ትግራይ፡ 'ኵሉ ነገር ስለ ዝተሓጽረ፡ ወስወስ ኢልና'ውን ንረኽቦ ነገር የለን'

Published
ንባብ: 6 ደቓይቕ

እቶም ደረቕ ከበሳታት ክልል ትግራይ ንክሊማዊ ለውጢ ተነቀፍቲ ብምዃኖም፡ ናብቲ ንኣዋርሕ ክስጋእ ዝጸንሐ ጾርን ቅልውላውን ሕጽረት ዝናብ ተቓሊዖም ይርከቡ።

ንዓሰርተታት ዓመታት፡ ሓረስቶት እቲ ክልል ኣብቲ ወቕቱ ሓልዩ ዝመጽእ ዝናብ ክረምትን ኣዝመራን ጽግዕተኛ ኰይኖም እዮም ጸኒሖም።

ሎሚ፡ ብሰንኪ እቲ እናሓየለ ዝመጽእ ዘሎ ዑደት ክሊማ ኤል-ኒኖ፡ ወቕቲ ዝናብ ክኸውን ዝግብኦ ወርሓት ክረምቲ ብኣንጻሩ ከቢድ ሕጽረት፡ ኣብ ገሊኡ ከባቢታት ድማ ዓቐን ዝሓለፎ ዝናብን በረድን ብምስዓብ ኣብ መሬት ዝተዘርአ ኣእካል ክበርስ ምኽንያት ኰይኑ ይርከብ።

ኣብዚ እዋን፡ ሰለስተ ኣገደስቲ ዞባታት ትግራይ ብኸቢድ ሕጽረት ዝናብ ተጠቒዐን ምህላወን ይግለጽ፤ ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ሓረስቶት ኣብ ልዑል ጭንቅን ሻቕሎት ቀለብ ሰብን እንስሳን ወዲቘም ይርከቡ።

ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ነባሪ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ዝዀነ ሓረስታይ ካሕሳይ ደስታ ሓደ ካብኣቶም'ዩ። ንሱ፡ እቲ ኣብዚ እዋን ኣብ ከበቢኡ ዝተኸስተ ሕጽረት ዝናብ "ርኢናዮ ዘይንፈልጥ ሕጽረት እዩ፡" ክብል ይገልጾ።

ብልሙድ፡ እቲ ዝናብ ካብ ግንቦት ራብዓይ ሰሙን ክሳብ ሰነ መጀመርያ ሰሙን ክኸውን እናተገብኦ፡ ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 172 ጣብያታት ዛጊድ ዝናብ ከም ዘይረኸባ ካብ ቢሮ ሕርሻን ሃብቲ ተፈጥሮን እቲ ክልል ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።

ነዚ ስዒቡ፡ ኣብ ዞባታት ደቡብ፡ ደቡብ ምብራቕን ማእከላይን (ብኸፊል) ደርቂ፡ ኣብ ገለ ዝናብ ዝጀመረሎም ወረዳታት ድማ ከቢድ ሓረጋ በረድን ውሑጅን ዝርኣየሉ ኵነታት ከም ዘሎ ንምርዳእ ተኻኢሉ ኣሎ።

ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ዝናብ ዝስሕቡ ዝነበሩ "ብዙሕ ኣግራብ እቲ ከባቢ ኣብ ምብራስ ይርከቡ፡" ክብል ሓረስታይ ካሕሳይ ተዛሪቡ።

ዓለምለኸን ሃገራውን ኣገልግሎት ሜትሮሎጂ ኣብ ትግራይ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ብሰንኪ ኤልኒኖ ዝተባህለ ብርቱዕ ኵነታት ኣየር ከቢድ ኵነታት ኣየር ከም ዘጋጥም ኣፍሊጦም'ዮም።

ኣብ ገለ ቦታታት ብሰንኪ ሕጽረት ዝናብ ከቢድ ድርቂ ከጋጥም እንከሎ፡ ኣብ ካልእ ቦታታት ድማ ካብ ንቡር ንላዕሊ ዝናብ፡ በረድን ውሕጅን ከም ዝስዕብ ኣጠንቂቘም'ዮም።

እዚ ማለት ብርክት ዝበሉ ከባቢታት፡ ሎሚ ዓመት ዝናብ ዘንጊዑ ዝጅምረሉ፡ ዝቈራረጸሉን ቀልጢፉ ዝወጽኣሉን - ብሓፈሻ ትሕቲ ስሩዕ ዝናብ - ስለ ዝህሉ ከጥቅዖም'ዩ።

"ባህሪ ኤልኒኖ ጫፋት ኵነታት ዝናብ ክህልዉ ምግባር'ዩ፤ ብሓደ ወገን ደርቂ፡ ብኻልእ ወገን ኣመና ሓያል ዝናብን በረድን ዝርኣየሉ ኣሎ። እዚኦም ክልቲኦም ኣዕነውቲ እዮም፡" ክብል ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ሃብቲ ተፈጥሮን ትግራይ ኣለምብርሃን ሃሪፈዮ የብርህ።

ንሱ ወሲኹ፡ "ደርቂ ዘርኢ ዘየብቁል፣ ሓያል ዝናብ ድማ ምልማዕ ጀሚሩ ዝነበረ ዘራእቲ፡ ሓረስቶት ንብዙሕ ዓመት ዝጽዓርሉ ቀወምቲ ተኽሊ ብሓደ ግዜ ዘጥፍኣሉ ኵነታት እዩ ዘሎ፡" ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ሰሙናት፡ ወረዳታት ቀይሕ ተኽሊ፡ ኣሕፈሮም፡ ብዘት፡ ዓዴት፡ ሓሓይለን ካልኦትን ሓደጋ በረድን ውሑጅን በጺሑወን እዩ።

ኣብተን ከቢድ በረድ ዝበጽሐን ከባቢታት መንበሪ ኣባይቲ፡ ብሶላር ዝሰርሑ ዝስተ ማይ ይዅን መስኖ ጉድኣት ዝበጽሓሉን በዚ ምኽንያት ዝስዓበ ምፍንቓል ሰባትን ከም ዘሎ እቲ ሓላፊ ይገልጽ።

ኣብ ዞባ ማእከል ትግራይ ወረዳ ቀይሕ ተኽሊ ሓደ ብሰንኪ ውሑጅ ክመውት ከሎ፡ ዓሰርተ ሽሕ ሰባት ካብ መንበሪኦም ከም ዝተመዛበሉ ኣመሓዳርቲ እቲ ወረዳ ንቢቢሲ ገሊጾም'ዮም።

እቲ በረድ እንስሳታት ከም ዝቐተለ፣ ኣባይቲ ከም ዘዕነወ፣ ኣብ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሄክታር ዝነበረ ዘራእቲ ከም ዘዕነወ ይጠቕሱ።

ዝናብ ኣብ ዝሓጸረሎም ከባቢታት እታ ክልል ድማ፡ ብኣንጻሩ መሬት በዂሩ ከም ዘሎ ሓረስታይ ካሕሳይ ደስታ ይገልጽ።

"እቲ ማሕረስ ኣብቲ ቀዳማይ ፈጋዕ ጠጠው ዝበለ እዩ፤ ክለሳለስ፡ ሳልሳይ/ራብዓይ ክሕረስ ኣይክኣለን። ሕዚ ጻዕዳ ጣፍ ዘሪእና ኣብቲ ሓመድ ዝጸንሓሉ ግዜ እዩ ነይሩ፤ እዚ ዅሉ ክንገብር ግን ኣይክኣልናን፡" ብምባል ክለሳለስ ዝግብኦ ዝነበረ መሬት በዂሩ ከም ዝተረፈ ገሊጹ።

"ሓምለን ነሓሰን ዋላ'ኳ ኣይንብልዓዮ ዓይንና ሸዊት ኣበባ ዝርእየሉ . . . ተሓጒስና እንጸንሓሉ ዝነበርና ግዜ፡ ተስፋ ናይ ምቝራጽ፡ ዝርአ ነገር ዘይብሉ ኰይኑ ንግዚኡ ንጸገም ኣቃሊዑና ኣሎ።"

'ምስ ኣተኹ ዝናብ ከመይ ኣሎ ኢለ እየ ሓቲተ'

ኣብ መላእ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ኤልኒኖ ብጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጣ ዝተፈላለየ ጽልዋታት ከም ዘለዎ'ዩ ትካል መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት ዝገልጽ።

ኣብ ምዕራባዊ ክፋላት ናይቲ ዞባ (ደቡብ ሱዳን፡ ሱዳን፡ ምዕራባዊ ኢትዮጵያ፡ ዞባ ካራሞጃ ኡጋንዳ፡ ከምኡ'ውን ኤርትራ)፡ ኤልኒኖ ኣብ ቀንዲ ወቕቲ ዝናብ ሰነ ክሳብ መስከረም ምስ ትሕቲ ማእከላይ ዝናብ ዝተኣሳሰር ኰይኑ፡ ብተደጋጋሚ ድኹም ምህርቲ ዘራእቲ ይድርኽ።

ኣብቲ ካብ ጥቅምቲ ክሳብ ታሕሳስ ዝናብ ዝዘንበሉ ምብራቓዊ ክፋላት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ዓመታት ኤልኒኖ ምስ ልዕሊ ማእከላይ ዝናብን ሰፊሕ ውሕጅን ዝተኣሳሰር እዩ።

ልዕሊ ማእከላይ መጠን ዝናብ ረብሓን ሓደጋን ከምጽእ ዝኽእል እኳ እንተዀነ፡ ብውሕጅ ኣብ ዝተሃስዩ ከባቢታት ግን ርኡይ ምዝንባል ህዝቢ፡ ጉድኣት ትሕተ ቅርጽን ኣእካልን፡ ምጥፋእ ህይወትን ምውሳኽ ዘይውሕስነት መግቢን ከስዕብ ይኽእል።

እዚ ኣብ መላእ ድሮ ልዑል ሕጽረት ውሕስነት መግቢ ዘለዎ ኣህጉር ዝኽሰት ዘሎ ጽልዋ ኰይኑ፡ ኣብዚ ዓመት- 2026 - ዝተዘርግሐ ዓለማዊ ጸብጻብ ቅልውላው መግቢ ኣብ መላእ ትሕተ-ሰሃራ ኣፍሪቃ ኣስታት 149 ሚልዮን ሰባት ልዑል ደረጃ ሕጽረት ውሕስነት መግቢ ከም ዝተቓልዑ የመልክት።

ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 90 ሚልዮን ሰባት ንጥዕና ዝበቅዕ መኣዲ ንምቕራብ ዓቕሚ ክስእኑ ከለዉ፡ ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ስእነት መኣዛዊ መግቢ ዝመጽእ ሕዱር ጸገማት ጥዕና ህጻናት ኣብ ኣሰካፊ ደረጃ ከም ዝርከብ የገንዝብ።

እዚ ድማ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝቕጽል ዘሎ ግጭታት፡ ጽልዋታት ኲናት ዩክረይን ኢራንን ዝተሓላለኸ ውሽጣዊ ቍጠባዊ ጸገማትን፡ ጥሜት ኣብቲ ዞባ ኣሰካፊ ደረጃ በጺሑ ከም ዘሎ ኣመላኺቱ ኣሎ።

ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ወረዳ ኣጽቢ ሓረስቶት ካብ መፋርቕ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ'ኳ ዘርኢ እንተዘርኡ፡ ዝቦቘለ እኽሊ ግን ከም ዘየለ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሓረስቶት ይገልጹ።

ኣቶ ተስፋይ ሃይሉ "እዚ ኣብቲ ማሕበረሰብ ክብድ ዝበለ ስግኣታት መነባብሮ እዩ ኣስዒብሉ ዘሎ፡" ብምባል፡ ሕጽረት ቀለብ እንስሳን ሰብን ከምኡ'ውን ስእነት ዕዳጋ ከም ዘስዓበ ሓቢሩ።

"ዓሚ ቅሩብ ካብቲ ልሙድ ዝሓጸረ ዝናብ ስለ ዝነበረ፡ ሓረስታይ ቀለብ ዓመት ምሉእ'ኳ እተንዘይተረኽበ እንስሳን ካልእን ሸይጡ ይናበር ነይሩ። ሕዚ ኣብ ገዛና ዝነበረ ቀለብ ኢና ወዲእና ዘለና። እንስሳ ስለ ዝዓበራ ሸኽሚ'የን ኰይነና ዘለዋ፡" ብምባል ሕጽረት ቀለብ ከም ዘጋጠሞም ተዛሪቡ።

እዚ ስነኣእምሮኣውን ቍጠባውን ጉድኣት'ዩ ዘሕድር ዘሎ ብምባል፡ "ሓደገኛ ሙቐት ስለ ዘሎ" እተን ጥሪት ሓሰር እንተተረኺቡ'ውን ኣይበልዓኦን ኢሉ።

"ሕዚ ዅሉ ነገር ዕጽውጽው ምባሉ ከኣ ኣሸጋሪ ገይሩዎ ኣሎ፣ ብድሓን ግዜ ናብ ኣምሓራን ዓፋርን ብምኻድ ቤተሰብ እንረድኣሉ ኵነታት እዩ ነይሩ። ምስቲ ጸጥታዊ ኵነታት ዝሐሸ ናብ ዝበሃል ከበቢ ኬድካ ሸቂልካ ድዩ ነጊድካ ቤተሰብ ናይ ምርዳእ ዕድላት የለዉን ሕዚ። እቲ ምንቅስቓስ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ተሓጺሩ'ዩ። ወስወስ ኢልካ እትረኽቦ ነገር የለን።"

እቲ ንኽልተ ዓመታት ኣብ መንጐ ማእከላይ መንግስቲን መራሕቲ ህወሓትን ዝተኻየደ ኲናት ሓድሕድ ስዒቡ፡ እቲ ክልል ናብ ምሉእ ሰላምን ምርግጋእን ክምለስ ኣይክኣልን ዘሎ።

ብሰንኪ እቲ ኲናት ሚልዮናት ካብ ቤት ንብረቶም ክመዛበሉ እንከለው ልዕሊ 60 ሽሕ ነበርቲ ምዕራብ ትግራይ ናብ ሱዳን ከም ዝተሰደዱ ይፍለጥ።

ሕብረት ኣፍሪቃ ብዝሒ ናይቶም በቲ ግጭትን ብሰንኩ ብዝሰዓበ ሰብኣዊ ቅልውላውን ዝሞቱ ሰባት ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ከም ዝበጽሕ ይሕብር።

ዳርጋ ድሕሪ ሓደ ዓመት ናብ ትግራይ ምብጻሕ ዝገበረ ኣምባደሳር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪን ማሲንጋ፡ ብ15 ሓምለ 2026 ናብ ትግራይ ገይሹ ነይሩ።

ሽዑ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "መጀመርታ (ናብ ትግራይ) ምስ ኣተኹ፡ 'ዝናብ ከመይ ኣሎ?' ኢለ እየ ሓቲተ፣ ጽቡቕ ዝናብ የለን፣ እዚ ማለት ሕጂ ድልየት ህዝቢ እቲ ክልልን እታ ሃገርን ዝምልስ መፍትሒ ንምቕማጥ ንቕድሚት ብዕቱብ ዝሰርሓሉ እዋን'ዩ ማለት እዩ፡" ብምባል ኣብቲ ክልል ሕጽረት ዝናብ ተኸሲቱ ምህላው ገሊጹ ነይሩ።

ምስሕሓብ ክልቲኦም ወገናት ድማ፡ እቲ ድሮ ብዝተፈላለዩ ማሕበረ-ቍጠባዊ ቅልውላዋት ዝተሃሰየ ህዝቢ ክልል ናብ ዝኸፍአ ሕሰምን ኲናትን ከየእትዎ ተሰጊኡ ይርከብ።

ብፍላይ ንኣስታት መንፈቕ ዓመት፡ መንግስቲ ፈደራል ደሞዝ ሰራሕተኛ መንግስቲ እታ ክልል ብምኽልካል፡ ናብቲ ክልል ዝኸይድ ነዳዲ፡ መድሃኒትን ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ብምቍራጹ፡ ብወገን ትግራይ ከቢድ ክሲ ይቐርብ። ማእከላይ መንግስቲ ግን ብዛዕባ እዞም ክስታት ዝህቦ ምላሽ የለን።

ሰኣን ባጀትን ህጹጽ ሓገዝ እታወታት ሕርሻን ኣብዚ እዋን ነቶም ተቓላዕቲ ዝዀኑ ሓረስቶት ዝተገብረ ሓገዝ ዘይምህላው ዝጠቅስ ኣቶ ኣለምብርሃን፡ ነዚ ጸገም ዘላቒ መፍትሒ ክኸውን ዝኽእል ክፍጠር ሓቲቱ።

"በቲ ኲናት ዝበጽሐ ክሳራ ዘይምሕዋዩ ዝፈጥሮ ጸቕጢ ኣሎ፣ ተመዛበልቲ ኣለው፤ ኣገልግሎት ባንክ የለን። ሓደጋ ኤልኒኖ ስዒቡ ክመጽእ ዝኽእል ድምር ኵሎም ስንባደታታት -Shocks - ፍርያምነት ክትሕት ይገብር፤ ስእነት ስራሕ ይውስኽ፡ ማይ ንመስተ እንስሳን ሰብን ዝስኣነሉ ኵነታት ክፍጠር ይገብር ኣሎ። እዚ ዅሉ ተደሚሩ ኲናት እንተ ተፈጢሩ ኣብ ትግራይ ከቢድ ናይ ሰብ፡ እንስሳ፡ ሞት፡ ምፍንቓልን ብርሰትን ከጋጥም ዝኽእለሉ ዕድል ከም ዘሎ እንርእዮ ዘለና ሓቂ እዩ፡"።

ሓድሽ ምዕራፍ ኤልኒኖ ኣብ ልዕሊ ዓለማዊ ሕርሻ ሰፍ ዘይብል ጽልዋ ከም ዘሕድር'ዮም ትንታነታት ውድብ መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት (FAO) ዘመላኽቱ።

ውድብ ሜትሮሎጂ ዓለም (WMO) ካብቲ ልሙድ ዝሓየለ ዑደት ከም ዝህሉ ኣብ ዝንበየሉ ዘሎ እዋን፡ ሓደጋታት ኤልኒኖ ዝበዝሐ ኣብ ሳሕል፡ ኣብ መላእ ደቡባዊ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ደቡብን ደቡባዊ ምብራቕን ኤስያን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ማእከላይ ኣመሪካ ኣብ ዝርከብ ደረቕ ኮሪደርን ካሪብያንን ዝርከቡ ገለ ሕርሻውን መጓሰን ከባቢታት ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ልዕሊ 50 ሚእታዊት ዕድል ድርቂ ከጋጥሞም ክገብር ከም ዝኽእል ፋኦ ይገልጽ።

ብዙሓት ዞባታት ኣብ እዋን ፍጻመታት ኤልኒኖ 2015–16ን ከምኡ'ውን 2023–24ን ብብርቱዕ ተሃሪሞም ነይሮም።

ዑደት ኤልኒኖ ተመሳሳሊ ተቓላዕነት ዝፈጥር ኰይኑ፡ ፍሹል ቀውዒ፡ ሞት ጥሪት፡ ምውሳኽ ዕዳ ስድራቤታትን መግብን ማይን ንምድላይ ዝግበር ስደትን ከበግስ ይኽእል።

ኣብ 2015–16 ጥራይ ኤልኒኖ ንልዕሊ 60 ሚልዮን ሰባት ዝጸለወ ኰይኑ፡ ን23 ሃገራት ዝውዕል ናይ ሓሙሽተ ቢልዮን ዶላር ሰብኣዊ ሓገዝ ጻውዒት ክግበር ምኽንያት ኰይኑ እዩ።

ብዙሓት ትንበያታት ከም ዝሕብርዎ እዚ ኣብዚ እዋን ዝርአ ዘሎ ዑደት ኤልኒኖ ኣብ መወዳእታ "ሱፐር" ኤልኒኖ ዝበሃል ኰይኑ ክውዳእ ይኽእል'ዩ፤ እዚ ድማ ካብቶም ክሳብ ሕጂ ዝተመዝገቡ ዝሓየለ ክኸውን ይኽእል'ዩ።

"ኣዋጅ ኤልኒኖ ካልእ ትንበያ ኵነታት ኣየር ጥራይ ኣይኰነን - ሚልዮናት ሰባት ክፈርሕዎ ዘለዎም ቀታሊ ደወል'ዩ፡" ይብል ዳይረክተር ጎስጓስ ጕጅለ 'ፓወር ሺፍት ኣፍሪቃ' መሓመድ ኣዶው።

"እዚ ማለት ፍሹል ዝናብ፡ ዝሞቱ ኣእካል፡ ምውሳኽ ዋጋ መግቢ፡ ከምኡ'ውን ስድራቤታት መሊሶም ናብ ወሰን ምድፋእ ማለት'ዩ። ብፍላይ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ እዚ ኣብቶም ድሮ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብድርቅን ውሕጅን ዝተሃስዩ ማሕበረሰባት ክዓልብ'ዩ።"

ኤልኒኖ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ክሳብ ሸውዓተ ዓመት ዝኽሰት ኰይኑ መብዛሕትኡ ግዜ ንኣስታት ሓደ ዓመት ዝጸንሕ እዩ።

ለውጢ ክሊማ ነዞም ፍጻመታት ዝያዳ ክሕይሉ ወይ ክደጋገሙ ይገብሮም ምህላዉ ክሳብ ሕጂ ዘረጋግጽ ውዱእ መርትዖ የለን - እንተዀነ ዓለም ትውዒ ምህላዋ እቶም ሳዕቤናት ክዛይዱ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል እዩ።