ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ተሪር ምንባሩ ተኣሚኑ፡ ዋይት ሃውስከ እንታይ ኢሉ?

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ምምሕዳሩ ኣብ ልዕሊ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ዝወሰዶ ስጕምቲ "ካብ መጠን ንላዕሊ ተሪር" ምንባሩ ብምእማን፡ እዚ ድማ ሰልፉ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ ናይ ፍርቂ ዘመን መረጻ ንኽስዓር ዓቢ እጃም ከም ዝነበሮ ገሊጹ።

እዚ፡ እቲ ፕረዚደንት ድሕሪቲ ዘጋጠሞ ናይ መረጻ ስዕረት፡ ኣብ ሓደ ካብቶም ቀንዲ ፖለቲካዊ መርገጺታቱ ዘርኣዮ ኣዝዩ ጐሊሑ ዝረአ ናይ ኣረኣእያ ለውጢ እዩ።

ትራምፕ ምስ መደብ "60 ሚኒትስ" ናይ ሲቢኤስ ኣብ ዘካየዶ ቃለመጠይቕ፡ ዘይሕጋዊ ስግረ-ዶባት ብዓቢዩ ብምግታኡ 'ኤ ፕላስ' ዝብል ብሉጽ ነጥቢ ክወሃቦ ከም ዝግባእ ኣስሚርሉ።

ይዅን'ምበር፡ እቲ ብሰፊሑ ዘካየዶ ናይ ምጥራዝ ወፈራታት ንሰልፉ ፖለቲካዊ ዋጋ ከም ዘኽፈለ ኣይሓብአን።

ንሱ ነቲ ዅነታት ከብርህ ከሎ፡ "ብመዳይ ዶብ ምቍጽጻር ብሉጽ ውጽኢት ኣመዝጊበ፣ ሓደገኛታት ንዝዀኑ ሰባት'ውን ካብ ሃገር ኣልየ እየ። እንተዀነ፡ ጽቡቕ ስራሕ ዝነበሮምን ናብታ ሃገር ብዘይሕጋዊ መንገዲ ካብ ምእታው ወጻኢ ካልእ ጥሕሰት ዘይፈጸሙን ሰባት'ውን ኣስጒጕና ኢና። እዚ ድማ ካብ መጠን ንላዕሊ ተሪር ስለ ዝነበረ፡ ፖለቲካዊ ዋጋ ኣኽፊሉኒ እዩ፡" ኢሉ።

ኣብ መዓልቲ መረጻ ካብ ድምጺ ወሃብቲ ዝተኣከበ ርእይቶታት ከም ዘነጸሮ፡ ኣብዚ ናይ መረጻ ጕዕዞ፡ ካብ ቍጠባን ደሞክራስን ቀጺሉ ጉዳይ ስደተኛታት ንመረጽቲ ሳልሳይ ዝዓበየ ኣተሓሳሳቢ ነይሩ።

ብፍላይ ኣብታ ታሪኻዊ ዕርዲ ዓቃባውያን (ሪፓብሊካውያን) ዝዀነት ክፍለ-ግዝኣት ቴክሳስ፡ ላቲናውያን መረጽቲ ድምጾም ንደሞክራት ምሃቦም፡ እቲ ሰልፊ ኣብ ኮንግረስ ብልጫ መንበር ክረክብ ኣኽኢልዎ እዩ።

እቲ ፕረዚደንት ምስ ደሞክራት ብዘተ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ንምስራሕ "ዓቢ ድሌት" ከም ዘለዎ እኳ እንተ ሓበረ፡ ብዛዕባ'ቲ ትልሚ ዘቕረቦ ዝርዝር መብርሂ ግን የሎን።

እዚ ድማ ቅድሚ ሓደ ዓመት ምስ ተመሳሳሊ መደብ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ ምምሕዳሩ ዝወሰዶ ስጕምቲ "እኹል ርሕቀት ኣይከደን" ክብል ካብ ዝተኸራኸረሉ ኣበሃህላ ኣዝዩ ዝተፈልየ ኰይኑ ተረኺቡ ኣሎ።

እንተዀነ፡ እዚ ትራምፕ ብሰንበት ዘርኣዮ ልኡም መርገጺ፡ ዋይት ሃውስ በታ መዓልቲ ንቢቢሲ ካብ ዝሃቦ መግለጺ ፈጺሙ ዝተፈልየ እዩ።

ወሃቢ-ቓል ዋይት ሃውስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እቲ ምምሕዳር ንማሕበረሰባትና ዘሸብሩ ገበነኛታት ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ንምሓዝን ካብ ሃገር ንምጥራዝን ዝገብሮ ኵሉ ጻዕሪ ኣየጕድልን እዩ፡" ኢሉ።

ምኒስትሪ ውሽጣዊ ድሕነት ኣመሪካ ብተመሳሳሊ፡ ካብቲ መርገጺኡ ንድሕሪት ከም ዘይብል ኣረጋጊጹ።

ወሃቢ-ቓል እቲ ምኒስትሪ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ቤት ጽሕፈት ተኸታታሊ ጉዳያት ኢምግረይሽንን ጉምሩክን (ICE) ንድሕሪት ኣይክምለስን ፍጥነቱ እውን ኣየዝሕልን እዩ፡" ኢሉ።

ምክትል ፕረዚደንት ጄዲ ቫንስ ብወገኑ፡ ድሕሪቲ ናይ ሰሉስ ስዕረት መረጻ፡ ኣብ ፖሊሲ ስደተኛታት ምምዕራይ ንምግባር ድሉው ምዃኑ ዝሕብር መርገጺ ኣርእዩ ነይሩ።

ቫንስ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዘስፈሮ ነዊሕ ጽሑፍ፡ "ኣብቶም ዘይሕጋውያን ሰራሕተኛታት ዝቘጽሩ ትካላት ንግዲ ብዝያዳ ምትኳር ዘጠቓለለ፡ ስትራተጅያዊ ኣሰራርሓና ክንቅይር ኣለና ዝብል ሓሳብ ንምቕባል ድሉው እየ፡" ኢሉ።

እንተዀነ፡ ትራምፕ ብዓርቢ ነቲ ናይ ተሪር ፖሊሲ ደጋፊ ዝዀነ ስቲቨን ሚለር ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ዋይት ሃውስ ገይሩ ምሻሙ፡ እቲ ምምሕዳር ካብቲ ዝጸንሖ መስመር ናይ ምዝንባል ድሌት ከም ዘይብሉ ዘነጽር እዩ።

ሚለር ኣብ ክልተኡ ናይ ፕረዚደንትነት ዘመነ-ስልጣን ትራምፕ፡ መሃንድስ ናይቲ ተሪር ፖሊሲ ስደተኛታት ኰይኑ ዝሰርሐ ሰብ እዩ።

ምንጭታት ጉዳያት ኢምግረይሽንን ጉምሩክን ንሲቢኤስ ከም ዝሓበርዎ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ሓለፍቲ እቲ ትካል ኣብ መዓልቲ ክሳብ 2,700 ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኣብ ምሓዝ ከድህቡ መምርሒ ተዋሂብዎም ነይሩ።

እዚ ድማ ካብቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ኣብ መዓልቲ 2,000 ስደተኛታት ናይ ምእሳር ሸቶ ዝዛየደ እዩ።

እዚ ኣብዚ ዓመት ዝተኻየደ ናይ ምጥራዝ ወፈራታት፡ ኣብ ጐደናታት ቺካጎ፡ ሚንያፖሊስ፡ ሎስ ኣንጀለስን ኣብ ሓያሎ ከተማታትን ተቓውሞታት ኣለዓዒሉ እዩ።

ኣብ ሚንያፖሊስ ድማ ሬኔ ጉድን ኣሌክስ ፕሬትን ዝተባህሉ ክልተ ኣመሪካውያን ተቓወምቲ ብፖሊስ ኢምግረይሽን ብዝተተዅሰ ጥይት ተቐቲሎም እዮም።