እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንውሳነ ብሪጣንያ ዝተቓወመት ኤርትራ 'ብሓይሊ' ዝስጐጉ ዜጋታታ ከምዘይትቕብል ኣፍሊጣ
ኤርትራ ብሓይሊ ዝስጐጉ ዜጋታታ ከምዘይትቕበል ብምግላጽ፡ ንውሳነ መግንስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ዘለዋ ተቓውሞ ገሊጻ።
መንግስቲ ኤርትራ ብጀላቡ ዝኣተዉ ስደተኛታትን ገበን ዝፈጸሙ ዜጋታቱን ንምቕባል ፍቓደኛ እንተ ዘይኰይኑ፡ ብሪጣንያ ንዅሎም ኤርትራውያን ናብታ ሃገር ከይኣትዉ ክትእግድ ምዃና ምኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሻባና ማሕሙድ ድሕሪ ምጥንቃቓ'ዩ ኤምባሲ ።
ካብ ሓሙስ ኣትሒዙ፡ ኤርትራውያን ዲፕሎማሰኛታት ካብ ለንደን ወጻኢ ኣብ ዝገብርዎ ምንቅስቓስ ቀይድታት ክግበረሎም እንከሎ፡ ንላዕለዎት ሰበ-ስልጣናት (VIPs) ዝወሃብ ዝነበረ ቅልጡፍ ኣገልግሎት ቪዛ'ውን ደው ክብል እዩ።
ምኒስተራት ብሪጣንያ፡ ቅድሚ ሕጂ'ውን ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሃገራት ናይ ቪዛ እገዳ ከም ዘንብሩ ብምፍርራሕ፡ ስደተኛታተን ንኽቕበላ ጸቕጢ ከካይዱ ጸኒሖም እዮም።
ብመሰረት ሓበሬታ ቤተ-ስነዳ ባይቶ ብሪጣንያ፡ ክሳብ ዝሓለፈ ሰነ ኣብ ዝነበረ 12 ኣዋርሕ ግዜ፡ ኤርትራውያን ካብቶም ብንኣሽቱ ጀላቡ ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ስደተኛታት እቲ ዝለዓለ ቍጽሪ ዝሓዙ ኰይኖም፡ 18 ሚእታዊት ካብ ጠቕላላ ተጓዓዝቲ ኰይኖም ኣለዉ።
ኤርትራ ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ፡ እቲ ስጉምቲ ሃንደበታዊ ከምዘይኮነን ንሰብመዚ ብሪጣንያ ክንገሮም ምጽንሑን ኣፍሊጣ'ላ።
ኣብ ለንደን ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ሃገረ ኤርትራ ብሓይሊ ንዝሰጐጉ ዜጋታታ ኣይትቕበልን እያ" ብምባል፡ ነቶም ስደተኛታት ብኽብሪ ንምምላሶም ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ምስ ዝምልከቶም ሰብመዚ ብሪጣንያ ክትላዘብ ዘቕረበቶ ጠለባት ተገዳስነት ከምዘይረኸበ ጠቒሱ።
ብሪጣንያ ኣፍደጊኣ ብምኽፋት ንኤርትራውያን መንእሰያትን ብስም ኤርትራውያን ዝቐርቡን ስደተኛታት ብቐሊሉ ዕቚባ ምሃባ'ውን ኤርትራ ነቒፋ'ላ።
ንቪዛ ዲፕሎማሰኛታት ብዝምልከት'ውን፡ ካብ 2023 ኣትሒዙ ብሪጣንያ ንሰበስልጣን ኤርትራ ቪዛ ሂባ ከምዘይትፈልጥ ገሊጹ።
"እቲ ሓቂ፡ ብሪጣንያ ካብ 2023 ኣትሒዛ ቪዛ ዝሃበቶ ኤርትራዊ ብዓልስልጣን የለን" ይብል እቲ ሎሚ 15 ጥቅምቲ ዝወጸ መግለጺ እቲ ኤምባሲ።
እታ ብሪጣንያዊት ሚኒስተር ኣብ መግለጺኣ፡ "ኤርትራ ንገበነኛታትን ኣብ ብሪጣንያ ናይ ምንባር መሰል ንዘይብሎም ዜጋታታን ንኽትቅበል ኵሉ ዕድላት ተዋሂብዋ ነይሩ እዩ። ይዅን'ምበር፡ ብኣንጻር ካልኦት ሃገራት፡ ነዚ ዕድል ነጺጋቶ እያ፡" ክትብል ገሊጻ።
ምኒስተር ሻባና ኣስዒባ፡ "ምስ ብሪጣንያ ንዘይተሓባበራ ካልኦት ሃገራት'ውን ተወሳኺ ስጕምቲ ካብ ምውሳድ ድሕር ኣይክንብልን ኢና፡" ክትብል ኣስሚራት
መንግስቲ ብሪጣንያ፡ ሰበ-ስልጣን ኤርትራ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ብሃንደበት ምትሕብባሮም ከም ዘቋረጹ ይኸስስ።
እዚ ሓድሽ ቀይድታት፡ ኤርትራውያን ዲፕሎማሰኛታት ብዘይ ፍቓድ ካብ ለንደን ወጻኢ ካብ 60 ኪሎሜተር ንላዕሊ ክጓዓዙ ዝእግድ እዩ። እዚ ስጕምቲ ነቲ ኣብ ርእሰ-ከተማ ኣስመራ ኣብ ልዕሊ ዲፕሎማሰኛታት ብሪጣንያ ዝተነብረ ቀይድታት ዝምልስ ምዃኑ ምኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኣፍሊጡ።
ብሪጣንያ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ኣብ ልዕሊ ኣንጎላ፡ ናሚብያን ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ተመሳሳሊ ናይ ቪዛ እገዳ ከም እተተግብር ኣጠንቂቓ ነይራ እያ።
ኣብ ልዕሊ ኮንጎ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ቀይድታት ተኣዊጁ እኳ እንተ ነበረ፡ እታ ሃገር ዜጋታታ ንምቕባል ዘለዋ ምትሕብባር ብምምሕያሹ እቲ እገዳ ከም ዝተላዕለ ምኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ሓቢሩ።
ኣንጎላን ናሚብያን ግን እቲ ቀይድታት ቅድሚ ምትግባሩ ኣብቲ ፖሊሲ ለውጢ ንምግባር ተሰማሚዐን እየን።
ሻባና ማሕሙድ ኣብ ሕዳር ኣብ ስርዓት ዕቝባ ብሪጣንያ ዝተገብረ ለውጥታት ኣብ ዘፍለጠትሉ እዋን፡ ነቲ ናይ ምምላስ ፖሊሲ ንዘይተሓባበራ ሃገራት ናይ ቪዛ መቕጻዕቲ ከም ዝትግበር ገሊጻ ነይራ።
እዚ መቕጻዕቲታት፡ እተን ብብዝሒ ሓተቲ ዕቝባ ዘለወን ሃገራት ነቶም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣብ ብሪጣንያ ዝርከቡ ዜጋታተን ክሳብ ዝቕበላ፡ ኣብ ምሃብ ቪዛ "ህጹጽ እገዳ" ምግባር ዘጠቓልል እዩ።
ብመሰረት ሓበሬታ ምኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት፡ ካብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ኣትሒዙ ልዕሊ 20,400 ሰባት ብንኣሽቱ ጀላቡ ናብ ብሪጣንያ ኣትዮም ኣለዉ።
እዚ ኣሃዝ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን ክነጻጸር እንከሎ ብ40 ሚእታዊት ጐዲሉ ኣሎ።
ካብ ሓምለ 2025 ክሳብ ሰነ ናይዚ ዓመት፡ ልዕሊ 40,600 ሰባት ካብ ብሪጣንያ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ወይ ተባሪሮም እዮም። እዚ ድማ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን ክነጻጸር እንከሎ ናይ 8 ሚእታዊት ወሰኽ ኣርእዩ።
ካብቶም ናብ ሃገሮም ዝተመልሱ ሰባት፡ እቶም ብገበን ዝተፈረዱ ትሕቲ 6,000 ምዃኖም ተገሊጹ።