ዛዛሚ ጕዕዞ ናይታ ተሳፈርታ ብቫይረስ ዝተጠቕዑ መርከብ

ብቫይረስ 'ሃንታ' ካብ ዝተለኽፉ እቲ ቀዳማይ ካብ ዝመዉት ኣብ ወርሑ፡ እታ መርከብ መወዳእታኡ ኣብ ደሴታት ካናሪ ናብ ዝርከብ ቴነሪፍ በጺሓ ኣላ። ነታ መርከብ ኣብ ወደብ ግራናዲላ ንምቕባልን ልዕሊ 100 ሰባት ናብ ሃገሮም ንምምላስን ሰፊሕ ምድላዋት እዩ ክግበር ጸኒሑ።
ምኒስትሪ ጥዕና ስጳኛ ነዚ ሳሕቲ ዝርአን ብርቱዕ ዝዀነን ዓሌት ቫይረስ 'ኣንደስ' ንኸይላባዕ ዝግበር ዘሎ ዝተሓላለኸ ስጕምቲ "ዘይሕለል" ክብል ገሊጽዎ ኣሎ።
ኣብቲ ብጥንቃቐ ተሓሲብሉ ድሕነት ንምውሓዝ ዝግበር ዘሎ ስርሒት፡ 23 ሃገራት ዝሳተፋ ዘለዋ ኰይነን፡ ነቲ ሰበስልጣን ደሴታት ካናሪ ዝሓደሮም ስግኣት መልሲ ንምሃብ ዝዓለመ እዩ።
ምኒስተር ጥዕና ሞኒካ ጋርሲያ ብቐዳም ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ "እቲ ቫይረስ ናብ ህዝቢ ናይ ምልጋብ ተኽእሎኡ ትሑት እዩ፡" ክትብል ደጊማ ኣረጋጊጻ።
ቀጺላ፡ እቲ "ኣሉታዊ ወረታትን ምድንጋራትን ምስቲ መሰረታዊ መትከላዊ ዕማም ምክልኻል ጥዕና ህዝቢ ዝጋጮ እዩ፡" ኢላ።
ኣብቲ ኣብ ደቡባዊ ቴነሪፍ ዝርከብ ኢንዱስትሪያዊ ወደብ፡ ሰፊሕ ምድላዋት ተገይሩ ኣሎ።
ወተሃደራውያን ፖሊስ ስጳኛን ኣሃዱታት ህጹጽ ረድኤትን ዓበይቲ ዳሳት ተኺሎም ይጽበዩ ኣለዉ።
እታ መርከብ ሰንበት ንግሆ ሰዓት 07:00 ናብ ዝተዳለወላ ቦታ ምስ ኣተወት፡ ኣሃዱታት ሕክምና ናብታ መርከብ ብምድያብ ንዅሉ ተሳፋሪ ምርመራ ከካይዱ እዮም።
ክሳዕ ሕጂ ዘሎ ጸብጻብ ግና ካልእ ምልክት ሕማም ዘርኣየ ሰብ የሎን።
ተሳፈርቲ ብዜግነቶም ተመዲቦም ብንእሽቱ ጃላቡ ናብ ገምገም ባሕሪ ክጓዓዙ እዮም። ካብኡ ድማ ብዝተዳለዋ ነፈርቲ ናብ ሃገሮም ክምለሱ እዩ።
ምኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ከም ዝሓበሮ፡ ዓዲ እንግሊዝ፡ ኣመሪካን ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳን ነፈርቲ ሰዲደን ኣለዋ።
ስጳኛውያን ተሳፈርቲ ድማ ናብ ማድሪድ ብምኻድ ኣብ ወተሃደራዊ ሆስፒታል 'ጎሜዝ ኡላ' ክውሸቡ እዮም።
ሓላፊ ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ነቲ መስርሕ ምውራድ ተሳፈርቲ ንምክትታል ኣብ ቴነሪፍ ተረኺቡ ኣሎ።
ነቲ ሰበስልጣን ስጳኛ ዝወሰዱዎ "ጽኑዕን ውጽኢታውን ስጕምቲ" ድማ መጒሱ።
እዚ ሕማም'ዚ ምስ ሓደ ኣብ ኣርጀንቲና ዝርከብ መአከቢ ጓሓፍ ዝተሓሓዝ ኰይኑ፡ ብኣንጭዋ ዝመሓላለፍ እዩ። ብሰንኪ እዚ ቫይረስ ሰለስተ ካብ ተሳፈርቲ ናይታ መርከብ ህይወቶም ስኢኖም ኣለዉ።
ዶክተር ቴድሮስ ንህዝቢ ስጳኛ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ስግኣትኩም ርትዓዊ እዩ፤ ምኽንያቱ እቲ ብኮቪድ ዝሓደረና ስንባደ ገና ኣብ ኣእምሮና ኣሎ፡" ድሕሪ ምባል፡ ሕጂ ግና ባህርያት ናይዚ ቫይረስ ዝተፈልየ ስለ ዝዀነን መንግስቲ ስጳኛ ብግቡእ ስለ ዝተዳለወሉን ዝርግሐኡ ትሑት ምዃኑ ገሊጹ።
ኣብ ሆስፒታል ካንደላሪያ ዝርከቡ ክኢላታት ሕክምና ድማ ንኵሉ ነገር ድሉዋት ምዃኖም ኣፍሊጦም ኣለዉ። ሓላፊ ክፍሊ ጽኑዕ ሕክምና ዶክተር ማር ማርቲን፤ "እዚ ቫይረስ እዚ ቅድሚ ሕጂ ርኢናዮ ዘይንፈልጥ ይኹን፡ እንተዘይኰነ፤ ከም ዝዀነ ቫይረስ ብልዑል ስልጠና ክንቆጻጸሮ ንኽእል ኢና" ክትብል ተዛሪባ።
ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ወደብን ነበርትን መጀመሪያ ገለ ስግኣታትን ተቓውሞታትን ኣርእዮም ነይሮም እዮም። ሕጂ ግና ዝያዳ ምርድዳእን ህድኣትን ሰፊኑ ኣሎ። ገለ ሰባት ነቲ መንግስቲ ማድሪድ ዝወሰዶ ፖለቲካዊ ውሳነ እኳ እንተተቓወሙ፤ እቲ ቍጠባዊ ጸቕጥን ናይ ጥዕና ስግኣትን ብጥንቃቐ ክተሓዝ ተስፋ ይገብሩ።
ካብታ መርከብ ኵሉ ሰብ ኣይኰነን ዝወርድ፤ 30 ዝዀኑ ሰራሕተኛታት መርከብ ነታ መርከብ ናብ ኔዘርላንድ ንምምላስ ኣብ ውሽጣ ክጸንሑ እዮም። ንመብዛሕትኦም ተሳፈርቲ ግና እቲ ንሳምንታት ዝቐጸለ ናይ ፍርሒ ጕዕዞ ኣብ ባሕሪ ኣብ መወዳእታ በጺሑ ኣሎ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


