ፔንታጎን፡ ብዛዕባ 'ዩፎ' ከቃልዖም ዝጀመረ ምስጢራት እንታይ'ዮም?

ምንጪ ስእሊ, Screenshot of video
ፔንታጎን፡ ቅድሚ ሕጂ ተቓሊዖም ዘይፈልጡ ብዛዕባ ዘይተለለዩ በረርቲ ነገራት (UFOs) ዝገልጹ ሰነዳት ዘርጊሑ።
እቶም ሰነዳት፡ ኣብ መሬት ዝርከቡ ስቪላውያን ኣብ ወርሒ ዝበጽሑ ጠፈርተኛታትን ዘቕረቡዎ ምስክርነታት ዘጠቓለሉ እዮም።
እዞም ንሓያሎ ዓሰርተታት ዓመታት ናብ ህዝቢ ዘይወጽኡ ሰነዳት፡ ብትእዛዝ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ብኢንተርነት ተዘርጊሖም ኣለዉ።
ፕረዚደንት ትራምፕ ቅድሚ ሕጂ፡ "ኣብ ጉዳይ ዘይተለለዩ በረርቲ ነገራት ዘሎ ልዑል ተገዳስነት ኣብ ግምት ብምእታው፡" ነዞም ሰነዳት ክዝርግሖም ምዃኑ ቃል ኣትዩ ነይሩ።
ኣብዚ ቀረባ ዓመታት፡ ኣብ ኣመሪካ ብዛዕባ ህላወ እዞም በረርቲ ነገራት ዘሎ ህዝባዊ ተገዳስነት ዳግማይ ወሲኹ ኣሎ።
ብ2022፡ ኮንግረስ ኣመሪካ ድሕሪ 50 ዓመታት ንመጀመርታ ግዜ ብዛዕባ ዘይተለለዩ በረርቲ ነገራት መግለጺ ሰሚዑ። ሰራዊት ኣመሪካ'ውን ኣብዚ ጉዳይ'ዚ ዝያዳ ግሉጽነት ንምርኣይ ቃል ኣትዩ ኣሎ።
ኣብ መርበብ ሓበሬታ ምኒስትሪ ምክልኻል ኣመሪካ 161 ሰነዳት ቀሪቦም ኣለዉ፤ ተወሰኽቲ ሰነዳት'ውን ክዝርግሑ መደብ ተታሒዙሎም ኣሎ።
ምዝርጋሕ ናይዞም ፋይላት ዝመጽአ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ባራክ ኦባማ ኣብ ለካቲት ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት፡ "በረርቲ ነገራት ኣለዉ፣ ግናኸ ኣነ ኣይረኣኹዎምን፡" ብምባል ነቲ ጉዳይ ዝያዳ ኣቓልቦ ከም ዝረክብ ድሕሪ ዝገበሮ እዩ።
ብድሕሪኡ ኦባማ፡ ኣብ ካልእ ቦታታት ህይወት ክህሉ ከም ዝኽእል ብመጽናዕቲ ዝከኣል ምዃኑ ንምግላጽ ደኣ'ምበር፡ ኣብ ግዜ ስልጣኑ ዝዀነ "መርትዖ" ከም ዘይረኣየ ኣነጺሩ እዩ።
ኣብቲ ወርሒ እቲ፡ ትራምፕ ንፔንታጎን "ምስ ግዳማውያን ፍጡራት (Aliens)፡ ካብ ዓለማ ወጻኢ ዝርከብ ህይወትን ዘይተለለዩ ሰማያዊ ተርእዮታትን (UAPs)ን፡ ከምኡ'ውን በረርቲ ነገራት (UFOs) ዝተተሓሓዙ" ሰነዳት ክዝርግሕ ኣዚዙ።
እቶም ተዘርጊሖም ዘለዉ ሰነዳት፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ምስጢራውነቶም ተሓልዩ ዝጸንሐ ወተሃደራውያን መዘክራትን ጸብጻባትን ዝሓዙ እዮም፤ ናብ ወርሒ ዝተገብረ ጕዕዞታት ኣፖሎን በረርቲ ነገራት ዝርኣዩ ሰባት ዝሃቡዎ ምስክርነትን ኣጠቓሊሉ ኣሎ።
ጠፈርተኛታት ኣፖሎ ዝተዓዘቡዎ ድሙቕ ብርሃናት

ምንጪ ስእሊ, US Department of Defense
እቶም ፋይላት፡ ኣብ 1960ታትን 1970ታትን ኣብ ዝተኻየዱ ጕዕዞታት ኣፖሎ 11፡ ኣፖሎ 12ን ኣፖሎ 17ን ዝነበሩ ጠፈርተኛታት ዘካየዱዎም ምስጢራውያን ዝርርባት ዝሓዙ እዮም።
እቲ ውሩይ ጠፈርተኛ ጕዕዞ ኣፖሎ 11 ዝነበረ ባዝ ኦልድሪን፡ ኣብ 1969 ኣብ ዝሃቦ ቃለመሕትት፡ ናብ ወርሒ ኣብ ዝጓዓዞ ዝነበረ ቅድሚ ሽዑ ዘይተገልጹ ዝተፈላለዩ ተርእዮታት ከም ዝተዓዘበ ገሊጹ ኣሎ።
እቲ ቃለመሕትቱ ኣብዚ ቀረባ ግዜ እዩ ተሓቲሙ።
"ኣዝዩ ድሙቕ ብርሃን ዘመንጩ ነገር ተዓዚበ፣ ምናልባት ገለ ዓይነት ሌዘር ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ግምት ነይሩና፡" ኢሉ።
እቶም ምስጢራውያን ዝርርባት ከም ዘመልክቱዎ፡ ኣብ 1969 ኣብ ወርሒ ዝረገጸ ጠፈርተኛ ኣፖሎ 12 ኣላን ቢን፡ ኣብቲ ጕዕዞ፡ ኣብ ጠፈር "ዘንሳፍፉ" ዝነበሩ ብልጭታታትን ድሙቕ ብርሃናትን ከም ዝረኣየ ተዛሪቡ ኣሎ።
ንሱ እቶም ብልጭታታት "ካብ ወርሒ ሃዲሞም ዝኸዱ" ይመስሉ ከም ዝነበሩ ሓቢሩ።
ክልተ ጠፈርተኛታት ጕዕዞ ኣፖሎ 17'ውን፡ ብ1972 ድሙቕ ብርሃናት ከም ዝረኣዩ ጸብጺቦም እዮም።
ጠፈርተኛ ጃክ ሽሚት፡ "ከም መዓልቲ ናጽነት እዩ ዝመስል ነይሩ!" ብምባል እቶም ብርሃናት ካብ በረድ ዘንጸባረቑ ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ገሊጹ።
ብተወሳኺ፡ ካብ ጕዕዞ ጠፈር ጀሚኒ-7 ብ1965 ዝተረኽበ ዝልሓዀ ድምጺ፡ ኣብ መንጎ ጠፈርተኛ ፍራንክ ቦርማንን ቍጽጽር መሬት ናሳን ዝተገብረ ዝርርብ ሒዙ ኣሎ።
ኣብ ጸጋማዊ ወገን ናይታ መንኰርኰር "ዘይተለለየ ዒላማ"ን "ትሪልዮናት ዝዀኑ ንኣሽቱ ብልጭታታት"ን ከም ዝረኣየ ጸብጺቡ።
ካብ ብርሃን ዝመጽኡ ዘንሳፍፉ ነገራት
ኣብ ሕቝፊ እዞም ንዓሰርተታት ዓመታት ዝተኣከቡ ጸብጻባት፡ ብውልቀሰባት ዝቐረቡ ብዛዕባ ዘይተለለዩ ተርእዮታት (UAPs) ዝገልጹ ዓሰርተታትሓበሬታታት ይርከቡዎም።
ብ1957 ብቤትጽሕፈት ፈደራላዊ ምርመራ (FBI) ቃለመሕትት ዝተገብረሉ ሰብኣይ፡ ሓደ ዓቢ ከቢብ ነገር ካብ መሬት ክለዓል ከም ዝረኣየ ተዛሪቡ ኣሎ።
ከምኡ'ውን ኣብ መስከረምን ጥቅምትን 2023፡ ዜጋታት ኣመሪካ ብድሙቕ ብርሃናት ኣቢሎም ዝመጽኡ ዘንሳፍፉ ሓጻውናዊ ነገራት ከም ዝረኣዩ ዝገለጽሉ ቃለመሕትታት ኣለዉ።
ወተሃደራዊ ትዕዝብትታት ኣብ ዒራቕ፡ ሶርያን ኢራማራትን
እዞም ሰነዳት፡ ብሰራዊት ኣመሪካ ብ2022 ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝተቐርጹ ቪድዮታት እውን ዝሓዙ እዮም።
ኣብ ዒራቕ፡ ሶርያን ኢማራት ዓረብን ዝተቐርጹ ቪድዮታት፡ ፔንታጎን "ዘይተፈትሐ ዘይተለለየ ተርእዮ፡" ኢሉ ዝጸውዖም ነገራት የርእዩ።
ኣብ 2022 ኣብ ሓደ ዘይተገልጸ ቦታ ማእከላይ ምብራቕ ዝተቐርጸ ቪድዮ፡ ሓደ ቅርጺ እንቋቝሖ ዘለዎ ነገር ካብ ጸጋም ናብ የማን ብቕጽበት ክንቀሳቐስ የርኢ።
ምስቲ ቪድዮ ኣብ ዝቐረበ ጸብጻብ፡ ነቲ ነገር፡ "ምናልባት ሚሳይል ክኸውን ይኽእል፡" ኢሉ ገሊጹዎ ኣሎ።
ሓገግቲ ኣካላት ኣመሪካ፡ "ተወሳኺ ሓበሬታ የድልየና"
ኣባል ኮንግረስ ቲም በርቸት፡ መንግስቲ ብዛዕባ ዘይተለለዩ በረርቲ ነገራት ዝያዳ ግልጹነት ክህሉዎ ብተደጋጋሚ ክጽውዕ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ቴንታጎን ነቲ ሰነዳት ምዝርግሑ ብምምጓስ፡ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ፡ "ጽቡቕ ጅማሮ፡" ኢሉዎ ኣሎ።
ካልእ ኣባል ኮንግረስ ኣና ፓውሊና ሉና'ውን እዞም ምስጢራት ክወጽኡ እትድግፍ ኰይና፡ እዚ ተበግሶ'ዚ፡ "ናብ ቅኑዕ ኣንፈት ዝወስድ ፈላማይ ዓቢ ስጕምቲ፡" ክትብል ንኢዳ።
ይዅን'ምበር፡ ኣባል ኮንግረስን መሻርኽቲ ዶናልድ ትራምፕን ዝነበረት ማርጆሪ ቴይለር ግሪን፡ ምዝርጋሕ እዞም ሰነዳት ንህዝቢ ካብቲ ኣገዳሲ ዝዀነ ጉዳያት ንምዝንጋዕ ዝተገብረ ፈተነ ምዃኑ ትገልጽ።
ተኸሲቶም ዘለዉ ወሰኽ ዋጋታትን ውግእ ኢራንን ንዝኣመሰሉ ጉዳያት ንምዕብላል ዝተገብረ እዩ ብምባል፡ "በዞም 'ነቲ ዘንጸባርቕ ነገር ርእየ' ዝብሉ መወዓዊዒታት ሰልክዩኒ ኣሎ፡" ክትብል ኣብ ኤክስ ጽሒፋ።












![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


