ትግራይ፡ 'ገሃነም ዝመስላ ዓሰርተ መዓልተታት'

ከተማ መቐለ
Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣብ ርእሰ ከተማ ትግራይ-መቐለ፡ ኣብያተ ፖሊስ ጣብያን ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ክልልን [ደጀን] ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ኣብያተ ፅሕፈት መንግስቲ ስርቅን ወራርን ከምዝተፈፀመ ነበርቲ ሃቢሮም።

ነባሪ ከተማ መቐለ ዝኰነ ፍፁም ብርሃነ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብፍላይ ቅድሚ 24 ሰዓታት ዝተፈፀመ ሰፊሕ ዝርፍያ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ኣዝዩ ከቢድ ናይ ፀጥታ ስግኣት ኣስዒቡ ከምዝነበረ ሓቢሩ።

"እዘን ዓሰርተ መዓልተታት፡ ኣብዛ ከተማ ገሃነም ዝመስል ኩነታት'ዩ ነይሩ፡ ዋላ'ውን ብዛዕባ'ቲ ዝሓለፈ ኲናት ትግራይ ክልተ ዓመት'ውን ዝሓሸ ስምዒት ዝፈጥረልካ ሲኦል'ዩ" ኢሉ።

23 መስከረም፡ ኣብ መንጐ ሓይልታት ትግራይን ሰራዊት መንግስትን ዳግማይ ወተሃደራዊ ግጭት ምውልዑ ስዒቡ፡ ኣገልግሎት ባንኪ፣ ስልክን ኢንተረኔትን ምቁራጹ፡ ነቲ ኩነታት ኣዝዩ ኣጸጋሚ ከምዝገበሮ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ገሊፆም።

ፍፁም፡ እተን ዝሓለፋ 10 መዓልታት፡ ብፍላይ ኣዝዩ ኣፀጋሚ ዝገበሮ፡ ከቢድ ዘይውሕስነት፡ ግፋ እናተጋደደ ዝኸይድ ዝነበረ ስክፍታታት ድሕነትን ምዃኑ ገሊጹ።

ንሱ፡ ብተወሳኺ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተራእየ ሕጽረት ገንዘብ ከምዝገደደ ብምግላጽ፡ እቲ ኩነታት ካብቲ ኣብ 2020/21 ዝነበረ ዕፅዋን ክባን ዝኸፍአ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብቲ ክልል ንዝሓለፈ ሽድሽተ ኣዋርሕ፡ ሰፊሕ ናይ ግንዘብ ምንቅስቓስ ዕቀባ ዝነበረ ዀይኑ፡ ብዙሕ ሰብ ብኦንላይን ባንኪ እዩ ዕዳጋ ዘካይድ ነይሩ።

እዚ ድማ ኣገልግሎት ኢንተርነኔት መስተዓፅወ ኣዝዩ ዝኸበደ ፍፁም ይዛረብ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዋትስኣፕ ቻነል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኩነታት መቐለ ብተዛማዲ ህድእ ዝበለ ከምዝኾነን፣ ሓይልታት ሰላም ትግራይ ትማሊ ናብታ ከተማ ካብ ዝኣትዉ ፀጥታ እናተመሓየሸ ምምፅኡን ይዛረብ።

ንሱን ካልእ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ነባሪን ከምዝበልዎ፡ ሓይልታት ፌደራል ኣብ ወሰናወሰን እታ ከተማ እዮም ዘለዉ፤ ዛጊድ ናብ ማእከል ከተማ ኣይኣተዉን።

ፍፁም ኣብ እዋን ስርቂ፡ ሓደ ዋርድያ ዝርከቦም ሰለስተ ሰባት ምቕታሎም ከምዝሰምዐ ወሲኹ ተዛሪቡ።

እንተዀነ እቲ ኩነታት ሞትን መንነት ናይቶም ግዳያትን ዛጊድ ንጹር ኣይኰነን።

ሎሚ ለይቲ ኣገልግሎት ኢንተርነት ምስ ተመልሰ፡ ቢቢሲ ሰባት ኣብ ውቕሮ ንዝርከቡ ኣባላት ስድረኦም ከምዘዘራረቡ ኣረጋጊፁ ኣሎ።

ንሳቶም ድማ ተመሳሳሊ ስክፍታ ብዛዕባ ዘይውሕስነትን ኩነታት መነባብሮን ገሊጾም።

ይኹን እምበር፡ መዓልታት ምቍራፅ መራኸቢታት፡ ኣብ መላእ ክልል ትግራይ ዘሎ ኩነታት ንፁር ኣይኮነን።

ሎሚ ንግሆ ብተዛማዲ ህድኣት እኳ እንተሎ፡ እቲ ነባሪ ወሲኹ፡ ካብ ርሑቕ ቶኽሲ ክሰምዕ ከምዘርፈደ ገሊጹ።

"ሕጂ'ውን ካብ ርሑቕ ቶኽሲ ንሰምዕ ኣለና፤ ሰባት እቲ ኩነታት ናበይ ከምዘምርሕ ስግኣት ኣለዎም።"

ዓርቢ ፋሕፋሕ ኢሎም ተበታቲኖም ናብታ ከተማ ክኣትዉን ክሃልፉን ዝተዓዘበ ፍፁም፡ "ከምቲ ዝተባህለ ሓይልታት ትግራይ ብዝተወደበ ኣገባብ ንድሕሪት ዘንሰሓቡ ኣይመስለንን። እቲ ሰራዊት ፋሕ ኢሉ ነይሩ። ገሊኦም እግሮም ቆሲሎምን እግሮም ዝሓበጡን ብእግሮም ናብ ከተማ ክኣትዉ ርኢና ኢና" ኢሉ።

ካልእ ዳዊት ሃይላይ ዝበሃል ነባሪ'ታ ከተማ'ውን ተመሳሳሊ ኩነታት ከምዘስተውዓለ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ብዙሓት መንግስታዊ ኣብያተ ፅሕፈት ተሰሪቘም ጥራይ ዘይኰነስ ከምዝዓነውን፡ ቀልጢፎም ናብ ስራሕ ክምለሱ ከምዘፀገምን ተዛሪቡ።

ብኣንፃሪኡ፡ ኣብ ገለ ከባብታት እታ ከተማ ድማ ነበርቲ ተወዲቦም፡ ንሪፈረራል ሆስፒታል መቐለን ቴሌኮምኒኬሽንን ሓዊሱ ብርክት ዝበላ ህዝባዊ ትካላት ካብ ወራርን ዘረፋን ከምዘድሓኑ ገሊፁ።

ኣብታ ከተማ ወሱናት ኣባላት እቶም ሓይልታት ሰላም ከምዘለውን ዝበዝሑ ንሰሜን ኣንፈት፡ ብመቐለን ዓዲግራትን ኣቢሎም ይንቀሳቐሹ ከምዘለዉን ተዛሪቡ፤ ኣብ ከም ሰብዓ ካሬ ዝኣመሰሉ ገለ ከባብታት ድማ ብዝሕ ዝበሉ ኣባላት ሰራዊት ፌዴራል ከምዝረአየ ወሲኹ ሓቢሩ።

ንሱ፡ ሕዚ ካብቲ ዝበዝሕ ዓማዊል ዘለዎ ንግዲ ባንኪ ኢትዮጵያ ወፃኢ፡ ካልኦት ባንክታት [ብሞባይል ትራንሰፈር] ይሰርሕ ከምዘሎ ተዛሪቡ።

እዚ ምዕባለታት ሓይልታት መንግስቲ ምስ ሓይልታት ሰላም ትግራይ፡ ንከተማ መቐለ ኣብ ዝቈፃፀርሉ እዋን እዩ ዝኸውን ዘሎ።

ብህወሓት ዝምራሕ ክልላዊ ምምሕዳር ኣብ ርእሰ ከተማ ክበፅሕ ዝኽእል ጉድኣት ንምንካይ፡ ናብ ካልኦት ከባቢታት ከምዝተንቀሳቐሰን ዕጥቃዊ ቃልሱ ከምዝቕፅልን ገሊፁ ኣሎ።

እቲ ካብ ቦትኡ ተኣልዩ ዘሎ ምምሕዳር፡ ናበይ ከባብታት ተንቀሳቚሱ ከምዘሎ ዛጊድ ንፁር ኣይኰነን።