ሓዳስ ኩዕሶ ዋንጫ ዓለም ንሓለውቲ ልዳት ተጸግሞም ኣላ ድያ?

Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ኣብዚ ናይ ሎሚ ዋንጫ ዓለም፡ ሓለውቲ ልዳት ብተደጋጋሚ ብሉጽ ብቕዓት የርእዩ ኣለዉ።

ስጳኛ፡ ኣንጻር እታ ንመጀመርታ ግዜኣ ኣብዚ ውድድር እትሳትፍ ዘላ ሃገር ኣብ ዝገጠመትሉ፡ ንሓላው ልዳት ኬፕ ቨርደ ቮዚንሃ ሰጊራ ሸቶ ከተመዝግብ ኣይከኣለትን።

ሓላው ልዳት ኩራሳኦ ኤሎይ ሩም ምስ ክብረ-ወሰን ዝመዓራረ 15 ኳዓሳሱ ብምዕቃብ፡ ሃገሩ ኣብ ታሪኽ ዋንጫ ዓለም ንመጀመርታ ግዜ ነጥቢ ከም እትረክብ ገይሩ።

ኢራናዊ ዓሊረዛ ቤይራንቫንድ ሓያሎ ብሉጻት ፈተነታት ሸቶ ብምዕጋት፡ በልጁም ሸቶ እተመዝግበሉ መንገድታት ዓጽዩ፡ እቲ ጸወታ ብዘይ ሸቶ ብማዕረ ክውዳእ ገይሩ።

እንተዀነ፡ ገለ ሓለውቲ ልዳታት ኩዕሶ ምቍጽጻር ተጸጊሞም ሸቶ ተመዝጊቡዎም እዩ።

ኣባል ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ጆርዳን ፒክፎርድን ናይ ሰነጋል ኤዱዋርድ ሜንዲን፡ ነታ ኩዕሶ ብኣእዳዎም ክትንክፉዋ እኳ እንተ ከኣሉ፡ ክቈጻጸሩዋ ግን ተጸጊሞም እዮም።

ናይ ኣልጀርያ ሉካ ዚዳን ድሮ ኣንጻር ኣርጀንቲናን ዮርዳኖስን ኣብ ዝተገብሩ ጸወታታት ብተመሳሳሊ መንገዲ ክልተ ሸቶታት ተመዝጊበንኦ።

ሓላው ልዳት ዒራቕ ኣሕመድ ባሲል'ውን፡ ዋላ'ኳ ነታ ኩዕሶ እንተ ተንከፋ፡ ነታ ኪልያን ምባፐ ካብ ርሑቕ ዝሃረማ ኩዕሶ ክዓግታ ኣይከኣለን፤ እዚ ድማ ነቲ ናይ ቢቢሲ ስፖርት ተንታንን ናይ ቀደም ሓላው ልዳት እንግሊዝን ዝነበረ ጆ ሃርት ሓደ መብርሂ ከም ዝህብ ገይርዎ።

"ኣብ ሓደ ዋንጫ ዓለም ከምዚ ዓይነት ሸቶ ብተደጋጋሚ ክርአ ከሎ፡ ኣብታ ኩዕሶ ዘጋጠመ ነገር ከም ዘሎ ዘጠራጥር የብሉን፡" ኢሉ።

እታ 'ትሪዮንዳ' ዝተሰምየት ኩዕሶ ክሳብ ክንድዚ ዓቢ ፍልልይ ከተምጽእ ትኽእል ድያ?

'ሸቶታት ምእንቲ ክምዝገብሩ ኢሎም እዮም ኩዕሶ ዝሰርሑ'

ካስፐር ሽማይክል ከምኡ ኢሉ እዩ ዝሓስብ።

እቲ ናይ ቀደም ሓላው ልዳት ዴንማርክ ሽማይክል፡ እታ 'ትሪዮንዳ' ኩዕሶ ካብ ዝወጸትሉ ጥቅምቲ 2025 ጀሚሩ ብኣኣ ክለማመድ እኳ እንተ ጸንሐ፡ ሃገሩ ግን ኣብ መወዳእታ ኣብ ናይ መጻረዪ ፍጻመ ጸወታ ብቸክ ሪፓብሊክ ተሳዒራ እያ።

ሽማይክል ሕጂ ጓንቱ እኳ እንተ ሰቐለ፡ ብዛዕባ እቲ "ኣብ መንጎ ኩዕሶታት ዘሎ ዓቢ ፍልልይ" ንምግላጽ ብቑዕ ተመኵሮ ኣለዎ።

"ናይ ሎሚ ፍሉይ ዝገብሮ ነገር፡ ኣሰራርሓኣ ካብ ኣርባዕተ ፓነላት ዝተሰርሐት ምዃና እዩ፡" ክብል ንፖድካስት 'ቢቢሲ ፉትቦል ዴይሊ' ገሊጹ። "ዝዀነ ስፌት የብላን - ኵሉ ብሓባር ዝተላገበ እዩ።"

"ነዚ ምስ ዝተፈላለየ ኵነታት ኣየርን ጽዓት ኣየርን ከተተሓሕዞ ከለኻ፡ ኣብታ ኩዕሶ ዝፍጠር ናይ ምስሓብ ሓይሊ (drag) ይውሕድ እዩ፤ እዚ ድማ ብዙሕ ከም ዘይትሽከርከር ይገብራ። ኰይኑ ግን ካብ ካልኦት ኳዓሳሱ ብውሑድ ዝቐልጠፈት ኰይና ትስምዓኒ፤ ሕጂ ድማ ነዚ ነገር እዚ ንዕዘቦ ዘለና ይመስለኒ።"

"ሓለውቲ ልዳት ክትንክፉዋ እናቀረቡ ዝሓልፋኦም ሓያሎ ሸቶታት ንዕዘብ ኣለና - ንኣብነት ፒክፎርድ ኣብቲ ክሮኤሽያ ዘመዝገበትሉ ቀዳማይ ሸቶ፡ ከምኡ'ውን ሉካ ዚዳን ኣንጻር ሊዮነል ሜሲ፡ ዋላ'ውን ኤዱዋርድ ሜንዲ ኣንጻር ምባፔ ዝኣተዎ ሸቶታት።"

"ብዛዕባ እዛ ኩዕሶ ዘሎ ሓቂ ግን፡ ተዓዘብቲ ሸቶታት ክርእዩ ስለ ዝደልዩ፡ ንሳቶም'ውን ሸቶታት ንምምዝጋብ ዝጥዕሞ ገይሮም እዮም ኩዕሶ ዝሰርሑ።"

ብርግጽ ዛጊት ሓያሎ ሸቶታት ተመዝጊቦም ኣለዉ።

ካብ ሳንዱቕ ወጻኢ ተሃሪሞም ዝተመዝገቡ ሸቶታት (20)፡ ኣብ መላእ ግጥማት መጻረዪ ናይ 2022 ካብ ዝተመዝገቡ ብዕጽፊ ወሲኹ ኣሎ።

ብመሰረት ጸብጻብ 'ኦፕታ'፡ ብዝሒ ጌጋታት'ውን ይውስኽ ኣሎ።

ዛጊት ኣብ ኣመሪካ፡ ካናዳን መክሲኮን 11 ሸቶታት ብሰንኪ ጌጋታት ተመዝጊቦም ኣለዉ፤ እዚ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ናይ ዋንጫ ዓለም ውድድራት ካብ ዝነበሩ ናይ ጕጅለ መጻረዪታት ንላዕሊ እዩ።

ዋላ'ኳ ብሰንኪ ምስፋሕ እቲ ውድድር ክሳብ ሕጂ ሽዱሽተ ተወሳኺ ጸወታታት ዝተገብሩ እንተዀኑ፡ እቲ ወሰኽ ግን ገና ኣዝዩ ዝለዓለ እዩ።

"ኣብቲ ዝለዓለ ደረጃ ጸወታ፡ ሓላው ልዳት ንኹዕሶ ተንኪፉዋ ክነሱ ናብ ልዳት ክትኣቱ ክንደይ ግዜ ኢኻ ትርኢ?" ይብል ሃርት።

"ኣዝዩ ሳሕቲ እዩ፤ ምኽንያቱ ብቕዓቶም ብሉጽ ስለ ዝዀነ፡ ሓንሳብ ምስ ዘርክቡዋ ናብ ወጻኢ እዮም ዝተፍኡዋ።"

"ኣብዚ ውድድር እዚ ዝዕዘቦ ዘለኹ ግን፡ ሓለውቲ ልዳት ካብ መንከሶም ንላዕሊ ንኹዕሶ እናተንከፉዋ እኳ ክዓግቱዋ ኣይክእሉን ዘለዉ፤ ስለዚ ገለ ነገር ኣሎ ማለት እዩ።"

'ሓላው ልዳት ምዃን ኣብ ናይ ደቒቕ ፍልልያት ዝምርኰስ ስራሕ እዩ'

ኣዲዳስ ነዛ ኩዕሶ ንምስራሕ ሰለስተ ዓመትን ፈረቓን ዝወሰደሉ ኰይኑ፡ ኣስታት 300 ናይ ላቦራቶሪ ፈተናታት ድማ ኣካይዱ እዩ።

እቶም ዲዛይነራት፡ ኣብ ኵሉ ዓይነት ኵነታት ከመይ ከም እትዓዪ ንምርግጋጽ፡ ካብተን ነቲ ዋንጫ ዓለም ዘአንግዳ ዘለዋ 16 ከተማታት ኣብ ሸውዓተ ከተማታት ፈቲኖማ እዮም።

እታ ኩዕሶ ኣብ ዝተዘርግሓትሉ እዋን፡ ኣዲዳስ እቲ ካብ ኣርባዕተ ፓነላት ጥራይ ዝተሰርሐ ቅርጻ (ኣብ ታሪኽ ዋንጫ ዓለም እቲ ዝወሓደ ፓነል እዩ)፡ "ኰነ ኢልካ ብዝተገብሩ ዓሚቚ ናይ ስፌት መስመራትን" ብጥበባዊ መንገዲ ብዝተቐረጹ መስመራትን ናይ ሃገራት ምልክታትን ዝተሰርሐት ምዃና ሓቢሩ ነይሩ።

"እዚ ድማ እታ ኩዕሶ ኣብ ኣየር ክትጓዓዝ ከላ እኹልን ማዕረን ዝተኸፋፈለ ናይ ምስሓብ ሓይሊ (drag) ብምፍጣር፡ ኣብ በረራኣ ዝለዓለ ምርግጋእ ክህልዋ ይገብር፡" ይብል ኣዲዳስ።

"እቶም ዝተቐረጹ ምልክታት ድማ ኣብ ርጡብ ኵነታት ኣየር ክትዓልብ ከላ፡ ዝሓሸ ናይ ምጭባጥ ዓቕሚ ብምሃብ ተወሳኺ ብቕዓት ይህቡዋ።"

ገሊኦም ካብ ካልኦት ብዝቐልጠፈ መንገዲ ክላመዱዋ ከለዉ፡ ሃርት ግን ሓያሎ ሓለውቲ ልዳት እታ ኩዕሶ ንቕድሚት ጥራይ ክትመጽእ ከላ (ከይተጠዋወየት) ግዜኣን ናይ ጕዕዞ መስመራን ንምግማት ከም ዝተሸገሩ ገሊጹ ኣሎ።

እቲ ምስ ሌስተር ሲቲ ኰይኑ ሻምፕዮና ፕረምየር ሊግ ዝዀነ ሽማይክል ብተመሳሳሊ መንገዲ፡ "ናይዚ ቀንዲ ጸገም ፍጥነት እዩ፡" ይብል።

"እቲ ፍልልይ ኣዝዩ ንእሽቶ እዩ፣ እንተዀነ ግን እኹል እዩ። ሓላው ልዳት ምዃን ኣብ ናይ ደቒቕ ፍልልያት ዝምርኰስ ስራሕ እዩ።"