ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ዝፈርዩ ዘለዉ ናይ ሓሶት ኣፋውስ ስግኣት ኣፍሪቃውያን

Published
ውድብ ጥዕና ዓለም ነዞም ደረጅኦም ዘይሓለዉን ናይ ሓሶትን ኣፋውስ ምጥቃም ኣዝዩ ዝኸፍአ ጎናዊ ሳዕቤን ከምዝህልዎ ኣጠንቂቑ'ዩ።
ኣብቲ ዕዳጋ ዘሎ ክፍተት ከም ኣጋጣሚ ብምጥቃም ኣብ ኣፍሪቃ ዝፈርዩ ናይ ሓሶት ኣፋውስ ብዝለዓለ መጠን ይሽየጡ ምህላዎም ቢቢሲ ብዝገበሮ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ'ሎ።
ነዚ ኩነታት ዝተዓዘበ ሓደ በዓል ሞያ ሕክምና "ጎኒ ንጎኒ እዚ ቫይረስ እዞም ደረጅኦም ዘይሓለዉን ናይ ሓሶትን መድሓኒት ከዕለቕልቑና እዮም" ክብል ስግኣቱ ገሊጹ።
መላእ ዓለም ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ናብ ስግኣት ኣብ ዝኣተወሉ እዚ እዋን ብዙሓት ሰባት ኣገደስቲ ዝበሃሉ መድሓኒታት ብብዝሒ ክገዝኡ ጀሚሮም ኣለዉ።
ኣብ ዓለም ብዝለዓለ መጠን ኣፋውስ ዘፍርያ ሃገራት ቻይናን ህንድን ዶባተን ምዕጻወን ከኣ ዓብዪ ክፍተት ፈጢሩ ይርከብ።
ጠለብን ቀረብን ክመጣጠን ዘይምኽኣሉ ድማ'ዩ ነቶም ናይ ሓሶት ኣፋውስ ዕድል ክፈጥረሎም ክኢሉ ዘሎ።


![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

