ውድቀት 'ኤል ማዮ' ዛምባዳ፡ ካብ ንግስነት ዕጸ-ፋርስ ናብ ዕድመ-ልክዕ ማእሰርቲ

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ሓደ ካብቶም ዝተፈርሑ መራሕቲ ጕጅለ ዕጸ-ፋርስ መክሲኮ ዝዀነ ኢስማኤል "ኤል ማዮ" ዛምባዳ፡ ብህይወት ክሳዕ ዘሎ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክመውት ብቤት ፍርዲ ኣመሪካ ተፈሪዱ።

እዚ ስጕምቲ ዝመጽእ ዘሎ፡ እቲ ውሩይ መራሒ ብውዲት ናብ ኣመሪካ ድሕሪ ምእታው ድሕሪ ክልተ ዓመት እዩ።

እዚ ምስ ጆኣኪን "ኤል ቻፖ" ጉዝማን ኰይኑ ንጕጅለ ሲናሎኣ ዘመስረተ ወዲ 76 ዓመት ዛምባዳ፡ ኣብ ቤትፍርዲ ይቕሬታ ዝሓተተ ኰይኑ፡ 15 ቢልዮን ዶላር ክኸፍል እውን ተኣዚዙ ኣሎ።

ብ2024 ወዲ "ኤል ቻፖ" ንዛምባዳ ናብ ሰሜናዊ መክሲኮ መዓርፎ ነፈርቲ ምስጢር ንምፍታሽ ንክኸዱ ብምጥባር፡ እታ ነፋሪት ግና ኣብ ቴክሳስ ክትዓርፍ ብምግባር ተታሒዙ።

ዛምባዳ መቕጻዕቲ ሞት ንምኽልካል፡ ኣብ ምስግጋር ዕጸ-ፋርስን ውዲትን ዝነበሮ ኢድ ብምእማን ምስ ዓቃቢ ሕጊ ስምምዕ ገይሩ ነይሩ።

ዳኛ ብራያን ኮጋን ኣብ ቤት ፍርዲ ብሩክሊን ብሰኑይ ኣብ ዘካየዶ መጋባእያ፡ ንዛምባዳ ናይ ዘመነ-ህይወት ማእሰርቲ ፈሪዱዎ።

እቲ ብዛምባዳ ዝቐረበ ናይ ጥፍኣተኛነት ቃል፡ ብመሰረት ሕጊ ኣመሪካ ናይ ግድን ናይ ዘመነ-ህይወት ማእሰርቲ ዘስዕብ እዩ።

ዛምባዳ ብተርጓሚ ገይሩ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ብሰንኪ እቲ ዘውረድክዎ ሃስያን ሕማቕ ኣብነት ዝዀንኩዎን ይቕረታ እሓትት፡" ብምባል፡ ዝመጽእ ወለዶ "ካልእ መንገዲ ክመርጽ" ጸዊዑ።

"ሎሚ ክዛረቦ ዝኽእል ሓደ ጠቓሚ ነገር እንተ'ልዩ እዚ እዩ፣ እቲ ዓመጽ ደው ክብል ኣለዎ፡" ዝበለ እቲ መራሒ ዕጸ-ፋርስ ነበር፡ "ኣብ መክሲኮ ይዅን ኣብ ካልእ ቦታታት ብሰንኪ እዚ ገበን ኣዝዩ ብዙሕ ህይወት ይጠፍእ፣ ስድራቤታት ይበታተና፣ መንእሰያት ድማ ኣብቲ ናብ ቤት ማእሰርቲ ወይ ሞት ጥራይ ዘብጽሕ ዓንኬል ይጽመዱ ኣለዉ፡" ኢሉ።

ብመሰረት ጸብጻብ ክፍሊ ፍትሒ ኣመሪካ፡ እቲ ክኸፍሎ ዝተኣዘዘ 15 ቢልዮን ዶላር ካብቲ ከም መራሒ ገበናዊ ትካል ኰይኑ ካብ ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ዕጸ-ፋርስ ዝረኸቦ መኽሰብ እዩ።

ዛምባዳ ካብ መወዳእታ ሰማንያታት ጀሚሩ፡ ናብ ኣመሪካ ብብዝሒ ኮኬይንን ካልእ ዕጸ-ፋርስን ዘእቱ ሰፊሕ መርበብ ገበን ኣብ ምፍጣር ዝነበሮ ተራ ተኣሚኑ እዩ።

ዓቃቢ ሕጊ ጆሴፍ ኖሴላ፡ "ኢስማኤል ዛምባዳ ጋርሲያ ቢልዮናት ዶላር መኽሰብ ንምርካብ ንልዕሊ ኣርባዓ ዓመታት ንሕብረተሰብ ኣመሪካ ክምርዝ ጸኒሑ እዩ። ሎሚ እቲ ምዕራፍ ንሓዋሩ ተዓጽዩ ኣሎ፡" ኢሉ።

ዛምባዳ ኣብ ቀይዲ ካብ ዝኣቱ ጀሚሩ፡ እቲ ጕጅለ ሲናሎኣ ኣብ መንጎ ክልተ ተቐናቐንቲ ወገናት ብዝተላዕለ ውሽጣዊ ኲናት፡ ኣብቲ ክፍለ-ሃገር ዓቢ ህውከትን ቅልውላውን ፈጢሩ ኣሎ። ብኣማኢት ዝቝጸሩ ሰባት ድማ ደሃዮም ጠፊኡ።

ዛምባዳ ብሰንኪ እርጋንን ሕማምን ኣብ ናይ ገዛ ምሕዩር ሆስፒታል ክእሰር እኳ እንተ ሓተተ፡ ዓቃቢ ሕጊ ግና ኣብ ጽኑዕ ቤት ማእሰርቲ ክእሰር ይጽውዑ ኣለዉ።

ዛምባዳ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኰይኑ እውን ንመርበብ ገበኑ ክመርሕ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ስለ ዘለዎም እዩ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዳግማይ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ኣብ ዘስምዖ ቃል፡ ኣብ ልዕሊ መክሲኮን እቶም ጕጅለታትን ጸቕጢ ክውስኽ ምዃኑን ነቶም ጕጅለታት ከም ግብረ-ሽበራውያን ክስይሞም ምዃኑን ኣፍሊጡ ነይሩ።

እንተዀነ፡ እዚ ማእሰርቲ'ዚ ኣብቲ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸ-ፋርስ ከምቲ ዝተባህለ ዓቢ ለውጢ ከምጽእ ተባሂሉ ኣይሕሰብን።

ኣብ መክሲኮ ሓደ መራሒ ክእሰር ከሎ፡ ነቲ ቦታ ንምትካእ ካልእ ወትሩ ድሉው ዝዀነ ሰብ ስለ ዘሎ፡ እቲ ንጥፈታት ከም ቀደሙ ክቕጽል ተኽእሎ ኣለዎ።