እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኬንያ፡ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውንን ኣብ ከቢድ ፍርሒ
ኬንያ ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታት ነጋዶ ንኣሽቱ ድኳናትን ሸቐጥ ጐደናን ትወስዶ ብዘላ ስጕምቲ፡ ከም ስደተኛታት ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከብዎም ዜጋታት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ከቢድ ፍርሒን ሻቕሎትን ከም ዘለዉ ተፊሊጡ።
መንግስቲ ኬንያ፡ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ዘመሓላለፎ ትእዛዝ ስዒቡ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ንኣሽቱ ድኳናት ዘካይዱን ኣብ ጐደናታት ዝሽቅጡን ወጻእተኛታት ዜጋታት ተሪር ስጕምቲ ክወስድ ጀሚሩ'ሎ።
እዚ ሎሚ ሰኑይ 7 መስከረም ብወግዒ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ዘሎ ሃንደበታዊ ውሳነ፡ ነቶም ኣብ ኬንያ ብንኣሽቱ ንግዲ ዝመሓደሩ ወጻእተኛታት ኣሰንቢዱዎም ይርከብ። እዚ ስጕምቲ እዚ ኣብ ልዕሊ መነባብሮኦም ከቢድ ሻቕሎትን ፍርሒን ፈጢሩ ኣሎ።
ፕረዚደንት ሩቶ ብረቡዕ 2 መስከረም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ወጻእተኛታት ኣብ ከም ሸቐጥ ጐደናን ንኣሽቱ ድኳናትን ምስ ኬንያውያን ክወዳደሩ ከም ዘይብሎም ብምትሕስሳብ፡ ነዞም ትካላት ንግዲ ክዕጸዉ ኣዚዙ።
ብኣንጻሩ ግን፡ ዓቢ ርእማልን መዋእለ-ንዋይን ንዝሓትት ስትራተጅያዊ ንጥፈታት፡ ንወጻእተኛታት ወፈርቲ ወትሩ ክፉት ምዃኑ ገሊጹ።
"ንቍጠባ ሃገርና ንምምሕያሽ ጻዕሪታት ጌርና ኢና፣ እንተዀነ ንሸቀጥቲ ጐደና ናብ ኬንያ ክመጹ ኣየተባባዕናን፡" ዝበለ እቲ ፕረዚደንት፡ "ሓደ ሰብ ካብ ቻይና ወይ ካልእ ሃገር መጺኡ ኣብ ጐደና ክሽቅጥ ወይ ንእሽቶ ድኳን ክኸፍት ኣይክእልን እዩ፤ ቦታ የሎን፡" ብምባል ኣረዲኡ።
ነዚ ኣብ ልዕሊ ንኣሽቱ ትካላት ንግዲ ዝዓለመ ሓድሽ መምርሒታት ስዒቡ፡ ኣብቶም ብዙሓት ስደተኛታት ዝነብሩሎም ከባቢታት ብፍላይ ጃምሁሪ ዝርከቡ ማሕበረሰባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብኸቢድ ይጽለዉ ከም ዘለዉ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ቢቢሲ ዝተወከሶም ኤርትራውያን ነበርቲ ጃምሁሪ፡ እቲ መምርሒ ምስ ነጋዶን ንግዳዊ ትካላት ዝተኣሳሰረ ይዅን እምበር፡ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ፍርሒ ኣብ ኣባይቶም ተዓጽዮም ከምዘለዉ ገሊጾም።
እቲ ምኽንያት ድማ ሰበስልጣን ጸጥታ ኢና ዝብሉ "ነቲ ኵነታት ተበሊጾም፡ ነቲ ስደተኛ ስለዘጋፍዑን፣ ገንዘብ ስለዝወስዱን፡" ምዃኑ ነበርቲ ይገልጹ።
እቲ ካብ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት እናዓመረ ክመጽእ ዝጸንሐ ትካላት ንግዲ ካብ ሰኑይ ንግሆ ተዓጽዩ እቲ ጐደናታት ድማ ጸምዩ ከም ዘሎ ይርአ።
ሰበ-ስልጣን ጸጥታ፡ ኣብ ዝሓለፈ 3 መዓልታት ንተራ ነበርቲ (ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን) ናይቲ ከባቢ ከይተረፈ ጠጠው የብሉዎም፤ መንበሪ ወረቐት ይሓቱዎምን የሸግሩዎምን ይኣስሩዎምን ከም ዝቐነዩ ቢቢሲ ኣረጋጊጹ እዩ።
ገለ ካብቶም "ልዕሊ 20 ዝዀኑ ብኣካላት ጸጥታ ኣብ ጃምሁሪ ከም ዝተኣስሩ" ዝተነግረ ዜጋታት እዘን ሃገራት ድማ ብዘይ ግቡእ ኣገባብ ገንዘብ ምስ ከፈሉ ጥራይ ይፍትሑ ከም ዘለዉ ይንገር።
እዚ ኵነታት፡ መነባብሮ ናይዞም ማሕበረሰባት ኣናዊጹዎን፡ ኣብ ከቢድ ፍርሒን ዘይምትእምማንን ከም ዝነብሩ ገይሩዎም ኣሎ።
ብተወሳኺ፡ ሸቀጥቲ ጐደናን መራሕቲ ቦዳቦዳን (ሞተር ብሽክለታ) ዝዀኑ ዜጋታት ብሩንዲ ማህሰይቲ ይወርዶም ከም ዘሎን፣ ገለ እውን ዶብ ሰጊሮም ይሃድሙ ከም ዘለዉን ዘርኢ ዘይተረጋገጸ ቪድዮታት ተዘርጊሑ ኣሎ። እዚ ጕዕዞ ስደት ናብ ዝበኣሰ ኵነታት የንቈልቍል ምህላዉ ድማ የርኢ።
እዚ ወጥሪ እናዓበየ ምስ መጸ፡ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ኬንያ መብርሂታት ክህቡ ተገዲዶም ኣለዉ። ቀንዲ ጸሓፊ ጕዳያት ወጻኢ ኮሪር ሲንግኦየይ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ፡ ዘረባ ፕረዚደንት ሩቶ ካብ ትሕዝቶኡ ወጻኢ ተተርጒሙ ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ እቲ ፕረዚደንት ነቲ ሕጂ ኣብ ቅድሚ ባይቶ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ብዛዕባ 'ናይ ውሽጢ ዓዲ ትሕዝቶ ኣዋጅ' እዩ ምላሽ ዝህብ ነይሩ ኢሉ።
"ኵሎም ንኣሽቱን ዓበይትን ነጋዶን ሰራሕተኛታትን፡ ዘድሊ ሰነዳት - ፍቓድ ስራሕን ፍቓድ ንግዲን - ክሳዕ ዘለዎም፡ ኣብ ኬንያ ብሕጊ ተሓልዮም ክሰርሑ ምዃኖም ነረጋግጽ፡" ክብል ጽሒፉ።
ወሲኹ ድማ፡ "ዜጋታት ብሩንዲን ኵሎም ነበርቲ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ከምኡ'ውን ኣፍሪቃውያን ብሓፈሻ፡ ብመሰረት ሕግታትና ንግዶም ወይ ስራሖም ክሳዕ ዘካየዱ ኣብ ኬንያ ናይ ምንባር ምሉእ ናጽነት ኣለዎም፡" ኢሉ።
ብተወሳኺ፡ ምኒስተር ምኒስትሪ ንግዲ፡ መዋእለ-ንዋይን ኢንዱስትሪን ሊ ኪንያንጁይ ሰንበት 6 መስከረም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኬንያ ነቶም ብዘይ ቪዛን ብኤሌክትሮኒያዊ ፍቓድ መገሻን (eTA) ዝመጹ ወጻእተኛታት ምቕባላ ክትቅጽል እኳ እንተዀነት፡ እዚ ናጻ መእተዊ ግን ኣብ ኬንያ ናይ ምስራሕ ወይ ንግዲ ናይ ምክያድ መሰል ከም ዘይህብ ኣነጺሩ።
እቲ ምኒስትሪ፡ ነቶም ከም ቱሪስት ወይ ብኻልእ ምኽንያት መጺኦም ናብ ንግዲ ዝኣተዉ ሰባት ዒላማ ከም ዝገብር እቲ ምኒስተር ኣጠንቂቑ። "ገለ በጻሕቲ ንመሕተቲ ቪዛኦም ብደይመደይ ብዘይግቡእ ይጥቀሙሉ ኣለዉ፡ እዚ ድማ ብደረጃ ወፍሪ ወይ ቱሪስት ዝመጹ ሰባት ኣንጻር እቲ ዝተዋህቦም ፍቓድ ክሰርሑ ምኽንያት ኰይኑ ኣሎ፡" ኢሉ።
ሊ ኪንያንጁይ ቀጺሉ፡ "ኣብ ንኣሽቱን ከባብያውን ጽላት ንግዲ ዝዋፈሩ ወጻእተኛታት ኣዝዮም ብምብዛሖም፡ ንጥፈታቶም መልክዕ ከትሕዙን ምስ ሕግታት ፍቓድ ስራሕ ከም ዝሳነዩ ክግበርን የድሊ ኣሎ፡" ብምባል፡ ሕጊ ዝጥሕሱ ሰባት ቪዛኦም ክስረዝ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
መንግስቲ ብሩንዲ ነዚ ኵነታት ብቐረባ ይከታተሎ ከም ዘሎ ብምንጻር፡ ምኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ብሩንዲ፡ ኤድዋርድ ቢዚማና፡ እቲ መንግስቲ ኬንያ ብዛዕባ ፍቓድ ስራሕ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታት ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ብሩንዲ ይፍጸም ኣሎ ዝበሃል ዘሎ ዓመጽ ምላሽ ኣይህብን እዩ ኢሉ። ኬንያውያን ኣብ ብሩንዲ ብሰላም ይነብሩ ከም ዘለዉ ብምዝኽኻር፡ መንግስቲ ኬንያ ህይወትን ድሕነትን ኣብ ኬንያ ዝነብሩ ብሩንዳውያን ክሕሉ ጸዊዑ።
ኤምባሲ ብሩንዲ ኣብ ኬንያ ድማ፡ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ንዝደልዩ ዜጋታቱ፡ ብናጻ ህጹጽ ናይ መገሻ ሰነድ (laisser-passer) ክህብ ጀሚሩ ኣሎ።
ኣብ መወዳእታ፡ ምኒስትሪ ንግዲ ኬንያ፡ ነዚ ስጕምቲ ክትግብር እንከሎ፡ ኬንያ ኣብ ትሕቲ ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃ (EAC) ዘለዋ ግዴታታት ኣብ ግምት ከም ዘእቱ ብምግላጽ፡ ነቶም ስግኣት ሓዲሩዎም ዘሎ ወጻእተኛታት ነጋዶ ንምህዳእ ፈቲኑ ኣሎ። እቲ ምኒስትሪ ነዚ መምርሒ ብሕጋዊ፡ ስሩዕን ግሉጽን ኣገባብ ከም ዘተግብሮ ኣረጋጊጹ።