እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንምንታይ'ዩ 'ኮፍ ኣባህላ ኤስያውያን' ንጥዕናና ኣገዳሲ ዝብሃል ዘሎ?
ኣብ ቻይና፡ ጃፓን ብዓቢኡ ከኣ ኣብ መላእ ኤስያ ኮፍ ኣባህላ ኤስያውያን ዝብሃል መቐመጫኻ ኣብ መሬት ከይተንከፍካ ዅይጥ ኢልካ ኮፍ ምባል መዓልታዊ ዘዘውትርዎ ዓይነት ኮፍ ኣባህላ'ዩ።
ኣህዛብ እዛ ኣህጉር ከኣ መግቢ ክበልዑ፡ ኣውቶቡስ ይዅን ባቡር ክጽበዩ ይዅኑ ምስ የዕሩክቶም ከዕልሉ እዚ ኮፍ ኣባህላ ኣዝዮም'ዮም ዘዘውትርዎ።
ነዚ ኮፍ ኣባህላ በጻሕቲ ክፍትንዎ እንከለዉ ዘርኢ ቪድዮታት ከኣ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብብዝሒ ይዘዋወር ኣሎ።
እቶም ነዚ ኮፍ ኣባህላ ኤስያውያን ዝፈተኑ በጻሕቲ ከኣ ዝበዝሑ ንድሕሪት ገጾም ክወድቁ እንከለዉ፡ ገሊኦም ንጐድኒ ክወድቁ ተራእዮም ገለ'ውን ንኸይወድቁ መንደቕ ክድገፉ ተስተብሂሎም።
ክኢላታት ኣካላዊ ምንቅስቓስ፡ ነዚ ከምዚ ዓይነት ኮፍ ኣባህላ ምምላኽ ምስ ጥዕናና እንታይ ምትሕሓዝ ይህልዎ ዝብል ሕቶ ንኸልዕሉ ካብ ዝድርኾም'ውን ሓጺር ኣይገበረን።
ንምንታይ'ዮም ገለ ሰባት ነዚ ኮፍ ኣባህላ ኤስያውያን ብዘይጸገም ኮፍ ዝብልዎን ከይተሸገሩ ዝትስኡን ገለ ከኣ ትኽ ኢሎም ኮፍ ንምባል'ውን ዝጋደሉ?
ጥቕሚ ኮፍ ኣባህላ ኤስያውያን እንታይ'ዮም?
ኵይጥ ኢልካ ኮፍ ምባል [ኮፍ ኣባህላ ኤስያውያን ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘሎ] ሓደ ካብቶም ንኣካላትና ጠቐምቲ ዝዀኑ ኣካላዊ ምንቅስቓስ'ዩ።
ኣብ ዩኒቨርስቲ ደቡብ ካሊፎርንያ ክኢላ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ደቂ ሰባት ዝዀነ ፕሮፌሰር ክሪስቶፈር ፓወርስ "ኮፍ ምባል ከይመለኽካ ዝዀነ ነገር ክትገብር ኣይትኽእል ኢኻ፣ ኣብ ሰድያ ኮፍ ኢና ንብል፡ ኣብ መኪና ኮፍ ኢና ንብል፣ ኣብ ዓይኒ ምድሪ ኮፍ ኢና ንብል ካብ መሬት ዝኾነ ነገር ንኸነልዕል ድንን ወይ ኮፍ ኢና ንብል" ብምባል ከኣ ካብቲ ዝቐለለ ኮፍ ኣባህላ ይጅምር።
ዳርጋ ኵሉ ሰብ ኮፍ ይብል'ዩ፤ እቲ መብዛሕትና ኮፍ እንብሎ ግን ንኣብራኽና 90 ዲግሪ ዓጺፍና መቐመጫና እነቐምጠሉ ከም ሰድያ ዝኣመሰለ ነገር ንጥቐም ኢና።
እዚ ዓይነት ኮፍ ኣባህላ 'ኤስያውያን' ግን የእጋርና ግሕትን ኣቢለና፡ ኣፍ ልብና ንቕሚት ውጥር ኣቢልና ዳሕረዋይ ክፋል ሰለፍና ክሳብ ምስ ዳንጋና ዝላገብ ኢና ነብጽሖ፣ መቐመጫና ከኣ ኣብ መሬት ክትንክፍ የብሉን።
ክኢላ ምንቅስቓስ ኣካላት ኤስያዊ ኣመሪካዊ ማት ህሱ፡ ንኮፍ ኣባህላ ኤስያውያን ዘርኢ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ቪድዮ ምስ ዘርግሐ ሚልዮን ሰባት ነቲ ቪድዮ ተዓዚቦምዎ።
እንተዀነ እቲ 'ኮፍ ኣባህላ ኤስያውያን' [Asian squat] ዝብል ስም ንብዙሓት ከም ዘደናግሮም'ዩ ዝሕብር።
"ኣፍሪቃውያን እዚ ኮፍ ኣባህላ ናትና'ዩ እዮም ዝብሉ፣ ኣህዛብ ናይዘን ኣብ ምብራቕ ኣውሮጳ ዝርከባ ስላቪክ ተባሂለን ዝጽዋዓ ሃገራእ'ውን ነዚ ኮፍ ኣባህላ ናትና'ዩ እዮም ዝብልዎ፣ ስለዚ እዚ ኮፍ ኣባህላ ናይ ኤስያውያን ጥራይ ዘይኰነ ናይ ኵሉ ሰብ ኮፍ ኣባህላ'ዩ" ይብል።
ነዚ ናይ ኤስያውያን ኮፍ ኣባህላ ኣጸቢቕካ ንምምላኽ ኣብ ጎሎ፡ ኣብራኽን ዓንካር-ዓንካሪትናን ብዓቢኡ ከኣ ኣብ ናይ ዝበዝሓ ኣካላትና ዝያዳ ናይ ምንቅስቓስ ወይ ምትዕጽጻፍ ክእለት ክህለዋ ከምዘድሊ ክኢላታት ኣካላዊ ምንቅስቓስ ይሕብሩ።
ብዛዕባ እዚ ኮፍ ኣባህላ ምርምር ዘካየዱ ክኢላታት ከኣ ነዚ ኮፍ ኣባህላ እዚ ምምላኽ ጽቡቕ ናይ ኣካላት ምንቅስቓስ ንኽህልወካን ቃንዛ ሕቖ ንምጕዳልን ሓጋዚ ምዃኑ፡ ዋላ ዕድመ ምስ ደፋእና'ውን ብዘይ ናይ ሰብ ሓገዝ ክንንቀሳቕስ ከም ዝሕግዝ'ዮም ዝሕብሩ።
ቈልዑ ገለ ነገር ምስ ዝወድቈም በዚ ኮፍ ኣባህላ ኤስያውያን ዝበሃል ዓይነት ኮፍ ኣባህላ ኮፍ ኢሎም ነቲ ዝወደቘን ነገር ከልዕልዎ ኣይሽገሩን'ዮም።
እዚ ከኣ እቲ መላግቦ ኣካላቶም ፈኲስ ስለዝዀነን ጕዚ [ሬሾ] ቅርጺ ኣካላቶም'ውን ምስ ዓበይቲ ክነጻጸር እንከሎ ዝተፈለየ ስለዝዀነን'ዩ።
እናዓበና ክንከይድ እንከለና መሳርዕ ኣካላትና እናተለወጠ'ዩ ዝኸይድ፣ እዚ ኮፍ ኣባህላ እዚ ዘይንመልከሉ ምኽንያት ግን እዚ ጥራይ ኣይኰነን።
ኣነባበራና ሓደ ካብቲ ቀንዲ ረቋሒ'ዩ፡ ኣብ ሰድያ ኮፍ ንብል፡ ባዞ ናይ ዓይኒ ምድርና ብርኽ ዝበል ምስ ምዃኑ እኹላት ሰባት ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ከምዚ ናይ ኤስያውያን ኮፍ ኣባህላ ኮፍ ዝብልሉ ዕድላት ይውሕዶም'ዩ። ምስ ግዜ ከኣ ትርን ናይ ምንቅስቓስ ተኽእሎን ኣካላትና እናነከየ ይመጽእ።
ምንቅስቓስ ኣካላትና ንመጕዳእቲ ብርኪ ኣብ ምፍዋስ እንታይ ኣስተዋጽኦ ከምዘለዎ ምርምር ዘካየደ ፓወርስ "እንተዘይተጠቒምካሉ ክትስእኖ ኢኻ" ብምባል ኣካላትና ንዘይነዘውትሮ ነገር ክዕቕቦ ከምዘይክል የረድእ።
ንምንታይ'ዩ እዚ ኮፍ ኣባህላ ንኤስያውያን ቀሊል ኰይንሎም?
ኣብ ከም ብዓል ጃፓን ዝኣመሰላ ኤስያውያን ሃገራት፡ እዚ ከምዚ ዓይነት ኮፍ ኣባህላ ኣዝዩ ልሙድ ኰይኑ ንኣብነት ናብ ሓደ ቤት ብልዒ ከይድካ ፈጺሙ ሴድያ ዘይብሉ ኮይኑ ክጸንሓካ ይኽእል'ዩ።
ክኢላ ምንቅስቓስ ኣካላት ኤስያዊ ኣመሪካዊ ማት ህሱ ነዚ ክረድኡ እንከሎ "ብእግርኻ ናብቲ ቤት ብልዒ ትኸይድ፡ ጫማኻ ኣውጺእካ ኣብቲ ዝተዳለወ ምንጸፍ በዚ ኮፍ ኣባህላ ኤስያውያን ኮፍ ኢልካ ተመጊብካ ትወጽእ" ይብል።
"ኣብ ገለ ክፋል ኤስያ'ውን ባዞ ዘለዎ ዓይኒ ምድሪ የለን፣ መቐመጫኻ ኣብ ዳንጋኻ ኣደጊፍካ ኮፍ ብምባል ኢኻ ቀልቀል ትወጽእ፣ እዚ ከኣ ኣካላትና ነዚ ኮፍ ኣባህላ ንኽመልኮን ነኸይርስዖን ይሕግዞ'ዩ" ይብል።
ህሱ ምስ ቢቢሲ ን40 ደቂቕ ቃለ መሕተት ኣብ ዝገበረሉ እንትርፎ ንቅሩብ ዕረፍቲ ደው ዝበሎ እቲ ዝተረፈ ዅሉ ደቃይቕ በዚ ኮፍ ኣባህላ ኤስያውያን ኮፍ ኢሉ'ዩ ነቲ ቃለ መሕተት ወዲእዎ።
ነዚ ከምዚ ዓይነት ኮፍ ኣባህላ ምልማድ ኣገዳሲ ምዃኑ ብንጹር ካብ ናይ ወለዱ ተመኵሮ ከም ዝተመሃሮ ኸኣ የረድእ።
"ኣቦይ ሓደ ግዜ ካብ ከምዚ ዓይነት ኮፍ ኣባህላ ምትሳእ ስኢኑ ኣብ ስሚንቶ ምስ ወደቐ ክሳብ ኣንቡላንስ ጸዊዕና ናብ ሕክምና ንወስዶ ኢና ኴንና" ይብል።
ኣቦኡ መበቖሉ ዋላ ድኣ ካብዚ ከምዚ ዓይነት ኮፍ ኣባህላ ዝዝውተረሉ ኤስያ ይዅን'ምበር ወዲ 20 ዓመት ኣብ ዝነበረሉ ስፖርት እናሰረሐ መጕዳእቲ ስለዘጋጠሞ፡ ካብ መጕዳእቲ ንኽሓዊ ነቲ ኮፍ ኣባህላ ኤስያውያን ስለዝሓደጎ ምስ ዓበየ ዳግማይ ክለምዶ ከምዘይክኣለ'ዩ ዘረድእ።
"ኣነ'ውን ሓደ እዋን ኣካላተይን መላግቦይን ስለዝተኣሳሰረ ኮፍ ኢላለዓካሪቶይ ዘይትንክፈሉ እዋን ነይሩ'ዩ" ይብል።
ክኢላ ምንቅስቓስ ኣካላት ኤስያዊ ኣመሪካዊ ማት ህሱ፡ ከም ብሓድሽ ጽዑቕ ናይ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ብምግባር፡ ልክዕ ከምቲ ካልእ ዓይነት ስፖርት እዚ ኮፍ ኣባህላ ኤስያውያን ዳግማይ ክልመድ ከም ዝክኣል ንነብሱ ከም ኣብነት ብምቕራብ'ዩ ዝሕብር።
ከመይ ኢልና ነቲ ናይ ኤስያውያን ኮፍ ኣባህላ ንለማመዶ
ማት ህሱ፡ ነቶም ነዚ ኮፍ ኣባህላ እዚ ክላመዱ ወይ ክመልኩ ንዝደልዩ ሰባት፡ ቅድሚ ኣካላቶም ድሉው ምዃኑ ከይፍትንዎ'ዩ ዝመክር።
"ተጓይና ነዚ ከምዚ ዓይነት ኮፍ ኣባህላ ኣይንፈትኖ ምኽንያቱ ኣካላትና በብቕሩብ ከየለማመድና ናብቲ ዝኸበደ ዓይነት ኣቓውማ እንተፈቲንና ገለ ክፋላ ኣካላትና ክንሃስዮ ንኽእል ኢና"
ነዚ ከምዚ ዓይነት ኮፍ ኣባህላ ንምልምማድ መጀመርታ ከም ሰድያ ዝኣመሰለ ነገር ተደጊፍናን ኣብ መጀመርታ ክሳብ እቲ ክንጻወሮ እንኽእል ቃንዛ ናይ ዳንጋ፡ ሕቖን ሰለፍን ጥራይ እናገበርና ክንለማመድ ከምዘለና'ዩ ዝምዕድ።
"ነዚ ኣብ ኣብ መዓልቲ እናደጋገምና ንውሑዳት ሰሙናት እንተ ተለማሚድናዮ ኣካላትና ካብኡ ንኣዕሊ ክምጠጥ ከምዝኽእል እናተፈለጠና ክኸይድ'ዩ"
እንተዀነ እዚ ዕድም እናወሰኽና ክንከይድ እንከለና ከምቲ መንእሰያት እንከለና እንገብሮ ምንቅስቓስ ቀሊል ዘይክኸውን ይኽእል'ዩ።
"ዕድመ እናወሰኽና ክንከይድን እንከለና፣ ኣብ ሕቘና፡ ኣብ ዓካሪቶና፡ ኣብ ጎሎናን ዘሎ መላግቦታት እናተረረ ስለዘይኸይድ እዚ ናይ ኤስያውያን ኮፍ ኣባህላ ቀሊል ዘይክኾነልና ይኽእል'ዩ" ይብል ፓወርስ።
ተመራመርቲ እዚ ናይ ኤስያውያን ኮፍ ኣባህላ ኣብ ኵሉ ክሊ ዕድመ ንዝርከብ ሰብ ጠቓሚ ከምዝዀነ'ዮም ዝመኽሩ። ፓወርስ'ውን እዚ ንዅሉ ሰብ ከምኡ ኢልካ ክምከር ከምዘይብሉን ብፍላይ ከም ነባሪ ቃንዛ ብርኪ፡ ጎሎን ሕቖን ዘለዎም ሰባት ነዚ ከምዚ ዓይነት ኮፍ ኣባህላ ከዘውትሮ ከምዘይሎም'ዩ ዘጠንቕቕ።
"ኵሉ ሰብ ዝተፈላለየ ስለዝዀነ፡ ኣሐፊሽና እዚ ከምዚ ዓይነት ኮፍ ኣባህላ ንጥዕና ጠቓሚ እዩ ኢልና ክንድምድም ኣይንኽእል ኢና" ይብል ፓወርስ።
ፓወርስ ነዚ ከረድእ እንከሎ፡ ሓደ ሰብ ምሉእ ኣካላዊ ብቕዓት ሃልየዎ ነዊሕ ዓጽሚ ሰለፍ እንተሃልይዎ ወይ ምሉእ ኣካላዊ ብቕዓት ሃልይዎ ኣብ ዓንካሪኡ ግን ድልዱል እንተዘይኮይኑ ሚዛኑ ሓልዩ ከምዚ ናይ ኤስያውያን ኮፍ ኣባህላ ኮፍ ክብል ኣይክእልን'ዩ ይብል።
ክሳብ ሕጂ፡ እዚ ኮፍ ኣባህላ ቻይናውያን ምስ ዓበና ብዘይ ናይ ሰብ ሓገዝ ክንንቀሳቕስ ዘለዎ ኣስተዋጽኦ ዓሚቕ መጽናዕቲ ኣይተገበረሉን ዘሎ።
ክኢላ ምንቅስቓስ ኣካላት ኤስያዊ ኣመሪካዊ ማት ህሱ "ካብ ተመኵሮይ ተበጊሰ ክብሎ ዝኽእለ፡ ንምንቅስቓስ ኣካላትና ክንመልኮን፡ ንስሕበት ምድሪ ተጻዊርና ብዘይብርቱዕ ቃንዛ ወይ ብቐሊሉ ካብ ኮፍ ዝበልናዮ ብዘይሓገዝ ክንትስእ ምኽኣል'ዩ" ብምባል ይድምድም።