ኒፕሲ ሃስል፡ ኤርትራዊ መበቈሉ ንሞያኡ ውርሻታቱን ህቡብነቱን ብኸመይ ጸልይዎ?

Published
ንባብ: 5 ደቓይቕ

ኣቦን ሓውን ኒፕሲ ሃስል፡ ኤርትራዊ ባህሊ፡ ኣብ ሓደ ፍሉይ ቃለ-መሕትት፡ ስድራቤታዊ ምትእስሳርን ናብ መበቈል ሃገሮም ዝገበርዎ ዑደታትን፡ ኣብ መንነት፡ ኣረኣእያ ስራሕን ነባሪ ውርሻን እቲ ኮኾብ ኒፕሲ ብኸመይ ጽልዋ ከም ዘሕደረ የረድኡ።

ራፐር ኒፕሲ ሃስል፡ ብዛዕባ መንነት፡ ዋኒንን ማሕበረሰብን ኣብ ዝዛረበሉ ዝነበረ እዋን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ነቶም ክብርታት ምስቲ ኤርትራዊ መበቈሉ እዩ ዘተኣሳስሮም ነይሩ።

ኣብቲ ኣብዚ ቅንያት ምስ ዋን-54 ኣፍሪቃ (One54 Africa)፡ ዝተባህለ መደብ ፖድካስት ኣብ ዝተገብረ ወግዒ፡ ኣቦኡ ኣቶ ዳዊት ኣስገዶምን ዓቢይ ሓዉ ሳሙኤል "ብላክ ሳም" ኣስገዶምን፡ ኤርትራዊ ባህሊ ነቲ መበቈላዊ ስሙ ኤርምያስ (ኒፕሲ) ኣስገዶም ዝዀነን ተሸላሚ ግራሚን ስነጥበበኛ ብኸመይ ከም ዝጸለወ ዝገልጽ ዳርጋ ብዙሕ ዘይተሰምዐ ሓበሬታ ኣቕሪቦም ኣለዉ።

ንብዙሓት ኤርትራውያን፡ ኒፕሲ ካብ ሓደ ዓለምለኻዊ ኮዀብ ሂፕ-ሆፕ ንላዕሊ እዩ ነይሩ። ንሱ ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ጕሉሓት ኣባላት ዳያስፖራ ኤርትራ ኰይኑ፡ ብዛዕባ መበቈሉ ብዅርዓት ዝዛረብን ነታ ኣብ ዓለምለኻዊ ህቡብ ባህሊ ብዙሕ ዘይትርአ ሃገር ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ሚልዮናት ሰባት ዘላልየን እዩ ነይሩ።

ኤርትራ ንኒፕሲ ሃስል ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲት ነይራ?

ኣቦኡ ከም ዝገልጾ፡ ኤርትራዊ መንነት ዓቂብካ ምጽናሕ ካብ ፈለማ ኣትሒዙ ቀዳምነቱ እዩ ነይሩ።

ኣቶ ዳዊት ኣስገዶም ብንእስነቱ ካብ ኤርትራ ወጺኡ እዩ ናብ ኣመሪካ ተሰዲዱ። ደቁ ካብ ኤርትራዊ ኣቦን ኣፍሪቃዊት-ኣመሪካዊት ኣደን ኣብ ሎስ ኣንጀለስ እኳ እንተ ተወልዱን እንተ ዓበዩን፡ ንሱ ግን መበቈሎም ከም ዝርድኡ ንምግባር ብዙሕ ዝጸዓረ ኣቦ እዩ ነይሩ።

እዚ ድማ ምስ ኤርትራዊ ምግቢ፡ ሙዚቃ፡ ቋንቋን ናብራ ማሕበረሰብን ከም ዝፋለጡ ምግባር ዘጠቓልል ነይሩ። እታ ስድራቤት ብቐጻሊ ኣብ ማሕበራዊ ምትእኽኻባት ኤርትራውያን ትሳተፍ ነይራ፤ ምስ ኣዝማድን ኣባላት ዳያስፖራን ድማ ጥቡቕ ርክብ ዓቂባ እያ።

ንኣቶ ዳዊት፡ እቲ ዕላማ ባህሊ ዓድኻ ዓቂብካ ምንባር ጥራይ ኣይነበረን። ታሪኽ ደቁ ካብ ጐደናታት ደቡብ ሎስ ኣንጀለስ ዝሰገረን፡ ምስ ዝሰፍሐ ታሪኽ፡ መርበብ ስድራቤትን ሃገራዊ መንነትን ዝተኣሳሰር ምዃኑ ከም ዝርድኡ ክገብር ዕላማኡ እዩ ነይሩ።

ብላክ ሳም (ሳሙኤል) ከም ዝብሎ፡ እዚ ተመኵሮታት እዚ ንዕኡን ንኒፕሲን ብዛዕባ መንነቶም ዝያዳ ሓያል ርድኢት ሂቡዎም እዩ። እዚ ድማ ኣብ መንጐ ክልተ ባህልታት ኰይኖም ህይወቶም ክመርሑ ከም ዝሓገዞም ይገልጽ።

ኣብ ዛንታ ናይታ ስድራቤት ጐሊሑ ዝርአ ሓደ ተመኵሮ ኣሎ፤ ንሱ ድማ ኣብ 2004 ናብ ኤርትራ ዝተገብረ ናይ ሰለስተ ኣዋርሕ ዑደት እዩ።

ኒፕሲን ሓዉን ብንእስነቶም ናብ ሃገር ኣቦኦም ድሕሪ ምጕዓዝ፡ ከም በጻሕቲ ዘይኰነስ ምስ ኣዝማዶም እዮም ግዜኦም ኣሕሊፎምዎ። ምስ ኣባላት ስድራቤቶም - ንዓባዮም ሓዊሱ - ብምጽናሕ፡ መዓልታዊ ህይወት በቲ ምስ መበቈሎም ብቐጥታ ንኽተኣሳሰሩ ዘኽእሎም መንገዲ ከም ዘስተማቐርዎ ሳም ይገልጽ።

ንብዙሓት ደቂ-ስደተኛታት፡ መበቈል ሃገር ወለዶም ምብጻሕ መቐይሮ ነጥቢ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ጉዳይ ኒፕሲ፡ ኣባላት ስድራቤቱ ከም ዝገልጽዎ፡ እቲ ጕዕዞ ነቲ ጸኒሑ ኣገዳሲ ክፋል ናይ ህዝባዊ ምስሉን መንነቱን ዝዀነ ርድኢት ዘዕመቘ እዩ ነይሩ።

ኒፕሲ ኣብ ቃለ-መሕትታቱን ሙዚቃታቱን መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ ኤርትራ ይጠቅስ ነይሩ እዩ። ብመበቈሉ ዘለዎ ኵርዓትን ንታሪኽ እታ ሃገር ዘለዎ ኣድናቖትን እውን ይገልጽ ነይሩ።

ኒፕሲ ኣብ 2018 ምስ ኣቦኡን ሓዉን ዳግማይ ናብታ ሃገር ተመሊሱ ነይሩ እዩ። ካብቲ ዑደት ዝተረኽበ ስእልታትን ቪድዮታትን ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ብሰፊሑ ዝተዘርግሐ ኰይኑ፡ ብዙሓት ድማ ከም ወገኖም ብሓጐስ ተቐቢሎምዎ።

ኤርትራ ብኣጠማምታ ኒፕሲ

ናይታ ስድራቤት ርእይቶታት ከም ዘመልክቶ፡ ኤርትራዊ ክብርታት ኣብ ባህላዊ መንነት ኒፕሲ ጥራይ ኣይኰነን ጽልዋ ኣሕዲሩ።

ኣብ ምሉእ ሞያዊ ጕዕዞኡ፡ ንብረትካ ምውናን፡ ኣብ ርእስኻ ምምርኳስን ኣብ ከባቢያውያን ማሕበረሰባት ነዊሕ ናይ ግዜ ወፍሪ ምግባርን ብምትብባዕን ምጥባቕን ተፈሊጡ እዩ። ኣብ ሙዚቃ ጥራይ ከይተሓጽረ፡ ኣብ ንግዲ፡ ተበግሶታት ቴክኖሎጂን ልምዓት ህንጻታትን ኣብ ደቡብ ሎስ ኣንጀለስ ወፍሪ ገይሩ እዩ።

ብዙሓት ደገፍቱ፡ ኣብ መንጎ እዞም ሓሳባቱን ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰባት ኤርትራውያን መብዛሕትኡ ግዜ ጐሊሑ ዝርአ ከም ተጻዋርነት፡ ሓላፍነት ስድራቤትን ሓባራዊ ዕብየትን ዝኣመሰለ ክብርታትን ዘሎ ምምስሳል ይጠቕሱ እዮም።

ኣቦኡ ኣብ ታሪኽን ማሕበረሰብን ዘለዎ ትዅረት፡ ነቲ ዳሕራይ ህዝባዊ ህይወት ኒፕሲ ዝገልጽ ኣረኣእያ ዓለም ቅርጺ ኣብ ምሃብ ከም ዝሓገዘ ይርአ።

ውርሻ 'ማራቶን' እንታይ ኰነ?

ካብቲ ኒፕሲ ኣብ 2019 ዝሞተሉ ግዜ ኣትሒዙ፡ ስድራቤቱ ነቲ ንሱ ኣብ ምምስራቱ ኣበርክቶ ዝገበረሉ ትካላት ንግዲ ናይ ምዕቃብን ምስፋሕን ሓላፍነት ወሲዳ ኣላ።

ብላክ ሳም ከም ዝብሎ፡ ማራቶን ዝብል ብራንድ (መለለዪ ስም) ካብ ሙዚቃን ክዳውንትን ወጻኢ ምዕባዩ ይቕጽል ኣሎ። እቲ ፕሮጀክትታት፡ ነቲ ኤርትራዊ ጽልዋ ኣብ ሓደ ክፋል ናይ 'ሜኑ' ዘእተወ "ማራቶን በርገር" ዝሓቍፍ ክኸውን እንከሎ፡ ሓደስቲ ተበግሶታት ንግዲ እውን ኣብ መስርሕ ምድላው ይርከቡ።

እታ ስድራቤት ብተወሳኺ፡ እቶም ደቁ ካብ ዓወታቱ ተጠቀምቲ ዝዀንሉ መንገዲ ብምትኳር፡ ነቲ ናይ ኒፕሲ መሰል ኣእምሮኣዊ ዋንነት፡ ናይ ንግዲ ረብሓታትን ግብረ-ሰናያዊ ውርሻን ትቈጻጸር ኣላ።

ጉዳይ ሰነዳዊ ፊልም

እቲ ቃለ-መሕትት፡ ብዛዕባ ህይወት ኒፕሲ ኣብ ዝዳሎ ዘሎ ሓድሽ ዶክመንተሪ እውን ሓድሽ ሓበሬታ ኣቃሊዑ ኣሎ።

እዚ ፕሮጀክት እዚ ብምትሕብባር ምስ ሰራሕ-ፊልም ኣለን ሂዩዝ ዝዳሎ ዘሎ ኰይኑ፡ ኣቶ ዳዊት ኣስገዶም ንሓያሎ ዓሰርተታት ዓመታት ዝቐረጾ ናይ ስድራቤት ቪድዮታት ሓዊሱ ስፍሕ ዝበለ ስኑድ ቪድዮታት (archival footage) ከጠቓልል እዩ ዝብል ትጽቢት ኣሎ።

ብላክ ሳም ከም ዝብሎ እውን፡ እዚ ፊልም እዚ ብዛዕባ ቍልዕነት ኒፕሲ፡ ርክባት ስድራቤቱን ውልቃዊ ጕዕዞኡን ብቐረባ ዘርኢ ምስሊ ዘቕርብ ኰይኑ፡ ካብቲ ከም ራፐርን ነጋዳይን ዘለዎ ምስሊ ዝሰግር ኣረኣእያ ክህብ ምዃኑ ኣተንቢሁ።

ስድራቤት ኒፕሲ ሃስል፡ ብሰንኪ ጕዳይ ምቍጽጻር ትሕዝቶ ናይ ሚልዮናት ዶላራት ውዕላት ናይቲ ዶክመንተሪ ከም ዝነጸጉ እዩ ግን ዝንገር።

ስድራቤት ኒፕሲ፡ ዛንታ ህይወቱ ብኸመይ ክቐርብ ኣለዎ ኣብ ዝብል ጕዳይ ብዝተፈጥረ ዘይምስምማዕ፡ ካብ ከም ነትፍሊክስን ዲዝኒን ዝኣመሰላ ዓበይቲ ትካላት ፈነወ ዝቐረበሎም ናይ ሚልዮናት ዶላራት እማመታት ነጺጐም ኣለዉ።

ሳም ኣስገዶም፡ ነዚ ኣመልኪቱ ኣቐዲሙ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትታት፡ እታ ስድራቤት ኣስታት 20 ሚልዮን ዶላር ዝበጽሕ እማመታት ከም ዝቐረበላ እዩ ዝገልጽ። ይዅን እምበር፡ ነተን ኣፍረይቲ ትካላት ኣብ ልዕሊ እቲ ዶክመንተሪ ፊልም መብዛሕትኡ ቍጽጽር ዝህብ ዝዀነ ይኹን ስምምዕ ክቕበሉ ፍቓደኛታት ኣይኰይኑን።

ብላክ ሳም ከም ዝብሎ፡ እዚ ውሳነ እዚ ምስ ገንዘብ ዝተኣሳሰር ዘይኰነስ፡ እታ ስድራ ንሓቅነትን ትሕዝቶን ዛንታ ኒፕሲ ንምዕቃብ ካብ ዘለዋ ድሌት ዝነቐለ እዩ።

እቲ ፊልም ብሓፈሻ ኣብ ክልተ ወይ ሰለስተ ክፋላት ጥራይ ንምድራቱ ዝቐረበ ሓሳባት ከም ዝነጸጕ ዝተገለጸ ኰይኑ፡ ከምዚ ዝበለ ቅርጺ ንህይወትን ሞያዊ ጕዕዞን ሓዉ ብእኹል መጠን ክሽፍኖ ኣይክእልን እዩ ኢሉ ይምጕት።

እታ ስድራ፡ እዋን ቍልዕነቱ፡ ህይወት ስድራቤት፡ ሙዚቃዊ ዕብየትን ናይ ንግዲ ተበግሶታቱን ዘጠቓልል፡ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ኣማኢት ሰዓታት ዝወስድ ዝተሰነደ ቪድዮታት ኣብ ግምት ዘእተወ ዝያዳ ኵለንተናዊ ዝዀነ ፍርያት እያ ትደሊ።

በዚ ድማ ብላክ ሳም፡ እታ ስድራቤት ትሕዝቶን ኣንፈትን ናይቲ ዶክመንተሪ ካብ ምሕዳግ፡ ነቲ ፕሮጀክት ባዕላ ክትምውሎ ከም እትመርጽ ኣሚቱ፤ ዶክመንተሪ ዝወጸሉ ዕለት ግን ዛጊት ብወግዒ ኣይተፈልጠን።

ኒፕሲ ንኤርትራውያን ክሳዕ ሕጂ ኣገዳሲ ዝዀነሉ ምኽንያት

ኒፕሲ ንኤርትራውያን ክሳዕ ሕጂ ኣገዳሲ ዝዀነሉ ምኽንያት

ካብ ዝመውት ልዕሊ ሸውዓተ ዓመት እኳ እንተ ሓለፈ፡ ኒፕሲ ሃስል ሓደ ካብቶም ኣብ መላእ ዓለም ኣዝዮም ዝፍለጡን ዝደመቝን ኤርትራዊ መበቈል ዘለዎም ሰባት ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።

ንብዙሓት ኣብ ሃገሮምን ኣብ መላእ ዳያስፖራን ዝርከቡ ኤርትራውያን፡ እቲ ዛንታኡ ሓደ ልሙድ ዝዀነ ተመክሮ ዘንጸባርቕ እዩ፤ ተሰዲድካ ኣብ ካልእ ሃገር ህይወትካ እናመርራሕካ እውን ምስቲ መበቈልካ ሓያል ርክብ ምዕቃብ።

እዚ ካብ ኣቦኡን ሓዉን ዝወጸ ሓድሽ ርእይቶታት ከም ዘመልክቶ፡ እዚ ርክብ እዚ ኣብ ህይወት ኒፕሲ ንእሽቶ ጉዳይ ኣይነበረን። ንሱ ንርእሱ ብኸመይ ይርድኣ ንዝብል ጉዳይ እውን ዝጸለወ እዩ ነይሩ።

እቲ ውርሻኡ፡ ካብ ሙዚቃ ንላዕሊ ምዃኑ እዮም ዝምጕቱ። ንሱ ብዛዕባ መበቈል፡ ውርሻ፡ ስድራቤት፡ ማሕበረሰብን - መበቈልካ ምፍላጥ ናበይ ከም እትኸይድ ከተነጽር ይሕግዝ እዩ ዝብል እምነትን - እውን እዩ።

እቲ ብኒፕሲ ሃስል ዝጽዋዕ ኤርሚያስ ኣስገዶም፡ ብ31 መጋቢት 2019 ኣብ ኣፍደገ እቲ ሎስ ኣንጀለስ ኣብ ዝርከብ "ማራቶን" ዝበሃል እንዳ ክዳውንቲ ድኳኑ፡ ንሸውዓተ ዓመት ብዝፈልጦ ወዲ ገዛውቱ ኤሪክ ሆልደር እዩ ብጥይት ተወቒዑ ኣብ 33 ዓመት ዕድመኡ ሞይቱ።

ካብቲ ዝሞተሉ ግዜ ኣትሒዙ፡ ስድራቤቱ ናይ ንግዲ ረብሓታቱ ምምሕዳርን ስነ-ጥበባዊ ውርሻኡ ምዕቃብን ቀጺላ ኣላ።

ኣባላት ቤት ምኽሪ እታ ከተማኡ " ናይ ምዕራባዊ ገማግም ጅግና" ክብሉ ብምስማይ: ኣብቲ ዝነብረሉ ዝነበረ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ሎስኣንጅለስ ዝርከብ ገዛውቲ ንዘሎ ሓደ መስቀላዊ መገዲ፡ "ኣደባበይ ኒፕሲ ሃስል" ተባሂሉ ክስየም ወሲኖም።