ብሰንኪ ጃምላዊ ቅትለት ሩዋንዳ ንመዋእል ማእሰርቲ ዝተፈርደ ውልቀሰብ

ቈልዓ ዝሓዘለት ሰበይቲ ዝርዝር ምውታን ዘርኢ እናተመልከተት

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ኣብ ኔዘርላንድስ ዝርከብ ቤት ፍርዲ፡ ዜግነት ኔዘርላንድስ ንዘለዎ ሓደ ሩዋንዳዊ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ 1994 ኣብ ሩዋንዳ ዘጋጠመ ጃምላዊ ቅትለት ዝነበሮ ግደ፡ ንመዋእል ማእሰርቲ ፈሪዱዎ።

እቲ ዩጂን ኤን ጥራይ ተባሂሉ ዝተጸውዐ ወዲ 66 ዓመት ውልቀሰብ፡ ካብ መንጎ ዝተኸሰሰሎም ገበናት ሓደ፡ ኣብ ሓደ ስታድዩም ተዓቚቦም ኣብ ዝነበሩ ዓሌት ቱትሲ ቦምባ ኢድ ብምድርባይ ይርከቦ።

እቲ ውልቀሰብ ጃምላዊ ቅትለት ንምፍጻም ብዝነበሮ 'ድሌት' ተደፋፊኡ ብምንቅስቓሱ፡ ብገበን ኲናትን ጃምላዊ ቅትለትን ገበነኛ ኰይኑ ተረኺቡ ከም ዘሎ እቲ ዳኛ ገሊጹ።

ሩዋንዳ ኣብ 2014 እቲ ውልቀሰብ ተረኪባ ንኽትፈርዶ ሓቲታ እኳ እንተነበረት፡ ሰበስልጣን ኔዘርላንድስ ግን ነቲ ዜግነት ኔዘርላንድስ ዝነበሮ ኤን ባዕሎም ክምርምርዎ ወሲኖም ነይሮም።

ኣብ ምያዝያ 1994 ኣብ ዝነበሩ 100 መዓልታት ጥራይ፡ ብሰንኪ ዓሌት ሁቱ ዝዀኑ ጥሩፋት፡ ኣስታት 800,000 ዝዀኑ ካብ ዓሌት ቱትሲን ፖለቲካዊ መርገጺኦም ማእከላይ ዝዀነ ሁቱን ተቐቲሎም እዮም።

እቲ ኣብ ሄግ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ከም ዝገለጾ፡ ኤን ኣብቲ እዋን እቲ ጃምላዊ ቅትለት፡ ኣብ ደቡባዊ ሩዋንዳ ኣብ እትርከብ ምባዚ ንኣስታት 1,000 ሰባት ዝመርሕን ልዑል ስልጣን ዝነበሮን ሰብ ነይሩ።

"እቲ ተኸሳሲ ልዑል ክብሪ ዝነበሮን ከም ከባቢያዊ ኣመሓዳሪ መጠን ድማ ጽልዋኡን ተራኡን ዝፈልጥ ሰብ እዩ ነይሩ፡" ዝበለ እቲ ቤት ፍርዲ፡ "ብዙሓት ከበድቲ ገበናት" ከም ዝፈጸመ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ሓደ ናይ ኩዕሶ እግሪ ስታድዩም፡ ነቶም ተወለድቲ ሁቲ ዝዀነ ቱትሲ ከይሃድም ክከላኸሉ ኣዚዙ።

እቶም ኣብ ውሽጢ እቲ ስታድዩም ተዓቚቦም ዝነበሩ ሰባት ድማ ብእምኒ ተቐጥቂጦም፡ ተዅሲ ተኸፊቱሎም፡ ከምኡ'ውን ቦምባ ኢድ ተደርብዩሎም። ካብዚ ዅሉ ሓደጋ ዝተረፉ ድማ ብበትርን ብገጀራን ከም ዝተቐተሉ እቲ ቤት ፍርዲ ኣረዲኡ።

ቅድሚ እቲ ኣብ ስታድዩም ዘጋጠመ ህልቂት፡ ኤን ሰባት ኣባይቲ ክራስዩን ከንድዱን ከለዉ ብሸለልትነት ይዕዘብ ከም ዝነበረ'ውን ተገሊጹ ኣሎ።

እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ መደምደምታኡ፡ "ነቲ ኣብ ግዳያትን ቤተሰብ ግዳያትን ዝወረደ ኣዝዩ ከቢድ ስቓይ ዝምጥን ፍርዲ፡ ንመዋእል ማእሰርቲ ጥራይ እዩ፡" ኢሉ ኣሎ።

ኔዘርላንድስ ኣብ 2020 ኣብ ዝጀመረቶ ምርመራ ልዕሊ 30 መሰኻኽር ቃል ሂቦም እዮም። ድሕሪኡ ኤን ኣብ 2024 ተታሒዙ።

ኤን ነቲ ዝቐረበሉ ክሲ ብምልኡ ነጺግዎ እዩ። ንባዕሉ ኣብቲ "ዘስካሕክሕ ፍጻመታት" ቤተሰቡ ዝሰኣነ ግዳይ ከም ዝዀነ ምግላጹ ኣገልግሎት ዜና ኤ-ኤፍ-ፒ ሓቢሩ።

ጠበቓታቱ፡ "እቲ ጉዳይ ንዝነበሮ ቍስሊ ዳግማይ ክለዓል ገይሩዎ ኣሎ። ንሱ ዝተሃስየ ሰብ እዩ፡" ብምባል፡ ካብ ኵሉ ገበናት ናጻ ክኸውን እኳ እንተ ሓተቱ፡ ቤት ፍርዲ ግን ካብቲ "ንምፍጻም ጃምላዊ ቅትለት ምቕስቃስ" ዝብል ክሲ ጥራይ ናጻ ኣውጺኡዎ።

ጠበቓታት እቲ ተኸሳሲ ብወገኖም፡ "ብርግጽ ነቲ ፍርዲ ይግባይ ክሓትሉ እዮም፡" ክብል ኣገልግሎት ዜና ኤ-ኤን-ፒ ገሊጹ ኣሎ።