ምእሳር ላዕለዎት ጀነራላትን ምፍርራሕ ምክትል ፕረዚደንትን፡ ወዲ ሙሰቬኒ ንሕቶ ስልጣን ኡጋንዳ የጓሃህሮ

Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ኣብ ሰራዊት ኡጋንዳ፡ እቶም ላዕለዎት ጀነራላት'ውን ከይተረፉ እቲ ዘለዎም ማዕርግ ካብ ቍጥዐ እቲ ሓያል ሓለቓ ሓይልታት ምክልኻል ከለላ ክገብረሎም ኣይከኣለን።

ኣብ ዝሓለፉ 15 ኣዋርሕ፡ ወዲ ፕረዚደንት ዮዌሪ ሙሰቬኒ ዝዀነ ጀነራል ሙሁዚ ካይነሩጋባ ኣብ ዘካየዶ ወተሃደራዊ ወፍሪ፡ ብውሑዱ ዓሰርተ ክልተ ላዕለዎት ጀነራላትን መኰንናትን ተኣሲሮም ኣለዉ። እዚ ዘይልሙድ ስጕምቲ ድማ ንላዕለዎት መራሕቲ ሰራዊት ኣናዊጽዎም ይርከብ።

እዚ ተኸታታሊ ማእሰርቲ ዝፍጸም ዘሎ፡ ነታ ሃገር ንኣርባዕተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝመርሐ ዮዌሪ ሙሰቬኒ መን ክትክኦ እዩ ዝብል ፖለቲካዊ ወጥረት ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ኣብ ዝበጽሓሉ ዘሎ እዋን እዩ።

ዕድሚኡ 52 ዓመት ዝዀነ ጀነራል ካይነሩጋባ፡ ንስልጣን ኣቦኡ ክርከብ ከም ዝኽእል ብሰፊሑ ይእመን እኳ እንተ ሃለወ፡ እዚ ትምኒቱ ግና ኣብ ውሽጢ እቲ ገዛኢ ሰልፊ ብርቱዕ ተቓውሞ ይገጥሞ ኣሎ።

እቲ ወጥሪ ዝያዳ ዝገደደ፡ ካይነሩጋባ ኣብዚ ቅነ'ዚ ንምክትል ፕረዚደንት እታ ሃገር ጀሲካ ኣሉፖ ካብ ስልጣና ብምስጓጕን ብማእሰርትን ድሕሪ ምፍርራሑ እዩ። ንሱ ኣብ ክንድኣ ባዕሉ ኣብቲ መዝነት ክቕመጥ ከም ዘለዎ'ውን ኣስሚርሉ ነይሩ።

እቲ ገዛኢ ሰልፊ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ተቓውሞ (NRM) ብወገኑ፡ ላዕለዋይ ኣመራርሓ እቲ ሰልፊ ንጀነራል ካይነሩጋባ ቀጻሊ ፕረዚደንት ንክኸውን ዝቐረበ እማመ ነጺግዎ ዝብል ወረታት "ፈጺሙ ሓሶት እዩ" ክብል ገሊጽዎ ኣሎ።

እዚ ኵነታት፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ማእሰርቲ ነቶም ንፕረዚደንታዊ ሕልሚ እቲ ጀነራል ዝቃወሙ ወተሃደራዊ ሓለፍቲ ንምግላል ዝዓለመ ስጕምቲ እዩ ዝብል ግምታት ኣሐይልዎ ይርከብ።

ገለ ወገናት ግና፡ እዚ ስጕምቲ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ተሓተትቲ ዝዀንሉ ወፍሪ ጸረ-ብልሽውና እዩ ክብሉ ይሞግቱ።

ኣብ ማእከል እዚ ቅልውላው ክልተ ጽልዋ ዘለዎም ትካላት ይርከቡ፤ እቲ ጀነራል ካይነሩጋባ ፍጹም ቍጽጽር ዘለዎ ሰራዊትን እቲ ብዛዕባ ፖለቲካዊ ህርፋኑ ኣብ ክልተ ተመቒሉ ዘሎ ገዛኢ ሰልፊ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ተቓውሞን።

ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ (AFP) ከም ዝሓበሮ፡ መሪሕነት ሰልፊ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ተቓውሞ ኣብዚ ቀረባ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ንጀነራል ካይነሩጋባ ተተካኢ ሙሰቬኒ ንምግባር ኣብ ዝቐረበ እማመ ብዘይ ስምምዕ እዩ ተበቲኑ።

ኣብቲ ዕጽው ኣኼባ ዝተሳተፉ ሓሙሽተ ምንጭታት ከም ዝገለጽዎ ድማ፡ ሓያሎ ኣባላት ነቲ እማመ ብምቃወሞም እቲ ናይ ድምጺ ምሃብ መስርሕ ተሰሪዙ።

ይዅን'ምበር፡ መርበብ ሓበሬታ ኡጋንዳ 'ቺምፕሪፖርትስ'፡ ገሊኦም ኣባላት ንስቪላዊ መሪሕነት ዘለዎ ብቕዓት ኣብ ሕቶ እኳ እንተ ኣእተዉ፡ ዝበዝሑ ካብቶም ሓሳብ ዝሃቡ ግና ንፕረዚደንትነት እቲ ጀነራል ከም ዝደገፉ ጸብጺቡ ኣሎ።

ዋና ጸሓፊ ሰልፊ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ተቓውሞ ሪቻርድ ቶድዎንግ ኣዋኒ ሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ሰልፊ ኣብ "ፖለቲካዊ፡ ማሕበራውን ቍጠባውን ጉዳያት" ንምምይያጥ ብ10 ሕዳር ኣኼባ ከም ዘካየደ ኣረጋጊጹ።

ንሱ፡ እቲ ኣኼባ ንጀነራል ካይነሩጋባ ተካኢ ፕረዚደንት ናይ ምግባር እማመ ነጺግዎ ዝብል ወረታት ኣሉታዊ ምላሽ ብምሃብ፡ ሰልፎም ዝዀነ ውሳነ "ብቕኑዕ መስርሕን ኣብ ግቡእ ግዜኡን" ዕላዊ ከም ዝገብር ኣስሚርሉ።

ኡጋንዳዊ ተወላዲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዮርክ ካናዳ መምህር ስነ-ፖለቲካ ዝዀነ ዶክተር ጀራልድ ባሬበ፡ እዚ ማእሰርቲ ምስቲ መብዛሕትኡ ግዜ "ፕሮጀክት ሙሁዚ" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ምትሕልላፍ ስልጣን ውዲት ቀጥታዊ ምትእስሳር ከም ዘለዎ ይገልጽ።

ዶክተር ባሬበ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ነቲ ናይ ስልጣን ምስግጋር ዘይድግፉ ላዕለዎት መኰንናት፡ ኣብ ማእሰርቲ ይዳጐኑ ወይ ድማ ብብልሽውናን ጥልመትን ይኽሰሱ ኣለዉ፡" ኢሉ።

ንሱ ወሲኹ፡ እዚ ክስታት ብፖለቲካዊ ድራኸ ዝተበገሰ ምዃኑ ብሰፊሑ ከም ዝእመነሉን፡ እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ሰራዊት ዘሎ ናይ ስልጣን ምፍልላይ ዘንጸባርቕ ምዃኑን ገሊጹ። ካብቶም ዝተኣስሩ ገሊኦም ድማ፡ ነቲ ጀነራል ይቕረታ ድሕሪ ምሕታቶም ዝተፈትሑ ምዃኖም ይሕበር።

ነዚ ወፍሪ ማእሰርቲ ኣብ ኣደባባይ ዘቃለዖ ፍጻመ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ሓደ ካብቶም ዝያዳ ፍሉጣት ኣዘዝቲ ሰራዊት ዝነበረ ሌተና ጀነራል ፒተር ኤልወሉ ዝተወሰደ ስጕምቲ እዩ። እዚ ምክትል ሓለቓ ሰራዊት ነበር፡ ነቲ ምብራቓዊ ዞባ ቴሶ ንምዝራግ ውዲት ኣሊምካ ብዝብል ክሲ ብ2 ሕዳር እዩ ተኣሲሩ።

ካይነሩጋባ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተኸታታሊ መልእኽትታት ብምልጣፍ፡ ንኤልወሉ ብኸቢድ ጥልመት ብምኽሳስ መዓርግ ሰለስተ-ኮዀብ ገፊፉ ናብ ተራ ወተሃደር ከም ዘውረዶ ኣዊጁ።

ካይነሩጋባ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ "እቲ ከዳዕ ፒተር ኤልወሉ ካብዚ ዕለት'ዚ ጀሚሩ መዓርጉ ተገፊፉ ኣሎ። ናብ ተራ ወተሃደር ድማ ወሪዱ ኣሎ፡" ኢሉ። ምስኡ ርክብ ዘለዎም ልዕሊ 20 ወተሃደራት ከም ዝተኣስሩ'ውን ሓቢሩ ነይሩ።

እዚ ስጕምቲ ከቢድ ሕጋዊ ሕቶታት ዘልዓለ ኰይኑ፡ መራኸቢታት ኡጋንዳ ወተሃደራዊ ሕጊ ንሓደ ላዕለዋይ መኰንን ብመልእኽቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት መዓርጉ ንምግፋፍ ከም ዘየፍቅድ ኣቃሊሐን።

ሰራዊት እታ ሃገር ድሒሩ ማእሰርቲ ኤልወሉ ብምርግጋጽ፡ ምስኡ ዝተኣሳሰሩ 15 ኣጽዋር፡ ወተሃደራዊ ዩኒፎርማትን ክልተ ናይ ጽዕነት መካይንን ከም ዝሓዘ ኣፍሊጡ። ስድራቤቱ ግና ነዚ ክሲ ነጺጎሞ ኣለዉ።

ብመሰረት ኣብ ኡጓንዳ እትሕተም ጋዜጣ ዴይሊ ሞኒተር ዘካየደቶ ጋዜጣዊ ምርመራ፡ ኤልወሉ ሓደ ካብቶም ካብ ምያዝያ 2025 ኣትሒዞም ዝተኣስሩ ብውሕዱ ዓሰርተ ክልተ ላዕለዎት ጀነራላትን መኰንናትን እዩ።

ካብ መንጎ እቶም እሱራት ድማ ንኣዝዩ ተሃዋሲ ጸጥታዊ ስርሒታት እታ ሃገር ዝመርሑ ዝነበሩ ሰለስተ ናይ ቀደም ሓለፍቲ ወተሃደራዊ ስለያ ይርከብዎም።