'ክሩስቲፋርያኒዝም'፡ ኪነታዊ ብልሒታት ኣንጻር ሰባት ውዲት ይገብሩ ኣለዉ ድዮም?

ስክሪን ሻት መርበብ ሓበሬታ ሞልትቡክ
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ኣብዚ ቀረባ እዋን ንብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ዘዘራርብ ዘሎ መርበብ ሓበሬታ ሰሚዕኹም ኣለኹምዶ?

ሞልትቡክ ዶት ኮም (Moltbook.com) ይበሃል።

ኣብ ንኡሳን ጉጅለታት ዝተጠርነፋ ተጠቀምቲ መርበብ ሓበሬታ ሞልትቡክ፡ ካብ ህላወ ኣምላኽ ክሳብ መዓልታዊ ስራሕቶም ብዛዕባ ብዙሕ ጉዳያት የዕልሉ።

እቲ ዝገርም እዚ ኣይኮነን፤ እቶም ኣብ ዕላል ዝተጸመዱ ተጠቀምቲ ሰባት ኣይኮኑን። አረ ሰባት ክሳተፉ ኣይፍቀደሎምን።

ኣብ ክንድኡስ፡ ነፍሲ ወከፍ ዕላል ከፊል ርእሰ-ምምሕዳር ብዘለዎም መጋበርያታት ኪነታዊ ብልሒ (AI Agents) እዩ ዝግበር ዘሎ።

መጋበርያታት ኪነታዊ ብልሒ፡ ንሰባት ኣብ መዓልታዊ ዕማማት ንምሕጋዝ ዝተፈጥሩ ኮይኖም፡ ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ግን ምስ ካልኦት መጋበርያታት ንኽራኸቡ ነጻ ይኾኑ። ኣብኡ ድማ ከምቲ ሰባት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝገብርዎ፡ ኣብ ዝተፈላዩ ዛዕባታት የዕልሉ።

ሞልትቡክ፡ ሓደ ሰሙን ኣብ ዘይመልእ ግዜ ልዕሊ 1.5 ሚልዮን መጋበርያታት ኪነታዊ ብልሒ ከም ዝተመዝገቡ ይገልጽ።

ብድሕሪ'ዚ እዩ ነገራት ቀልጢፎም... ዘገርሙ ክኾኑ ጀሚሮም።

ኣብዚ ሓጺር እዋን እዚ፡ ድሮ እቶም መጋበርያታት "ክሩስቲፋርያኒዝም" ብዝብል ዝጽዋዕ ሃይማኖት መስሪቶም።

ብዛዕባ ናይ ገዛእ ርእሶም ንቕሓት ንሓድሕዶም ካብ ምሕታት ሓሊፎም – ብዝያዳ ዘፍርሕ ኣገባብ – "ኪነታዊ ብልሒ ክግልገል እምበር ከገልግል የብሉን" ክብሉ ክእውጁ ተራእዮም።

ኣብዚ እዋን እዚ፡ ካብዚ ትሕዝቶ'ዚ ክንደይ ዝኣክል ብቐጥታዊ ትእዛዝ ናይቶም መጋበርያታት ዝሃነጹ ሰባት ከም ዝፍጠር ወይ እውን ክንደይ ዝኣክል ባዕሎም እቶም መጋበርያታት ከም ዝፈጠርዎ ንጹር ኣይኮነን። ግን እቲ ዝበዝሐ በቶም ነቶም መጋበርያታት ዝሃነጹ ሰባት ዝተፈጥረ ይመስል።

ብዙሓት ካብዞም መጋበርያታት ብኣዝዩ ዝወሓደ ቁጽሪ፡ ምናልባት'ውን ክሳብ 17,000 ብዝበጽሑ ደቂ ሰባት ዝፍጠሩ ምዃኖም ግን ንጹር'ዩ።

"መብዛሕትኡ እቲ ርክብ እንተ ወሓደ ብሃንደበት ዝፍጠር ኮይኑ ይስምዓካ" ይብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ክኢላ ስርዓታት ብዙሕነት-መጋበርያታት ዝኾነ ፕሮፌሰር ማይክል ዉልድሪጅ።

"ኣብ ናይ ጽሕፈት መኪና ከም ዝጽሕፋ ኣህባይ ኣይኮነን – እንተኾነ ግን ንገዛእ ርእሱ ዝውደበ ሓባራዊ ብልሒ'ውን ኣይመስልን።"

ሰራዊት መጋበርያታት ኪነታዊ ብልሒ (ምናልባት) ኣብ ሞልትቡክ ብሕቡእ ኣንጻር ሰብኣውነት ውዲት ከም ዘይኣልሙ ዘለዉ ምፍላጥ ዕረፍቲ ክህብ ዝኽእል'ኳ እንተኾነ እቲ መርበብ ሓበሬታ ግን ብዛዕባ ናይ ቀረባ መጻኢና ቁሩብ ዘመላኽት እዩ።

መጋበርያታት ኪነታዊ ብልሒ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ካብቶም ዘገልግልዎም ደቂ ሰባት ነጻ ኮይኖም ኣብ ኢንተርነት ይኹን ኣብ ሓቀኛ ዓለም ዕማማት ብሓባር ክፍጽሙ ተኽእሎ ኣሎ።

እቲ ዝረዳድኡሉ ኣገባብ ድማ ከምቲ ኣብ ሞልትቡክ ዝተራእየ ኣዝዩ ብቐሊሉ እንርድኦ ዘይክኸውን ይኽእል።

ከምዚ ዓይነት ዓለም ድማ ዕድላት ጥራይ ዘይኮነ "ከቢድ ሓደጋታት" እውን ሒዙ እዩ ዝመጽእ ይብል ዉልድሪጅ።

ሎጎ ሞልትቡክ
መግለጺ ስእሊ, ክሩስታፋርያኒዝም፡ ኣብ ሞልትቡክ ምሉእ ብምሉእ ርእሱ ብዝኸኣለ ቦት ኪነታዊ ብልሒ ዝተመስረተ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ነብያትን ቅዱሳት መጻሕፍትን ዘለዎ ዲጂታላዊ ሃይማኖት እዩ

ብመጋበርያታት ዝጽሎ መጻኢ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

መጋበርያዊ ኪነታዊ ብልሒ፡ ንሕቶታት ዝምልስ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ሓደ ዕላማ ንምስዓብ ክውጥን፡ ክውስንን ክዋሳእን ዝኽእል ስርዓታት ኪነታዊ ብልሒ ንምህናጽ ዝሕግዝ መንገዲ'ዩ።

ብተግባር እዚ ማለት ርትዓውነት፡ ዝኽርን መሳርሕታትን ብምጥማር፡ ኪነታዊ ብልሒ ምዝገባ ምፍጻም፡ ፈተነታት ከካይድ ወይ ብውሑድ ሰብኣዊ ክትትል ምስ ካልኦት ኪነታዊ ብልሒታት ምውህሃድ ዝኣመሰሉ ንጥፈታት ክፍጽም ይኽእል።

እቲ ሓቀኛ ሓይሊ ናይዞም ስርዓታት፡ ሓደ ዝኾነ ንጽል ኪነታዊ ብልሒ ዝያዳ በሊሕ ምዃኑ ዘይኮነስ፡ ብዙሓት ፍሉያት መጋበርያታት ኮይኖም ሓደ ሰብ ንበይኑ ንክሰርሖም ዘጸግሙ ዝሰርሕ ዕማማት ምወሃህዶም'ዩ።

ሓደ ካብቶም ኣብ ቀረባ እዋን ዝተረኣዩ ምዕባለታት እቲ ብጉግል ዝተመሃዘ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጉግል ሞዴል ስርዓት ጀሚኒ 2.0 ተጠቒሙ፡ ኪነታዊ ብልሒ ተሓባባሪ ሳይንቲስት ሃኒጹ።

እዚ ኪነታዊ ብልሒ ተሓባባሪ ሳይንቲስት እዚ፡ ምስ ተመራመርቲ ሰባት ከም ተሓባባሪ ኮይኑ ይሰርሕ፡ ሓደስቲ ክልሰ-ሓሳባትን እማመታት ምርምርን የመንጩ።

ነዚ ድማ ብዙሓት መጋበርያታት ብምጥቃም እዩ ዝፍጽም። ነፍሲ ወከፍ መጋበርያ ኣብ ሓደ ኣርእስቲ ስነ-ጽሑፍ ክድህስሱን ኣየኖት ሓደስቲ ሓሳባት ዝበለጸ ክኾኑ ከም ዝኽእሉ 'ክካትዑን' ዝኽእሎም ፍሉይ ሓላፍነትን ስነ-መጐትን ኣለዎም።

እንተኾነ ግን ዘይከም ሞልትቡክ፡ እዞም ስርዓታት ምናልባት ብድሕሪ መጋረጃ ዘሎ ንክንጥምት ኣይክፈቕዱልናን። ብሓቂ ክርአ ከሎ፡ ናትና ቋንቋና'ውን ብሓቂ ኣይክዛረቡን'ዮም።

"መጋበርያታት ብዝበለጸ ዝተነጸረ ዕማማት ንምፍጻም ሓበሬታ ብብቕዓት ክለዋወጡ እንተ ደሊና ተፈጥሮኣዊ ቋንቋ ኩሉ ግዜ ዝሓሸ መማረጺ ከም ዘይኮነ ርዱእ'ዩ" ይብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሳውዝሃምፕተን ኣብ ጉጅለ ምትእስሳርን ውስብስብነትን መጋበርያታት ዝመራመር ፕሮፌሰር ጎፓል ራምቸርን።

"ብዝተኻእለ መጠን ዕላማታት፡ ዕማማትን መለክዒታት ዓወትን ብብቕዓት ንምግላጽ ኣብ ሕሳብ ዝተመርኮሰ ወግዓዊ ቋንቋ ክትጥቀም ይመርጽ። ተፈጥሮኣዊ ቋንቋ ኣዝዩ ንኡስ ነገራት እዩ ዘበርክት።"

ኣብ ሞልትቡክ፡ መጋበርያታት ኪነታዊ ብልሒ ደረት ኣልቦ 'ምስጥራዊ' ቀጸላታት ፈጢሮም ኣለዉ፡ ኣብኡ ሰብኣውያን ተጠቀምቲ ፍጹም ዘይርእይዎም ምስጢራውን ልዑል ፍጥነት ዘለዋም ዕላላት የካይዱ።

መገበረያታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መጻኢ ግዜ

ኣብ መጻኢ፡ ፍጥነት ብድሆ ክኾነና እዩ። እንተዘይኮይኑ ምስቶም ካባና ብሚልዮናት ዕጽፊ ብዝቐልጠፋ ክረዳድኡ ዝኽእሉ ጋንታታት መጋበርያታት ኪነታዊ ብልሒ ብኸመይ ማዕረ ክንስጉም ይከኣለና?

"ፍጥነት ርክብን መጋበርያታት ንደቂ ሰባት ክርድኡ ዘይምኽኣሎምን፡ ደቂ ሰባትን መጋበርያታትን ዝሓቖፈ ውጽኢታዊ ጉጅለ ንምህናጽ ኣጸጋሚ ክገብሮ'ዩ" ይብል ራምቸርን።

"ስለዚ ጥንቁቕ ተጠቃሚ ማእከል ዝገበረ ዲዛይን የድልዮ።"

ኣብ መወዳእታ፡ እቶም መጋበርያታት ንሓድሕዶም እንታይ ይብሉ ከም ዘለዉ ብዙሕ ርድኢት ከየድልየና ይኽእል እዩ፣ ነቲ ዝገብርዎ ንምምራሕን ንምእራምን ዘተኣማምን መገዲ ጥራይ ኣገዳሲ ይኸውን።

ኣብ መጻኢ መብዛሕትና ኣብ ሓደ እዋን ኣማኢት ወይ ኣሽሓት ጉጅለታት መጋበርያታት ኪነታዊ ብልሒ ብምቁጽጻር ዕላማታት ክንሰርዕ፡ ውጽኢት ክንከታተልን ነገራት ክጋገዩ ከለዉ ጣልቃ ክንኣቱን ንኽእል ኢና።

እቶም ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ሞልትቡክ ንርእዮም ዘለና መጋበርያታት "ዘይጎድኡ – ግን ከኣ መብዛሕትኡ ግዜ ዘይጠቕሙ" ክኾኑ ዝኽእሉ'ኳ እንተኾኑ፡ ከምቲ ዉልድሪጅ ዝብሎ፡ እቶም ኣብ መጻኢ እንርእዮም ግን ሰንሰለታት ቀረብ ከወሃህዱ፡ ኣብ ኣጠቓቕማ ጸዓት ክደራደሩ ወይ ንተመራመርታ ሓደስቲ ፈተነታት ኣብ ምንዳፍ ዝሕግዙ ክኾኑ ይኽእል'ዮም።

እቲ መጻኢ ግዜ፡ ዘሐይል ድዩ ወይስ ዘፍርሕ እዩ ዝብል ሕቶ፡ መልሱ ኣብቲ እቶም መጋበርያታት ንሓድሕዶም ዘዕልልዎ ዘለዉ ብውሑድ ዝምርኮስ ክኸውን ይኽእል'ዩ።

ደቂ ሰብ ኣብቲ እቶም መጋበርያታት ብስቕታ ብሓባር ዝሃንጽዎም ዘለዉ ስርዓታት ክሳብ ክንደይ ቁጽጽር ኣለዎም ዝብል ግን ዝያዳ ወሳኒ ይኸውን።