ብሪጣንያ፡ ስልጣኑ ዝለቐቐ ሰር ኬር ስታመር መን እዩ?

ምንጪ ስእሊ, PA MEDIA
ሰልፊ ዕዮ መሪሑ፡ ኣብ ሓምለ 2024 ኣብ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ መረጻ ዓባይ ብሪጣንያ ብዝለዓለ ድምጺ ቀዳማይ ምኒስተር ዝዀነ ሰር ኪር ስታርመር ስልጣን ሰልፊ ዕዮን መንግስትነትን ከም ዝሓደገ ብወግዒ ኣፍሊጡ።
ሰር ኬር፡ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ኣቢሉ፡ ነቲ ተሪር ጸጋማዊ ፖለቲከኛ ጀረሚ ኮርቢን ተኪኡ መራሒ ሰልፊ ዕዮ ብምዃን፡ እቲ ሰልፊ ዝያዳ ተቐባልነት ንኽረክብ ሓያል ጻዕሪ ከካይድ ጸኒሑ።
ሰልፊ ዕዮ ስልጣን ካብ ዘይሕዝ 14 ዓመታት እዩ ተጸብዩ ነይሩ።
ህይወት ቅድሚ ፖለቲካ
ሕጊ ተማሂሩ ጠበቓ (ባሪስተር) ብምዃን ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሒ ዘገልግል ዝነበረ ሰር ኪር፡ ኣብ 50ታት ዕድመኡ’ዩ ኣባል ባይቶ ኰይኑ። እቲ ካብ ንእስነቱ ኣብ ፖለቲካ ተገዳስነት ዝነበሮ ኪር ኣኽራሪ ጸጋማዊ መርገጺ እዩ ነይሩዎ።
ኣብ 1962 ካብ ሰራሕተኛታት ስድራ ቤት ኣብ ለንደን ዝተወልደ ኪር፡ ምስ ኣርባዕተ ኣሕዋቱ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ዓዲ እንግሊዝ ሳሪይ ኣብ ዝበሃል ከባቢ’ዩ ዓብዩ። ኣቦኡ ሰራሕተኛ ፋብሪካ፡ ኣደኡ ከኣ ኣላይት ሕሙማን ነርስ ነይራ።
ስድራቤቱ ጽኑዓት ደገፍቲ ሰልፊ ዕዮ እዮም ነይሮም። ሰር ኪር ብስም እቲ ኣብ ዕደና ዝሰርሕ ዝነበረ ቀዳማይ መራሒ ሰልፊ ዕዮ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ስኮትላንዳዊ ኪር ሃርዲ’ዩ ተሰይሙ።
ናብራ ስድራቤቱ ቀሊል ኣይነበረን። ኣቦኡ ስቕተኛን ናብ ሰብ ዘይሕወስን እዩ ነይሩ። ኣደኡ ከኣ መብዛሕትኡ ህይወታ “ስቲልስ” ብዝበሃል ብብርቱዕ ረስኒ ዝኽሰት ንስርዓተ ምክልኻል ዘጥቅዕ ሕማም ትሳቐ ነይራ።
ኣብ መወዳእታ ድማ ብሰንኪ እቲ ሕማም ክትዛረብን ክትንቀሳቐስን ኣብ ዘይትኽእለሉ ደረጃ በጺሓ እግራ እውን ተቘሪጻ።
ሰር ኪር ስታርመር ወዲ 16 ዓመት እንከሎ'ዩ ናብቲ ኣብ ከባቢኡ ዝርከብ ጨንፈር መንእሰያት ሰልፊ ዕዮ ተጸንቢሩ። ንእተወሰነ እዋን ድማ ‘ሶሻሊስት ኦልተርናቲቭስ’ ንዝተበሃለት ኣኽራሪ ጸጋማዊት መጽሔት እውን ኣርታዒ ኰይኑ ኣገልጊሉ።
ካብ ስድራቤቱ ኪር ስታርመር እዩ ፈለማ ናብ ዩኒቨርሲቲ ኣትዩ። ኣብ ዩኒቨርሲታት ሊድስን ኦክስፎርድን ድማ ሕጊ ተማሂሩ።
ብድሕሪ’ዚ ጠበቓ ኰይኑ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ይነጥፍ ነይሩ። ኣብዚ ሞያኡ ድማ ኣብ ሃገራት ካሪብያንን ኣፍሪቃን ፍርዲ ሞት ንኽስረዝ እውን ተቓሊሱ።
ኣብ 1990ታት፡ ነቲ ኣብ ዓለም ዓቢ ዝርጋሐ ዘለዎ ማክዶናልድስ ብጸለመ ንዝኸሰሱ ክልተ ተጣበቕቲ ኣከባቢ (ኢኮ-ኣክቲቪስታት) ወኪሉ ነይሩ።
ኣብ 2008 ሰር ኬር፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝን ዌልስን ዳይረክተር ኣኽባሪ ሕጊን ሓላፊ ዘውዳዊ ኣገልግሎት ኰይኑ፤ ካብ 2013 ክሳብ፡ ኣብ 2014 ‘ሰር’ ዝብል ማዕረግ ዝሽለም ሰሪሑ።
ብኸመይ’ከ መራሒ ሰልፊ ኰይኑ?
ሰር ኪር ስታርመር ኣብ 2015 ኣብ ለንደን ንሆልቦርንን ሴንት ፓንክራስን ወኪሉ ኣባል ባይቶ ኰይኑ።
ካብ 2010 ኣትሒዙ ሰልፊ ዕዮ ብሪጣንያ በቲ ተሪር ጸጋማዊ ፖለቲከኛ ብጀረሚ ኮርቢን ይምራሕ ነይሩ። ንኪር ከኣ ኣብ ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ከም ‘ሻዶው ምኒስተር’ መዚዙ፡ ንከም ኢምግሬሽን ዝኣመሰሉ ፈጻሚ ትካላት መንግስቲ ብጥንቃቐ ክከታተል ሓላፍነት ሂብዎ።
ዓባይ ብሪጣንያ፡ ብድምጺ ህዝበ ውሳነ፡ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ክትወጽእ ድሕሪ ምውሳና፡ ኪር ስታርመር ‘ሻዶው ሰክረታሪ’ “ብሪግዚት!” ኰይኑ። ነቲ ሓላፍነት ተጠቒሙ ድማ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ንኻልኣይ ሳዕ ረፈረንደም ንኽካየድ ክደፍእ ፈቲኑ ነይሩ።
ኪር ስታርመር፡ ኣብ 2019 ዝተኻየደ ሓፈሻዊ መረጻ መራሒ ሰልፊ ዕዮ ክኸውን ዕድል ነይሩዎ። እንተዀነ ኣብቲ መረጻ፡ ካብቲ ኣብ 1935 ዘጋጠሞ ዝኸፍአ ስዕረት ስለዝተጐልበበ ጀረሚ ኮርቢን ካብ ስልጣኑ ንኽወርድ ኣገዲድዎ።
ሰር ኪር ስታርመር ንኩባንያታት ጸዓትን ማይን ብምህጋር ንተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ናጻ ዕድል ትምህርቲ ከምዝህቦም ብምጥባቕ መራሕ እቲ ሰልፊ ኰይኑ ተዓዊቱ።
ጀረሚ ኮርቢን ንሰልፊ ዕዮ ኣብ መንጐ ጸጋማውያንን ማእከላይ መርገጽን (ሞደረይትን) ስለዝገምዖ እቲ ሰልፊ ውህደት ክፈጥር ከምዝደሊ ተዛሪቡ። ይዅን እምበር “ኣኽራርነት” ሚስተር ኮርቢን ክዕቅብ ከምዝደሊ ተዛሪቡ። ነቶም ነቲ ሰልፊ "ናብ ማእከል ከቕርቡዎ" ዝሓስቡ ሰባት ግን ኣጠንቂቑ።
ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ከኣ ኪር፡ ብሰንኪ’ቲ ኮርቢን መራሒ ሰልፊ ዕዮ እንከሎ ብዝተላዕለ ጸረ-ሴማውነት ምትህልላኽ ንጀረሚ ኮርቢን ካብቲ ሰልፊ ኣጊዱዎ።
ብዙሓት ጸጋማውያን ናይቲ ሰልፊ፡ ስታርመር፡ ንነዊሕ እዋን፡ ነቶም ማእከላይ መርገጽ ዘለዎም ኣባላት ጥራይ ንሕጸ ባይቶ ዕድል ንክረኽቡ ክሰርሕ ከምዝጸንሐ ይገልጹ።
ሰር ኪር ስታርመር መርገጺኡ እንታይ’ዩ?
ንሱ ንመሪሕነት ኣብ ዘካየዶ ጎስጓስ ዝበሎ ብዘየገድስ፡ እቲ ሰልፊ ዝያዳ ተቐባልነት ንኽረክብ ማእከላይ መርገጺ ክሕዝ ሰሪሑ እዩ።
ነቲ ድሮ ደኺሙ ዝጸንሐ ቍጠባ ዓባይ ብሪጣንያ ዘዳኽም ዓበይቲ ወጻኢታት ዝሓትት ሓያሎ ፖሊሲታት ብምግዳፍ፡ ውሑዳት ሱር በተኻዊ ውጥናት ጥራይ ከምዝቕጽሉ ገይሩ።

ምንጪ ስእሊ, PA Media
ምህጋር
ሰር ኪር ስታርመር ቅድሚ ሕጂ ንኩባንያታት ጸዓትን ማይን ንምህጋር ዘቕረቦም እማመታት ስሒቡዎ እዩ።
ይዅን እምበር፡ ዳርጋ ኵለን ህዝቢ ዘመላልሳ ባቡራት ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት ናብ ህዝባዊ ዋንነት ተመሊሰን ኣብ ትሕቲ ዓቢ ብሪጣንያዊ ምድሪ ባቡር ዝተባህለ ሓድሽ ኩባንያ ከምዝመሓደር ቃል ኣትዩ።
ትምህርቲ
ኪር ስታርመር፡ ቅድሚ ሕጂ ናይ ተምሃሮ ኮሌጅ ክፍሊት ክስርዝ ኣትዩዎ ንዝነበረ ቃል፡ መንግስቲ ክኸፍሎ ከምዘይኽእል ብምግላጽ ነቲ ሓሳብ ስሒቡዎ።
"ኣብ ድሩት ፋይናንሳዊ ኵነታት ስለእንርከብ፡ ነቲ ቃል ናይ ዘይምኽባር ተኽእሎ ኣሎ" ክብል ኣብ ወርሒ ግንቦት 2024 ንቢቢሲ ተዛሪቡ ነይሩ።
ይዅን እምበር፡ ሰልፊ ዕዮ ንናይ ብሕቲ ኣብያተ ትምህርቲ ብሪጣንያ ተወሳኺ ግብሪ (ቫት) ከኽፍል ከምዝኰነ ተዛሪቡ።
ክሊማዊ ኵነታት
ሰልፊ ዕዮ ኣብ 2021፡ ኣብ ዓመት 35 ቢልዮን ዶላር ኣብ ፕሮጀክትታት ሓምላይ ጸዓት ከምዘውዕል ዝኣተዎ መብጽዓ'ኳ እንተሰሓበ፡ ኣብ ከም ምህናጽ ተሓዳሲ ምንጪ ጸዓት ንፋስን ከምኡ’ውን ምምዕባል ብኤሌክትሪክን ባትርን ዝሰርሓ ተሽከርከር ዘፍርያ ፋብሪካታት ምሕያል ኣብ ዝብል እማመታት ግን ቃሉ ኣጽኒዑ'ዩ።
እዚ ምቅይያር እዚ ከኣ ዓቃባዊ ሰልፊ፡ “ሰልፊ ዕዮ ካብቲ ቀንዲ ከተግብሮ እየ ዝበሎ ፖሊሲታት ይስሕብ” ኣሎ ዝብል ተሪር ነቐፌታ ኣስዒቡሉ ይርከብ።
ኣብ ቀረባ እዋን ሰር ኪር ስታርመር ብመንገዲ ጂቢ ኢነርጂ ዝተባህለ ሓድሽ ኩባንያ ኣቢሉ፡ 8 ቢልዮን ፓውንድ ኣብ ሓምላይ ጸዓት ከምዘውፍርን፤ ኣብ 2030 ናይ ነዳዲ ጸዓት ዳርጋ ምሉእ ብምሉኡ ካብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዓባይ ብሪጣንያ ከም ዝወጽእ ቃል ኣትዩ።
ብዙሓት ክኢላታት ግን ሰልፊ ዕዮ ከምቲ ዝበሎ ክፍጽም ከምዘይኽእል ክነቕፉ ጸኒሖም እዮም።
እስራኤልን ቓዛን
ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2023 ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ድሕሪ ምክያዱ፡ ሰር ኪር ነቲ እስራኤል ኣብ ቃዛ ዝፈጸመቶ ስርሒታትን መሰል ርእሰ-ምክልኻልን ደጊፉ እዩ።
እዚ ከኣ ኣብ ብዙሓት ደገፍቲ ፍልስጤም ዝዀኑ መረጽቲ ቍጥዐ ፈጢሩ። ኣብ ክንድኡ ብቕልጡፍ ተዅሲ ደው ክብል ዝጸውዑ ዓሰርተታት ኣባላት ባይቶ ሰልፊ ዕዮ ነቐፌታን ተቓውሞን ገጢሙዎ።
ይዅን’ምበር ኣብ ለካቲት 2024 ግን፡ "ነዊሕ ዝጸንሕ ምቍራጽ ተኹሲ እዩ ክግበር ዘለዎ" ክብል ድምጹ ከምዘስምዐ ይዝከር።
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ዝርከቡ 52 ሚእታዊት ሰባት፡ ሰር ኪር ንጉዳይ እስራኤልን ቓዛን ዝርእየሉ ኣገባብ ሕማቕ ከምዝመስሎም ዩጋቭ ኣብ መጋቢት 2024 ዘካየዶ ዳህሳስ ርእይቶ ህዝቢ የመልክት።
ሰር ኪር ስታርመር፡ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ የመን ኣብ ዝርከቡ መደበራት ሑቲ ደብዳብ ምፍጻማ’ውን ደጊፉ’ዩ።
ኤውሮጳ
ኣብ 2019 ሰር ኬር ብሪጣንያ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ክትወጽእ ኣለዋ ድዩ የብላን ኣብ ዝብል ካልኣይ ረፈረንደም ክካየድ ደፊኡ ነይሩ።
ሕጂ ግን ብዛዕባ ብሪግዚት ንድሕሪት ምምላስ ከምዘየለ እኳ እንተገለጸ፡ ኣብ ከም ደረጃታት መግቢ፡ ኣከባቢያዊ ኵነታትን ሰራሕተኛታትን ዝኣመሰሉ ጉዳያት ምስ ሕብረት ኤውሮጳ ሓድሽ ናይ ምትሕብባር ስምምዓት ንምፍጣር ጽዒሩ።

‘ስዕረት ኣይፈቱን’የ’
ሰር ኪር ስታርመር፡ ብዙሕ ግዜ ተቓወምቱ ዘሰልኪ ሰብ’ዩ ክብሉ ይገልጽዎ።
ንሱ ግን ንነብሱ ከም ተጣባቒ ሕግታት ገይሩ እዩ ዝርእያ። ስለዝዀነ ገሊኦም መሳርሕቱ “ሚስተር ሩልስ” (ኣይተ ሕግታት) ዝብል ሳጓ ኣልጊቦምሉ ኣለው።
ሰር ኬር፡ ኣብ ህይወቱ ሓንሳብ ጥራይ እዩ ሕጊ ጥሒሱ። መንእሰይ እንከሎ ብዘይ ፍቓድ ንግዲ ኣይስክሪም ክሸይጥ ብፖሊስ ተታሒዙ። እቲ ኣይስክሪም ተሃጊሩ፡ ካልእ ተወሳኺ ስጕምቲ ግን ኣይተወሰደን።
ኣብ ቃለ መሕትታት ብዛዕባ ስብእነቱ ብዙሕ ሓበሬታ ኣይህብን፡ እንተዀነ ግን ተወዳዳሪ መንፈስ ከምዝውንን ይንገር።
"ስዕረት ኣይፈቱን’የ፤ ገሊኦም እቲ ተሳትፎ’ዩ ኣገዳሲ ይብሉ። ኣነ ግን ምስቶም ከምኡ ዝብሉ ኣይኰንኩን" ክብል ንጋዜጣ ጋርድያን ዓባይ ብሪጣንያ ምግላጹ ዝዝከር’ዩ።
ሰር ኪር ኣብ 2007 ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ምስ እትሰርሕ ቪክቶርያ ኣሌክሳንደር ሓዳር መስሪቱ። ክልተ ቈልዑ ድማ ኣለውዎም።
ኣብ ኵዕሶ ኣብ ቍጽሪ ሓሙሽተ ብምጽዋት ይዛነ፤ ካብኡ ብተወሳኺ ከኣ ንጋንታ ኣርሰናል ይድግፍ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
