓደ መዓልቲ ንሓደ ተጻዋታይ 10,950 ዶላር ዝኣክል ነይሩዎ።

እዚ መደብ፡ ኣብ ዋንጫ ዓለም ደቡብ ኣፍሪቃ 2010 ኣብ መንጎ ፊፋን ማሕበር ክለባት ኤውሮጳን ብዝተገብረ ልዝብ እዩ ተጀሚሩ።

ሓንቲ ጋንታ ኣብቲ ውድድር ክትጸንሓሉ እትኽል ዝሓጸረ ግዜ 14 መዓልታት እዩ።

ፊፋ፡ ክለባት ተጻወትቲ ከፋንዋሉ ዘገድደሉ ዕለት 25 ግንቦት ኰይኑ፡ ሃገሮም ናይ መወዳእታ ጸወታ ካብ ዝገበረትሉ ንጽብሒቱ ዘሎ መዓልቲ'ውን ስለ ዝሕሰብ፡ ሓደ ተጻዋታይ ንክለቡ ኣብቲ ውድድር ከምጽኣላ ዝኽእል ትሑት ክፍሊት 160,000 ዶላር እዩ።

ሓንቲ ጋንታ ናብ መዛዘሚ ጸወታ እንተ በጺሓ ድማ እቲ ድሕሪ ውድድር ዘሎ መዓልቲ ሓዊስካ ጠቕላላ ሓደ ተጻዋታይ ዝሳተፎ 57 መዓልታት ክኸውን እዩ። በዚ ክለቦም 285,000 ዶላር ክፍሊት ክትረክብ ማለት እዩ።

ናብ ካልእ ክለባት እንተ ሰጊሮምን ውዕሎም እንተ ኣብቂዑንከ?

እቲ ዋንጫ ዓለም እናተኻየደ እንከሎ ተጻወትቲ ክለባት ክቕይሩ ወይ ውዕላቶም ክውዳእ ስለ ዝኽእል፡ ክፍሊታት ኣብ መንጎ ጋንታታት ዝመቓቐለሉ ወይ'ውን ፈጺሙ ዘይወሃበሉ ኵነታት ኣሎ።

ሓደ ተጻዋታይ ውዕሉ ኣብቂዑ ናጻ ምስ ዝኸውን፡ እታ ግጥም ኣብ ዝተጀመረሉ ዝነበረቶ ክለብ ክሳዕ 30 ሰነ ጥራይ እዩ ክፍሊት ዝወሃባ። እዚ ዕለት'ዚ ድማ ሓያሎ ኣብ ኤውሮጳ ዘለዉ ተጻወትቲ ውዕላቶም ዝውድእሉ እዩ።

ሓደ ተጻዋታይ ውዕሉ ወዲኡ ናብ ካልእ ክለብ ኣብ ዝሰጋገረሉ ኵነታት፡ ንኣብነት ከምቲ ኣንዲ ሮበርትሰን ካብ ሊቨርፑል ወጺኡ ናብ ቶተንሃም ዝተጸንበሮ፡ እቲ ክፍሊት ይመቓቐል እዩ።

ኣብዚ ኵነታት'ዚ፡ ሊቨርፑል ክሳዕ 30 ሰነ ክፍሊት ክትቅበል ከላ፡ ቶተንሃም ድማ ካብ 1 ሓምለ ጀሚሩ ንዘሎ ክፍሊት ክትወስዶ እያ።

ሓደ ተጻዋታይ ውዕሉ ከይተወድአ ብቐዋሚ ወይ ብልቓሕ ክለብ እንተ ቀይሩ፡ እታ ፈለማ ዝተጻወተላ ክለብ እቲ መስርሕ ምስግጋር ክሳዕ ዝፍጸም ክፍሊት ይግበረላ። ካብኡ ንደሓር፡ እታ ሓዳስ ክለብ ናይቲ ተጻዋታይ ነቲ ክፍሊት ክትቅበሎ እያ።

ክለባት ናይቶም ኣብ መንጎ ዋንጫ ዓለም ይዅን መጻረዪ ጸወታታት ካብ ውዕል ናጻ ዝዀኑ ተጻወትቲ ክፍሊት ናይ ምርካብ መሰል የብለንን።