ኤርትራ፡ እታ ብቝጽርታት ዘይትግለጽ ዘላ 'ምስጢራዊት' ሃገር

ኣስመራ
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኤርትራ፡ ዓለምለኻዊ ማዕከን ገንዘብ ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ኣብ ዘሕትሞ "ናይ ዞባ ቍጠባዊ ትንበያ"፡ ኣብ ናይ ምያዝያ 2026 ጸብጻቡ፡ ሕጂ'ውን ብወግዓዊ ቍጽርታትን ስታቲስቲካዊ መረዳእታታትን ዘይትግለጽ 'ምስጢራዊት' ሃገር ኰይና ትቕጽል ከም ዘላ ይገልጽ።

እቲ "ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ዝተመዝገቡ ዓወታት" ብዝል ኣርእስቲ ዝወጽአ ጸብጻብ፡ ንቝጠባዊ ምንቅስቓስ ሃገራት ትሕቲ-ሰሃራ ኣፍሪቃ ንጹር ስእሊ ንምሃብ ዝዓለመ እኳ እንተዀነ፡ ንኤርትራ ዝምልከቱ ሰሌዳታት ግን መብዛሕትኦም ባዶ ብምዃኖም፡ ነቲ ኣህጉራዊ ትንተና ዓቢ ብድሆ ኰይኑዎ ከም ዘሎ የርኢ።

ኣብቲ ዓለምለኻዊ ማዕከን ንዅለን ኣባላት ሃገራት ከም 'ቍጠባዊ መነጽር' ገይሩ ዝጥቀመሉ ዝርዝር ሰሌዳታት፡ ብዛዕባ ዕብየት ሃገራዊ ጃምላ እቶት ወይ ፍርያት፡ መጠን ዋጋታት ወይ ዝቕባበ፡ ከምኡ'ውን ሃገራዊ ዕዳ ኤርትራ ዝገልጹ ስታቲስቲካዊ መረዳእታታት ኣይተረኽቡን።

እቲ ትካል ነቲ ኵነታት ንምግላጽ ኣብ ትሕቲ ሰሌዳታት ብዘስፈሮ መብርሂ መሰረት፡ ምስ ኤርትራ ዘሎ ናይ መረዳእታ (ዳታ) ምልውዋጥ ካብ 2019 ጀሚሩ ዝተቋረጸ እዩ።

እዚ ወግዓዊ ሓበሬታ ናይ ምስኣን ብድሆ፡ ንኤርትራ ኣብቲ ዓለምለኻዊ ቍጠባዊ ካርታ ከም ሓንቲ "ጸላም ነጥቢ" ከም እትርአ ብምግባር፡ ካብ ዓለምለኻዊ ናይ ገንዘብ ምንቅስቓስ ክትግለልን ንኣውፈርቲ ስግኣት ክፈጥርን ምኽንያት ከም ዝኸውን ይግለጽ።

ኤርትራ ኣባል ዓለምለኻዊ ማዕከን ገንዘብ እኳ እንተዀነት፡ ካብ 2019 ጀሚራ ነቲ ዓለምለኻዊ ትካል ዓመታዊ ቍጠባዊ ጸብጻብ ካብ ምቕራብ ተዓቂባ ትርከብ።

እዚ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተመርጸ 'ቍጠባዊ ምስጢራውነት' ዝመስል ኣካይዳ፡ እታ ሃገር ኣብ ከም ምሕካኽ ዕዳን ዓለምለኻዊ ፋይናንሳዊ ሓገዛትን ዝኣመሰሉ ዕድላት ክትግለል ይገብራ እዩ።

ይዅን'ምበር፡ መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ ኣህጉራውያን ትካላትን ቍጠባዊ ፖሊሲታቱን ናይ ነዊሕ ግዜ ንጹር መርገጺ ኣለዎ።

ኤርትራ ካብ ደገ ዝመጽእ ልቓሕን ሓገዝን "ንድሕረት ዘቃልዕ፡ ንናጽነት ውሳነ ዝገትእ፡ ከምኡ'ውን ንሃገራት ናብ ዕዳ ዝሸምም እዩ፡" ዝብል ጽኑዕ እምነት ኣለዋ።

ብመሰረት እዚ "ርእሰ-ምርኰሳዊ" ቍጠባዊ ፍልስፍና፡ እታ ሃገር ኣብ ክንዲ ንኣህጉራውያን ወፈርቲ ዝስሕብ ዳታ ምዝርጋሕ፡ ኣብ ውሽጣዊ ዓቕማ ብምትኳር ንመሰረታዊ ልምዓታዊ መደባት ቀዳምነት ከም እትህብ እያ ትገልጽ።

ቍጠባዊ ትንበያ ዘርኢ ሰሌዳ

ዓለምለኻዊ ማዕከን ገንዘብ ዋላ እኳ ሕጽረት ሓበሬታ እንተሃለዎ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ኣብ ዝረኸቦ መረዳእታ ጥራይ ተመርኲሱ፡ ቍጠባ ኤርትራ ኣብ ዓመተ 2026 ብመጠኑ ኣስታት 2.9% ክዓቢ ከም ዝኽእል ትንበያኡ ኣቐሚጡ ኣሎ።

እቲ ኣብ ኤርትራ ዝርአ ዘሎ ዕቃበ-መረዳእታ፡ ምስቲ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርአ ዘሎ ንጡፍ ቍጠባዊ ምንቅስቓሳት ክነጻጸር እንከሎ ዝያዳ ፍሉይ ይገብሮ።

ኢትዮጵያ ኣብቲ ጸብጻብ ከም ሓንቲ ኣብ ቍጠባዊ ምስጋር ዘላ ሃገር ተጠቒሳ ትርከብ።

ዓለምለኻዊ ማዕከን ገንዘብ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ሸርፊ ንዘካየደቶ ቍጠባዊ ስጕምትታት ከም ዓቢ ዓወት ክገልጾ እንከሎ፡ እታ ሃገር ኣብ 2026 ናይ 6.9% ዕብየት ከተመዝግብ ከም እትኽእል ይንበ።

ኤርትራ ካብዚ ዞባዊ ሓበሬታ ተነጺላ ምትራፋ፡ ኣብቲ ብሰንኪ ክሊማዊ ለውጢ ኣብ ሕርሻን ንግድን ዝመጽእ ጸቕጢ ንምክልኻል ዝግበር ሓባራዊ ዞባዊ ጻዕሪ፡ ዓንቃፊ ተራ ከም ዝህልዎ ይግመት።

ቍጠባዊ ክኢላታት ከም ዝሕብሩዎ፡ ንጹር ቍጽርታት ዘይምህላው ማለት፡ ሓንቲ ሃገር ቍጠባዊ ፖሊሲታታ ክትግልጽ ወይ ምስ ጐረባብታ ክትነጻጸር ኣይተኽእልን።

ብሓፈሻ፡ እቲ ትካል ዘውጽኦ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ፡ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ተስፋን ብድሆታትን ትወሳወስ ዘላ ዞባ እያ።

ኣብዚ ዞባ ግሉጽነትን ሓበሬታን ንዕብየት ወሳኒ ተራ ክጻወቱ እንከለዉ፡ ኤርትራ ግን ሕጂ'ውን ብቍጽርታት ዘይትግለጽ 'ምስጢራዊት' ሃገር ኰይና ትቕጽል ኣላ።