ትራምፕ፡'14 ነጥብታት' ኣብ ዘለወሉ ኲናት ኢራን 'ብቕልጡፍ ከም ዘብቅዕ ኣተንቢሁ

ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ንባብ: 2 ደቓይቕ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ እቲ ምስ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ኲናት "ብቕልጡፍ ክውዳእ" ከም ዝኽእል ኣተንቢሁ።

ነቲ ንኒዩክለሳዊ ድሌታት ቴህራን ንምቁራጽ ዝሓንጸጾ ዕላማ ድማ ማሕበረሰብ ዓለም ከምዝድግፎ ገሊጹ። እዚ ተስፋ ዝህብ ኣረኣእያ፡ ንዝርዝር ኒዩክለሳዊ ዘተ ከም ማዕቀፍ ከገልግል ዝኽእል 14 ነጥብታት ዘለዎ መዘክር ምርድዳእ (MoU) ብዝምልከት ጸብጻባት ኣብ ዝቕልቀሉሉ ዘለዉ እዋን እዩ።

ብመሰረት ጸብጻባት ኣክሲዮስን ሮይተርስን፡ እቲ ሓደ ገጽ ዝሓዘ መዘክር፡ ምቍራጽ መደባት ኒዩክለር ኢራን፣ ምልዓል ቍጠባዊ እገዳ፡ ከምኡ'ውን፣ ምምላስ ናጻ መተሓላለፊ መስመር ናይቲ ብስትራተጂያዊ ኣገዳስነት ዘለዎ መጻብቦ ሆርሙዝ ሓዊሱ ሓያሎ ወሰንቲ ድንጋገታት ዝገልጽ እዩ።

ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት "ኣዝዩ ጽቡቕ ዝርርብ" ከምዝተፈጸመ ክሕብር እንከሎ፡ መንግስቲ ኢራን ዝሃቦ ምላሽ ግን ቍጥብ ዝበለ እዩ ነይሩ።

ወሃቢ ቃል ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እስማዒል ባጋይ፡ እማመ ኣመሪካ "ገና ይግምገም ኣሎ" ብምባል፡ ኣብ መወዳእታ ቴህራን ብመንገዲ ፓኪስታናውያን መንጐኛታት ርእይቶኣ ከተካፍል ምዃናን ጥራይ እዩ ኣነጺሩ።

ይዅን እምበር እቲ ዲፕሎማስያዊ መንገዲ ኣካታዒ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ። ወሃቢ ቃል ኮምሽን ሃገራዊ ድሕነት ባይቶ ኢራን ኢብራሂም ረዛይ፡ ነቲ እማመ ኣመሪካ፡ "ዝርዝር ድሌታት" ክብል ብምንጻግ፡ ኣመሪካውያን ነቲ ኣብ "ዝኸስርዎ ዘለዉ ኲናት" ከውሕስዎ ዘይከኣሉ ድሌታት ብስም ዘተ ከምዘይትረኽቦ ኣተሓሳሲቡ።

ሰበስልጣን ኢራን ብተወሳኺ፡ እታ ሃገር "ኣጻብዕታ ኣብ ቃታ" ከምዘለዋን ኣመሪካ ኣድላዪ ሕድገታት እንተዘይገይራ "ንጣዕሳ ዝፈጥር ምላሽ" ክትህብ ድልውቲ ምዃናን ኣጠንቂቖም።

እቲ ኵነታት ብጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ይቕጽል ከምዘሎ እዩ ዝግለጽ። ትራምፕ እቲ ናይ መጀመርታ መጥቃዕቲ ኣመሪካን እስራኤልን - ስርሒት ኤፒክ ፉሪ - ኢራን ነቲ ውዕላት እንተ ተሰማሚዓ ክውዳእ ምዃኑ ሓሳብ ክህብ እንከሎ፣ ብኻልእ ገጽ ድማ ኣብ ስምምዕ እንተዘይተበጺሑ "እቲ ደብዳባት ብኣዝዩ ዝለዓለ ጽዓት ክጅምር እዩ" ክብል ኣፈራሪሑ።

እዚ እቲ ንዝተዓጽዋ መራኽብ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ንምምራሕ ዝዓለመ "ፕሮጀክት ወፍሪ ሓርነት" ዝተሰምየ ስርሒት ኣመሪካ ኣብ ቀረባ እዋን ደው ድሕሪ ምባሉ እዩ። እቲ 20% ነዳድን ጋዝን ዓለም ዝሓልፈሉ መስመር ማይ፡ ካብ መወዳእታ ለካቲት ጀሚሩ ብኢራን ብኣድማዒ መንገዲ ተዓጽዩ ብምህላዉ፡ ርኡይ ዓለማዊ ቍጠባዊ ጸቕጥን ልዑል ዋጋ ነዳዲን ኣስዒቡ።

ዞባዊ ምውህሃድ ኣብ መንጎ ኣመሪካን መሻርኽታን ብትግሃት ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን ግን ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁ ምስ ትራምፕ "ምሉእ ምውህሃድ" ከምዘረጋገጸ ብምግላጽ፡ እቲ ቀንዲ ዕላማ "ምድምሳስ ዓቕሚ ኑክሌር ኢራን" ከምኡ'ውን፡ ምውጋድ ኵሉ ዝሃብተመ ዩራንየምን ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

ኣብ ሚያዝያ ዝተበጽሐ ተኹሲ ደው ምባል ኣብ ቦታኡ'ኳ እንተሎ ዞባዊ ዘይርጉእነት ግን ይቕጽል ኣሎ። እስራኤል ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ በይሩት ኣንጻር ሕዝቦላህ መጥቃዕቲ ክትገብር እንከላ፣ ሕዝቦላህ ድማ ኣብ ልዕሊ ሰሜናዊ እስራኤል መጥቃዕቲ ሮኬትን ድሮናትን ይቕጽል ኣሎ።