ባምቡላ ተመሲሉ ስርቂ ምፍጻሙ ዝተገለጸ ውልቀሰብ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ

ኣብ ርእሰ ከተማ ፖላንድ፡ ዋርሶው፡ ባምቡላ መስቀሊ ክዳውንቲ (ማኒኪኖ) ተመሲሉ ካብ ሓደ ውልቀሰብ ዝተዓጸወ ድኳን ዝተፈላለየ መጋየጺ ብምስራቕ ተኸሲሱ።

ፖሊስ ስሙ ዘይገለጾ እቲ ወዲ 22 ዓመት፡ ቦርሳ ኢድ ኣንጠልጢሉ፡ ከም ማኒኪኖ ደሪቑ ኣብ ስእሊ ይርአ።

እቲ ጥርጡር ዝተፈላለዩ ክፋላት እቲ ድኳን ድሕሪ ምብጻሕ ኣብቲ ናይ መጋየጺ መርኣዪ ከምዝኣተወ ፖሊስ ገሊጹ።

እቲ ሰብ፡ ካብ ካልእ ማእከል ዕዳጋ ዝተፈላለዩ ነገራት ብምስራቕ’ውን ይኽሰስ። ክሳዕ 10 ዓመት ማእሰርቲ ክቕጻዕ ከምዝኽእል ይግለጽ።

ፖሊስ ዋርሳው፡ እቲ ሰብኣይ ኣብቲ መርኣዪ መስትያት ምስ ካልኦት ተመሳሳሊ ማኒኪኖ ተጸጊዑ ኣብዝነበረሉ እዋን ሰራሕተኛታት ኮነ ዓማዊል ከም ዘየስተብሃሉሉ ሓቢሩ።

“ኩነታት ውሕስ ምዃኑ ክሳዕ ዘረጋግጽ” ደሪቑ ድሕሪ ምጽናሕ ብዝተፈላለየ ክፍልታት ከምዝሓለፈን መጋየጺታት ከምዝወሰደን ፖሊስ የረድእ።

ድሒሩ ግና ኣባላት ሓለዋ ርኢዮምዎ።

እቲ ሰብኣይ ብካልእ ክልተ ፍጻመታት እውን ተኸሲሱ ኣሎ።

ኣብቲ ቀዳማይ፡ ኣብ ሓደ ቤት መግቢ ድሕሪ ምድራር ናብ ድኳን ክዳውንቲ ብምኻድ ክዳውንቱ ቀዪሩ ናብቲ ቤት መግቢ ተመሊሱ ዳግማይ ከምዝተመገበ ፖሊስ ይገልጽ።

መዕጸዊታት እቲ ድኳን ምሉእ ብምሉእ ብዘይምዕጻው ነቲ ክፍተት ተጠቂሙ ናብቲ ድኳን ምእታው ካሜራታት ሲሲቲቪ የርእዩ።

ኣፈኛ ፖሊስ፡ ሮበርት ሹሚታ፡ ኣብ ካልእ ሳልሳይ ቦታ ከኣ ድኳናት ክሳዕ ዝዕጸውሉ ሰዓት ተጸብዩ፡ “ካብ ካዝናታት ገንዘብ ምውሳዱን ካልእ ኣቕሑ ክሰርቕ ምፍታኑን” ገሊጹ።

ፖሊስ፡ እቲ ውልቀሰብ ኣብ ቀይዲ እናኣተወ ዘርኢ ምስሊ ዘርጊሑ ኣሎ።

እቲ ጥርጡር ፈጺምዎ ዝተባሃለ ገበን ብምርመራ ክሳዕ ዝጻረ፡ ንሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክጸንሕ ምዃኑ ተፈሊጡ።