ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ሪያድ ምስ ሰበ-ስልጣን ስዑዲ ዓረብ ዘተ ኣካይዱ

ሓጎስ ገብረሂወት ምስ ምክትል ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ ወሊድ ኣልኸረይጂ

ምንጪ ስእሊ, MOI

መግለጺ ስእሊ, ኣቶ ሓጎስ ገብረሂወት ምስ ምክትል ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ ወሊድ ኣልኸረይጂ
Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ሓላፊ ቍጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ ሓጎስ ገብረሂወትን ምኒስተር ንግድን ኢንዱስትርን ኣቶ ነስረዲን መሓመድ ሳልሕን ዝመርሕዎ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ኣብ ሪያድ ምስ ምክትል ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ ወሊድ ኣልኸረይጂ ተራኺቡ ዘተ ከም ዘካየደ ምኒስትሪ ዜና ኤርትራ ሓቢሩ።

እቲ ትማሊ ሰኑይ 15 መስከረም 2026 ዝተኻየደ ሰፊሕ ምይይጥ፡ ኣብ መንጎ ክልተአን ሃገራት "ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ዘሎ ክልተኣዊ ምትሕግጋዝ ምግምጋምን ኣብ መጻኢ ምዕባዩን" ከምኡ'ውን ኣብ ሓባራዊ ረብሓታት ዘተኰረ ምንባሩ ተፈሊጡ።

ወግዓውያን ማዕከናት ዜና ስዑዲ ዓረብ ብወገነን፡ እቲ ርክብ ዝምድናታት ክልተአን ሃገራት ንምሕያልን ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን ጉዳያት ሓባራዊ ርድኢት ንምስናይን ዝዓለመ ምንባሩ ኣረጋጊጸን ኣለዋ።

ብተወሳኺ፡ እቲ ልኡኽ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ምኒስትሪ ጸዓት ስዑዲ ዓረብን ሃገራዊት ትካል ነዳዲ እታ ሃገር (ኣራምኮ)ን ብምርኻብ፡ ኣብ መንጎ ክልተአን ሃገራት ኣብ ዝህሉ "ተጨባጢ ዓውድታት ሓባራዊ ምትሕግጋዝ" ኣመልኪቱ ምይይጥ ከም ዘይካየደ ተፈሊጡ።

ኣብዚ ኣብ ሪያድ ዝተኻየደ ርክባት ዋና ፈጻሚ ስራሕ ባንክ መንበሪ ኣባይትን ንግድን ኤርትራ ኣቶ ብርሃነ ገብረሂወትን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ጉዳይ ፈጻሚት ኤምባሲ ኤርትራ ወይዘሮ ወይኒ ገረዝጊሄርን ተሳቲፎም ነይሮም።

ሓለፍቲ ጽላት ቍጠባን ፋይናንስን ኤርትራ ምስ ኣራምኮ ኣብ ዝተገብረ ርክብ ምስታፎም፡ እቲ ዘተ ኣብ ምምላእ ሕጽረት ነዳዲ፡ ኣብ ትሕተ-ቅርጺ ጸዓትን ወደባትን ዘተኰረ ግብራዊ ስጕምቲ ንምውሳድ ዝዓለመ ክኸውን ከም ዝኽእል ትጽቢት ይግበር።

እዚ ዑደት ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ፡ ዕጡቓት ሑቲ ነቶም ብስዑዲ ዓረብ ከም ዝድገፉ ዝንገረሎም ሓይልታት መንግስቲ የመን ብምጥቃዕ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣብ ዝተቘጻጸሩሉ፡ ከምኡ'ውን ንዝበዝሕ ገማግም ቀይሕ ባሕርን መተሓላለፊ ባብ ኣል-መንደብን ኣብ ዝሓዝሉ እዋን እዩ።

እዚ ምንቅስቓስ ዕጡቓት ሑቲ ምስ ስዑዲ ዓረብ ሓያል ወጥሪ ፈጢሩ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ እቲ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ ገማግም ኤርትራ ንውሕስነት መስመራት ንግድን ጸጥታን ስዑዲ ዓረብ ዝያዳ ስትራተጅያዊ ኣገዳስነት ረኺቡ ይርከብ።

እዚ ርክባት መቐጸልታ ናይቲ ምክትል ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ ወሊድ ዓብደልከሪም ኣልኸሪጂ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ናብ ኣስመራ ብምምራሕ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዘካየዶ ዘተ እዩ።

ኣብቲ እዋን'ቲ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ እቲ ዑደት ኣብ መንጎ ክልተአን ሃገራት ዘሎ ዝምድና ንምዕማቝን ኣብ ዞባውን ዓለማውን ጉዳያት ሓባራዊ ራእይ ብምዅስኳስ ንምምዕባልን ኣገዳሲ ምዃኑ ምግላጹ ይዝከር።

ክልተኦም ወገናት ኣብ ፖለቲካዊ፡ ቍጠባዊ፡ ጸጥታዊ፡ ባህላውን ማሕበራውን መዳያት ኣቐዲሙ ዝተበጽሐ ስምምዓት ብግብሪ ንምስጓም ተረዳዲኦም ነይሮም።

ቅድሚኡ'ውን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ዑደት ብምክያድ ምስ ወራሲ ዓራት ልዑል መሓመድ ቢን ሳልማን ተራኺቡ ሰፊሕ ዘተ ኣካይዱ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን፡ ኣብ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ቀይሕ ባሕሪ፡ ተፋሰስ ፈለግ ናይልን ወሽመጥ ዓረብን ኣመልኪቶም ዝተዘራረቡ ኰይኖም፡ "ፕረዚደንት ኢሳይያስ ነቲ ቅድሚ ሕጂ በዂሩ ዝጸንሐ ግደ ስዑዲ ኣብ ኵሎም እዞም ጉዳያት ኣልዒሉ፡" ከም ዝተመያየጠ ምኒስትሪ ዜና ኤርትራ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ተንተንቲ ከም ዘመልክትዎ፡ እዚ ኣብ መንጎ ኣስመራን ሪያድን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ጕዕዞ፡ ነቲ ኣብ ቀይሕ ባሕርን ከባቢኡን እናተቐያየረ ዝመጽእ ዘሎ ጸጥታውን ቍጠባውን ሚዛን ንምሕላው ዝዓለመ ስትራተጅያዊ ምትሕግጋዝ እዩ።

ልኡኻት መንግስቲ ኤርትራ ምስ ሰበስልጣን ስዑዲ ዕረብ እናተዘራረቡ

ምንጪ ስእሊ, MOI

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ወራሲ ዓራት ስዑዲ ዓረብ ልዑል መሓመድ ቢን ሳልማን ምስ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል-ሲሲ ትማሊ ኣብ ካይሮ ተራኺቡ ዘተ ኣካይዱ።

ኣብቲ ዘተ፡ ኣል-ሲሲ ነቲ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ቀይሕ ባሕርን መተሓላለፊ ባብ ኣል-መንደብን ውሑስን ዘይዕንቀፍን ናጻ ምንቅስቓስ መራኽብ ንምርግጋጽ እተቕርቦ ዘላ ጻውዒት ምሉእ ደገፉ ክህብ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብቲ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ ልዑል ፈይሰል ቢን ፈርሓን ዝርከቦም ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ዝተሳተፍዎ ርክብ፡ ቤተ-መንግስቲ ግብጺ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ድሕነት ስዑዲ ዓረብን ሃገራት ወሽመጥን ክፍሊ ሃገራዊ ድሕነት ግብጺ እዩ፡" ብምባል፡ ኣብ የመን ቀጻልነት ዘለዎ ፖለቲካዊ ፍታሕ ንምርካብ ዝግበር ጻዕርታት ኣስሚርሉ።

እዚ ናይ መራሕቲ ስዑዲ ዓረብን ግብጽን ርክብ ዝካየድ ዘሎ፡ ዕጡቓት ሑቲ ንወደብ ሞኻ ብምቍጽጻር ኣብ መተሓላለፊ ባብ ኣል-መንደብ ምሉእ ቍጽጽር ኣብ ዘስፍሕሉን ምስ ስዑዲ ዓረብ ምትእስሳር ኣብ ዘለወን መራኽብ መጥቃዕቲ ኣብ ዘካይዱሉ ዘለዉን እዋን እዩ።

እዚ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝተራእየ ምጕዳል ምንቅስቓስ መራኽብ፡ ነቲ ብዓቢዩ ኣብ ኣታዊ መትረብ ስወጽ ዝምርኰስ ቍጠባ ግብጺ ከቢድ ክሳራ ዘስዓበ ኰይኑ፡ ካይሮ ብቢልዮናት ዝቝጸር ኣታዊኣ ከም ዝሰኣነት ይሕበር።

ይዅን'ምበር፡ ግብጺ ነቲ ብሰንኪ ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ነዳዲ ዝወርድ ዘሎ ዕንቅፋት ንምዕጋት፡ ክሳዕ ሕጂ ቀጥታዊ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ካብ ምውሳድ ተቘጢባ ትርከብ።