ኤርትራዊ ምሁርን ደያብ ኣኽራንን ዶ/ር ናይዝጊ ኣብ 92 ዕድመኦም ዓሪፎም

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

እቶም ኣብ ጫፍ እምባ ኬንያ (Mount Kenya) ባንዴራ ሃገሮም ኤርትራ ብምስቃልን ኣብ ሃገሮምን ካልኦት ሃገራትን ዝነበሮም ኣበርክቶን ዝፍለጡ ጽኑዕ ኤርትራዊ ደያብ ኣኽራናት ዝነበሩን ምሁርን ዶ/ር ናይዝጊ ገብረመድህን፡ ኣብ መበል 92 ዓመት ዕድመኦም ዓሪፎም።

ዶ/ር ናይዝጊ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ መበል 90 ዓመቶም፡ ናብቲ ሓደ ካብ ዝለዓሉ ጫፋት እምባ ኬንያ ዝዀነ 'ጫፍ ለናና' (Lenana Peak) ብምድያብ፡ ኣብኡ ድማ ንባንዴራ ኤርትራ ብምስቃል፡ ኣብ ዝሓለፈ መወዳእታ ዓመታት ዕድመኦም ብሰፊሑ ክዝከሩን ስሞም ክለዓልን ጸኒሑ እዩ።

እዚ ምስ ዕድመኦም ብምንጽጻር ብፍላይ "ዘደንቕ ጅግንነት" ተባሂሉ ዝተገልጸ ፍጻመ፡ ንብዙሓት ዘነቓቕሐን ብፍላይ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ከም ህቡብ ተምሳሌት ስፖርት ምድያብ ኣኽራንን ኰይኖም ታሪኾም ከም ዝስነድ ገይሮም እዮም።

ነዚ ኣመልኪቶም ምስ ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዝገበርዎ ወግዒ፡ ንመበል 14 ግዜኦም ዓበይቲ እምባታት ከም ዝሓዀሩ ብምግላጽ፡ እቲ 5199 ሜትሮ ዝብራኸኡ እምባ ካብ ኣፍሪቃ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝስራዕ ከም ዝዀነን ኣዕሊሎም ነይሮም።

ዶ/ር ናይዝጊ ናብቲ ዝነውሕ እምባ ክሊማንጃሮ እውን ኣርባዕተ ግዜ ሓዅሮም ምንባሮም ኣዘንትዮም ምንባሮም ኣይርሳዕን።

ዕረፍቲ ዶ/ር ናይዝጊ፡ 'ኮሊንስ' ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዘውጽኦ ወግዓዊ መግለጺ ሓዘን ዝተረጋገጸ ኰይኑ፡ ኣብ ሃገረ ኣመሪካ ከም ዝዓረፉን ስነስርዓት ቀብሮም እውን ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ኣብኡ ክፍጸም ምዃኑን ብተወሳኺ ተፈሊጡ'ሎ።

ዶ/ር ናይዝጊን ኣብ ኤርትራ ዝነበሮ ሓላፍነትን ኣበርክቶን

ዶ/ር ናይዝጊ ገብረመድህን ኣብ ንጥፈታት ምድያብ ኣኽራን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብደረጃ ዓለም ከይተርፈ ዝፍለጥሉ ዝተፈላለየ ዓበይቲ ሓላፍነታት ዝነበሮም ምሁር እውን እዮም።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተወሊዶም ዝዓበዩ ክዀኑ እንከለዉ፡ ኣብቲ ፍሉጥ ቤት ትምህርቲ ውንጌት እዮም ተማሂሮም። ኣብ መልቀቂ ፈተና ካልኣይ ደረጃ - ማትሪኵሌሽን - ዝሓሸ ውጽኢት ዘምጽኡ ሻሙናይ ርእሶም ማህደረ ትምህርቲ ረኺቦም፤ ኣብ ኣመሪካ ብሲቪል ኢንጂነሪን ቀዳማይ ዲግሪ ድሕሪ ምምራቕ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ህንጻ ኮሌጅ ከም መምህር ደሓር ድማ ከም ዲን ኮሌጅ ኰይኖም ኣገልግሎም።

ዳይረክተር ውድብ መግቢን ሕርሻን (FAO) ኰይኖም እውን ሰሪሖም እዮም።

ድሕሪ ናጽነት ናብ ኤርትራ ተመሊሶም ከኣ ብፍላይ ኣብ መዳይ ዕቃበ ከባቢን ስነህንጻን ዘይሃስስ ኣበርክቶ ዝገደፉ ላዕለዋይ ሓላፊ ዝነበሩ ምዃኖም እውን ኣብቲ ምስ ቢቢሲ ዝግበርዎ ዕላል ኣዘንትዮም ነይሮም።

ዶ/ር ናይዝጊ ነቲ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት - መደብ ከባቢ (UNEP - ኣብ ኬንያ) ዘጥረይዎ ሰፊሕ ተመኵሮ ሒዞም እዮም ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ነይሮም።

ሓደ ካብቲ ዝዓበየን ቀዳማይን ኣበርክቶኦም፡ ነቲ ኣብ 1995 ዝወጸ "ሃገራዊ መደብ ምሕደራ ከባቢ ኤርትራ" (National Environmental Management Plan for Eritrea - NEMP-E) ኣብ ምንዳፍን ምድላውን ዝተጻወትዎ መሪሕ ተራ ምዃኑ ይንገር።

ኣብ ትካል ዕቃበ ከባቢ ኤርትራ ላዕለዋይ ሓላፊ ኰይኖም ብምስራሕ እውን፡ ኤርትራ ብኸመይ ባህርያዊ ጸጋታታ ትዕቅብን ብዘላቕነት ትመሓድርን - ፖሊሲታት ኣብ ምሕንጻጽ ዓቢ ግደ ነይሩዎም።

ብተወሳኺ፡ ዶ/ር ናይዝጊ ኣብ ምዕቃብ ታሪኻዊ ቅርሲ ስነህንጻ ከተማ ኣስመራ ብዝገበርዎ ጻዕሪ ብኽብሪ ይዝከሩ። ናይቲ "ፕሮጀክት ምሕዳስ ባህላዊ ጸጋታት" ዝተባህለ ሃገራዊ ጻዕሪ ኣተሓባባሪ ኰይኖም ብምስራሕ፡ ኣስመራ ዘለዋ ፍሉይ ቅርሲ 'ኣርት-ደኮ' ብዓለምለኻዊ ደረጃ ንኽልለ ኣበርክቶ ገይሮም።

ምስ ካልኦት መሳርሕቶም ብምዃን ዘዳለውዎ "Asmara: Africa's Secret Modernist City" (ኣስመራ፡ እታ ምስጢራዊት ዘመናዊት ከተማ ኣፍሪቃ) ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ከተማ ኣስመራ ኣብ 2017 ኣብ መዝገብ ቅርሲ ዓለም ውድብ ዩኔስኮ ንኽትኣቱ ዓቢ ባይታ ካብ ዘንጸፉ ጻዕርታት እታ ቐንዲ ምዃና ይጥቀስ።

ብሓፈሻ፡ ዶ/ር ናይዝጊ ገብረመድህን፡ ኣብ እምባ ኬንያ ባንዴራ ኤርትራ ዘንበልበሉ ጥራይ ዘይኰኑስ፡ ባህላውን ተፈጥሮኣውን ቅርሲ ኤርትራ ንኽዕቀብን ኣብ ዓለም ክልለን ፍልጠቶም ዝወፈዩ "ዓቢ ሃገራዊ ጸጋ" ከም ዝነበሩ ፈለጥቶም ይገልጹ።

ኬንያ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ እንግሊዝ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን - ወዲ 25 ዓመት እንከለዉ ኣብ 1959፡ ብክሊማንጃሮ እምባታት ብምሕኳር ዝጅመሩ ዶ/ር ናይዝጊ፡ ኣብቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ምስ ቢቢሲ ዝገበርዎ ዕላል፡ "ዕድመን ጥዕናን እንተሂቡኒ፡ ክሊማንጃሮ ሓንሳእ ዶ ክፍትና? - ኢለ እሓስብ ኣለኹ...፡" ኢሎም መጻኢ ትምኒቶም ገሊጾም ነይሮም።