መራሒ ሰሜን ኮርያ- ኪም ጆንግ ኡን፡ ስለምንታይ'ዩ ብዛዕባ ኣዲኡ ዘይዛረብ?

ኪም ምስ ወለዱ
መግለጺ ስእሊ, ኪም ምስ ወለዱ
Published
ንባብ: 5 ደቓይቕ

ሓደ ካብቲ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ብምስጢር ዝሓዞም ነገራት፡ ብዛዕባ ኣዲኡ ዝምልከት እዩ።

ኣብ ስልጣን ኣብ ዝጸንሓሉ 15 ዓመታት ኣብ ኣደባባይ ስም ኣዲኡ ጠቒሱ ኣይፈልጥን።

እቲ ኣብ ንጉሳዊ ዓሌት ዝተመርኮሰ ምልካዊ ስርዓት፡ 'ማውንት ፔክቱ' ይበሃል።

ስሙ ካብ ሓደ ኣብ ሓውሲ ደሴት ኮርያ ዝርከብ እምባ ዝተወሰደ እዩ።

ኣፈ ታሪኽ ከም ዝሕብሮ፡ ኮርያውያን መበቆሎም ካብዚ ከባቢ እዩ። መስራቲ እታ ሃገር ኪም ኢል-ሱንግ ኣንጻር መግዛእቲ ጃፓን፡ ውግእ ዘካየደላ ቦታ እያ።

ኣዴታት ክልቲኦም ቀዳሞት መራሕቲ "ኣዴታት ኮርያ" ተባሂለን ይፍለጣ።

ብኣንጻሩ፡ ብዛዕባ ኣደ ናይ ሕጂ መራሒ ኪም ጆንግ ኡን፡ ኮ ዮንግ-ሁይ ብዙሕ ኣይተባህለን።

ኣዲኡ፡ ሓረግ ልዑል ማሕበራዊ ደርቢ ስለዘይነበራን ውሽማ ስለዝነበረትን ከም ስግኣት ናይቲ ስርዓት ተቖጺራ።

ብመሰረት ጸሓፍቲ ታሪኽ፡ ኣዲኡ ኮ ኣብ ኦሳካ ጃፓን ብ1952 ተወሊዱ።

ስድራኣ ካብታ ሕጂ ኣብ ደቡብ ኮርያ እትርከብ ደሴት ጄጁ እዮም ዝምዘዙ፣ እቲ ከባቢ ከም ግዝኣት ጸላኢ እዩ ዝቝጸር ነይሩ።

ጃፓን ካብ 1910 ክሳብ 1945 ነቲ ከባቢ ብመግዛእቲ ሒዛቶ ነይራ፤ ወለዲ ኮ ድማ ከም ስደተኛታት እዮም ዝቑጸሩ።

ብዙሓት ካብዚ ከባቢ ዝመጹ ሰባት ናብ ሰሜን ኮርያ ምስ ተመልሱ ይቐንኡሎም ነበሩ።

ካብ ርእሰማላውያን [ካፒታሊስት] ጎረባብቶም፡ ገንዘብ፡ ክዳውንትን ኣቑሑት ገዛን ናብ ሰሜን ኮርያ ሒዞም ይመጽኡ ነይሮም።

ኮ ኣብ ኦሳካ ጃፓን ብ1952 ተወሊዳ
መግለጺ ስእሊ, ኮ ኣብ ኦሳካ ጃፓን ብ1952 ተወሊዳ

ኣብ ሰሜን ኮርያ፡ ብናይ ወጻኢ ሓሳባት "ተበሪዞም" ተባሂሎም ዝተበየኑ ሰባት "ግያውፖ" ይበሃሉ።

ስድራቤት ኮ ኣብዚ ምድብ ተኻቲቶም ኣለዉ።

ማሕበራዊ ደርቢ ሰሜን ኮርያ "ሶንግበን" ይበሃል። ወለዲ ኮ ኣብ ክፍሊ "ዛይኒቺ" እዮም ዘለዉ።

ተሪር መንግስታዊ ቍጽጽር ዝግበረሎም ኮይኖም፡ ካብ ጽቡቕ ዩኒቨርሲቲን ጽቡቕ ስራሕን ዝተገለሉ እዮም።

ሰሜን ኮርያ፡ ልዑልን ትሑትን ብዝብል፡ ስርዓተ-መሰረት ዘለዎ ሕብረተሰብ ዘለዋ ሃገር እያ።

ተንተንቲ ሰባት ብደርቢ ወይ ብዓሌት ይምደቡ ይብሉ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዶንግያንግ፡ ፕሮፌሰር ዶክተር ጄዩንግ ዮንግ-ቴ ፡ "ዜጋታት ብመሰረት መበቈል ስድርኦም ዝቕጽዕሉ ስርዓት'ዩ" ይብል።

ስድራቤት ኮ፡ ጓል 10 ዓመት እንከላ እዮም ናብ ሰሜን ኮርያ ተሰዲዶም። ኣብ መንጎ 1959ን 1984ን ካብ ጃፓን ናብ ኮምኒስት ሰሜን ኮርያ ካብ መንጎ ዝተመልሱ 93,000 ኮርያውያን እዮም።

ኣብቲ ግዜ እቲ፡ "ምድራዊት ገነት" ዝብል ምንቅስቓስ ነይሩ። ናብ ሰሜን ኮርያ ዝምለሱ ኮርያውያን ብነጻ ሕክምናዊ ክንክንን ትምህርትን ስራሕን ቃል ተኣትዩሎም ነይሩ።

ኮ ከምኡ'ውን ካልኦት ዝነበሩ ኮርያውያን ግና ጸገም ዝመልኦ ህይወት ኣጋጠሞም።

ኮ ግን ኣቓልቦ ናይቲ ሽዑ መራሒ ዝነበረ ኪም ጆንግ ኢል ስሒባ።

እቲ መራሒ ብዛዕባ ብዓልቲ ቤቱ ብግልጺ ተዛሪቡ ዘይፈልጥ እኳ እንተኾነ፡ ምስታ ኣባል ስድራ ላዕለዋይ ደርቢ ዝኾነት ኪም ዮንግ ሱክ ከም ዝተመርዓወ ይፍለጥ።

ኣቡኣ እዩ ነዛ መርዓት መሪጽሉ ነይሩ።

ኮ ኣባል ናይቲ ፍሉጥ ጕጅለ ስነ-ጥበብ ማንሳውድስ እያ ነይራ፤ ንሳ ድማ "ብጽባቐኣን ብኽእለት ሳዕስዒትን ውንኡ ወሲዳቶ" ትብል ኣብ 2025 ብዛዕባ ኮ መጽሓፍ ዘሕተመት ዩጂ ጎሚ።

እቲ መራሒ ወግዓዊት ሰበይቲ ስለ ዝነበረቶ፡ ኮ ምስ ሰለስተ ደቃ ኣብቲ ቤተ መንግስቲ ክነብሩ ኣይከኣሉን።

ምንጪ ስእሊ, Cheong Seong-chang

መግለጺ ስእሊ, እቲ መራሒ ወግዓዊት ሰበይቲ ስለ ዝነበረቶ፡ ኮ ምስ ሰለስተ ደቃ ኣብቲ ቤተ መንግስቲ ክነብሩ ኣይከኣሉን

ኮ ምስቲ መራሒ እኳ እንተ ዘይተመርዓወት፡ እቲ ስርዓት ግን ንሓዳሮም ኣፍልጦ ሂቡ።

ኪም ብዓል ሓዳር እኳ እንተ ነበረ፡ ምስ ኮ ኣብ ፍቕሪ ከም ዝወደቐ ይንገር።

እንተኾነ ኮ፡ ምስ ሰለስተ ደቃ ኣብቲ ቤተ መንግስቲ ክነብሩ ኣይተፈቕደሎምን፤ ምኽንያቱ እቲ መራሒ ወግዓዊት ሰበይቲ ስለዝነበረቶ።

ኣብታ ካብ ርእሰ ከተማ ፒዮንግያንግ 210 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ወደባዊት ከተማ ዎንሳን ሰፈሩ።

"ኪም ጆንግ-ኡን ካብ ወግዓዊት ብዓልቲ ቤት ኣይተወልደን። ካብ 'ዘይሕጋዊ ሓዳር ዝተወልደ ቆልዓ''ዩ" ይብል፡ ኪም ሃዋንግ-ሱ ካብ ማሕበር ኖርዘርን ሪሰርች።

"ሓረግ ወለዶ እቲ ስርዓት ክቡር እዩ። እቲ መራሒ ምስ ታሕተዋይ ደርቢ ሰብ ክምርዖ ኣይፍቀደሉን" ክብል ወሲኹ ሓቢሩ።

ካብ ሓዳር ወጻኢ ዝተወልዱ ህጻናት ኣብታ ሃገር ይግለሉ።

ኪም ጆንግ ኡን ካብ ርእሰ ከተማ ተነጺሉ እዩ ዓብዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ናብ ጃፓን ትኸይድ መርከብ ነይራ።

ኣዲኦም ካብ ጃፓን ዝመጹ ሰባት ብቐሊሉ እናረኸበት፣ ኣቑሑት ትቕበል ነይራ።

እታ ታሪኾም ዝጸሓፈት ተመራማሪት፡ "ኮ ዓዳ ጃፓን ኣዝያ እያ ትናፍቕ። ንደቃ ጃፓንኛ ምሂራቶም" ትብል።

ካብ 1988 ክሳብ 2001 ንኪም ጆንግ-ኢል፡ ሱሺ ዝተባህለ ህቡብ መግቢ ጃፓን ዝሰርሐ ሼፍ ኬንጂል ፉጂሞቶ፡ ኣብ ዝጸሓፎ መጽሓፍ፡ ኪም ጆንግ ኡን "ጃፓንኛ ኣብ ምድራፍ ንፉዕን" "ብዕቤት ቍጠባ ጃፓን ከም ዝቐንእን" ኣስፊሩ።

ኣዲኡ ካብ ላዕለዎት ደርቢ ስለዘይነበረትን ውሽማ ስለዝነበረትን ከም ስግኣት ምምሕዳር ተቖጺራ።

ምንጪ ስእሊ, Cheong Seong-chang

መግለጺ ስእሊ, ኣዲኡ ካብ ላዕለዎት ደርቢ ስለዘይነበረትን ውሽማ ስለዝነበረትን ከም ስግኣት ምምሕዳር ተቖጺራ

ኪም ጆንግ ኡን ምስ ዓቢ ሓዉ ናብ ቶክዮ ዲዝኒላንድ ከምዝበጽሐ ማዕከናት ዜና ጃፓን ሓቢረን።

ብዛዕባ ኮ ዝገልጽ መጽሓፍ ዝጸሓፈ ዮጂ ጎሚ ከም ዝብሎ፡ ኮ ምስ ጸሓፊኣ ብሕቡእ ናብ ጃፓን ትበጽሕ ነይራ።

"ኪም ኢል-ሱንግ ኣብ ግዜ ስልጣኑ ንኮ ከም ብዓልቲ ቤት ወዱ ኣፍልጦ ኣይሃበን ነይሩ" ይብል ኣብ ስደት ዝርከብ ዲፕሎማት ሰሜን ኮርያ ርዩ ሂዩን-ዉ፡ ብዛዕባ ኪም ጆንግ ኡን ኣብ ዘሕተሞ መጽሓፍ።

"ኣቦ እቲ መራሒ ንኮ ኣፍልጦ እንተ ዝህብ ነይሩ፡ ምስ ኪም ጆንግ-ኡን ምተራእየት ነይራ" ይብል ዶክተር ቼዎንግ ሴንግ-ቻንግ ካብ ትካል ሴጆንግ።

ኪም ጆንግ-ኢል ግን ንኮ ይኣምና እዩ ነይሩ። መራሒ እታ ሃገር ኮይኑ ምስኡ ኣብ ወተሃደራዊ ምርኢት ተራእያ ኣላ።

ካልእ ተሪፉ፡ ኪም ጆንግ ኢል ፡ ፖሊሲታት ቅድሚ ምውሳኑ ርእይቶኣ ይሓትት ምንባሩ፡ ጸሓፍን ሴፍን ኬንጂል ፉጂሞቶ ኣስፊሩ።

ኮ እቲ መራሕን፡ ድሕሪ ሞት ኪም ጆንግ ኢል፡ ኣብ 2011 ኣብ ዝተዘርግሐ ዶክመንታሪ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዑደት ክገብሩ ተራእዮም።

እቲ ዶክመንታሪ ብወግዒ ተዘርጊሑ ዘይፈልጥ እኳ እንተኾነ፡ ኣብ 2012 ንመራሕቲ ሃገር ቀሪቡ።

ካብኡ ንደሓር ግን፡ እቲ ፊልም ልሒኹ ብምውጽኡ ብሰፊሑ ተራእዩ።

ዶክተር ቸኦንግ ሴንግ-ቻንግ ካብ ትካል ሴጆንግ፡ "ሰባት ብዛዕባ ኮ ክፈልጡ ይደልዩ ስለ ዝነበሩ፡ እቲ ስርዓት ቀልጢፉ ነቲ ሰነዳዊ ፊልም ሰረዞ" ይብል።

ከምኡ ዝተገብረ፡ ታሪኽ ስድራቤት ኮ ንምሽፋን ከም ዝዀነ ይእመን።

ኮ ን እቲ መራሒን እኳ እንተዘይተመርዓዉ፡ ስርዓት ሰሜን ኮርኣ ግን ንሓዳሮም ኣፍልጦ ሂቡዎ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Yoji Gomi

መግለጺ ስእሊ, ኮን እቲ መራሒን እኳ እንተ ዘይተመርዓዉ፡ ስርዓት ሰሜን ኮርያ ግን ንሓዳሮም ኣፍልጦ ሂቡዎ እዩ።
ታሪክ- ኣደ ኪም ጆንግ ኡን ኮ ዮንግ ሁይ ብዙሕ ኣይተነግረን።

ምንጪ ስእሊ, Cheong Seong-chang

መግለጺ ስእሊ, ታሪክ- ኣደ ኪም ጆንግ ኡን ኮ ዮንግ ሁይ ብዙሕ ኣይተነግረን

ብኸመይ ደኣ ናብ ስልጣን ደዪቡ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ካብ ሓዳር ወጻኢ ዝተወልደ ኪም ጆንግ ኡን፡ ከመይ ኢሉ ናብ ስልጣን መጺኡ ዝብል ቀንዲ ሕቶ እዩ።

ኪም ጆንግ-ኡን ካልኣይ ወዳ ንኮ ኮይኑ፡ ንኣቡኡ ግን ሕሳስ ልደ'ዩ።

ኮ ንወዳ ኪም ጆንግ ኡን ስልጣን ክሕዝ ምድላዋት ከምዝገበረት ጸሓፍቲ ታሪኽ ይዛረቡ።

ንእሽቶ ሓፍታ፡ ኪም ጆንግ ኡን ስልጣን እንተ ዘይሒዙ እታ ስድራቤት ኣብ ሓደጋ ከም እትወድቕ ንኣዲኡ ኮ ከም ዝነገረታ፡ ብዛዕባ እቲ መራሒ ዝገልጽ መጽሓፍ ዘሕተመት ኣና ፊፊልድ ገሊጻ።

በዅሪ ወዱ ንኪም ጆንግ-ኢል፡ ኪም ጆንግ-ናም፡ ንንግስነት እታ ስድራቤት ኣብ ሕቶ ድሕሪ ምእታዉ ካብ ሕጸ ወረሲ ስልጣን ተኣልዩ።

ኪም ጆንግ-ናም፡ ኣብ ወጻኢ ሃገር ስለዝተመሃረን ካብ ስድርኡ ዝተፈልየ ኣነባብራ ስለዝዓበየን፡ ኣረኣእያኡ ከምዝተቐየረ ይንገር።

በዅሪ ወዳ ንኮ፡ ጆንግ-ቹል ድማ ሓያል ወልፊ ዕጸፋርስ ስለዝነበሮ ንመሪሕነት ኣይተመርጸን።

ኪም ጆንግ ኡን ብኣቡኡ ዝተመርጸ ብምኽንያት ናይ ኣመራርሓ ክእለቱን ተነሓናሓይ ባህርያቱን እዩ።

ኪም ጆንግ ኡንን ዓቢ ሓዉን ኣብ ስዊዘርላንድ ክመሃሩ ከለዉ፡ ሓፍቲ ኣዲኡን ብዓል ቤታን ይከናኸንዎም ነበሩ።

ብ1998 ግን፡ ኮ መንሽሮ ጡብ ከም ዘለዋ ምስ ተረጋገጸ፡ እዞም ሰብ ሓዳር ናብ ኣመሪካ ሃዲሞም።

ኣብ 2016 ንጋዜጣ ዋሽንግተን ፖስት ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ እቲ ስርዓት "ኣይደልየናን" ኢሎም ስለዝኣመኑ ከምዝሃደሙ ገሊጾም።

ፍርሒ እቶም ሰብ-ሓደር ግን መሰረት ዘይብሉ ኣይነበረን።

ኪም ጆንግ ኡን ናብ ስልጣን ምስ መጸ ኣኮኡ ክቕተል ተገይሩ፡ ዓቢ ሓዉ ድማ ኣብ ማሌዥያ ተቐቲሉ።

ኮ ቅድሚ ኪም ጆንግ-ኢል እያ ሞይታ።

ኣብ ርእሰ ከተማ ፈረንሳ - ፓሪስ ድሕሪ ሞታ፡ ኣብ ማዕከናት ዜና ሰሜን ኮርያ ዝተብሃለ ነገር ኣይነበረን።

ኪም ጆንግ ኡን፡ ጉዳይ ስድርኡ ብምስጢር ክሕዞ ስለ ዝመረጸ፡ ዕለተ ልደቱ ንባዕሉ ከም ሃገራዊ በዓል ኣይበዓልን።

ኣባሓጎኡን ኣቡኡን ክልቲኦም ዕለተ ልደቶም ከም ሃገራዊ በዓላት ኣኽቢሮምዎ ሓሊፎም።

ኪም ጆንግ ኡን ዕለተ ልደቱ እንተ ጠቒሱ፡ ብዛዕባ ኣዲኡ ክዝረብ እዩ። ከምኡ እንተ ገይሩ ድማ ካብ ፒዮንግያንግ ወጻኢ ዝዓበየ ከምዝዀነ ክንገር እዩ።

ከምኡ እንተ ዝገብር፡ ብዛዕባ መሪሕነቱ ሕቶታት ምተላዕለ ይብሉ ምሁራት።

ኪም ጆንግ ኡን፡ መራሒ እኳ እንተኾነ፡ ስድርኡ ኣብ ማሕበራዊ ኣቃውማ ከም ትሑታት ደረጃ ከም ዝረኣዩ፡ ሓደ ዲፕሎማት ነበር ገሊጹ።

ስለዚ፡ ኪም ጆንግ ኡን ንስድርኡ ምስጢር ገይሩ፡ ንብዓልቲ ቤቱ ሪ ሶል ጁ ምስ ህዝቢ ከምዘላለየ ይንገር።

ጓሎም ጁ ኣይ ምስኣቶም ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ብተደጋጋሚ ትረአ፡ ስልጣን ክትሕዝ ትጽቢት ይግበር።

ስለያ ደቡብ ኮርያ ከም ዝሕብሮ፡ እታ ድምጻዊት ነበር ብዓልቲ ቤቱ፡ ካብ ላዕለዋይ-ማእከላይ ደርቢ ስድራቤት እያ ትውለድ።

ኣቡኣ ድማ ፕሮፌሰር ዩኒቨርሲቲ እዩ ነይሩ። ኣብ ቻይና ክላሲካል ሙዚቃ ከምዝተማህረት ይንገር።

ኪም ጆንግ ኡን፡ ሓደ መዓልቲ ብዛዕባ ኣዲኡ ክዛረብ ድዩ ኣይክዛረብን ግን ዝፈልጥ የለን።