እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ግብጺ፡ ብሓደጋ ባቡር ብውሕዱ 7 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ልዕሊ 100 ተጐዲኦም
ኣብ ግብጺ ኣብ ጥቓ ከተማ ጊዛ ብሰንኪ ዘጋጠመ ሓደጋ ባቡር፡ ብውሕዱ 7 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ልዕሊ 100 ድማ ተሃሪሞም መጕዳእቲ ወሪድዎም።
በዓል መዚ ባቡር እታ ሃገር፡ ካብ ጊዛን ካይሮን ንደቡብ ኣንፈት ዝጓዓዛ ዝነበራ ክልተ ባቡራት ብምግጫወን፡ ተሳፈርቲ ዝነበሩዎ ባጐኒታት ካብ ሓዲድ ወጺኡ ከምዝደወቐ ገሊፁ።
ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ምስልታት፡ ሰባት ኣብ ውሽጢ እቲ ዝተገልበጠ ባጐኒታት ዝተጐድኡ ተሳፈርቲ ይረአዩ።
ፕረዚደንት ግብጺ ዓብዱልፋታሕ ኣል ሲሲ፡ ሰበስልጣን እታ ሃገር "ጠንቂ እቲ ሓደጋ ክምርምሩ፡ ሸለልትነት ዝፈጸመ ሰብ ድማ ክሕተት" ከምዝኣዘዘ ገሊጹ።
ቤት ጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊ፡ ብዝሒ ዝሞቱ ሰባት ክውስኽ ከምዝኽእል ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።
መንግስቲ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ሆስፒታላት፡ ብዝሒ ዘለዎም ቍሱላት ኣብ ዝሕክመሉ ዘሎ እዋን፡ "ዝለዓለ ጥንቃቐ" ክገብራ ከምዝተኣዘዛ ገሊጹ።
ምኒስተር ጥዕና ግብጺ ዶክተር ኻልድ ዓብደል ቐፋር፡ ሰባት ዝተሰብረ ኣዕጽምትን መጕዳእቲ ርእሶምን ይሕከሙ ከምዘለዉ ሓቢሩ።
መራሒ ሓንቲ ካብተን ባቡራት ካብቶም በቲ ሓደጋ ዝሞቱ ከምዝዀነ እቲ ምኒስትሪ ኣረጋጊጹ።
ቀይሕ ወርሒ ግብጺ፡ ኣብቲ ቦታ ንዝርከቡ ግዳያትን ስድራቤቶምን ሓገዝን ስነ-ኣእምሮኣዊ ደገፍን ይገብር ከምዘሎ ገሊጹ።
እታ ቀዳመይቲ ባቡር፡ ካብ ከተማ ጊዛ ናብ ኣብ ደቡብ ካይሮ እትርከብ ከተማ ፋዩም ኣብ እትጓዓዘሉ እዋን፡ ምስ ካብ ካይሮ ናብ ደቡብ ገፅ ናብ ኣስዋን እትኸይድ ዝነበረት ባቡር እያ ተላቲማ።
ነተን ዝተሰባበራ ባቡራት ንምእላይ ክሬናት ኣብ ዝለኣኻሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብቲ ከባቢ ኣገልግሎት ባቡር ተቛሪፁ ይርከብ።
በዓል መዚ ባቡር፡ እዚ ምቍራፅ ኣገልግሎት ክንደይ ግዜ ከምዝፀንሕ ግምቱ ኣይገለጸን።
እቲ ግጭት፡ ኣብ መንጎ መደበራት ካፍር ዓማርን ኣልራቓን - ኣብ ከባቢ ኣል-ኣያት ዘጋጠመ ኰይኑ፡ ኣብ ለካቲት 2002 ኣብ ግብጺ ባቡር ባርዕ ሓዊ ምስ ኣጋጠማ፡ ኣብ ግብጺ ኣዝዩ ቀታሊ ሓደጋ ባቡር ዘጋጠመሉ ከባቢ እዩ።
ኣብቲ ዝሓለፈ ሓደጋ፡ ልዕሊ 370 ሰባት ከም ዝሞቱ ብወግዒ ተገሊጹ'ኳ እንተነበረ፡ ገለ ግምታት ግን እቲ ብዝሒ ካብኡ ዝዩ ዝለዓለ ከምዝዀነ እዩ ዝግመት።
ኣብ 2009 ድማ ኣብቲ ከባቢ ብዘጋጠሙ ክልተ ተወሳኽቲ ሓደጋታት ካልኦት ዓሰርተታት ሰባት ሞይቶም።
ኣብ ግብጺ ትማሊ ሰንበት ብሰንኪ እዚ ቀታሊ ሓደጋ ባቡር፡ ምኒስተር መጓዓዝያ ካብ ስልጣኑ ክለቅቕ ጻውዒት ቀሪቡ ነይሩ።
መራሕቲ ሃገራትን ንጉሳውያንን፡ ንግዳያት ጽንዓት ይሃብኩም ብምባል፤ ሓገዝ ከወፍዩ ቃል ኣትዮም።
ካብ መንጐኦም፡ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ፡ ምስ ግብጺ ዘለዋ ምትሕግጋዝ ብምግላጽ፡ ነቶም ዝተጎድኡ ብቕልጡፍ ክሓውዩ ተመንዩ።
ኣምባሳደር ቱርኪ ኣብ ግብጺ ብወገኑ፡ ነቶም ግዳያት፡ ስድራቤቶምን ህዝቢ ግብጽን ናይ ጽንዓት ይሃብኩም መልእኽቲ ኣብ ኤክስ ኣስፊሩ ኣሎ።