ጋምቢያ ሃገራዊ ኮሚሸን ሓቅን ዕርቅን ኣቚማ

ዛምቢያውያን፡ ጃሜ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ንዝተፈፀመ ግፍዒ ፍትሒ ይሓቱ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ዛምቢያውያን፡ ጃሜ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ንዝተፈፀመ ግፍዒ ፍትሒ ይሓቱ
Published

ጋምቢያ ኣብ ዘመነ ስልጣን ፕረዚደንት ነበር ያህያ ጃሜ ኣብ ዝተፈፀሙ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣድሂቡ ዝሰርሕ ኮሚሽን ሓቅን ዕርቅን ኣጣይሳ።

ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ባንጁል ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት 11 ኮሚሽነራት ነቲ ኮሚሸን ክመርሑ ቃለ-መሓላ ፈፂሞም።

ሚንተር ፍትሒ ኣቡበከር ታምባዱ ከም ዝበሎ፡ ዜጋታት እታ ሃገር ኣብ ግዜ ስልጣን ጃሜ ብፍርሒ ተሸሚሞም ፀኒሖም'ዮም።

ስቓይ ዝተመልኦ መቕፃዕትን ብዘይመስርሕ ፍርዲ ዝፍፀም ናይ ሞት ቅፅዓት ልሙዳት ከም ዝነበሩ'ውን ሓቢሩ።

ግዳያትን መሰኻኸር ዓይኒን ኣብ መዛዘሚ እዚ ወርሒ ነቲ ኮሚሸን ቃሎም ክህቡ እዮም።

ጃሜ ኣብ መረፃ 2017 ተሳዒሮም ካብ ስልጣን ዝለቐቑ ኮይኖም፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ኮሚሸን ቀሪቦም ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ክዛረቡ'ዶ ይኾኑ? ዝብል ኣይተፈለጠን።