380 ቮልት ሓይሊ ዘለዎ ጓንቲታት ኣባላት ኢምግረይሽን ኣመሪካ ስግኣት ፈጢሩ

ምንጪ ስእሊ, Compliant Technologies
ኣብ ኣመሪካ፡ ኣባላት ፈጻሚ ሕጊ ኢምግረይሽንን ጉምሩክን (ICE) ስርሖም ኣብ ዘሰላስልሉ እዋን፡ ብኤለክትሪክ ዘሰንብድ ሓይሊ ንዝረት ዘለዎ ጓንቲታት ክዕጠቑ ከም ዝኽእሉ ተገሊጹ።
ምኒስትሪ ድሕነት ሃገር ነዚ 'Generated Low Output Voltage Emitter' (GLOVE) ዝተሰምየ መሳርሒ ንምዕዳግ ክሳብ 20 ሚልዮን ዶላር ንምውጻእ ይሓስብ ኣሎ።
እዚ ጓንቲታት'ዚ ክሳብ 380 ቮልት ሓይሊ ኤለክትሪክ ከሕልፍ ዝኽእል ኰይኑ፡ ካብቲ ኣብ ኣባይቲ ኣመሪካ ዘሎ ንቡር መውጽኢ ኤለክትሪክ ብሰለስተ ዕጽፊ ዝያዳ ሓይሊ ከም ዘለዎ ይንገር።
ማሕበር ስቪላዊ መሰላት ኣመሪካ (ACLU) ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ወገናት፡ እዚ መሳርሒ ኣብ ግብሪ ክውዕል ምሕሳቡ ስግኣቶም ይገልጹ ኣለዉ።
እዚ ትካል ኢምግረይሽንን ጉምሩክን ኣብዚ ቀረባ ግዜ ብዘጋጠሙ ቀተልቲ መጥቃዕትታት ኰነ ንሰባት ንምሓዝ ዝጥቀመሉ ስልትታት፡ ድሮ ብርቱዕ ነቐፌታ ክቐርበሉ ጸኒሑ እዩ።
ምኒስትሪ ድሕነት ሃገር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ትካል ኢምግረይሽንን ጉምሩክን ነቶም ገበነኛታት ዝዀኑ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ብውሕስነት ንምሓዝን ካብ ሃገር ንምውጻእን ዘድልዮም መሳርሒታት ንምቕራብ፡ ቀጻሊ ገምጋም የካይድ ኣሎ፡" ኢሉ።
እዚ ብሓንቲ መልጐም ጥራይ ብምጽቃጥ ዝሰርሕ ጓንቲታት፡ ኣብ ካልኢት ክሳብ 30 ናይ ኤለክትሪክ ማዕበላት (pulses) ክሰድድ ይኽእል።
ውሽጣዊ ማይክሮፕሮሰሰር ስለ ዘለዎ ድማ መዓስን ከመይን ከም ዝተጠቐምሉ መዝጊቡ ይሕዝ።
ይዅን'ምበር፡ እቲ መሳርሒ ኣብ ልዕሊ ኣረጋውያን፡ ህጻናት፡ ነፍሰ-ጾራትን ከቢድ ናይ ኣካል ጉድኣት ዘለዎምን ሰባትን ንኸይዝውተር መጠንቀቕታ ተዋሂብሉ ኣሎ።
እዚ መሳርሒ ካብቲ ኣብ ቆርበት ተሰዂዑ 50,000 ቮልት ዝሰድድ 'ተይዘር' ብዝተፈለየ፡ ኣብ ውሽጢ ኣካል ሰብ ዑደት ኤለክትሪክ ኣይፈጥርን እዩ።
ኣብ ክንድኡ፡ ብመሪር ቃንዛ ኣቢሉ ነቲ ሰብ መምርሒታት ንኽእዘዝ ዝድርኽ እዩ።
ሓደ ሓላፊ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዘካፈሎ ተመኵሮ፡ "እቶም እሱራት እቲ መሳርሒ ክውላዕ ከሎ ዘርእዮ ብርሃን ምስ ረኣዩ ጥራይ እኳ ክእዘዙ ይኽእሉ እዮም፡" ብምባል እቲ መሳርሒ ዘለዎ ጸላዊ ዓቕሚ ገሊጹ።
ምኒስትሪ ድሕነት እታ ሃገር ከም ዝገለጾ፡ እዚ ጓንቲታት እዚ ብሰበ-ስልጣን ኢምግረይሽንን (ERO) ብኣባላት መርመራ ውሽጣዊ ድሕነትን (HSI) ክዝውተር እዩ።
እዚ ትካል፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዘውጽኦ ናይ ምስጓግ መደብ ንምትግባር፡ መዓልታዊ ናይ ምእሳር ዕላማኡ ንምምላእ ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ይርከብ።
ምኽትል ዳይረክተር ፖሊሲ ACLU ጄን ሮልኒክ ቦርቸታ፡ ኣባላት ኢምግረይሽንን ግምሩክን ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዘካየድዎም ስርሒታት ቀተልቲ ስጕምቲታት ክወስዱ ከም ዝጸንሑ ብምዝኽኻር፡ "እዚ ሰባት ብዘይኣስተውዓልሉ ኣገባብ ቃንዛ ዘስዕብ መሳርሒ ምዕጣቖም፡ ንህዝቢ ዝያዳ ጉድኣት ዘስዕብን ንተሓታትነት ድማ ዝዕንቅፍን እዩ፡" ክትብል ስግኣታ ገሊጻ።















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)



