ኢትዮጵያ፡ ሕቡራት ሃገራት ጽልዋ 'ኤል ኒኖ' ንምክልኻል 50 ሚልዮን ዶላር ሓቲቱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ትካል መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ተርእዮ 'ኤል ኒኖ' ንዘጋጥም ደርቅን ዕልቕልቕ ማይን ንምምካት፡ ህጹጽ ናይ 50 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ክወሃብ ጸዊዑ።
እቲ ትካል ብሰኑይ 10 ነሓሰ 2026 ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ እቲ ሓገዝ ካብ ሰነ 2026 ክሳብ መጋቢት 2027 ንዘሎ እዋን ዝዓለመ ኰይኑ፡ ን4.66 ሚልዮን ዝዀኑ ተጸበይቲ ሓገዝ ንምድጋፍ ዝዓለመ እዩ።
እዚ ጻውዒት ዝቐርብ ዘሎ፡ ብደረጃ ዓለም ተርእዮ ኤል ኒኖ ክሳብ መወዳእታ 2027 ንተወሰኽቲ 49 ሚልዮን ሰባት ንኸቢድ ጥሜት ከቃልዕ ከም ዝኽእል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘጠንቀቐሉ እዋን እዩ።
ፕሮግራም መግቢ ዓለም ከም ዝገለጾ፡ እዚ ተርእዮ'ዚ ኣብ 45 ናብ ሓደጋ ዝተቓልዓ ሃገራት ዘሎ ብዝሒ ተጸበይቲ ረድኤት ብ22 ሚእታዊት ብምውሳኽ ናብ 274 ሚልዮን ከብጽሖ ይኽእል እዩ።
ግዝያዊ ዳይረክተር እቲ ትካል ካርል ስካው ነቲ ኵነታት ክገልጽ ከሎ፡ "ኤል ኒኖ ነቶም ድሮ ኣብ ተነቃፊ ኵነታት ዘለዉ ሚልዮናት ሰባት ዓቢ ስግኣት እዩ፡" ኢሉ።
ዝተጐድኡ ከባቢታትን ሰብኣዊ ሳዕቤናትን
ኢትዮጵያ ብሰንኪ ተደጋጋሚ ለውጢ ኵነታት ኣየርን ግጭታትን ጸገም ውሕስነት መግቢ የጋጥማ ከም ዘሎ ዘመልከተ እቲ ጸብጻብ፡ እቲ ኵነታት ኣብታ ሃገር ዘሎ ውሕስነት መነባብሮን ቍጠባዊ ዓቕሚ ስድራቤታትን ይብሕጕጎ ከም ዘሎ ኣገንዚቡ።
ብፍላይ እቲ ልዕሊ 70 ሚእታዊት ሃገራዊ ፍርያት ዝሽፍን ዓውዲ ሕርሻ ኣብ ዓቢ ስግኣት ወዲቑ ይርከብ።
እቲ ጸብጻብ ከም ዝሓበሮ፡ "ማእከላይ ክፋል እታ ሃገር፡ ሰሜን፡ ሰሜናዊ ምብራቕን ምብራቕን ዝርከቡ ከባቢታት ዝናብ ክረምቲ ስለ ዝሓጸሮም፡" እቲ ጸገም ክጋደድ እዩ።
ብኣንጻሩ ድማ ኣብ ደቡብን ደቡባዊ ምብራቕን ቆላታት ኢትዮጵያ ከቢድ ዝናብን ዕልቕልቕን ከጋጥም ከም ዝኽእል ተገሚቱ ኣሎ።
እዚ ስግኣት'ዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝያዳ ዝኸብድ ዘሎ፡ ብሰንኪ ዝቐጸለ ዘይርጉእ ጸጥታን ምስ ሸርፊ ባጤራ ተተሓሒዙ ዝመጽአ ናህሪ መነባብሮን ተወሲኹዎ እዩ።
ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ኣብ ክልል ትግራይ፡ ብሰንኪ ተኸታታሊ ግጭታት ሕርሻዊ ወቕትታት 21 ወረዳታት ኣብ ትሕቲ ከቢድ ስግኣት ጥሜት ከም ዝርከብን 2.45 ሚልዮን ሰባት ህጹጽ ናይ መግቢ ሓገዝ ከም ዘድልዮምን ይፍለጥ።
ጽልዋ እቲ ደርቂ ድሮ ክርአ ከም ዝጀመረ ዘመልከተ ጸብጻብ ትካል መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ከባቢ ያቐር (ክልል ዓፋር) ጥራይ ብሰንኪ ሕጽረት ማይን መግቢ ጥሪትን ልዕሊ 18,000 ከብቲ ሙማተን ይግለጽ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን 40 ሚእታዊት ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም ቈልዑ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ሕጽረት መግቢ ዕብየቶም ዝተዓናቐፈ ኰይኑ፡ እዚ ሓዱሽ ሓደጋ ነቲ ኵነታት መሊሱ ከጋድዶ ይኽእል እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዝውሰዱ ዘለዉ ስጕምቲታት
ትካል መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ 114 ወረዳታት ዘተኰረ ስጕምቲ ንምውሳድ መደብ ኣውጺኡ ኣሎ።
እቲ ትካል ነቲ ጸገም ንምምካት ኣብ ክልላት ትግራይ፡ ዓፋር፡ ኣምሓራ፡ ሶማሌ፡ ደቡብ ኢትዮጵያን ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያን ቀዳምነት ሂቡ ክሰርሕ እዩ።
እቲ መደብ ኣብ ክልተ ኣውራ ክፍልታት ዝተመቕለ እዩ። እቲ ቀዳማይ 'ቅድመ-ጥንቃቐ' ዝብል እዩ።
እዚ ን2.03 ሚልዮን ሰባት ዝዓለመ ኰይኑ፡ ክታበት ጥሪትን ሕክምናን፡ ምዕዳል መግቢ ጥሪት፡ ደርቂ ዝጻወሩ ኣዝርእቲ ምቕራብን ንጽጉማት ስድራቤታት ቀጥታዊ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ምሃብን የጠቓልል።
ካርል ስካው ከም ዝገለጾ፡ "ስድራቤታት ንእዋናዊ ለውጢ ከባቢ ኣየር ንምምካት ኣቐዲሞም ክዳለዉ ምስ እንሕግዞም፡ ህይወት ናይ ምድሓንን መነባብሮ ናይ ምክልኻልን ዓቕምና ክዓቢ እዩ።"
እቲ ካልኣይ ክፋል ናይቲ መደብ ድማ 'ቅልጡፍ ምላሽ' ዝብል ኰይኑ፡ ን2.63 ሚልዮን ሰባት ንምድጋፍ ዝዓለመ እዩ። እዚ ድማ ዝተጐድኡ መሰረተ-ልምዓታት ሕርሻን መስኖን ምጽጋን፡ ከምኡ'ውን ንዝመዛበሉ ስድራቤታት ናይ 8 ክሳብ 11 ኣዋርሕ መግቢ ዝሽፍን ናይ ሕርሻ እታዋት ምቕራብ የጠቓልል።
ትካል መግቢን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ሕርሻን ጥሪትን ዝግበር ኣቐዲምካ ዝወሃብ ወፍሪ ኣዝዩ ውጽኢታዊ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ "ኣብዚ ዓውዲ ንዝወፍር ነፍሲ ወከፍ ሓደ ዶላር፡ ካብ 3 ክሳብ 7 ዶላር ዝግመት ረብሓ፡" ከም ዘውህብ ገሊጹ።
ስለዝዀነ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ጻውዒት ህጹጽ ምላሽ ክህበሉ ጸዊዑ።















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)



